ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበረ ሕጊ
“ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።”—መዝሙር 119:97
1. ናይ ሰማያውያን ኣካላት ምንቅስቃስ እንታይ ኢዩ ዝመርሖ፧
እዮብ ካብ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ብምግራም ንከዋኽብቲ ቀው ኢሉ ይጥምት ነይሩ ይኸውን ኢዩ። ምናልባት ወለዱ ኣስማት ናይቶም ዓበይቲ እኩባት ከዋኽብትን ብዛዕባ እቲ ነዞም ከዋኽብቲ እዚኣቶም ኣብ ሰማይ ዘንቀሳቕሶም ሕግን ዝፈልጥዎ ምሂሮምዎ ክዀኑ ኣለዎም። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ብግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት: ነዚ ዘይለዋወጥ ምንቅስቓስ ናይዚ ሰፊሕን ምልኩዕን እኩብ ከዋኽብቲ ናይ ወቕቲ ምልውዋጥ ንምፍላጥ ይጥቀምሉ ነይሮም ኢዮም። እንተዀነ ግን: እዮብ ብምግራም ኵሉ ግዜ ቀው ኢሉ ክጥምት ከሎ: ነዚ ናይ ከዋኽብቲ ኣቃውማ እዚ ጠሚሩ ሒዝዎ ዘሎ ዓቢ ሓይሊ እንታይ ከም ዝዀነ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ ኢዩ የሆዋ ኣምላኽ “ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ ዘይመለሰ። (እዮብ 38:31-33) እወ: ከዋኽብቲ ብሕጋጋት—ጌጋ ዘይብሉን እተሓላለኸን: ሕጂ ዘለዉ ሊቃውንቲ ምሉእ ብምሉእ ዘይተረድዎ ሕጊ—ዝግዝኡ ኢዮም።
2. ኵሉ ፍጥረት ብሕጊ እተቐየደ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
2 የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ወሃብ ሕጊ ኢዩ። ኵሉ ስርሑ ብሕጊ እተቐየደ ኢዩ። እቲ ፍቑር ወዱ: ‘በዅሪ ዅሉ ፍጥረት’: እዚ ዝርአ ኣድማስ ኣብ ህላወ ቅድሚ ምምጽኡ ንሕጊ ኣቦኡ ብተኣማንነት ይእዘዞ ነይሩ ኢዩ! (ቈሎሴ 1:15) መላእኽቲ እውን ብሕጊ ዝምርሑ ኢዮም። (መዝሙር 103:20) እንስሳታት እውን ከይተረፈ ነቲ ፈጣሪኦም ኣብ ውሽጦም ዘንበረሎም ባህርያዊ ትእዛዝ ክፍጽምዎ ከለዉ ብሕጊ እተቐየዱ ኢዮም።—ምሳሌ 30:24-28፣ ኤርምያስ 8:7
3. (ሀ) ደቅሰብ ሕግታት ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዘመሓድሮም ዝነበረ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ፧
3 ደቅሰብከ፧ ሽሕ’ኳ ከም ብምስትውዓል: ስነ-ምግባር: ከምኡውን መንፈሳውነት ዝኣመሰሉ ውህበታት እተባረኽና እንተዀንና: ጌና ግን ነዞም ናይ ኣእምሮ ክእለታት እዚኣቶም ክንጥቀመሎም ከሎና ዝመርሓና መለኮታዊ ሕጊ የድልየና ኢዩ። ቀዳሞት ወለድና: ኣዳምን ሄዋንን: ፍጹማት ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ድማ ዝመርሖም ሒደት ሕግታት ጥራይ ኢዩ ዘድልዮም ነይሩ። ንሰማያዊ ኣቦኦም ዝነበሮም ፍቕሪ ብታሕጓስ ክእዘዝዎ እኹል ምኽንያት ሂብዎም ክኸውን ኣለዎ። እንተዀነ ግን: ኣይተኣዘዙን። (ዘፍጥረት 1:26-28፣ 2:15-17፣ 3:6-19) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ዘርኦም ሓጢኣተኛታት ስለ ዝዀኑ መምርሒ ዝህቦም ብዙሕ ተወሳኺ ሕግታት ኣድለዮም። ግዜ እናሓለፈ ክኸይድ ከሎ ድማ የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር ኣማልኣሎም። ንኖህ ናብ ስድራቤቱ ከመሓላልፎ ዘለዎ ውሱን ሕግታት ሃቦ። (ዘፍጥረት 9:1-7) ዘበናት ጸኒሑ ኸኣ: ኣምላኽ ብሙሴ ኣቢሉ ነቲ ሓድሽ ህዝቢ እስራኤል: እተጻሕፈ ዝርዝር ሕግታት ሃቦ። የሆዋ ብመለኮታዊ ሕጊ ገይሩ ምሉእ ህዝቢ ከመሓድር መጀመርታኡ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ሕጊ እቲ ምምርማርና ሎሚ መለኮታዊ ሕጊ ኣብ ህይወት ክርስትያናት ዘለዎ ኣድላይነት ክንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።
ሕጊ ሙሴ ሒዝዎ ዝነበረ ዕላማ
4. ሕሩያት ዘርኢ ኣብርሃም ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ከፍርዩ ብድሆ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧
