ወንጌል ዓይኒ ምሁራት ክርአ ከሎ
“ሰብ መን እዩ ይብለኒ አሎ፧” (ሉቃስ 9:18) የሱስ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር እዚ ሕቶ እዚ ንደቀ መዛሙርቱ ሓተቶም። እቲ ሕቶ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣከራኻሪ ኢዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ከይተረፈ: ብፍላይ ኣብቲ ናብ የሱስ ከም ዘተኵር ዝሕሰብ ቅነ ልደት: ዝያዳ ኣካራኻሪ ኢዩ ዝመስል። ብዙሓት ሰባት የሱስ ንደቅሰብ ክብጆ ካብ ሰማይ ከም እተላእከ ይኣምኑ ኢዮም። ንስኻኸ ከምዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድዩ ዘሎካ፧
ለ ምሁራት እተፈልየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎም። ናይ ሃይማኖትን ባህልን ፕሮፌሰር ዝዀነ ማርከስ ጀይ. ቦርግ “እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዓለም ክመውት ዝነበሮ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይርካ ትምህርቲ እተዋህበሉ የሱስ ታሪኻዊ ሓቅነት የብሉን” ይብል።
ካልኦት ምሁራት እቲ ናይ ሓቂ የሱስ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ የሱስ እተፈልየ ምዃኑ ይዛረቡ። ገሊኦም ድማ: ኵሉ እቲ ወንጌላት ድሕሪ ሞት የሱስ ኣርብዓ ዓመታት ወይ ዝያዳ ጸኒሑ ከም እተጻሕፈን ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ ናይ ሓቂ መንነት የሱስ ተዀሓሒሉ ከም ዝቐረበን ኢዮም ዝኣምኑ። እዞም ምሁራት እዚኣቶም እቲ ጸገም ኣብ ተዘክሮ ናይቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ዘይኰነስ ኣብቲ ኣተረጓጕምኦም ምዃኑ ይዛረቡ። ድሕሪ ሞት የሱስ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብእተፈልየ መገዲ—ከም ወዲ ኣምላኽ: መድሓኒ: ከምኡውን ከም መሲሕ—ገይሮም ክርእይዎ ጀመሩ። ገሊኦም የሱስ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ጥበበኛ: ሱር በተኽ ማሕበራዊ ለውጢ ዘካይድ ሰብ ምንባሩ ብድፍረት ይዛረቡ። እቶም ምሁራት: ነዚ ምሉእ ብምሉእ ሓቂ ኢዩ ይብልዎ።
ብዛዕባ የሱስ ዘሎ “ናይ ምሁራት” ኣረኣእያ
ነቐፍቲ ነቲ ዘሎዎም “ናይ ምሁራት” ኣረኣእያ ምእንቲ ክጣበቕሉ: ብዛዕባ የሱስ ልዕለ-ባህርያዊ መሲሉ ንዝርአ ዝዀነ ይኹን ነገር ክውግድዎ ዝጽዕሩ ኢዮም ዝመስሉ። ንኣብነት: ነቲ ድንግል ምውላዳ ዝነግር ጸብጻብ: የሱስ ብሕጊ ዘይተወልደ ቈልዓ ምንባሩ ንምሽፋን እተገብረ ኢዩ ይብሉ። ካልኦት ድማ: እቲ ንጥፍኣት የሩሳሌም ዝምልከት ትንቢታት የሱስ ኣብቲ ወንጌላት እተወሰኸ ድሕሪ “ምፍጻሙ” ከም ዝዀነ ኣትሪሮም ብምዝራብ ይነጽግዎ። ገሊኦም ድማ እቲ የሱስ ዝገበሮ ምሕዋይ ንኣተሓሳስባ ሓደ ሰብ ብምልዋጥ ከህድእ ዝኽእል ምሕዋይ ምንባሩ እውን ከይተረፈ ይዛረቡ። ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታትሲ ቅኑዕዶ ወይስ ተቐባልነት ዘይብሉ ኰይኑ ተረኽበ፧
ገሊኦም ምሁራት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምንቅስቓሶም ምእንቲ ከይቋረጽ ትንሳኤ ምሂዞም እውን ይብሉ ኢዮም። እቶም ምሁራት: ልዕሊ ዅሉ ሰዓብቲ የሱስ ብዘይ ብእኡ ሓይሊ ስለ ዘይብሎም: ንጐይትኦም እንደገና ኣብቲ ጽሑፋቶም ቀንዲ ቦታ ከም ዝሕዝ ገበርዎ ዝብል ምኽንያት የቕርቡ። እዚ ድማ ክርስቶስ ዘይኰነስ ክርስትና ኢዩ ተንሲኡ ማለት ኢዩ። እዚ: ናይ ምሁራት ካብ ሓቂ ምጥዋይ ዝመስል እንተድአ ዀይኑ: ብዛዕባ እታ ናይ ሃይማኖት ምህርቲ ባርባራ ተሪን የሱስ ፈጺሙ ኣይተቐትለን ዝበለቶኸ ድኣ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ የሱስ ካብ ስቕለት ኣምሊጡ: ብድሕሪኡ ኸኣ ክልተ ግዜ ተመርዕዩ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ከም ዝዀነ ኢያ እትኣምን።
