ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/8 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ምሳኻትኩም ክንከይድ ኢና”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • “እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/8 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ንገለ ዓመታት ክቐርብ ዝጸንሐ ጸብጻባት ቍጽሪ ናይቶም ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ ሰባት በብቑሩብ ከም ዝወሰኸ ኣርእዩ ኢዩ። እዝስ ብዙሓት ሓደስቲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብኡ ዝሕብር ድዩ፧

ቍጽሪ ናይቶም 144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዓሰርተታት ዓመታት ይገብር መሊኡ ኢዩ ኢልካ ንምእማን ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎ።

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:​1⁠-​4 ብዛዕባ እቶም ኣብቲ እተወሰነ ጕጅለ ናይ መጀመርታ ዝነበሩ ሰባት ነንብብ ኢና:⁠- “ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኵላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ: ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም: ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።”

ድሕርዚ የሆዋ ካልኦት ሓረየ: ንዕኦም ድማ ብመንፈስ ቅዱሱ ቀብኦም። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ክርስትና ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ተወሲኾም ነበሩ። ኣብቲ ኣብዚ ግዜና ዝግበር በዓል ዝኽሪ: እቲ ተዛራባይ ነቲ ኣብ ሮሜ 8:​15⁠-​17 ዝርከብ: እቶም ቅቡኣት ‘መንፈስ ውልድነት ከም ዝቕበሉ’ ዝጠቅስ ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበዝሕ ግዜ ኣቓልቦ ­ይገብረሉ ኢዩ። ጳውሎስ ብምውሳኽ: እቲ ዝቕበልዎ መንፈስ ቅዱስ ‘ውሉድ ኣምላኽን መዋርስቲ ክርስቶስን ምዃኖም ምስ መንፈሶም ኰይኑ ከም ዝምስክር’ ተዛሪቡ ኢዩ። እቶም ብሓቂ ብመንፈስ እተቐብኡ ሰባት ንዕኡ ብርግጽ ይፈልጥዎ ኢዮም። ትምኒት ወይ ነጸብራቕ ናይቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ስምዒታውን ዘይክውንነታውን ኣረኣእያ ኣይኰነን።

ኣብቲ መዋእል ጸልማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ግዜ ቍጽሪ ናይቶም ቅቡኣት ኣዝዩ ሒደት ዝዀነሉ እዋን እኳ እንተ ነበረ: እዚ ሰማያዊ ጽውዓ እዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ከም ዝቐጸለ ንርድኦ ኢና።a ምስቲ ኣብ ጥቓ መወዳእታ ናይዚ ዝሓለፈ ክፍለ⁠-​ዘበን እተፈጸመ ምምላስ ሓቀኛ ክርስትና ብምትሕሓዝ: ተወሰኽቲ ካልኦት ተጸዊዖምን ተሓርዮምን ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብ መፋርቕ ናይ 1930’ታት: እቲ ናይ 144,000 ጠቕላላ ቍጽሪ ብመሰረቱ መሊኡ ኢዩ። ስለዚ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም እሙናት ክርስትያናት ዝሓዘ ጕጅለ ክቕልቀል ጀመረ። የሱስ ነዚኣቶም: ከም ሓደ ስምረት ዝረኸበ መጓሰ መጠን ምስቶም ቅቡኣት ኣብ ኣምልኾ ዝሓብሩ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ኢሉ ሰየሞም።​—⁠ዮሃንስ 10:14⁠-​16

