ኵሉ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ ይግባእ
“ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ”—ሮሜ 14:12
1. እቲ ንኣዳምን ሄዋንን እተዋህቦም ናጽነት እንታይ ደረት ኢዩ ነይርዎ፧
የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። ሽሕ’ኳ ካብ መላእኽቲ ትሕት ዝበሉ እንተ ነበሩ: ጥበባዊ ውሳነታት ክገብሩ ዝኽእሉ መስተውዓልቲ ፍጡራት ኢዮም ነይሮም። (መዝሙር 8:4, 5) ይኹን እምበር: እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ናጽነት ኣየናይ ጽቡቕ ኣየናይ ድማ ሕማቕ ብብሕቶም ንኽውስኑ ዘፍቅደሎም ኣይነበረን። ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ተሓተቲ ኢዮም ነይሮም: እዚ ተሓታትነት እዚ ኸኣ ናብ ኵሎም ዘርኦም ሓለፈ።
2. የሆዋ ኣብዚ ቀረባ ግዜ እንታይ ምጽብጻብ ኢዩ ክገብር: ስለምንታይከ፧
2 ሕጂ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ናብ ዝዛመሉ ግዜ ኢና እንቐርብ ዘሎና: የሆዋ ኸኣ ኣብ ምድሪ ምጽብጻብ ክገብር ኢዩ። (ምስ ሮሜ 9:28 ትሓዓ ኣረኣእዮ።) እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት በቲ ናይ ምድሪ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምብልሻው: በቲ ዝጠፍእ ዘሎ ናይ ወድሰብ ህይወት: ብፍላይ ከኣ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ ዝወርድ መስጐጕቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንየሆዋ ኣምላኽ ጸብጻብ ክህቡ ኢዮም።—ራእይ 6:10፣ 11:18
3. እንታይ ሕቶታት ኢና ክንምርምሮም ዘሎና፧
3 ነዚ ዘተሓሳስብ መጻኢ እዚ ኣብ ኣእምሮና ብምሓዝ: ነቲ የሆዋ ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት ምስ ፍጡራቱ ዝገበሮ ጽድቃዊ ርክብ ምምርማሩ ጠቓሚ ኢዩ። ብወገንና ንፈጣሪና ቅቡል ጸብጻብ ንኽንህብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧ እንታይ ኣብነታት ኢዩ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል: ነየናይከ ኢና ክንቀድሖ ዘይብልና፧
መላእኽቲ ተሓተቲ ኢዮም
4. ኣምላኽ ንመላእኽቲ ብተግባራቶም ይጸባጸቦም ምዃኑ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧
4 እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ናይ የሆዋ ፍጥረታት ዝዀኑ መላእኽቲ: ከምቲ ንሕና ተሓተቲ ዝዀንና ንሳቶም እውን ኣብ ቅድሚኡ ተሓተቲ ኢዮም። ቅድሚ እቲ ኣብ መዓልትታት ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ: ገሊኦም መላእኽቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ንኽፍጽሙ ስጋዊ ኣካል ብምልባሶም ኣይተኣዘዙን። እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኣቶም ከም ናጻ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት መጠን ነዚ ውሳነ እዚ ክገብሩ ክኢሎም ኢዮም: ኣምላኽ ግን ተጸባጺብዎም ኢዩ። እቶም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ናብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ምስ ተመልሱ: የሆዋ ናብቲ ናይ መጀመርታ ቦታኦም እንደገና ክምለሱ ኣየፍቀደሎምን። ወደ መዝሙር ይሁዳ ‘ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ተዓቚሮም ምህላዎም’ ይነግረና።—ይሁዳ 6
5. ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ውድቀት ኢዮም እተመከሩ: እቲ ንዕልወቶም ዝምልከት ጸብጻብከ ብኸመይ ኢዩ ዝድቅስ፧
