ጾም ግዜኡ ዘሕለፈ ድዩ፧
ሙሩዱላበን እትበሃል ጓል 78 ዓመት ሃብታም ህንዳዊት ሰበይቲ: “ኮተቴ ከሎኹ ኣትሒዘ ሰኑይ ሰኑይ እጸውም ኢየ” ትብል። እዚ ክፍሊ ኣምልኾኣ ኢዩ: ምዉቕ ሓዳርን ጥዑያት ቈልዑን ክህልዉዋ: ከምኡውን በዓል ቤታ ዕቝባ ክረክብ ብምባል እትጥቀመሉ መገዲ ኰይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ሕጂ መበለት ምስ ኰነት ድማ: ጽቡቕ ጥዕና ክትረክብን ደቃ ክብልጹግላን ኢላ ሰኑይ ሰኑይ ምጻም ትቕጽሎ ኣላ። ልክዕ ከምዚ ንሳ እትገብሮ መብዛሕትአን ኣመንቲ ሂንዱ ዝዀና ኣንስቲ ስርዓታውያን ኰይነን ምጻም ክፍሊ ናብርአን ገይረንኦ ኢየን።
ኣብ ከባቢ ሙምባይ (ቦምበይ): ህንዲ: ዝቕመጥ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎ ፕረካሽ እተባህለ ነጋዳይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ኣብቲ እዋን ሳቨን (ሽራቫን) ዘለዋ መዓልትታት ሰኑይ ከም ዝጸውም ይዛረብ። እዚ ግዜ እዚ ኣብቲ ናይ ሂንዱ ዓውደ-ኣዋርሕ ፍሉይ ሃይማኖታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ወርሒ ኢዩ። ፕራካሽ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ክጅምሮ ከሎኹ ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ኢዩ ነይሩኒ: ሕጂ ግን ንጥዕናይ ኢለ ክቕጽሎ ካልእ ተወሳኺ መተባብዒ ረኸብኩ። ሳቨን ኣብ ምውዳእ ክራማት ሙንሱን ስለ ዝመጽእ: ኣካላተይ ብፍላይ ካብቲ ምስ እዋን ክረምቲ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ሕማማት ንኽጸሪ ዕድል ይህቦ።”
ገሊኣቶም ምጻም ንሓደ ሰብ ብኣካላዊ: ኣእምሮኣዊ: ከምኡውን መንፈሳዊ መገዲ ይሕግዞ ኢዩ ዝብል ስምዒት ኣለዎም። ንኣብነት: ግሮልያ ኢንተርናሽናል ኢንሳይክሎፔድያ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተረኽበ ስነ-ፍልጠታዊ ምርምር: ምጻም ጥዕና ዝህብ ክኸውን ከም ዝኽእል: ብጥንቃቐ ምስ ዝግበር ድማ ዝለዓለ ንቕሓትን ምስትውዓልን ከም ዘምጽእ ይሕብር።” ፕላቶ እተባህለ ግሪኻዊ ፈላስፋ ንዓሰርተ መዓልትታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ይጸውም ከም ዝነበረ: ፓይታጎራስ እተባህለ ናይ ሕሳብ ሊቕ ድማ ንተማሃሮኡ ምምሃር ቅድሚ ምጅማሩ ከም ዝጾሙ ይገብር ምንባሩ ይንገር።
ንገለ ሰባት ጾም ማለት ንእተወሰነ እዋን መግብን ማይን ምሕራም ክኸውን ከሎ: ካልኦት ድማ ኣብ እዋን ጾም ፈሳሲ ነገር ይሰትዩ ኢዮም። ገለ እዋናት ብልዒ ምሕላፍ: ወይ ካብ እተወሰነ ዓይነት መግብታት ምቝጣብ ጾም ዝሓስብዎ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ብዘይ ቍጽጽር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጾም ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ፓሩል ሼዝ እተባህለ ጋዜጠኛ: ኣካላት ሰብ ነቲ ዘለዎ ካርቦሃይድሬት ምስ ወድአ: ቀጺሉ ነቲ ናይ ጭዋዳ ፕሮቲን ናብ ግሉኮስ ይልውጦ: ድሕርዚ ድማ ካብቲ ናይ ኣካላት ስብሒ ይጥቀም። ንስብሒ ናብ ግሉኮስ ክቕይሮ ከሎ ድማ ኬቶን ቦዲ እተባህለ መርዛም ነገር የውጽእ። እዚ መርዛም ነገር እዚ ምስ ተኣከበ: ናብ ሓንጐል ይድይብ: ነቲ ቀንዲ ኣገባብ ስነ-መትኒ ድማ ይጐድኦ ምዃኑ ይዛረብ። ሼዝ: ቀጺሉ “እዚ: ምጻም ሓደገኛ ክዀነሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ምስ በጽሐ ኢዩ። ድንግርግር: ዕውንውን: ክብለካ ይኽእል: ካብኡ ዝገደደ ድማ . . . ሃለዋትካ ከም እተጥፍእ ክገብረካ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሞት ከስዕብ [ይኽእል ኢዩ]” ይብል።
ናይ ዕላማ መሳርሕን ሃይማኖታዊ ልምድን
