ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/10 ገጽ 25-29
  • ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘሎ ንዕቤት ዝኸውን ሃዋሁ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘሎ ንዕቤት ዝኸውን ሃዋሁ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ኣብተን ናይ መጀመርታ መዓልትታት ዘርኢ ምዝራእ
  • “መንፈሳዊ ድልየቶም ንምምላእ ዝነቕሑ”
  • ብሓባር ብምእካብ ንዕቤት ምትብባዕ
  • ነቲ ዘርኢ ብትዕግስቲ ማይ ምስታዩ
  • ሰባት ናብራኦም ንኸመሓይሹ ምሕጋዞም
  • ባሮት ኣምላኽ ምዃን
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/10 ገጽ 25-29

ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘሎ ንዕቤት ዝኸውን ሃዋሁ

ሓደ ተጓዓዛይ: እታ ነፋሪት ኣብቲ ናይ ኢኳተርያል ጊኒ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ: ምድሪ ክትንክፍ ከላ ዝርእዮ ናይ መጀመርታ ዝምስጥ ነገር እቲ ልሙዕ ቦታ ኢዩ። እቲ ናይ መብረሪ መገዲ ብኣዝዮም ነዋሕቲ ኣእዋም እተኸበበ ኢዩ: እዞም ኣእዋም እዚኣቶም ከኣ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ህንጻታት ዝዓብጥዎ ኢዮም። በቲ እኹል ዝዀነ ማይን ኣብ መፋርቕ ናይ 80ታት ዘሎ ሙቐትን እናተሓገዘ ካብቲ ገማግም ባሕሪ ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ጫፍ ናይ ኣኽራን ዝዕንብብ ደስ ዘብል ኣታኽልቲ ኣሎ።

ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ካልእ ብርቱዕ ዕቤት እውን ኣሎ: እዚ ድማ ‘ኣምላኽ ዝህቦ ዕቤት’ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:​19: NW ) ከምቲ ካብ ፊሊጶስ ሓገዝ ዝደለየ ስሉብ ኢትዮጵያዊ: ኣብዚ ዓዲ እዚ ብዙሓት ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ክርድኡ ህንጡያት ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 8:​26-​39) ሰባት ኣብ መገዲ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደው ኣቢሎም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብረሎም ክሓትዎ ልሙድ ኢዩ። እቶም ብገምጋም 325 ዝዀኑ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘለዉ መሰኻኽር: ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ።

ኣብተን ናይ መጀመርታ መዓልትታት ዘርኢ ምዝራእ

እታ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነኣሰት ሃገር: ኢኳቶርያል ጊኒ: ካብ ናይጀርያን ካሜሩንን ብደቡብ ኢያ እትርከብ። (ካርታ ርአ።) ኣብዚ ቦታ እዚ ብስራት ንመጀመርታ ግዜ ዝበጽሐ: በቶም ኣብቲ ናይ ካካዎ ተኽሊ ስራሕ ክደልዩ ኢሎም ዝመጹ ናይጀርያውያን መሰኻኽር ኢዩ። ብዙሓት ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ጉባኤታት ተመስሪተን እኳ እንተነበራ: እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ናብ ናይጀርያ ምስ ተመልሱ ግን ተበታቲነን ኢየን። ይኹን እምበር: እታ ሃገር ብ1968 ካብ መግዛእቲ ሓራ ምስ ወጸት: ብዙሕ ከይጸንሐ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሚስ​­ዮናውያን ዝዀኑ ሰለስተ ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ተመደቡ። ብምኽንያት ፖለቲካዊ ጸገማት ነዊሕ ክጸንሑ ኣይከኣሉ: እቲ ዝገበርዎ ምስክርነት ግን ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኢዩ።