4 እቲ ንፉዕ ተማሃራይ ናይቲ ሕጊ ዝነበረ ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (ገላትያ 3:19) ነዚ ንምምላስ: የሆዋ ነቲ ዓርኩ ዝነበረ ኣብርሃም ነቲ መስመር ወለዶኡ ንዅሎም ኣህዛብ ዓበይቲ በረኸታት ዘምጽእ ዘርኢ ከፍሪ ምዃኑ መብጽዓ ገይርሉ ከም ዝነበረ ክንዝክር የድሊ። (ዘፍጥረት 22:18) እንተዀነ ግን: ኣብዚ ሓደ ግድል ኣሎ:- ኵላቶም እቶም ናይ ኣብርሃም ሕሩያት ዘርኢ ዝዀኑ እስራኤላውያን ኣይኰኑን ንየሆዋ ዘፍቀርዎ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: መብዛሕትኦም ተረርቲ ክሳድ: ዓለወኛታት—ዳርጋ ኵላቶም ዘይእዘዙ ኢዮም ነይሮም! (ዘጸኣት 32:9፣ ዘዳግም 9:7) ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት: ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ምህላው ስለ ዝመረጽዎ ዘይኰነስ ስለ እተወልድሉ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
5. (ሀ) የሆዋ ብሕጊ ሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን እንታይ ኢዩ ዝማሃሮም፧ (ለ) እቲ ሕጊ ንጠባይ ናይቶም ዝስዕብዎ ከም ዝትንክፍ ኰይኑ እተነድፈ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ከፍርዩን ብእኡ ድማ ክባረኹን ዝኽእሉ ከመይ ኢሎም ኢዮም፧ የሆዋ ከም ሮቦት ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝቈጻጸሮም: ብሕጊ ገይሩ ማሃሮም። (መዝሙር 119:33-35፣ ኢሳይያስ 48:17) አረ: እታ ን“ሕጊ” እተመልክት ቶ·ራህ ʹ እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል “መምርሒ” ማለት ኢያ። እንታይከ ኢዩ ሚሂሩ፧ ብቐዳማይ ደረጃ ንእስራኤላውያን ካብቲ ሓጥእ ኵነታቶም ዝብጀዎም መሲህ ከም ዘድልዮም ማሃሮም። (ገላትያ 3:24) እቲ ሕጊ ኣምላኻዊ ፍርህን ምእዛዝን እውን ምሂሩ ኢዩ። ምስቲ ንኣብርሃም እተዋህቦ መብጽዓ ብምስምማዕ: እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ካልኦት ህዝብታት ከም መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ከገልግሉ ነበሮም። ስለዚ እቲ ሕጊ ነቲ ኣብ የሆዋ ኣጸቢቑ ዝንጸባረቕ ልዑል: ብሉጽ ናይ ጠባይ ስርዓት ክምህሮም ነበሮ፣ ንእስራኤል ድማ ካብቲ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዝገብርዎ ብልሹው ተግባራት ንኽፍለዩ ይሕግዞም።—ዘሌዋውያን 18:24, 25፣ ኢሳይያስ 43:10-12
6. (ሀ) ሕጊ ሙሴ ዳርጋ ክንደይ ዝኸውን ሕግታት ዝሓዘ ኢዩ: እዚኸ ብዙሕ ኢዩ ተባሂሉ ክቝጸር ዘይክእል ስለምንታይ ኢዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።) (ለ) ንሕጊ ሙሴ ብምጽናዕና እንታይ ምርዳእ ኢና እንረክብ፧
6 ስለዚ እምበኣር: ሕጊ ሙሴ ልዕሊ 600 ዝኸውን ሕግታት ምሓዙ ዘገርም ኣይኰነን።a እዚ እተጻሕፈ ሕጊ እዚ ነቲ ንኣምልኾ: ምምሕዳር: ስነ-ምግባር: ፍትሒ: ምግብን ጽርየትን እውን ከይተረፈ ዝምልከት ነገራት ዝቈጻጸር ኢዩ። ይኹን እምበር: እዝስ እቲ ሕጊ ናይ ደረቕ ስርዓታትን ሓጺር ትእዛዛትን ኩምራ ጥራይ ኢዩ ነይሩ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይነበረን! ነዚ ሕግታት እዚ ምጽንዑ ብዛዕባ ፍቕራዊ ባህርያት የሆዋ ዓሚቝ ዝዀነ ፍልጠት ይህበና ኢዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።
ምሕረትን ድንጋጸን ዘንጸባርቕ ሕጊ
7, 8. (ሀ) እቲ ሕጊ ንምሕረትን ድንጋጸን ኣትኵሮ ዝገብረሉ ዝነበረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ ናይ ዳዊት ጕዳይ የሆዋ ነቲ ሕጊ ብምሕረት ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ ብኸመይ ኢዩ፧