ጾም ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ዕላማታት ንምፍጻም ሓያል መሳርሒ ብምዃን ክዓዪ ጸኒሑ ኢዩ። ናይዚ መሳርሒ እዚ ውሩይ ተጠቃሚ እቲ ኣብ ህንዲ ዝነበረ ሞሃንዳስ ኬይ. ጋንዲ ኢዩ ነይሩ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዝለዓለ ክብሪ ዝነበሮ ጋንዲ: ንጾም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ኣመንቲ ሂንዱዚም ዝዀኑ ሓፋሽ ህዝቢ ብርቱዕ ጽልዋ ንምግባር ተጠቒምሉ ኢዩ። ውጽኢት ናይቲ ኣብ መንጎ ናይ ፋብሪካ ሸቃሎን ወነንትን ዝነበረ ባእሲ ንምህዳእ ዝጸሞ ጾም ክገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “እቲ ዝበለጸ ውጽኢቱ ኣብ መንጎ እቶም ኵሎም ዝምልከቶም ሰባት ናይ ጽቡቕ ፍቓድ ሃዋሁ ከም ዝህሉ ገበረ። ኣልባብ ናይቶም ወነንቲ ፋብሪካታት ተተንከፈ . . . ንሰለስተ መዓልትታት ጥራይ ምስ ጾምኩ እቲ ኣድማ ኣቋረጸ።” ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት: ኔልሰን ማንዴላ: ናይ ፖለቲካ እሱር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብቲ ንሓሙሽተ መዓልትታት እተገብረ ናይ ጥሜት ኣድማ ተሳቲፉ ኢዩ።
ካብቶም ናይ ምጻም ልምዲ ዘለዎም መብዛሕትኦም ሰባት ግን ብሃይማኖታዊ ምኽንያታት ኢዮም ዝጾሙ። ኣብ ሂንዱዚም ጾም ቀንዲ ሃይማኖታዊ ልምዲ ኢዩ። እታ ፋስት ኤንድ ፈስቲቫልስ ኦቭ ኢንዲያ (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፍ: ኣብ ገሊኡ መዓልትታት “ምሉእ ጾም ይግበር ኢዩ . . . ማይ እውን ከይተረፈ ፈጺምካ ኣይስተን። ክልቲኦም ማለት ሰብኡትን ኣንስትን . . . ሓጐስን ብልጽግናን ምእንቲ ክረኽቡ: በደሎምን ሓጢኣቶምን ድማ ይቕረ ምእንቲ ክበሃለሎም . . . ጽኑዕ ጾም ይጾሙ” ብምባል ትገልጽ።
ጀይን ኣብ እተባህለ ሃይማኖት ጾም ዝውቱር ኢዩ። ዘ ሳንደይ ታይምስ ኦቭ ኢንድያ ረቪው “ኣብ ቦምበይ [ሙምባይ] ሓደ ናይ ጀይን እምነት ዘለዎ ሙኒ [ዓቢ ሰብ] ኣብ መዓልቲ ክልተ ኩባያ ዝፈልሐ ማይ ጥራይ እናሰተየ 201 መዓልትታት ጸንሐ። 33 ኪሎ ግራም ድማ ነከየ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። ገሊኣቶም ምጻም ድሕነት ከውህበና ኢዩ ኢሎም ብምእማን ዳርጋ ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ንነፍሶም የሕስኡ።
ብዕድመ ዓበይቲ ዝዀኑ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ: ኣብ እዋን ሮመዳን ክጾሙ ግዴታ ኢዩ። ንሓደ ወርሒ ምሉእ ጸሓይ በሪቓ ክሳዕ እትዓርብ መግቢ ይኹን ማይ ኣይውሰድን ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝሓመመ ወይ ኣብ መገሻ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ካልእ ግዜ ነዘን መዓልትታት እዚኣተን ክትከአን ኣለዎ። ጾመ-ኣርብዓ: እተን ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘለዋ 40 መዓልትታት: ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ ገለ ሰባት ዝጾሙሉ ግዜ ኢዩ: ኣብ ካልእ እተወሰነ መዓልትታት ዝጾሙ ብዙሓት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ድማ ኣለዉ።
ጾም ብርግጽ ግዜኡ ኣየሕለፈን። ክፍሊ ናይ ብዙሓት ሃይማኖታት ስለ ዝዀነስ: ኣምላኽ ይደልዮዶ ኢዩ፧ ክርስትያናት ክጾሙ ኢሎም ዝውስንሉ ኣጋጣሚታት ኣሎዶ ኢዩ፧ እዚኸ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእልዶ፧ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትመያየጠሉ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ጀይን ሃይማኖት: ጾም ነፍሲ እትድሕነሉ መገዲ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ሞሃንዳስ ኬይ. ጋንዲ ንጾም ፖለቲካዊ ወይ ማሕበራዊ ዕላማታት ንምፍጻም ከም ሓያል መሳርሒ ተጠቒምሉ ኢዩ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ እምነት ምስልምና:ኣብ ግዜ ሮመዳን ምጻም ግዴታ ኢዩ
[ምንጪ ስእሊ]
Garo Nalbandian