ሳንቲያጎ ዝበሃል ሓደ ካብቶም ሚስዮናውያን: ንሓደ ብዌናቬንቱራ እተባህለ ነዊሕ: ኣብቲ ከባቢ ድማ ሱፐርማን ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓያል ሰብኣይ ረኸበ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘኽብር ሃይማኖታዊ ሰብኣይ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ኣዝዩ ቍጡዕ ነበረ። ቀሊል ጸርፊ እውን ከይተረፈ ንገለ ሰብ ንኽሃርም ምኽንያት ይዀኖ ነበረ። ኣብ ባር ከሎ እንተድኣ ሓሪቑ: ገለ ደርብዩ ምእንቲ ከይሃርሞም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ኵላቶም ብመስኮት እውን ከይተረፈ ዘሊሎም ተበታተኑ። አረ: ንሳንትያጎ ክሰምዖ ከሎውን ነቲ ዝብሎ ዝነበረ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ምቕራብ እንተ ዘይክኢሉ ክሃርሞ ተቐሪቡ ኢዩ። ንገዛእ ርእሱ ኸኣ ‘ንሱ⁠ፐ​­ርማን ከዐሽዎ ዝኽእል ሰብ የለን’ ይብል ነበረ። በቲ ዝሰምዖ ብፍላይ ድማ: ብዛዕባ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክህሉ ዘለዎ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ተገረመ: ስለዚ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ተሰማምዐ።

እቲ መጽናዕቲ እናቐጸለ ክኸይድ ከሎ: እቲ ብዌናቬንቱራ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ንኽነብር ዝነበሮ ድሌት እናሓየለ ኸደ: ከምዚ ዝበለ ዓስቢ ንኽረክብ ድማ ህይወቱ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ከሰማምዓ ከም ዘለዎ ተማህረ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ‘ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ክፈድዩ ከም ዘይብሎም’ ብምግንዛብ: ንሕርቃኑ ንኽቈጻጸር ብርቱዕ ጻዕሪ ክገብር ጀመረ።​—ሮሜ 12:17

ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ባር ንናይ ሓደ ሰብ ኩባያ ከይፈለጠ ምስ ኣውደቓ ናይ ሓቂ ፈተና ኣጋጠሞ። እቲ ሰብኣይ ሓሪቑ ሃረሞ። እቶም ኣብቲ ባር ዝነበሩ ካልኦት ሰባት ድማ ባእሲ ክፍጠር ኢዩ ብምባል ተበታተኑ። ብዌናቬንቱራ ግን ብትሕትና ዋጋ ናይቲ እተሰብረ ኩባያ ከፊሉ: ነቲ ሰብኣይ ካልእ መስተ ኣዘዘሉ: ከምኡውን ደርገፍገፍ ኢሉ ኩባያኡ ስለ ዝሰበረሉ ይቕረታ ሓተቶ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ክሳዕ ክንድዚ ለውጢ ከም ዘምጽኣሉ ብምርኣይ: ብዙሓት ካብቶም ጐረባብቲ ምስኡ ጽንዓት ንኽገብሩ ፍቓደኛታት ኰኑ። ብዌናቬንቱራ ክጥመቕ ከሎ ድሮ ሓሙሽተ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ነበረ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ሽማግለ ኰይኑ ኣገልገለ: ከምኡውን ሽሕ’ኳ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ሱፐርማን ኢሎም ዝጽውዕዎ እንተዀኑ ንኽዋዘዩ ኢዮም ከምኡ ኢሎም ዝጽውዕዎ።

“መንፈሳዊ ድልየቶም ንምምላእ ዝነቕሑ”

ኣብ እዋን 1970ታት: እቶም ውሑዳት ናይቲ ከባቢ መሰኻኽር ክሳዕ ዝከኣሎም ምስባኽን ብሓንሳብ ምእካብን ቀጸሉ። ድሕርዚ ብዙሓት እተመርዓዉ ደቂ ስጳኛ ሚስዮናውያን ክሕግዙ መጹ። ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ን12 ዓመታት ዘገልገለ ኣንድራስ ቦታያ ኣብኡ ምስ በጽሐ: ብዙሕ ከይጸንሐ እቶም ሰባት ብሓቂ “መንፈሳዊ ድልየቶም ንምምላእ ዝነቕሑ” ምዃኖም ከም ዝመሰጦ ይዝክር። (ማቴዎስ 5:3) ንሱ “ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሞሳ ዘለዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ብሓቂ ደስ ዘብል ኢዩ” ይብል።