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት እተረኽበ ጭብጥታት ክልቲኡ ማለት ናይቶም ቅቡኣት ጻውዒት ምምልኡን በረኸት የሆዋ ድማ ኣብቶም ካብቲ “ዓቢ ጸበባ” ክድሕኑ ተስፋ ዝገብሩ: እናወሰኹ ድማ ዝኸዱ ዘለዉ “ዓቢ ጭፍራ” ምህላዉን ኢዩ ዘርኢ። (ራእይ 7:​9, 14 ትሓዓ ) ንኣብነት: ኣብቲ ብ1935 እተገብረ በዓል ዝኽሪ: 63,146 ሰባት ተኣኪቦም ነበሩ: እቶም ቅቡኣት ምዃኖም ብግልጺ ብምርኣይ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን እተኻፈሉ ሰባት ግን ቍጽሮም 52, 465 ነበረ። ሰላሳ ዓመታት ጸኒሑ: ወይ ብ1965 ቍጽሪ ተኣከብቲ 1,933,089 ክኸውን ከሎ ቍጽሪ ናይቶም ተኻፈልቲ ግን ናብ 11,550 ጐደለ። 30 ዓመታት ጸኒሑ: ብ1995 ቍጽሪ ተኣከብቲ ናብ 13,147,201 ተወንጨፈ: ካብቲ ቅጫን ወይንን እተኻፈሉ ግን 8,645 ሰባት ጥራይ ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 11:23⁠-​26) ብሓቂ እምበኣር: ዓሰርተታት ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ናይቶም ቅቡኣት ኢና ዝብሉ ቍጽሪ ብብዙሕ ጐዲሉ ኢዩ​—⁠ብ1935 ዳርጋ 52,400፣ ብ1965 11,500፣ ብ19 95 8,600 ነበረ። ይኹን እምበር: እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ተባሪኾም ኢዮም: ቍጽሮም ድማ ብብዝሒ ወሲኹ ኢዩ።

እቲ ኣዝዩ እዋናዊ ጸብጻብ ናይ 1995 ኢዩ: ሽሕ’ኳ መጠነ ዝምድና ናይቶም ተኻፈልቲ ካብቲ ናይቶም ተኣከብቲ ኣዝዩ ዝወሓደ እንተዀነ: ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት 28 ተወሰኽቲ ሰባት ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ተኻፊሎም ኢዮም። ንዅሉ ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክርአ ከሎ: ሒደት ሰባት ካብቲ ምሳልያዊ ወይንን ቅጫን ክወስዱ ምምራጾም ብዙሕ ዘተሓሳስብ ኣይኰነን። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ገለ ሰባት: ሓደስቲ ጥሙቓት እውን ከይተረፈ: ሃንደበት ካብቲ ቅጫን ወይንን ክወስዱ ጀሚሮም ኢዮም። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድማ: ድሕሪ ገለ ግዜ እቲ ዝገበርዎ ጌጋ ምንባሩ ተኣሚኖምሉ ኢዮም። ገሊኣቶም ምናልባት ካብ ኣካላዊ ወይ ኣእምሮኣዊ ውጥረት ዝብገስ ስምዒታዊ መልሰ⁠-​ግብሪ እተላዕለ ከም ዝወሰዱ ኣፍልጦ ሂቦም ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብ መወዳእታ ብሓቂ ንሰማያዊ ህይወት ከም ዘይተጸውዑ ፈሊጦም ኢዮም። ኣምላኽ ብምሕረት ክርድኦም ሓቲቶም ኢዮም። ከምኡውን ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፋ ዘለዎም ጽሩያትን እሙናትን ክርስትያን ብምዃን ንኣምላኽ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም።

ሓደ ሰብ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ክወስድ እንተ ጀመረ ወይ እንተ ኣቋረጸ: ካባና ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሻቐል ኣየድልዮን ኢዩ። ሓደ ሰብ ብልክዕ ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ ንሰማያዊ ህይወት ድማ ተጸዊዑ ድዩ ኣይተጸውዐን ምውሳን ፈጺሙ ናትና ኣይኰነን። ነቲ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን” ዝብል ናይ የሱስ ርግጽ ውሕስነት ዘክሮ። ብርግጽ: የሆዋ ነቶም ከም መንፈሳውያን ውሉዳት መጠን ዝሓርዮም ሰባት ይፈልጦም ኢዩ። ዕድመ ምድፋእን ትጽቢት ዘይተገብሮ ኣጋጣሚታትን ንምድራዊ ህይወቶም መወዳእታ ስለ ዝገብረሉ ቍጽሪ ናይቶም ቅቡኣት እናጐደለ ክኸይድ ኢዩ ኢልካ ንኽትኣምን ዝገብር ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። እንተዀነ ግን: እዞም ብሓቂ ቅቡኣት ዝዀኑ ሰባት ክሳዕ ሞት እሙናት ብምዃን ኣኽሊል ህይወት ክቕበሉ ብተስፋ እናተጸበዩ ከለዉ: እቶም ንኽዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ዝሓጸቡ ካልኦት ኣባጊዕ ድማ: ካብቲ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ዓቢ ጸበባ ክድሕኑ ብተስፋ ክጽበዩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 4:​6⁠-​8፣ ራእይ 2:​10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 15 መጋቢት 1965 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 191⁠-​2 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