7 እቲ ሕጊ ብፍላይ ነቶም ትሑታትን ደጋፊ ዘይብሎምን ሰባት ምሕረትን ድንጋጸን ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። መበለታትን ዘኽታማትን መዕቈቢ ክግበረሎም ብፍላይ ተጠቒሶም ኣለዉ። (ዘጸኣት 22:22-24) ዝሰርሑ እንስሳታት ብጭከና ከይትሓዙ ዝኽልክል ሕጊ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ኣድላዪ ዝበሃል ንብረት ዘሎካ መሰል እተሓለወ ኢዩ ነይሩ። (ዘዳግም 24:10፣ 25:4) እቲ ሕጊ ንቐታሊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ዝህብ እኳ እንተነበረ: ብዘይፍላጥ ንዝግበር ምቕታል ግን ምሕረት ክግበር ይእዝዝ ኢዩ። (ዘሁልቍ 35:11) እቶም እስራኤላውያን ፈረድቲ ኣብቲ ኣረኣእያ ናይቲ በደለኛ ብምምርኳስ መቕጻዕቲ ክውስኑ ናጽነት ነይርዎም ኢዩ።—ምስ ዘጸኣት 22:7 ከምኡውን ዘሌዋውያን 6:1-7 ኣረኣእዮ።
8 የሆዋ ከድሊ ከሎ ነቲ ሕጊ ኣጥቢቑ ብምሓዝ: ዝከኣል ምስ ዝኸውን ድማ ምሕረት ብምርኣይ ነቶም መሳፍንቲ ኣብነት ገዲፉሎም ኢዩ። እቲ ዝሙትን ቅትለትን ዝፈጸመ ንጉስ ዳዊት ምሕረት ረኺቡ ኢዩ። እዚ ግን ከይተቐጽዐ ተሪፉ ማለት ኣይኰነን: ምኽንያቱ የሆዋ ካብቲ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ዝመጾ ሕማቕ ሳዕቤናት ኣይተኸላኸለሉን። እንተዀነ ግን: ብምኽንያት ናይታ መንግስቲ ኪዳን: ብተፍጥሮኡ ምሕረተኛ ሰብ ስለ ዝነበረ: ከምኡውን ኣጸቢቑ እተናስሐ ልቢ ስለ ዝነበሮ ዳዊት ኣይተቐትለን።—1 ሳሙኤል 24:4-7፣ 2 ሳሙኤል 7:16፣ መዝሙር 51:1-4፣ ያእቆብ 2:13
9. ፍቕሪ ኣብ ሕጊ ሙሴ እንታይ ግደ ኢዩ ነይርዋ፧
9 ብተወሳኺ: ሕጊ ሙሴ ንፍቕሪ ዝያዳ ኣትኵሮ ገይሩላ ኢዩ። ካብዘን ሎሚ ዘለዋ ሃገራት ፍቕሪ ዝሓትት ሕጊ ዘለወን እስከ ሕሰብ! ሕጊ ሙሴ ቅትለት ይኽልክል ጥራይ ዘይኰነስ፣ “ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ” ኢሉ ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:18) ነቲ መጻእተኛ ነባሪ ዘይፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ምግባር ዝኽልክል ጥራይ ኣይነበረን፣ “ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ: . . . ከም ነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ” ኢሉ ኣዚዙ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 19:34) ዝሙት ዝኽልክል ጥራይ ኣይነበረን፣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ባህ ከብላ ኣዚዙ ኢዩ! (ዘዳግም 24:5) ኣብ መጽሓፍ ዘዳግም ጥራይ: ናይ ፍቕሪ ባህርያት ዘመልክቱ ቃላት እብራይስጢ ልዕሊ 20 ግዜ ኣትዮም ኣለዉ። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንእስራኤላውያን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበሮ: ሽዑ ኣብቲ እዋን እቲ ዘርኣዮ: ከምኡውን ኣብ መጻኢ ዘህልዎ ፍቕሪ ኣረጋጊጹሎም ኢዩ። (ዘዳግም 4:37፣ 7:12-14) ብሓቂ ካብ ሕጊ ሙሴ እቲ ዝዓበየ “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ዝብል ኢዩ። (ዘዳግም 6:5) የሱስ ዅሉ እቲ ሕጊ ምስቲ ንብጻይካ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ሓቢሩ ኣብዚ ንየሆዋ ብዅሉ ሓይልኻ: ነፍስኻ: ልብኻ ፍተዎ ዝብል ሕጊ እተጠቓለለ ኢዩ በለ።Don’t be surprised, I repeated the words just to make it cleare (ዘሌዋውያን 19:18፣ ማቴዎስ 22:37-40) እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ኢሉ ምጽሓፉ ዘገርም ኣይኰነን።—መዝሙር 119:97
ጌጋ ኣጠቓቕማ ናይቲ ሕጊ
10. ኣይሁዳውያን ንመብዛሕትኡ ሕጊ ሙሴ ብኸመይ ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም፧