ሜሪ እትብሃል ጓል ስጳኛ ሓብቲ ምስ ሓንቲ ወለዳ: ማለት ፍራንሲስኮን ፋውስታን: እውን ከጽንዑ ከም ዝደልዩ ዝገለጸት ማሪያ እትበሃል ሰበይቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ነበረት። ሜሪ 15 ጽንዓታት ትመርሕ ስለ ዝነበረት: ወለዳ ንማሪያ ድማ ርሕቕ ኢሎም ይቕመጡ ስለ ዝነበሩ: ሜሪ ክትብጽሖም ቅድሚ ምኻዳ ብዙሕ ሰሙናት ሓለፈ።

ሜሪን ሰብኣያ ሰራፊንን: ናብቶም ወለዲ ቅድሚ ምኻዶም: ድሮ ነታ ኣብ ምድሪ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ a እትበሃል መጽሓፍን (እንግሊዝኛ) መጽሓፍ ቅዱስን ነበሮም: ንኸጽንዑ ኸኣ ህንጡያት ነበሩ። ስለዚ ድማ ብኡንብኡ ጽንዓት ጀመሩ። ሰራፊን ወለዳ ንማሪያ ምስቲ ትምህርቲ ኣዝዮም ከም እተላለዩ ኣስተብሃለ። ኣብ ካልኣይ እግሮም ነታ ካልኣይቲ ምዕራፍ ከጽንዑ ከለዉ እውን ተመሳሳሊ ተገዳስነት ኣስተብሃሉ። ሰራፊን “ልክዕ ምስ ክልተ ጥሙቓት መሰኻኽር ጽንዓት ትገብር ከም ዘሎኻ ኢዩ ዝመስል ነይሩ” ኢሉ ይዝክር። ነታ መጽሓፍ ጽቡቕ ገይሮም ዝፈለጥዋ ይመስሉ ስለ ዝነበሩ ሳልሳይ ግዜ ክበጽሕዎም ከለዉ: ሰራፊን ብሓቂ ክሳዕ ክንደይ ከም እተረድኡ ንምፍላጥ ኢሉ: ሕቶን መልስን ጥራይ ከም ዝገብሩ ነገሮም። ፍራንሲስን ፉስታን ነታ መጽሓፍ ባዕሎም ከም ዘጽንዕዋ ድማ ተገንዘበ!

እቲ ዝረኸብዎ ሓድሽ ፍልጠት ብኸመይ ተንከፎም፧ ምስቲ እተማሃርዎ ብምስምማዕ ድሮ ኣብ ናይ መናፍስቲ ኣኼባታት ምክፋል: ከምኡውን ምስ ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-ክርስትያን ዝነበሮም ጽኑዕ ምትእስሳራት ኣቋረጽዎ። ብተወሳኺ: ፍራንሲስኮ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋረጸ: ደሙ ብግቡእ ዘይፈሰሰ ስጋ ምብላዕ ድማ ገደፍዎ። ነቲ እተማሃርዎ ብርግጽ ኣብ ግብሪ ስለ ዘውዓልዎ ድማ ፍልጠቶም ንኻልኦት ከካፍልዎ ክጅምሩ ተተባብዑ። ብኡንብኡ ድማ ንጐረባብቶም ክሰብኩሎም ጀመሩ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ድማ ንጥምቀት ብቑዓት ኰኑ። ፍራንሲስኮ ሕጂ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኢዩ: ነቲ ኣብ ስብከት ዘርኣይዎ ጽቡቕ ኣብነትን ቅንእን ምስጋና ይኹኖ: ሕጂ ሰለስተ ካብተን ኣዋልድ ደቆም መሰኻኽር ኢየን: ክልተ ኣወዳት ደቆም ኣብ ኣኼባታት ይካፈሉ ኣለዉ: ሽዱሽተ ካልኦት ኣዝማዶም ድማ ጽንዓት ይገብሩ ኣለዉ።