5 እዞም ዘይእዙዛት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ እዚኣቶም ንሰይጣን ድያብሎስ ገዛኢኦም ገይሮምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 12:24-26) እዚ እኩይ መልኣኽ እዚ ኣንጻር ፈጣሪኡ ብምዕላው ነቲ ናይ የሆዋ ጽድቃዊ ሉዓላውነት ተቓዊምዎ ኢዩ። ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ወለድና ናብ ሓጢኣት መርሖም: እዚ ድማ ሞት ኣምጽኣሎም። (ዘፍጥረት 3:1-7, 17-19) ሽሕ’ኳ የሆዋ ብድሕሪኡ ንሰይጣን ንእተወሰነ ግዜ ኣብቲ ሰማያዊ መጋባእያታት ክመላለስ እንተፍቀደሉ: እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ዮሃንስ: ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ: እዚ እኩይ እዚ ናብ ከባቢ ምድሪ ክድርበ ከም ዝነበሮ ትነግረና። እዚ ድማ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ናይ መንግስቲ ስልጣን ምስ ተቐበለ ቀልጢፉ ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ መርትዖ ኣሎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ናብ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ክኸዱ ኢዮም። እቲ ብዛዕባ ሉዓላውነት ዝምልከት ክርክር ኣብ መወዳእታ ምስ ተፈትሐ: ነቲ እተፈጸመ ዕልወት ዝግበር ምጽብጻብ ድማ ሽዑ ብፍትሓዊ መገዲ ክድቅስ ኢዩ።—እዮብ 1:6-12፣ 2:1-7፣ ራእይ 12:7-9፣ 20:10
ወዲ ኣምላኽ ተሓታቲ ኢዩ
6. የሱስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ተሓታትነት ብኸመይ ይርእዮ፧
6 ብወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ ተሰሪዑልና ዘሎ! የሱስ ልክዕ ከም ኣዳም ፍጹም ሰብ ብምዃን: መለኮታዊ ፍቓድ ንምፍጻም ሕጕስ ነበረ። ምስ ሕጊ የሆዋ ተሰማሚዕካ ብምኻድ ዝመጸ ተሓታቲ ክኸውን እውን ሕጕስ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕብኡ ክንበ ከሎ “ኣምላኸየ: ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ አሎኒ: ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ” ምባሉ ልክዕ ኢዩ ነይሩ።—መዝሙር 40:8፣ እብራውያን 10:6-9
7. የሱስ ኣብ ድሮ ሞቱ ክጽሊ ከሎ: ነተን ኣብ ዮሃንስ 17:4, 5 ዘለዋ ቃላት ከውስአን ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ሽሕ’ኳ የሱስ ጽልኢ ዝመልኦ ምጽራር የጋ ጥሞ እንተ ነበረ: ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ኢዩ: ኣብ ናይ መሳቐዪ ዕንጸይቲ ክሳዕ ሞት ዝኣክል ድማ ንጽህንኡ ሓልዩ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ኸኣ ንደቅሰብ ካብቲ ናብ ሞት ዝመርሕ ሳዕቤናት ሓጢኣት ኣዳም ንኸድሕኖም ነቲ ዋጋ በጅነት ከፈለ። (ማቴዎስ 20:28) ስለዚ እምበኣር: የሱስ ኣብ ድሮ ሞቱ ብተኣማንነት ከምዚ ኢሉ ክጽሊ ክኢሉ ኢዩ:- “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ: ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። ዎ ኣቦይ: ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ።” (ዮሃንስ 17:4, 5) የሱስ ነቲ ናይ ተሓታትነት ፈተና ብዓወት ስለ እተጋጠሞን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ተቐባልነት ስለ ዝረኸበን ነዘን ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘቕረበን ቃላት ከውስአን ይኽእል ነይሩ ኢዩ።
8. (ሀ) ጳውሎስ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ንኣምላኽ ጸብጻብ ከነቕርበሉ ከም ዝግብኣና ብኸመይ ኣርኣየ፧ (ለ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧
