ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/8 ገጽ 32
  • “ኣይሓልምን ኢየ ዘሎኹ: ሓቀይዶ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣይሓልምን ኢየ ዘሎኹ: ሓቀይዶ፧”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/8 ገጽ 32

“ኣይሓልምን ኢየ ዘሎኹ: ሓቀይዶ፧”

እዚ ቐጺሉ ዘሎ ጸብጻብ: ነቲ ኣብ ክረምቲ ናይ 1995 እተኻየደ ታሪኻዊ “ሕጕሳት ወደስቲ” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝምልከት ካብ ማላዊ እተረኽበ ጸብጻብ ኢዩ።

“ካብቲ ምዕራባዊ ገማግም ቀላይ ማላዊ ልዕል ኢሉ ኣብ ማእከላይ ርሕቀት ኣብቲ ቀንዲ መገዲ: ድሕሪ 29 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ሓደ ምል​­ክት ተተኺሉ ነበረ። ከምዚ ኸኣ ይንበብ:⁠- ‘ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር።’

“ሓንቲ ዓባይ መኪና ኣብ ጥቓ እቲ ምልክት ደው ኢላ ነበ⁠ረት: ካብታ ተሰሓቢታ ድማ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ካብ ከተማ ምዙዙ ዝመጹ ልኡኻት ወረዱ። ምስቶም ካብ ካልእ ቦታታት ዝመጹ ዳርጋ 3,000 ዝዀኑ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንኽሓብሩ: ማእለያ ዘይብሉ ክዳውንቲ: ኮበርታታት: ድስትታት: ሳንኬሎታት: መግቢ: ንሓዊ ዝኸውን ኣዕጻው: ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱሳት ተማሊኦም ነበሩ።

“እቶም ኣሕዋት ካብታ መኪና ክወርዱ እናተቐበልናዮም ከሎና ድማ: ወዲ 63 ዓመት ጆርጅ ቼካኮ: ካብ ንኮታኮታ እተባህለት ቑሸት ተበጊሱ ንኽልተ መዓልታት ድሕሪ ምጕዓዙ: በቲ ሑጻ ብሽክለታኡ እናደፍአ ኣብቲ ቦታ በጽሐ። ሓው ቼካኮ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምልምማጥ ብምእባዩ ኣርባዕተ ግዜ ተኣስረ። ወዲ ሓወቦኡ ተኣሲሩ ኸሎ ብምቕጥቃጥ ዝኣክል ሞይቱ ኢዩ። ሓው ቼካኮ ‘ኣይሓልምን ኢየ ዘሎኹ: ሓቀይዶ፧’ ብምባል ሓተተ። ‘እዚ ኣኼባ እዚ ብቓልዕ ኣብ ብርሃን ኢዩ ዝግበር ዘሎ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ድማ ናይ መንግስቲ መዛሙራት ዓው ኢሎም ይዝምሩ ኣለዉ! እዚ ዅሉ ዓመታት: ኣብ ጸላም ለይቲ ንእከብ: ናይ መንግስቲ መዛሙር ብሕሽዅሽዅ ንዝምር: ከነጣቕዕ ምስ እንደሊ ድማ ኣእዳውና ነፋሓፍሖ ጥራይ ኢና ነይርና። ሕጂ ግን ብግሁድ ንእከብ: ሰባት ሒደት ኢዮም ኢሎም ክሓስቡና: ኣዚና ብዙሓት ኴንና ምስ ጸናሕና ተገሪሞም ኢዮም!’

“ናይቲ ኣኼባ ቦታ ብሳዕሪ እተሓጽረን ከጽልል ተባሂሉ ድማ ብሻምብቆ እተኸድነን ኢዩ ነይሩ። ነቶም ልኡኻት መደቀሲ ክኸውን ተባሂሉ ካብ ሳዕሪ እተሰርሐ ንኣሽቱ ኣጓዱን ክፉት ናሕሲ ዘለዎ መደቀሲታትን ከኣ ተዳለወ። ለይቲ በቶም ድሕሪ ደጊም ስደት ብዘስዕቦ ፍርሂ ኣፍካ ዘይልጐመሎም ምኡዝ ዜማ ዘለዎም ድምጽምታት መልአ።

“ናይቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ ‘ሕጕሳት ወደስቲ’ ዝብል ምዃኑስ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ!”

[ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright© 1995 Digital Wisdom Ink.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