10 እስራኤላውያን ንሕጊ ሙሴ ዝነበሮም ሞሳ ከጥፍኡስ ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ ነይሩ! እቶም ህዝቢ ነቲ ሕጊ ኣይተኣዘዙን: ነጺጎምዎ: ወይ ድማ ረሲዖምዎ ኢዮም። ነቲ ጽፉፍ ኣምልኾ በቲ ዘፈንፍን ሃይማኖታዊ ተግባራት ናይቶም ካልኦት ኣህዛብ ኣባላሸውዎ። (2 ነገስት 17:16, 17፣ መዝሙር 106:13, 35-38) ነቲ ሕጊ ብኻልእ መገድታት እውን ነጺጎምዎ ኢዮም።
11, 12. (ሀ) ድሕሪ ግዜ እዝራ ናይ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ጕጅለታት ዕንወት ዘምጽኡ ብኸመይ ኢዮም ፧ (ሳጹን ርአ) (ለ) እቶም ናይ ጥንቲ ረብታት ‘ኣብ ዙርያ እቲ ሕጊ ሓጹር ክገብሩ’ ዘድሊ ኰይኑ እተሰምዖም ስለምንታይ ኢዩ፧
11 ገለ ካብቲ ኣብቲ ሕጊ እተገብረ ዝኸፍአ ምብልሻዋት ድማ በቶም ነቲ ሕጊ ንኻልኦት ንምህርን ንዕቅቦን ኢና ዝብሉ ሰባት ኢዩ ተገይሩ። እዚ ነገር እዚ ብድሕሪ እቲ ኣብ መበል ሓሙሻይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ እሙን ጸሓፊ እዝራ ዝዀነ ኢዩ። እዝራ ኣንጻር እቲ መበላሸዊ ጽልዋታት ናይቶም ካልኦት ኣህዛብ ኣበርቲዑ ተቓሊሱ ኢዩ: ከምኡውን ነቲ ሕጊ ምንባብን ምምሃርን ይጸቕጠሉ ነበረ። (እዝራ 7:10፣ ነህምያ 8:5-8) ገለ ካብቶም መምህራን ናይ እዝራ ኣሰር ሰዓብቲ ኢና በሉ: ነቲ “ዓቢ ቤተ ጸሎት” ተባሂሉ እተጸውዐ መአከቢታት ድማ ኣቘሙ። ገለ ካብቲ ብሂላቱ ድማ “ኣብ ዙርያ እቲ ሕጊ ሓጹር ግበር” ዝብል መምርሒ ነበረ። እዞም መምህራን እዚኣቶም እቲ ሕጊ ከም ሓንቲ ክብርቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ምዃኑ ይዛረቡ። ነቲ ሕጊ ብምጥሓስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ናብዛ ስፍራ ኣታኽልቲ እዚኣ ምእንቲ ከይሓልፍ: ናብ ጥቓ ከምዚ ዝበለ ጌጋታት ምእንቲ ከይቀርብ ካልእ ሕግታት: “ብቃል ዝመሓላለፍ ሕጊ” ፈጠሩ።
12 ገሊኦም ሰባት: ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ከምዚ ዝበለ ሓሳባት ምሕዳሮም ልክዕ ኢዮም ነይሮም ብምባል ይካትዑ ይዀኑ። ብድሕሪ ግዜ እዝራ ኣይሁዳውያን ብናይ ወጻኢ ሓይልታት: ብፍላይ ድማ ብግሪኽ ተዓብሊሎም ነበሩ። ነቲ ናይ ግሪኽ ፍልስፍናን ባህልን ዘምጽኦ ጽልዋታት ንኽቃወሙ ኣብ መንጎ ኣይሁድ ብሃይማኖታውያን መራሕቲ ዝቘሙ ጕጅለታት ተላዒሎም ነበሩ። (ነቲ ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን ርአ።) ጸኒሖም ገለ ካብዞም ጕጅለታት እዚኣቶም ከም መምህራን ናይቲ ሕጊ ብምዃን ምስቶም ናይ ክህነት መሰል ዝነበሮም ሌዋውያን ክወዳደሩ አረ ክሓልፍዎም እውን ጀመሩ። (ምስ ሚልክያስ 2:7 ኣረኣእዮ።) ብ200 ቅ.ኣ.ዘ. እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኣብቲ ናይ ኣይሁዳውያን ህይወት ጽልዋ ክገብር ጀመረ። ኣብ መጀመርታ እዞም ሕግታት እዚኣቶም ማዕረ እቲ እተጻሕፈ ሕጊ ምእንቲ ከይኰኑ ተባሂሎም ኣይተጻሕፉን ነይሮም። ደሓር ግን ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ልዕሊ እቲ መለኮታዊ ኣተሓሳስባ ቀዳምነት ክወሃቦ ጀመረ: ስለዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ነታ “ስፍራ ኣታኽልቲ” ክከላኸል ተባሂሉ እተገብረ “ሓጹር” ነታ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣዕነዋ።
ፈሪሳውነት ዘስዓቦ ምብካል
13. ገለ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ብዙሕ ስርዓታት ምግባር ቅቡል ዝገበርዎ ብኸመይ ኢዮም፧
13 እቶም ረብታት: ቶራህ ወይ ሕጊ ሙሴ ፍጹም ስለ ዝዀነ: ንዝዀነ ይኹን ክለዓል ዝኽእል ሕቶ መልሲ ክህብ ኣለዎ ይብሉ ነበሩ። እዚ ሓሳብ እዚ ግን ብልክዕ ኣኽብሮት ዘለዎ ኣይኰነን። ብሓቂ ክርአ ከሎ እዚ ነቶም ረብታት ቃል ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ጕዳይ ማለት ኣብ ብሕታውን ቀሊል ዝዀነ ነገራትን ንሕግታት መሰረት ከም ዝነበረ ብምምሳል ውሕሉል ዝዀነ ናይ ሰብ ሓሳብ ክጥቀሙ ፍቓድ ሂብዎም ኢዩ።