8 ንሕና ከምቲ ፍጹም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ፍጹማት ኣይኰንናን። ጌና ግን ኣብ ቅድሚ ኣም ላኽ ተሓተቲ ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ህያው እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ኵሉ ብርኪ ኺሰግደለይ: ኵሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ: ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ: ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” በለ። (ሮሜ 14:10-12) ጽቡቕ ጸብጻብ ምሃብ ምእንቲ ክንክእልን ኣብ ቅድሚኡ ድማ ተቐባልነት ክንረክብን ኢሉ የሆዋ ካብ ፍቕሪ እተላዕለ ኣብቲ እንብሎን እንገብሮን ዝመርሓና ሕልናን መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስን ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 2:14, 15፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ካብቲ ናይ የሆዋ መንፈሳዊ ምድላዋት መሊእና ምጥቃምን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናና ምስዓብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ንኽንረክብ ይሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-47) እቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ ኸኣ ተወሳኺ ምንጪ ሓይልን መሪሕነትን ኢዩ። ምስቲ መንፈስን እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልናናን ዝህቡና መሪሕነት ተሰማሚዕና ንኸይድ እንተድኣ ኴንና: ነቲ ብዛዕባ ኵሉ ተግባራትና ጸብጻብና ከነቕርበሉ ዘሎና ‘ኣምላኽ ንዕቀት’ ከም ዘይነርኢ ዝምስክር ኢዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:3-8፣ 1 ጴጥሮስ 3:16, 21
ከም ህዝቢ መጠን ተሓተቲ
9. ኤዶማውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም: ብሰንኪ እቲ ንእስራኤላውያን ዘርኣይዎ ኣተሓሕዛኸ እንታይ ኣጋጠሞም፧
9 የሆዋ ንህዝብታት ጸብጻብ ከቕርቡ ይሓቶም ኢዩ። (ኤርምያስ 25:12-14፣ ጸፎንያስ 3:6, 7) ነታ ካብ ምዉት ባሕሪ ብደቡብ ካብ ወሽመጥ ኣኳባ ኸኣ ብሰሜን እትርከብ ጥንታዊት መንግስቲ ኤዶም ርአ። ኤዶማውያን ካብ ዓሌት ሴም ዝዀኑ ምስ እስራኤላውያን ናይ ቀረባ ዝምድና ዘለዎም ህዝቢ ኢዮም ነይሮም። ኣባሓጎ ኤዶማውያን እቲ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም ዝዀነ ኤሳው እኳ እንተነበረ: እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ክኸዱ ከለዉ ኣብ ምድሪ ኤዶም “ብጐደና ንጉስ” ኣቢሎም ክጓዓዙ ምስ ደለዩ ኣይፈቐዱሎምን። (ዘሁልቍ 20:14-21) ዘበናት እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ: እቲ ኤዶማውያን ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝነበሮም ጽልኢ ናብ ጭከና ዝመልኦ ጽልኢ ዓበየ። ኣብ መወዳእታ: ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ከጥፍእዋ ኤዶማውያን ስለ ዝደፋፍእዎም ብዛዕባ እዚ እውን ጸብጻብ ክህቡ ነበሮም። (መዝሙር 137:7) ኣብ ሻድሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ትሕቲ ንጉስ ናቦኒዳስ ዝነበሩ ወተሃደራት ባቢሎን ንኤዶም ሰዓርዋ: ከምቲ የሆዋ ዝኣወጆ ኸኣ ባደመት።—ኤርምያስ 49:20፣ ኦብድያ 9-11
10. ሞኣባውያን ምስ እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዮም እተመላለሱ: ኣምላኽከ ንሞኣብ ብኸመይ ኢዩ እተጸባጸባ፧