ምስ ተጠምቀ ነዊሕ ከይጸንሐ: ፍራንሲስኮ ንሓደ ፓብሎ እተባህለ ኣብ ቤተ⁠-ክርስትያኑ ቀሸ⁠-ገበዝ ኰይኑ ዘገልግል ውፉይ ካቶሊክ ረኸቦ። ፓብሎ: እቲ ቀሺ ክተርፍ ከሎ ስብከት የስምዕ ነበረ። ፓብሎ: ሓደ ኣባል ቤተ⁠-ክርስትያን ምስ ዝሓምም ይበጽሖ፣ ገለ ሰብ ካብ ቤተ⁠-ክርስትያን ምስ ዝጠፍእ ከይዱ የተባብዖ፣ ገለ ሰብ ምስ ዝመውት ድማ ነቲ ስድራቤት ነኸጸናንዕ ዝከኣሎ ኵሉ ይገብር ነበረ። ፓብሎ በቶም ኣብቲ ከባቢኡ ዝነበሩ ምእመናን ኣዝዩ ፍቱው ምንባሩ ርዱእ ኢዩ።

ፓብሎ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዓሚቝ ኣኽብሮት ስለ ዝነበሮ ፍራንሲስኮ ምስኡ ከጽንዕ ምስ ዓደሞ ተቐበሎ። ፓብሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ክሳዕ ክንደይ ምኽንያታዊ ምዃኑ ቀልጢፉ ተረድአ: ድሕሪ ውሑድ መጽናዕትታት ድማ ገለ ካብቲ እተማህሮ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዝሓመመ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያን ኣባል “ናይ ጕስነት ምብጻሕ” ክገብር ከሎ ክጥቀመሉ ወሰነ። ድሕርዚ ቍሩብ ጸኒሑ: ፓብሎ ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ ሰንበት ስብከት: ኣድላይነት ምጥቃም ስም ኣምላኽ: የሆዋ: ከምኡውን ስለምንታይ ምስልታት ክንጥቀም ከም ዘይብልና ገለጸ።

ንሓቂ ኣጸቢቑ እናተቐበሎ ክኸይድ ከሎ ድማ: ካልኦት ኣባላት ቤተ⁠-ክርስትያኑ ከምኡ ክገብሩ ትጽቢት ገበረ። ይኹን እምበር: ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ስብከት ምስ ሃበ: እቶም ህዝቢ በቲ ዘቕረቦ ሓበሬታ ከም ዘይተሓጐሱ ፓብሎ ተገንዘበ። ስለዚ ድማ ነታ ቤተ⁠-ክርስትያን ገዲፉ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታዊ ኰይኑ ክሓብር ወሰነ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ንጥምቀት ብቑዕ ኰነ: ሕጂ ድማ ቀናእ ሰባኺ ናይቲ ብስራት ኰይኑ ኣሎ። ሽሕ’ኳ ምሉእ ግዜኡ ኣብ ስብከት ከውዕሎ እንተ ዘይከኣለ: ኣብዚ እዋን እዚ ዓሰርተ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ኣሎ።

ብሓባር ብምእካብ ንዕቤት ምትብባዕ

ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘለዉ መሰኻኽር ነቲ ኣኼባታት ዕሽሽ ኣይትበሉ ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ኣርዚኖም ኢዮም ዝወስድዎ። (እብራውያን 10:25) ብ1994 እቲ ዕዮ ብመንግስቲ እንደገና ሕጋዊ ኣፍልጦ ካብ ዝዋሃቦ ኣትሒዞም: እቶም ኣሕዋት ምቹእ ዝዀነ ኣደራሽ መንግስቲ ንኽረኽቡ ህንጡያት ኢዮም ኰይኖም ዘለዉ። አረ: መብዛሕትአን እተን ጉባኤታትሲ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣደራሻት ሃኒጸን: ወይ ድማ ይሃንጻ ኢየን ዘለዋ።