14. (ሀ) እቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቲ ካብ ኣህዛብ ምፍላይ ዝገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕጊ ናብቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ እተጋነነ ደረጃ ዘብጽሕዎ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቲ ናይ ረብታት ስርዓት ንህዝቢ ኣይሁድ ካብ ናይ ኣረማውያን ጽልዋታት ክከላኸለሎም ከም ዘይከኣለ ዘርእየና እንታይ ኣሎ፧
14 እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ደጋጊሞም ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ቍንጽለ ትእዛዛት ብምውሳድ ብእተጋነነ ደረጃ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል ይገብርዎ ነበሩ። ንኣብነት: ሕጊ ሙሴ ካብ ኣህዛብ ክፍለዩ ይእዝዝ ነይሩ ኢዩ: እቶም ረብታት ግን ንዝዀነ ይኹን ናይ ኣይሁድ ዘይኰነ ነገራት ብዘይምምዝዛን ክጽይፍዎ ከም ዘለዎም ይሰብኩ ነበሩ። ኣህዛብ “ምስ እንስሳታት ጾታዊ ርክብ ይፍጽሙ ኢዮም ኢሎም ይጥርጥርዎም” ስለ ዝነበሩ: ሓደ ኣይሁዳዊ ከብቱ ኣብ ናይ ኣህዛብ ደምበ ከይገድፍ ይምህሩ ነበሩ። ሓንቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ንሓንቲ ካብ ኣህዛብ ዝዀነት ሰበይቲ ኣብ ግዜ ሕርሲ ክትሕግዛ ኣይፍቀደላን ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ “ንጣኦት ዝኸውን ቈልዓ ንምምጻእ ትሕገዝ” ከም ዘላ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ብዛዕባ እቲ ግሪኻውያን ዝገብርዎ ናይ ኣካላት ምንቅስቓስ ጥርጠራታት ስለ ዝነበሮም: እቶም ረብታት ንዝዀነ ይኹን ናይ ኣካላት ምንቅስቓሳት ከልከልዎ። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ: እዚ ዅሉ ንኣይሁድ ካብቲ ናይ ኣህዛብ እምነታት ዳርጋ ክከላኸለሎም ኣይከኣለን። አረ እቶም ፈሪሳውያን ባዕሎም ነቲ ነፍሲ ኣይትመውትን ኢያ ዝብል ኣረማዊ ዝዀነ ናይ ግሪኽ ሰረተ-እምነት ምሂሮምዎ ኢዮም!—ህዝቅኤል 18:4
15. እቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቲ ብዛዕባ ንጽህናን ምስ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻምን ዝምልከት ሕግታት ዘበላሸውዎ ብኸመይ ኢዮም፧
15 ፈሪሳውያን ነቲ ንምንጻህ ዝምልከት ዝነበረ ሕጊ እውን ጠውዮምዎ ኢዮም። ፈሪሳውያን ኣጋጣሚ እንተ ዝዋሃቦም ንጸሓይ እውን ከይተረፈ መንጽህዋ ነይሮም ይበሃል ነበረ። እቲ ሕጎም “ደገ ከይወጻእካ ምድንጓይ” (ቀልቀል ከይወጻእካ ግዜ ምሕላፍ) ንሰብ የርክሶ ኢዩ ዝብል ነበረ! ኢድ ምሕጻብ እውን: ኣየነይቲ ኢድ መጀመርታ ከም እትሕጸብን ብኸመይ ከም እትሕጸብን ሕጊ ብምውጻእ: እተሓላለኸ ወግዒ ኰነ። ብፍላይ ኣንስቲ ዘይንጹሃት ኢየን ዝቝጸራ ነይረን። ንስጋዊ ዘመዱ “ኣይቕረባ” (ምስ ቀረባ ዘመድ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዘመልክት ሕጊ) ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ መሰረት ብምግባር እቶም ረብታት ሰብኣይ ደድሕሪ ሰበይቱ ክኸይድ የብሉን ኢሎም ሓገጉ፣ ኣብ ዕዳጋ ምስኣ ክዛረብ የብሉን ይብሉ ነበሩ።—ዘሌዋውያን 18:6
16, 17. እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ነቲ ብዛዕባ ሰሙናዊ ሰንበት ምሕላው ዝገልጽ ትእዛዝ ካብቲ ግቡኡ ንላዕሊ ዝመጠጦ ብኸመይ ኢዩ: ምስ ከመይ ዝበለ ፍረኸ፧