ኵሉ እዚ መረጋገጺ ተባሂሉ ዝቐረበ ዘረባታት ንየሱስ ናብቲ ብዙሓት ምሁራት ከምኡ ኢዩ ኢሎም ዝቕበልዎ ደረጃ ኢዩ ዘውርዶ: እዚ ድማ ጥበበኛ ሰብኣይ: ጥቓ እቲ ዝተሓተ ብቕዓት ዘለዎ ኣይሁዳዊ: ተቐባልነት ወይ ክእለት ዝነበሮ ሰብ: ማሕበራዊ ተሃድሶ ዘካይድ—እቲ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ከሕልፍ’ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ገይሮም ጥራይ ኢዮም ዘይተቐበልዎ እምበር: ካልእ ዝዀነ ዓይነት ሰብ ገይሮም ኢዮም ዝቕበልዎ ዝብል ኢዩ።—ማቴዎስ 20:28
ምናልባት ኣብዚ ቅነ ልደት: ከም እኒ የሱስ ኣብ መብልዕ ማል ምውላዱ ዝዛረብ ገለ ክፋል ናይቲ ወንጌላት ኣንቢብካ ትኸውን። ወይውን ከምዚ ዝበለ ነገራት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሰሚዕካ ትኸውን። ነቲ ናይ ወንጌል ጸብጻባት ጠቓምን ክእመን ዝከኣልን ገይርካዶ ተቐቢልካዮ፧ እምበኣር ነዚ ዝስዕብ ዘሰምብድ ፍጻመ ኣስተውዕለሉ። ኣብቲ ናይ የሱስ ሰሚናር ዝበሃል: ካብ 1985 ኣትሒዙ ሓደ ጕጅለ ምሁራት ንሓቅነት ቃላት የሱስ ንምውሳን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ይእከብ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ተዛሪብዎ ኢዩ ዝበሎስ: ብሓቂ ንሱ ድዩ ተዛሪብዎ፧ ኣባላት እቲ ሰሚናር ንነፍሲ ወከፍ የሱስ ዝበሎ ዘረባ እተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎ ኣዕናቝ ተጠቒሞም የድምጽሉ። ቀይሕ ዕንቊ እቲ ሓሳባት ብርግጽ የሱስ ተዛሪብዎ ማለት ኢዩ፣ ሊላ ዕንቊ የሱስ ምናልባት ተዛሪብዎ ይኸውን ማለት ኢዩ፣ ሓሙኽሽታይ ዕንቊ ምጥርጣር የመልክት፣ ጸሊም ዕንቊ ድማ ሓሶት ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ።
እቲ ናይ የሱስ ሰሚናር ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጕጅለ: ካብቲ የሱስ ተዛሪብዎ ዝበሃል ቃላት 82 ሚእታዊት ምናልባት ብእኡ ዘይተዘርበ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግላጹ ክትሰምዕ የሰንብደካ ይኸውን። ካብ ወንጌል ማርቆስ እተወስደት ሓንቲ ጥቕሲ ጥራይ ኢያ እተተኣማምን ተባሂላ ተቐባልነት ዝረኸበት። ወንጌል ሉቃስ “እቲ መሰረት ዝኸውን መበቈላ ክርከብ ዘይከኣል” ኣዝያ ፕሮፖጋንዳ ዝመልአት ምዃና ተዘርበላ። ካብ ወንጌል ዮሃንስ ድማ ብጀካ ሰለስተ መስመራት ኵሉ እቲ ዝተረፈ: እቲ ንሓሶት ዘመልክት ጸሊም ዕንቊ ኢያ ረኺባ: ገለ ንእሽቶ ክፋል ድማ እቲ ናይ ምጥርጣር ዘመልክት ሓሙዅሽታይ ዕንቊ ረኸበ።
ልዕሊ ምሁራት
ምስቶም ምሁራት ትሰማማዕዶ ኢኻ፧ ብዛዕባ የሱስ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ንላዕሊ ቅኑዕ ዝዀነ መግለጺ ድዮም ዘቕርቡልና ዘለዉ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ናይ ምሁራት ክትዕ ካብ ምቕራብ ንላዕሊ ናይ ምግባር ጕዳይ ኢዩ። ኣብዚ ቕነ እዚ: ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ‘[ብእኡ] ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእ’ ኢሉ ንየሱስ ከም ዝለኣኾ ትዘኻኸር ትኸውን።—ዮሃንስ 3:16
የሱስ ብዛዕብኡ ሒደት ጥራይ እንፈልጥ: ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐስ ሰብ ጥራይ እንተድኣ ነይሩ: ብእኡ ‘ምእማንና’ ቁም ነገር ዘይብሉ ኢዩ ዝኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዝህቦ መግለጺ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ: ዘለኣለማዊ ድሕነትና እውን ዘጠቓልል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ሓቂ ድዩ ዝዛረብ፧ ነዚ ክንፈልጦ የድልየና ኢዩ።