10 ንሞኣብ እውን ተመሳሳሊ ኢዩ ኣጋጢምዋ። መንግስቲ ሞኣብ ካብ ኤዶም ብሰሜን ካብ ምዉት ባሕሪ ኸኣ ብምራቕ ኢያ ትርከብ ነይራ። እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም: ሞኣባውያን ብጽቡቕ ኣይተቐበልዎምን: እንጌራን ማይን ዝሃብዎም ድማ ናይ ገንዘብ ጥቕሚ ንኽረኽቡ ኢሎም ጥራይ ኢዮም። (ዘዳግም 23:3, 4) ባላቕ ንጉስ ሞኣብ ንነብዪ በላዓም ንእስራኤል ንኽረግም ብገንዘብ ተወዓዓሎ: ሞኣባውያን ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ስነ-ምግባራዊ ዘይኰነ ተግባራትን ኣምልኾ ጣኦትን ንኽፍጽሙ ኸስድዕኦም ጠቒመን ኢየን። (ዘሁልቍ 22:2-8; 25:1-9) ይኹን እምበር: የሆዋ እቲ ሞኣብ ንእስራኤል ዘርኣየቶ ጽልኢ ሸለል ተባሂሉ ክሓልፍ ኣይሓደጎን። ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ: ሞኣብ ብኢድ ባቢሎናውያን ባደመት። (ኤርምያስ 9:25, 26፣ ጸፎንያስ 2:8-11) እወ: ኣምላኽ ንሞኣብ ተጸባጺብዋ ኢዩ።
11. ሞኣብን ዓሞንን ከመየኖት ከተማታት ኢየን ኰይነን: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታትከ ብዛዕባ እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ እንታይ ኢዩ ዝብል፧
11 ሞኣብ ጥራይ ዘይኰነትስ ዓሞንውን ንኣምላኽ ጸብጻብ ክትህብ ነበራ። የሆዋ ኣቐዲሙ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ነጊሩ ነበረ:- “ብርግጽ ሞኣብ ከም ሶዶም: ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ: ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን: ኪዀኑ እዮም።” (ጸፎንያስ 2:9) ምድሪ ሞኣብን ዓሞንን ከምቲ ኣምላኽ ንኸተማታት ሰዶምን ጎሞራን ዘጥፍአን ጠፊአን ኢየን። ብመሰረት ጂኦሎጂካል ሶሳይቲ ኦቭ ለንደን እተባህለ ትካል: ናይተን ዝጠፍኣ ሶዶምን ጎሞራን ቦታታት ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ምዉት ባሕሪ ከም ዝርከብ ተመራመርቲ ይገልጹ። ዝዀነ ይኹን ነዚ ዝምልከት ብሕጂ ዝርከብ ዝእመን መርትዖ: ነቲ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ እውን ብየሆዋ ኣምላኽ ተሓታቲ ምዃኑ ዘመልክት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ክድግፍ ጥራይ ኢዩ ዝኽእል።—2 ጴጥሮስ 3:6-12
12. ሽሕ’ኳ እስራኤል በቲ ዝገበረቶ ሓጢኣት ንኣምላኽ ጸብጻብ ከተቕርበሉ እንተ ነበራ: ብዛዕባ እቶም ኣይሁዳውያን ተረፍ ኣቐዲሙ እንታይ ኢዩ እተነግረ፧
12 ሽሕ’ኳ እስራኤል ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣጸቢቑ ተቐባልነት እንተነበራ: በቲ ዝገበረቶ ሓጢኣት ንኣምላኽ ጸብጻብ ክትህብ ነበራ። የሱስ ክርስቶስ ናብ ህዝቢ እስራኤል ምስ መጸ: መብዛሕትኦም ነጺጎምዎ ኢዮም። እምነት ኣርእዮም ሰዓብቱ ዝዀኑ ገለ ተረፍ ጥራይ ኢዮም። ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ: ንገለ ትንቢታት ናብዞም ኣይሁዳውያን ተረፍ ኣውዒልዎ ኢዩ:- “እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቝሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኺፍጽሞ [“ክጻባጸብ:” ትሓዓ ] እዩ እሞ: ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፤ ቍጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዚድሕን: ኢሉ ይጭድር። ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፤ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሐድገልናስ: ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና: ዝበሎ እዩ።” (ሮሜ 9:27-29፣ ኢሳይያስ 1:9፣ 10:22, 23) እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜ ኤልያስ ንበዓል ዘይሰገዱ 7,000 ሰባት ምስ ጠቐሰ ቀጺሉ ከምዚ በለ:- “እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ አሎ።” (ሮሜ 11:5) እቲ ተረፍ በቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብብሕቲ ደረጃ ተሓተቲ ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ዝቘመ ኢዩ።
ናይ ብሕታዊ ተሓታትነት ኣብነታት
13. ኣምላኽ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ብምቕታሉ ምስ ተጸባጸቦ: እንታይ ኣጋጠሞ፧