16 ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዕሉል ጸይቂ ዝዀነ ድማ እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ: ብዛዕባ ሕጊ ሰንበት ዝገበሮ መንፈሳዊ ላግጺ ኢዩ። ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ መበል ሻብዓይቲ መዓልቲ ናይታ ሰሙን ዝዀነ ይኹን ዕዮ ኣይትዕየዩ ብምባል ቀሊል ትእዛዝ ኢዩ ሂብዎም። (ዘጸኣት 20:8-11) ይኹን እምበር: እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ሓደ ነገር ምቝጻር ወይ ምፍታሕ: ክልተ ውግኣት ምስፋይ: ክልተ ናይ እብራይስጢ ፊደላት ምጽሓፍ: ከምኡውን ካልእ ነገራት ሓዊስካ 39 እተፈላለየ ዓይነት ናይ እተኸልከለ ዕዮታታ ዝርዝር ኣውጽኡ። እዚኢታት ድማ ነፍሲ ወከፉ: እዚ ዘይብሃል ተወሳኺ ሕግታት ኣለዎ። ኣየናይ ነገር ኢዩ ክቝጸር እተኸልከለ ከምኡውን ኣየናይ ኢዩ ክፍታሕ እተፈቕደ፧ እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ነዚ ሕቶታት እዚ በቲ ብስምምዕ ዝቐረበ ስርዓት ገይሩ ይምልሰሉ። ምፍዋስ ከም እተኸልከለ ሕጊ ኢዩ ዝርአ ነይሩ። ንኣብነት: ብመዓልቲ ሰንበት እተሰብረ መሓውር ምጽጋን ክልኩል ኢዩ ነይሩ። ሓደ ናይ ስኒ ሕማም ዘለዎ ሰብ ነቲ መግቡ ንኸመቅር ኣቸቶ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ: ነቲ ኣቸቶ ብስኑ ገይሩ ክስሕቦ ግን ኣይግብኦን ኢዩ። ከምኡ ምግባር ነቲ ናይ ስኑ ቃንዛ ከሕውዮ ይኽእል ኢዩ!
17 ስለዚ ድማ ኣብ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ክርአ ከሎ ሕጊ ሰንበት: ሰብ ብዝሰርሖ ኣማእታት ሕግታት ተዋሒጣ እቲ ዝነበራ መንፈሳዊ ትርጕም ኣጥፍአት። እቲ “ጐይታ ሰንበት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብመዓልቲ ሰንበት ልቢ ዘምውቕ መስተንክር ተኣምራት ምስ ገበረ: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዋላ ሓንቲ ኣይተገረሙን። ነቲ ስርዓታቶም ሸለል ዝበሎ ስለ ዝመሰሎም ጥራይ ኢዮም ተገዲሶም።—ማቴዎስ 12:8, 10-14
ካብ ናይ ፈሪሳውያን ጌጋታት ምምሃር
18. ኣብ ልዕሊ ሕጊ ሙሴ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕግን ልምድን ምውሳኽ እንታይ ሳዕቤን ነበሮ፧ ብኣብነት ግለጽ።
18 ብሓጺሩ: እዚ እተወሰኸ ሕግታትን ልምድታትን ልክዕ ከምቲ ባርናክልስ እተባህለ ኣብ ባሕሪ ዝርከብ ናብቲ ናይ መርከብ ኣካል ዝጠብቕ እንስሳ: ናብቲ ሕጊ ሙሴ ዝጠበቐ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ናይ መርከብ ወናኒ ነዞም ኣሸገርቲ ዝዀኑ ፍጥረታት ካብ መርከቡ ንኸልግስ ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ኢዩ ዝኸፍል: ምኽንያቱ ንቕልጣፈ እታ መርከብ ክቕንስዎ: ነቲ መራት ዝከላኸል እተለኽየ ቀለም ድማ ክበልዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ብተመሳሳሊ እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕግን ልምድን ነቲ ሕጊ ኣኽቢድዎን ናብ ሕማቕ ኣጠቓቕማ ገጹ ከም ዝኸይድ ገይርዎን ኢዩ። እቶም ረብታት ግን ኣብ ክንዲ ንኸምዚ ዝበለ ግዳማዊ ሕጊ ሓኺኾም ዘልግስዎ መመሊሶም ወሰኽሉ። እቲ መሲህ ነቲ ሕጊ ክፍጽም ክመጽእ ከሎ ድማ እታ “መርከብ” “ብባራናክልስ” ኣዝያ ተሸፊና ስለ ዝነበረት ዳርጋ ኣይትንሳፈፍን ኢያ ነይራ! (ምስ ምሳሌ 16:25 ኣረኣእዮ።) እዞም ሃይማኖታውያን መራሕቲ እዚኣቶም: ነቲ ሕጊ ኣብ ክንዲ ዝከላኸልሉ ንዕኡ ብምጥሓሶም ዓሸዉ። ይኹን እምበር: እቲ ናይ መምርሒታት ‘ሓጹሮም’ ተግባራዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧
19. (ሀ) እቲ ‘ኣብ ዙርያ እቲ ሕጊ ዝነበረ ሓጹር’ ዘይተዓወተ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ናይ ሓቂ እምነት ከም ዘይነበሮም ዘርኢ እንታይ ኢዩ፧