ኣብታ ኣብ ናይ ሰንበት ኣኼባታት ቍጽሪ ተኣከብቲ ካብ ቍጽሪ እቶም ኣስፋሕቲ መንግስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብኽልተን ፈረቓን ዕጽፊ ዝዀነላ ጉባኤ ሞንጎሞ: ዓቢ ናይ መኣከቢ ቦታ ክትሃንጽ ኣበርቲዓ ትዓዪ ኣላ። ካልኦት ኣብ ሞንጎሞ ዘለዋ ሃይማኖታት ኣብያተ⁠-ክርስትያናት ክሃንጻ ሰራሕተኛታት ኢየን ዝቘጽራ: ስለዚ ድማ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መሰኻኽር ንጥፈታት ከይተስተብሃለሉ ዝሓልፍ ኣይነበረን። ሓደ መዓልቲ እቲ ናይ ኢንግለዝያ ኑወይቫ ኣፖስተሊካ ቀሺ ንሓደ ካብቶም ሽማግለታት ነቶም ጻዕረኛታት ሰራሕተኛታት ክንደይ ከም ዝኸፍልዎም ንኽሓቶ ናብቲ ዝስራሕ ዘሎ ህንጻ ገጹ ተኣልየ። እቲ ቀሺ ዋላ እኳ ገለ ናይ ቤተ⁠-ክርስትያኑ ኣባላት ነደቕቲ ክዀኑ እንተቘጸረ: እቲ ዕዮ ጌና ይጓተት ከም ዘሎ ተዛረበ። እቶም ነቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ክቘጽሮም ዝኽእል እንተ ዀይኑን እንተ ዘይኰይኑን ከኣ ሓተቶ። ኵሎም እቶም መሰኻኽር ብናጻ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ምስ ተነግሮ ደንጽይዎ መገዱ ቀጸለ።

ነቶም ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ርሒቖም ዝነብሩ ኣሕዋት ኣኼባታት ክካፈሉ ብዙሕ መስዋእቲ ክኸፍሉ ዝሓቶም ኢዩ። ብ1994 እተጠምቀ ክዋን እተባህለ ጎበዝ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ኢዩ ኣጋጢምዎ። ሓቂ ኣብ ጋቦን ኢዩ ሰሚዑ: እቲ ቀዳማይ ፍርቂ ናይታ ንዘለኣለም ምንባር እትብሃል መጽሓፍ ድማ ኣብኡ ኰይኑ ኣጽንዖ። ድሕርዚ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ: ካብ ሞንጎሞ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ናብ እትርከብ እተወልደላ ቍሸት ተመልሰ። እዚ ድማ መጽናዕቱ ንኽቕጽል ብድሆ ኰኖ። ግናኸ ንድሕሪት ኣይበለን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ: ናብ ሞንጎሞ ክመጽእ ብብሽክለታ ናይ ሸሞንተ ሰዓት ጕዕዞ ይጓዓዝ: ኣብኡ ድማ ሳንቲያጎ እተባህለ ሓደ ካብቶም ናይቲ ከባቢ ሽማግለ ጽንዓት ይገብረሉ። ኣብ ሞንጎሞ ንውሑዳት መዓልትታት ይጸንሕ: ኣብቲ ዝጸንሓሉ እዋን ከኣ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ግዜ ጽንዓት ይገብር። በዚ ከምዚ ድማ መጽናዓቱ ወዲኡ ንኽጥመቕ ብቑዕ ክኸውን ከኣለ።

ክዋን ምስ ካልኦት ክርስትያናት ብዙሕ ሕብረት ዘይነበሮ ክነሱ ብኸመይ ኢዩ ብመንፈስ ብርቱዕ ክኸ​­ውን ዝኸኣለ፧ ልዕሊ ዅሉ: ቀናእ ሰባኺ ናይቲ ብስራት ብምዃን ኢዩ ክብርትዕ ዝኸኣለ። ነቶም ኣብቲ ዝነብረሉ ቍሸት ዘለዉ ሰባት ንዅላቶም ሰቢኹሎም ኢዩ: ክጥመቕ ከሎ ድማ 13 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሕ ነበረ። ሽዱሽተ ካብቶም ጽንዓቱ ነቲ ዝገብሮ ጥምቀት ንኽምስክሩ ናብቲ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ኣሰነይዎ። ሕጂ ምስቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ተገደስቲ ሰባት ስርዓታዊ ዝዀነ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ይገብር ኣሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዳርጋ 20 ዝዀኑ ሰባት ይእከቡ።