13 ንየሆዋ ኣምላኽ ብብሕቲ ተሓታቲ ብዛዕባ ምዃን መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣብነታት ይጠቅስ ኢዩ። ቃየል በዅሪ ወዱ ንኣዳም ከም ኣብነት ንውሰዶ። ንሱን ሓዉ ኣቤልን ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ። መስዋእቲ ኣቤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ነበሮ: መስዋእቲ ቃየል ግን ተቐባልነት ኣይነበሮን። ብጭከና ንሓዉ ስለ ዝቐተሎ ጸብጻብ ክህብ ምስ ተሓተ: ቃየል ድንጋጽ ዝበሃል ብዘይምርኣይ “ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” ብምባል ንኣምላኽ መለሰሉ። ቃየል ብዝገበሮ ሓጢኣት ‘ናብ ምድሪ ኖድ [“ኰብለልቲ ዝቕመጡላ ምድሪ:” ትሓዓ ] ኣብ ምብራቕ ኤድን’ ተሰጐ። በቲ እተዋህቦ ግቡእ መቕጻዕቲ ድኣ ኢዩ ጕህዩ እምበር በቲ ዝገበሮ ገበንሲ ናይ ሓቂ ነስሓ ኣየርኣየን።—ዘፍጥረት 4:3-16
14. ብብሕቲ ንኣምላኽ ተሓታቲ ብዛዕባ ምዃን ዝመጸ: ኣብ ጕዳይ ናይቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊን ደቁን ተገሊጹ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧
14 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብብሕቲ ተሓታቲ ብዛዕባ ምዃን ኣብቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናት ዝነ በረ ናይ ኤሊ ጕዳይውን እውን ተገሊጹ ኣሎ። ደቁ ሆፍንን ፊንሃስን ናይ ሓላፍነት ቦታ ዘለዎም ካህናት ኰይኖም የገልግሉ እኳ እንተ ነበሩ ከምቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሰፉስ ዝበሎ “ንሰባት ፍትሒ ብዘይምርኣዮምን በቲ ኣብ ኣምላኽ ዘርኣይዎ ድርቅናን ካብ ኵሉ ዓይነት እከይ እውን ብዘይምርሓቖምን ገበነኛታት ኢዮም ነይሮም።” እዞም “ደቂ ብልያል” እዚኣቶም ንየሆዋ ኣፍልጦ ኣይሃቡሉን: ኣብ ርኹስ ጠባያት ተጸምዱ: በቲ መጠን ዝሓለፈ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራቶም እውን ገበነኛታት ኢዮም ነይሮም። (1 ሳሙኤል 1:3፣ 2:12-17, 22-25) ኤሊ: ከም ኣቦኦምን ናይ እስራኤል ሊቀ ኻህናትን መጠን: ንኽቐጽዖም ሓላፍነቱ እኳ እንተ ነበረ ኣፍኲሱ ብምግሳጽ ጥራይ ሓለፎም። ኤሊ ‘ካብ [ንየሆዋ] ንደቁ ኣኽበረ።’ (1 ሳሙኤል 2:29) ኣብ ቤት ኤሊ ግቡእ መቕጻዕቲ ወረደ። ክልቲኦም ደቁ ምስ ኣቦኦም ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ሞቱ: ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ናይ ክህነት መስመሮም ምሉእ ብምሉእ ኣቋረጸ። በዚ ኸምዚ እቲ ጸብ ጻብ ተኸፍለ።—1 ሳሙኤል 3:13, 14፣ 4:11, 17, 18
15. ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል ዓስቡ ዝረኸበ ስለምንታይ ኢዩ፧
15 ዮናታን ወዲ ንጉስ ሳኦል ድማ ሓደ ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ ብኡንብኡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት” ናይ ምሕዝነት ቃል ኪዳን ድማ ገበሩ። (1 ሳሙኤል 18:1, 3) ዮናታን መንፈስ ኣምላኽ ንሳኦል ከም ዝገደፎ ኣስተውዒልሉ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እም በር ንሓቀኛ ኣምልኾ ዝነበሮ ቅንኢ ኣይነከየን። (1 ሳሙኤል 16:14) ዮናታን ነቲ ኣምላኽ ንዳዊት ዝሃቦ ስልጣን ዘርእዮ ዝነበረ ሞሳ ኣይተነቓነቐን። ዮናታን ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝህልዎ ተሓታትነት ተገንዚብዎ ነበረ: በቲ ዘርኣዮ ክቡር ምምልላስ ከኣ የሆዋ መስመር ስድራቤቱ ንወለዶታት ከም ዝቕጽል ብምግባር ዓስቡ ሂብዎ ኢዩ።—1 ዜና መዋእል 8:33-40
ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝነበረ ተሓታትነት
16. ቲቶስ መን ኢዩ ነይሩ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ጽቡቕ ጸብጻብ ሂቡ ክበሃል ዝከኣልከ ስለምንታይ ኢዩ፧