19 እቶም ናይ ኣይሁድነት መራሕቲ ኽፍኣት ንምቅላስ ኣብ ልቢ ድኣምበር ኣብ ናይ መጻሕፍቲ ገጻት ከም ዘይኰነ ኣይተረድእዎን። (ኤርምያስ 4:14) ንኽትዕወት ቀንዲ መፍትሕ ፍቕሪ—ንየሆዋ: ንሕጋጋቱ: ንጽድቃዊ ስርዓታቱ ምፍቃር—ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ፍቕሪ ነቲ የሆዋ ዝጸልኦ ከም እትጸልኦ ዝገብረካ ኢዩ። (መዝሙር 97:10፣ 119:104) እቶም ኣልባቦም ብፍቕሪ ዝመልኡ ሰባት ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም ንናይ የሆዋ ሕግታት እሙናት ኰይኖም ይነብሩ። እቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ነቶም ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ከዕብዩን ከሕድሩን ናይ ምምሃር ዓቢ መሰል ነበሮም። ከምኡ ካብ ምግባር ዝሰነፉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ብርግጽ እምነት ስለ ዘይነበሮም ኢዩ። (ማቴዎስ 23:23: ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ) መንፈስ የሆዋ ኣብ ኣልባብ ናይቶም እሙናት ሰባት ኣትዩ ክሰርሕ ሓይሊ ከም ዘለዎ እምነት እንተ ዝነብሮም ነይሩ: ኣብ ናይ ካልኦት ሰባት ኣነባብራ ጽኑዕ ምቍጽጻር ክገብሩ ኣድላዪ ከም ዘይኰነ ምተረድኡ ነይሮም። (ኢሳይያስ 59:1፣ ህዝቅኤል 34:4) እምነት ስለ ዘይነበሮም: ንኻልኦት እምነት ከም ዝህልዎም ኣይገበሩን፣ ነቲ ህዝቢ ሰብ ብዘውጽኦ ትእዛዛት ገይሮም ጽዓንዎ።—ማቴዎስ 15:3, 9፣ 23:4
20, 21. (ሀ) ልምዲ ዝዓብለሎ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድነት እንታይ ሓፈሻዊ ሳዕቤን ነበሮ፧ (ለ) ካብቲ ንኣይሁድነት ዘጋጠሞ ኵነታት እንታይ ኢና እንማሃር፧
20 እቶም ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ፍቕሪ ከም ዝህሉ ኣይገበሩን። ልምድታቶም ብናይ ላዕለ-ላዕሊ: ሰብ ንኽርእየልካ ኢልካ ጥራይ ብዝግበር ምእዛዝ እተዓብለለ ሃይማኖት ኣፍረየ—እዚ ድማ ግብዝና ንኽብልጽግ ምቹእ ባይታ ፈጠረ። (ማቴዎስ 23:25-28) ስርዓታቶም ንኻልኦት ንምፍራድ ብዙሕ ምኽንያታት ፈጠረ። ስለዚ ድማ እቶም ትዕቢተኛታት: ገበርትን ሓደግትን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ንየሱስ ክርስቶስ ምውቃሶም ልክዕ ከም ዘለዉ ኰይኑ ተሰምዖም። ነቲ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ሕጊ ምርኣዩ ስኣኑ: ነቲ ሓደ ሓቀኛ መሲህ ድማ ነጸግዎ። ስለዚ ንሱ ድማ ነቶም ናይ ኣይሁድ ህዝቢ “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” ኢሉ ክነግሮም ነበሮ።—ማቴዎስ 23:38፣ ገላትያ 3:23, 24
21 ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧ ብንጹር እምበኣር: ደረቕ: ልምዲ ዝዓብለሎ ኣተሓሳስባ ነቲ ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ ዘዕቢ ኣይኰነን! ይኹን እምበር: እዝስ ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ብዘይካ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጽሒፉ ዘሎ ስርዓታት ካልእ ዝዀነ ይኹን መምርሒታት ፈጺሙ የብሎምን ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። ምሉእ ዝዀነ መልሲ ንምርካብ: ቀጺልና የሱስ ክርስቶስ ንሕጊ ሙሴ ብሓድሽን ብዝሐሸን ሕጊ ብኸመይ ከም ዝተክኦ ንርአ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ልክዕ ኢዩ: ምስቲ ሕጋዊ ኣገባባት ናይዘን ሎሚ ዘለዋ ሃገራት ኣረኣኢኻ እቲ ቍጽሪ ጌና ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ ናይ 1990ታት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፈዴራላዊ ሕግታት ልዕሊ 125,000 ገጻት ዝሓዘ ኰይኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ድማ ኣሽሓት ሓደስቲ ሕግታት ይውሰኾ።
ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧
◻ ኵሉ ፍጥረታት ብመለኮታዊ ሕጊ ዝምራሕ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ ቀንዲ ዕላማ ናይ ሕጊ ሙሴ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
◻ ሕጊ ሙሴ ምሕረትን ድንጋጸን የጕልሕ ከም ዝነበረ እንታይ የርኢ፧
