ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧
ክንኣርግ: ጸኒሕና ኸኣ ክንመውት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧ ድሕሪ ሞት ክሓስብ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ዓይነት ህይወት ኣሎዶ ኢዩ፧ ዝብላ ሕቶታት ንደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ኣጨኒቐንኦም ኢየን።
እታ ናይ መጀመርታ ሕቶ ንብዙሓት ሰባት ዘደናገረት ኢያ: ምኽንያቱ ዘመናዊ ናይ ሕክምና ስነ-ፍልጠት እውን ከይተረፈ ምስቲ ዝረኸቦ ኵሉ ዝምስጥ ነገራት ሓደ ምሉእ ወይ ዘዕግብ መልሲ ክህብ ኣይከኣለን።
እታ ኻልኣይቲ ሕቶ ድማ ብዙሕ እተፈላለየ መልስታት ኣለዋ። ብሓፈሻ ግን: ነቲ ድሕሪ ሞት ክሓስብ ዝኽእል ህይወት ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝምልከት መልስታት ኣብ ክልተ ተጻራሪ ክፍልታት: ማለት ሞት ናይ መወዳእታ ኣይኰነን ዝብል ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ድሕሪ ሞት ምንም ነገር የሎን ዝብል ተሪር ኣተሓሳስባ ዘለዎምን እተኸፍለ ኢዩ። እዞም ኣብዚ ዳሕረዋይ ጕጅለ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ወድሰብ ክጽበዮ ዝኽእል እቲ ዘለዎ ሓጺር ህይወት ጥራይ ምዃኑ ኣብ ሓሳቦም ዋላ ሓንቲ ዘጠራጥር ነገር ከም ዘይብሎም ዝዛረቡ ኢዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኣንጻር እዚ ዝወሃብ ዝዀነ ይኹን ሓሳብ መልሱ “እቲ ቅኑዕ መልሲ ክነግረና ዝኽእል ናብኡ በጺሑ ዝመጸ ሰብ ፈጺሙ የሎን” ዝብል ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ዘካትዕ ሕቶታት ዘጋጥም: ኣብዚ ጕዳይ እዚውን: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ከእምኖም ንዝኽእል ሰብ ኵሉ ግዜ ከም ዝቕበሉ ዝገልጹ ጌና ዘይወሰኑ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ገሊኦም ግን “እስከ ግዜኡ ምስ በጽሐ ክንርእዮ ኢና!” ኢሎም ብምሕጫጭ ይምልሱ።
ነዊሕ እዋን ዝገበረ ሕቶ
ነቲ ድሕሪ ሞት ዝህሉ ህይወት ዝምልከት ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሕቶ: 3,500 ዓመታት ይገብር በቲ ስቓይ ምስ ወረዶ ብዘርኣዮ ምጽማም ፍሉጥ ዝነበረ እዮብ: ወዲ ማእከላይ ምብራቕ: ኢዩ ተላዒሉ። እዮብ ንሕቶኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣቕረቦ:- “ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ: ንመወዳእታ ግዜኡ የስተንፍስ እሞ: ፈጺሙ ኣይህሉን። ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዚፈስስ: ርባውን ከም ዚነጽፍን ዚደርቕን: ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን: . . . ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧”—እዮብ 14:10-14 ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን (እንግሊዝኛ)
ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወት ዝሓተተ ግን እዮብ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ኢንሳይክሎፔድያ ኦቭ ረሊጅን ኤንድ ኢቲክስ (እንግሊዝኛ) ኣብ ትሕቲ “ኵነታት ምዉታት” ዝብል ኣርእስቲ: እዚ ዝስዕብ ፍልጠት ዝህብ ሓበሬታ ተቕርብ:- “ከምቲ ብድሕሪ ሙማቱ ክህልዎ ዝኽእል ኵነታት ገይሩ ንኣእምሮ ዘዕለቕለቖ ምስ ህይወቱ እተተሓሓዘ ኣርእስቲ የሎን። ኣብ ኵሉ ክፍሊ ዓለም ዘለዉ [ደቀባት ዝዀኑ ሰባት] ብሓፈሻ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዓለም—ኣገባብ ናብራኡ: ባህርያቱ: ኣቀማምጣ መሬቱ—ንጹርን ግልጽን ዝዀነ ምርዳእ ኣለዎም: እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣርእስቲ ዓሚቝ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ። እቲ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንምዉታት ምፍራህ: ምዉታት ካብ ህላወ ከም ዘየቋርጹ ዘርኢ ናይ ጥንቲ ሓሳባት ኢዩ። ሞት ጕልበትካ ዝበልዕ ኢዩ፣ እዚ ድማ ግልጺ ዝዀነ ነገር ኢዩ፣ ግን ዝሰርሕ ካልእ ጕልበት የለን ድዩ: ወይ ድማ እዚ ጕልበት እዚ ኣብ ካልእ ነገር ስዉር: ምስጢራዊ ብዝዀነ መገዲ ክግለጽ ኣይክእልን ድዩ፧ ሰብ ኣብ መጀመርታ ካብ ኣካላት እተፈልየ መንፈስ: ነፍሲ: ወይ ምትሃት ኣሎ ኢሉ ይእመን ኣይእመን ብዘየገድስ: ምዉታት ብገለ መልክዕ ኣብ ህላወ ይቕጽሉ ኢዮም ዝብል እምነት ከም ዘሎ ዘርኢ እኹል ምኽንያታት ኣሎ።”
ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሰለስተ ጕጅለታት ኣብ ሓዲኡ: ማለት ብድሕሪ ሞት እንታይ ከም ዘሎ ርግጸኛ ዘይምዃን፣ ብድሕሪ ሞት ገለ ዓይነት ህይወት ከም ዘሎ ምእማን፣ ወይ ድማ ህይወት ኣኺልዋ እዚኣ ጥራይ ኢያ ኣብ ዝብል እምነት ክትህሉ ትኽእል ኢኻ። እቲ እትኣምኖ ብዘየገድስ: ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ተጠንቂቕካ ክትምርምራ ንዕድመካ። ብድሕሪ ሞት ሕጕስ ህይወት ከተሕልፈሉ ዝከኣል ድንቂ ዝዀነ ተስፋ ከም ዘሎ: ብኸመይ ከም ዝመጽእ: ኣበይ: ከምኡውን መዓስ ከም ዝኸውን ዘርኢ: ዘእምን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺ እንተድኣ ኣሎ ርአ።