ናይ ሕክምና ክኢላታት ንመተካእታ ደም ብዕቱብ ተዛትዮምሉ
ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ዳርጋ 200 ዝዀኑ ናይ ሕክምና ክኢላታት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣርእስቲ: ማለት ብዛዕባ ደም ዘይብሉ መድሃኒትን መጥባሕትን: ክዛተዩ ቀዳም 7 ጥቅምቲ 1995 ኣብ ክሌቭላንድ: ኦሃዮ: ተኣኪቦም ነበሩ።
እተፈላለየ በዳሂ ኵነታት ዘተ ተገይርሉ ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ሕሙም ብሰንኪ ቅጽበታዊ ዋሕዲ ደም ምስ ዝሳቐ እንታይ ይኹን፧ ኣዝዩ ቅድሚ እዋኑ እተወልደ ሕጻን ከመይ ገይርካ ብዘይ ደም ክሕከም ይከኣል፧ ብዘይ ምትሕልላፍ ደም ናይ ልቢ መጥባሕቲ ብዓወት ክግበር ይከኣልዶ፧ ደስ ዘብል ድማ: ብዘይ ደም ዝግበር መጥባሕቲ—መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኣካል ናይ ገዛእ ርእሱ ቀረብ ደም ከም ዝውስኽ ዝገብር ኣገባብ ብምጥቃም—ድሮ ኣብ ኵሉ እዚ ኵነታት እዚ ውዒሉስ ጽቡቕ ውጽኢት ኣምጺኡ ኢዩ።a
ንምትሕልላፍ ደም መተካእታ ዘድሊ ዘሎስ ስለምንታይ ኢዩ፧ ናይቲ ኣብ ክሌቭላንድ ሰይንት ቪንሰንት ቻሪቲ ሆስፒታል ዝርከብ ናይ ደም ዘይብሉ መድሃኒትን መጥባሕትን ማእከል ዳይረክተር ዝዀነት ሻረን ቨርነን “ምትሕልላፍ ደም መብዛሕትኡ ግዜ ሕማማት: ብፍላይ ድማ ወይቦ ከም ዘመሓላልፍ ፈሊጥና ኢና” በለት። ቀጺላ ኸኣ ከምዚ ትብል- “ደም ሕማም እኳ እንተ ዘየመሓላለፈ: እቲ ሰብ ሕማም ንምክልኻል ዘለዎ ዓቕሚ ግን ክንክዮ ይኽእል ኢዩ።” ናይ አይድስ ምትሕልላፍ ብምርመራ ደም ገይርካ ዝጐድል እኳ እንተዀነ: ከምዚ ዝበለ ምርመራ ተገይርሎም ከብቅዕ ከይተረኽቡ ክሓልፉ ዝኽእሉ ሕማማት ግን ጌና ኣለዉ። ሰፊሕ ምድላው ዝደሊ እኳ እንተዀነ: ሕሙማት እተበከለ ደም ምስ ዝወስዱ ዘጋጥም ሕጋዊ ወጻኢታት ዘወግድ ብምዃኑ: ብዘይ ደም ዝግበር መጥባሕቲ ንሆስፒታላት ቈጣቢ ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደም ካብ ምውሳድ ዝርሕቅሉ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት: ሕጊ ኣምላኽ ደም ይኽልክል ስለ ዝዀነ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) ጌና ግን: እቲ ክርከብ ዝከኣል ዝበለጸ ክንክን ሕክምና ክረኽቡ ይደልዩ ኢዮም። በዚ ኸኣ ኢዮም: ምስቶም ደም ዘይብሉ ሕክምናዊ ክንክን ንምግባር ምርምር ዘካይዱ ሓካይም ዝተሓባበሩ። ከምዚ ዝበለ ሕክምና ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ምትሕልላፍ ደም ዘስዕቦ ሓደጋታት ዘተሓሳስቦም ካልኦት ብዙሓት ሰባት እውን ይጠቅም ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ናይ 22 ሕዳር 1993 ገጽ 24-7 ከምኡውን ናይ 22 ጥሪ 1996 ገጽ 31 ናይ ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ሕታማት ርአ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
WHO photo by P. Almasy