◻ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እዚ ዘይብሃል ስርዓታት ዝወሰኹ ስለምንታይ ኢዮም: እንታይከ ኣፍረየ፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ
ጸሓፍቲ:- ንገዛእ ርእሶም ከም ናይ እዝራ ተካእትን ገለጽቲ ሕግን ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም። ብመሰረት እቲ ኤ ሂስትሪ ኦፍ ዘ ጂውሽ እተባህለ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ኵሎም እቶም ጸሓፍቲ ኣይኰኑን ናይ ጸብለልትነት መንፈስ ዝነበሮም: ከምኡውን ነቲ ውሽጣዊ ትርጕም ናይቲ ሕጊ ከውጽኡ ኢሎም ዝገብርዎ ዝነበሩ ፈተነ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ትርጕም ዘይብሉ ስርዓታትን ስምዒት ዘይህብ ክልክላትን ከም ዝወድቁ ገበሮም። እዚ ድማ ልምዲ ኰይኑ: ብዙሕ ከይጸንሐ ዕረፍቲ ዘይህብ ጨቋኒ ኰነ።”
ሄሲዲም:- እዛ ስም እዚኣ “መንፈሳውያን” ወይ ድማ “ቅዱሳት” ማለት ኢያ። መጀመርታ ብጕጅለ ደረጃ እተፈልጡ ኣብ ከባቢ 200 ቅ.ኣ.ዘ. ኢዮም: ብፖለቲካ ሓያላት: እቲ ሕጊ ዝነበሮ ጽፈት በቲ ጨቋኒ ናይ ግሪኽ ጽልዋታት ንኸይበላሾ ዝሕልዉ ነቓጻት ተኸላኸልቲ ኸኣ ኢዮም ነይሮም። ሄሲድም ኣብ ሰለስተ ጕጅለ ተኸፍለ:- ፈሪሳውያን: ሰዱቃውያን: ከምኡውን ኤሰናውያን።
ፈሪሳውያን:- ገለ ምሁራት እታ ስም ካብተን “እተፈልዩ ሰባት” ወይ ድማ “ፈላለይቲ” ዝትርጕመን ቃላት ዝመጸት ኢያ ኢሎም ይኣምኑ። ብሓቂ ድማ በቲ ካብ ኣህዛብ ፍሉያት ንኽዀኑ ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕርታት ኣኽረርቲ ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን እቲ ማሕበሮም ካብቲ ነቲ እተሓላለኸ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ምንም ዘይፈልጥ ዝነበረ ተራ ህዝቢ ኣይሁድ እውን እተፈልየ—ልዕል ዝበለ—ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም። ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ብዛዕባ እቶም ፈሪሳውያን ከምዚ በለ:- “ብሓፈሻ ክርአ ከሎ: ነቲ ደቀቕቲ ናይ በዓላት ወግዒ ብምኽባርን ብምግላጽን ንሰባት ከም ቈልዑ ኢዮም ዝርእይዎም ነይሮም።” ካልእ ምሁር ድማ “ፈሪሳውነት ንዅሉ ኵነታት ዝትንክፍ ኩምራ ወግዓዊ ሕግታት ኣፍረየ: እዚ ድማ ነቲ ደቀቕቲ የዕብዮም ከም ዝርእይዎ: ነቲ ዓበይቲ ድማ ከም ዘናእስዎ ገበሮም። (ማቴ. 23:23)”
ሰዱቃውያን:- እዚኣቶም ምስ ምልከ-ልዑላንን ክህነትን ኣጸቢቖም እተኣሳሰሩ ጕጅለ ኢዮም። እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ናይቲ ጽሑፋዊ ሕጊ: ደገፍ የብሉን ብምባል ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣበርቲዖም ይቃወምዎም ነበሩ። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ቃልሲ ከም ዘይተዓወቱ ሚሽናህ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ካብ ቃላት እቲ [እተጸሕፈ] ሕጊ [ምሕላው] ነቲ ቃላት ናይቶም ጸሓፍቲ [ምሕላው] ዝያዳ ብርታዐ ኣለዎ።” እቲ ብዛዕባ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ብዙሕ ሓሳባት ሒዙ ዝርከብ ታልሙድ “ካብ ቃላት ቶራህ . . . ቃላት ናይቶም ጸሓፍቲ ዝያዳ ርዝነት ኣለዎ” ክሳዕ ምባል በጽሐ።
ኤሰናውያን:- ንገዛእ ርእሶም ኣብ ፍሉይ ማሕበረሰብ ዘቐመጡ ጕጅለ ባሕታውያን ኢዮም። ብመሰረት እቲ ዘ ኢንተርፕረተርስ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ባይብል (እንግሊዝኛ) ዝሃቦ ሓሳባት እቶም ኤሰናውያን ካብቶም ፈሪሳውያን ዝያዳ ፍልይ ዝበሉ ከምኡውን “ሓድሓደ ግዜ ካብቶም ፈሪሳውያን ንላዕሊ ፈሪሳውያን ይዀኑ ኢዮም።”
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
ወለዱ ንእዮብ ብዛዕባ እቲ ንእኩባት ከዋኽብቲ ዘማሓድር ሕጊ ምሂሮምዎ ክዀኑ ኣለዎም