ነቲ ዘርኢ ብትዕግስቲ ማይ ምስታዩ

ኵሉ መንፈሳዊ ዕቤት ኣይኰነን ቅልጡፍ። ሓድሓደ ግዜ እቲ ዘርኢ ኣብ መወዳእታ ፈርዩ ክትርእዮ ብዙሕ ትዕግስቲ ይሓትት ኢዩ። እዚ ኣብ ኵነታት ፓካ ተራእዩ ኢዩ: ንሳ ኢዲታ እተባህለት ፓይነር ሓብቲ ኣብ ዕዳጋ ምስ መስከረትላ ኢያ ብ1984 ነቲ ብስራት ዝሰምዓቶ። ኢዲታ: ኣብታ እትቕጽል ዝነበረት ሰሙን ንፓካ ኣብ ገዝኣ ምስ በጽሐታ: ፓካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ተሰማምዐት። ሽሕ’ኳ ብዙሕ ለውጢ እንተዘየርኣየት: ኢዲታ ግን ንፓካ ጽቡቕ ባህርያት ስለ ዝረኣየትላ ጽንዓት ቀጸለት። ኢዲታ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:⁠- “በጊዕ መሰል ሰብ ኢያ ነይራ። ስለዚ ኸኣ የሆዋ ልባ ክኸፍተላ ጸሌኹ።”

ፓካ ውልዕ ጥፍእ እናበለት ነርባዕተ ዓመትን መንፈቕን ጽንዓታ ቀጸለት: ጌና ግን ብዙሕ ለውጢ ኣይገበረትን። ስለዚ ድማ ኢዲታ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር ምስ ወድኣ: ንሓቂ ኣኽቢራ ክትርእዮ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንፓካ ብግልጺ ነገረታ። ኢዲታ ኣብ ልቢ ፓካ ንምብጻሕ ትገብሮ ኣብ ዝነበረት ጻዕሪ: ክሳዕ ምንባዕ እውን በጺሓ ኢያ።

ፓካ ከምዚ ኢላ ትዝክር:⁠- “እቲ ልባዊ ምኽሪ እቲ ብሓቂ ተንከፈኒ። ካብቲ እዋን እቲ ጀሚረ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ክገብር ጀመርኩ። ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተመዝገብኩ: ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ኰንኩ። እታ እተጠመቕኩላ መዓልቲ ኣብ ህይወተይ እታ ዝበለጸት ናይ ሓጐስ መዓልቲ ኢያ!” እቲ ሕጂ ፓካ ዘለዋ ውዕዉዕ ስምዒት ኣንጻር እቲ ቀደም እተርእዮ ዝነበረት ዘይተገዳስነት ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ 13 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ ኣላ: ነቶም ቅልጡፍ ዕቤት ዘይገብሩ ሰባት ድማ ትዕገሶም ኢያ።

ሰባት ናብራኦም ንኸመሓይሹ ምሕጋዞም

ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ተሰማሚ⁠ዖም ብምንባሮም ሓቀኛታትን እሩም ጠባይ ዘለዎምን ብምዃን ጽቡቕ ስም ረኺቦም ኢዮም። ሓደ ብዘይጥርጥር ብጠባዮም እተመሰጠ ሰብኣይ: ነቲ ናይ ባታ ጉባኤ ሽማግለ ቀሪቡ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ:⁠- “መጽሓፍ ምምርማር [እንግሊዝኛ] ኣሎካዶ፧b ዓለማዊ ሰብ ምዃን ሰልችዩኒ ኢዩ። ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን እደሊ ኢየ!”