16 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ሰናይ ጸብጻብ ንዝሃቡ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጽቡቕ ይዛረበሎም ኢዩ። ንኣብነት: ቲቶስ ዝስሙ ግሪኻዊ ክርስትያን ነበረ። ንሱ ክርስትያን ዝዀነ ኣብ እዋን እቲ ጳውሎስ ናብ ቆጵሮስ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ኢዩ ዝብል ርእይቶ ኣሎ። ኣብ እዋን ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣይሁድን ጵሮሰሊትን ኣብ የሩሳሌም ነይሮም ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ: ኣብታ ደሴት እቲኣ ክርስትና ድሕሪ ጴንጠቆስጠ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:19) ይኹን እምበር: ቲቶስ ሓደ ካብቶም እሙናት መተዓይይቲ ጳውሎስ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። ብ49 ከ.ኣ.ዘ. እቲ ብዛዕባ ግዝረት ተላዒሉ ዝነበረ ኣገዳሲ ክርክር ኣብ እተፈትሓሉ ግዜ: ጳውሎስን በርናባስን ናብ የሩሳሌም ክጓዓዙ ከለዉ ኣሰንይዎም ኢዩ። ቲቶስ ዘይተገዝረ ብምንባሩ: ነቲ ጳውሎስ ናብ ክርስትና እተለወጡ ኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ክዀኑ ከም ዘይግብኦም ንኸረድእ ዝገበሮ ክርክር ተወሳኺ ደገፍ ኰይንዎ ኢዩ። (ገላትያ 2:1-3) እቲ ናይ ቲቶስ ሰናይ ኣገልግሎት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመስኪሩሉ ኣሎ: ጳውሎስ እውን ብመለኮታዊ መሪሕነት እተጻሕፈት መልእኽቲ ሰዲዱሉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:6፣ ቲቶስ 1:1-4) ቲቶስ ክሳዕ እቲ ናይ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ንኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ሰናይ ጸብጻብ ምሃብ ቀጺሉ ኢዩ።
17. ጢሞቴዎስ እንታይ ጸብጻብ ኢዩ ዝሃበ: እዚ ኣብነት እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ክትንክፈና ዝኽእል፧
17 ጢሞቴዎስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንኣምላኽ ሰናይ ጸብጻብ ዝሃበ ካልእ ቀናእ ውልቀ- ሰብ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ጢሞቴዎስ ገለ ናይ ጥዕና ሽግር እንተ ነበሮ: ‘ልግሚ ዘይብላ እምነት’ ኣርእዩ ኢዩ: ‘ምስ ጳውሎስ ኰይኑ ኸኣ ወንጌል [“ንምስፍሕፋሕ:” ትሓዓ ] ኣገልጊሉ ኢዩ።’ ስለዝዀነ እኳ: ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ብጾቱ ክርስትያናት “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ [ብጀካ ጢሞቴዎስ] ሓደ እኳ የብለይን” ክብሎም ክኢሉ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ ፊልጲ 2:20, 22፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:23) ንሕናውን ሰብኣዊ ድኻማትን ካልእ ፈተናታትን እናኣጋጠመና ከሎ: ልግሚ ዘይብላ እምነት ከነርኢ: ንኣምላኽ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ቅቡል ጸብጻብ ከነቕርበሉ ንኽእል ኢና።
18. ልድያ መን ኢያ: እንታይ መንፈስከ ኢያ ዘንጸባረቐት፧
18 ልድያ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ንኣምላኽ ሰናይ ጸብጻብ ዝሃበት ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ኢያ ነይራ። ንሳን ስድራቤታን ብምኽንያት እቲ ጳውሎስ ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ፊልጲ ዝገበሮ ዕዮ: ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ክርስትና እተቐበሉ ቀዳሞት ሰባት ኢዮም ነይሮም። እዛ ብዓልቲ ትያትራ ዝዀ ነት ልድያ: ምናልባት ኣይሁዳዊት ጵሮሰሊት ኢያ ነይራ: ይኹን እምበር ኣብ ፊልጲ ኣዝዮም ውሑዳት ኣይሁድ: ናይ ኣይሁድ ቤት ጸሎት ከኣ ዘይነበረ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ከዘራርበን ከሎ ንሳን ካልኦት ውፉያት ኣንስትን ኣብ ጥቓ ርባ ተኣኪበን ነበራ። ኣብ መወዳእታ ልድያ ክርስትያን ኰነት: ንጳውሎስን ብጾቱን ምስኣ ከም ዝጸንሑ ድማ ገበረቶም። (ግብሪ ሃዋርያት 16:12-15) እቲ ልድያ ዘርኣየቶ ምቕባል ጋሻ: ናይ ሓቀኛታት ክርስትያናት መለለዪ ጠባይ ኰነ።
19. ዶርቃስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ንኣምላኽ ጸብጻብ ዘቕረበትሉ በየናይ ጽቡቕ ተግባራት ኢያ፧
19 ዶርቃስ እውን ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ ንየሆዋ ኣምላኽ ሰናይ ጸብጻብ ዝሃበት ካልእ ሰበይቲ ኢያ። ምስ ሞተት: እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ንዝለመንዎ ልማኖ ምላሽ ብምሃብ ጴጥሮስ ናብ ዮጴ ኸደ። እቶም ንጴጥሮስ ዝጸውዕዎ ክልተ ሰብኡት “ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኵላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ: እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርአያኦ ከቢበናኦ ደው በላ።” ዶርቃስ ተንሰአት። ግናኸ በቲ ዘርኣየቶ መንፈስ ልግሲ ጥራይ ድያ ክትዝከር ዘለዋ፧ ኣይፋላን። “ጓል መዝሙር” (ትሓዓ) ኢያ ነይራ: ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ኸኣ ጽምድቲ ነበረት። ሎሚውን ብተመሳሳሊ ክርስትያን ኣንስቲ ‘ጽቡቕ ግብሪ ዝመልአንን ዝምጽውታን ኢየን።’ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምእዋጅን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ጽቡቕ ተሳትፎ ናይ ምግባር ግደ ስለ ዘለወን እውን ሕጕሳት ኢየን።—ግብሪ ሃዋርያት 9:36-42፣ ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
20. ንገዛእ ርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ክንሓትት እንኽእል፧
20 መጽሓፍ ቅዱስ ኣህዛብን ውልቀ-ሰባትን ነቲ ሉዓላዊ ጐይታ የሆዋ ጸብጻብ ክህቡ ከም ዝግብኦም ኣነጺሩ ይሕብር ኢዩ። (ጸፎንያስ 1:7) ህይወትና ንኣምላኽ ዝወፈና እንተድኣ ኴንና ንገዛእ ርእስና ‘ነቲ ኣምላኽ ዝሃበኒ መሰላትን ሓላፍነታትን ብኸመይ ኢየ ዝርእዮ፧ ንየሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ እንታይ ዓይነት ጸብጻብ ኢየ ዝህብ ዘሎኹ፧’ ኢልና ክንሓታ ንኽእል ኢና።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ መላእኽትን ወዲ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተቲ ምዃኖም ብኸመይ መረጋገጽካ፧
◻ ኣምላኽ ንህዝብታት ከም ዝጸባጸቦም ዘርኢ እንታይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነታት ኢዩ ዘሎና፧
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንኣምላኽ ዘሎና ብሕታዊ ተሓታትነት እንታይ ኢዩ ዝብል፧
◻ ገለ ካብቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ሰናይ ጸብጻብ ዝሃቡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ውልቀ-ሰባት በዓል መን ኢዮም ነይሮም፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]
የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ንሰማያዊ ኣቦኡ ሰናይ ጸብጻብ ሃበ
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ሎሚ ዘለዋ ክርስትያን ኣንስቲ ከም ዶርቃስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሰን ንየሆዋ ኣምላኽ ሰናይ ጸብጻብ ይህባ ኢየን
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ሞት ኣቤል/The Dore Bible Illustration/Dover Publication Inc.