ኣብ ጉባኤ ማላቦ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዝዀነ ኣንቶንዮ: ዓለማዊ ነይሩስ ምስክር ዝዀነ ቀንዲ ኣብነት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምምሃሩ ሕሱር ዝዀነ ናብራ ይነብር ነበረ። ካብቲ ዓራይ ሰዓት ኰይኑ ዝረኽቦ ዝነበረ ገንዘብ ዝበዝሕ ኣብ መስተ የጥፍኦ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ናብራ ኸኣ ይነብር ነበረ። ኣገባብ ናብራኡ ክቕይር እንታይ ሓገዞ፧ በቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 6:​9, 10 ትርር ብዝበለ መገዲ ተገሊጹ ዘሎ ኣጸቢቑ ተተንኪፉ ኢዩ:⁠- “ኣይትስሐቱ፤ ኣመንዝራታት: . . . ወይ ሰካራት: . . . ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” ስምረት ኣምላኽ ንኽረክብ ኣገባብ ናብራኡ ክልውጥ ከም ዘለዎ ተገንዘበ። ነዚ ንምግባር ከኣ ምስ መን ከም ዝሓብር ክዕዘብ ጀመረ። (ምሳሌ 13:20) ናይ ቀደም ኣዕርኹ ንኽሰቲ ምስኦም ክኸይድ ክዕድምዎ ከለዉ: ነቲ ዝገብርሉ ዕድመ ይነጽጎ: ኣብ ክንድኡ ድማ: ይምስከረሎም ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሑ ኸኣ ንዓናይ ኢሎም ምሽጋር ገደፍዎ።

እዚ ግን ክንድዚ ዝኣክል ጻዕሪ ክግበሮ ዝግባእ ድዩ፧ ኣንቶንዮ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:⁠- “ኣገባብ ናብራይ ምልዋጡ ኣዝየ ሕጕስ ኢየ። ዋላ እኳ ሕጂ ኣብ ዕድመ 60ታት እንተለኹ ጥዕናይ ኣዝዩ ዝሓሸ ኢዩ: ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ግን ሞይቶም ኢዮም ወይ ድማ ብጕድለት ጥዕና ይሳቐዩ ኣለዉ። ሕጂ ንዝሰትይዎ መስተ ዝኸፍለሎም ሰብ ዝደልዩ ኣዕሩኽ ዘይኰነስ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ የሆዋ ጽቡቕ ዝምድና ኣሎኒ። ሕጂ ከም ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ አገልግል ኣሎኹ: ንሓደ ናይ መስተ ጸገም ዘለዎ ሰብኣይ ከኣ ጽንዓት እገብረሉ ኣሎኹ: ስለዚ ንኽሕግዞ ተመክሮይ ክጥቀመሉ እኽእል ኢየ።”

ባሮት ኣምላኽ ምዃን

ገለ 200 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኣብቲ ናይ ኢኳቶርያል ጊኒ ገማግም ዝነበሩ ሰባት ተገፊፎም ባሮት ንምዃን ናብ ኣመሪካ ይሽየጡ ነበሩ። ሎሚ: ብዙሓት ብድሌቶም ባሮት ኣምላኽ ይዀኑ ኣለዉ። እዚ ዓይነት ባርነት እዚ ካብ ባቢሎናዊ ሰረተ⁠-እምነታትን ናይ መናፍስቲ ተግባራትን ናጻ ብምውጻእ ናይ ሓቂ ናጽነት ኣምጺኡሎም ኢዩ። ዘዕግብን ኣፍራይን ህይወት ብኸመይ ከም ዝነብሩ እውን ምሂሩዎም ኢዩ። ነቲ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝብል የሱስ ዝሃቦ ተስፋ ኣብ ተመክርኦም ርእዮምዎ ኢዮም።​—ዮሃንስ 8:​32

ኣብቲ ብ1995 እተገብረ ናይ ዝኽሪ በዓል 1,937 ሰባት​—ናይቶም ኣብቲ ሃገር ዘለዉ ኣስፋሕቲ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓጽፊ​—ብምእካቦም: ብሉጽ ዝዀነ ተስፋ ናይ መንፈሳዊ ዕቤት ኣሎ። እቶም ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ዘለዉ መሰኻኽር ንዘርኢ ናይ ሓቂ ብቕንኢ ምትካልን ምስታይን ክቕጽሉ ከለዉ: ‘ኣምላኽ ከም ዘብቍሎ’ ርግጸኛታት ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 3:6) ብዘይ ጥርጥር: ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ንመንፈሳዊ ዕቤት ዝኸውን ምቹእ ሃዋሁ ኣሎ!

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