ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
የሱስ ኣርማጌዶን እትመጸሉ ግዜ ይፈልጦዶ ኢዩ፧
ይፈልጥ ኢዩ ኢልካ ምእማን ዳርጋ ምኽንያታዊ ኢዩ ዝመስል።
ገለ ሰባት ስለምንታይ እዚ ሕቶ እዚ ከም እተላዕለ እውን ይገርሞም ይኸውን። እዚ ኸኣ ብምኽንያት እቲ “ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ: ዚፈልጣ የልቦን” ዝብል ኣብ ማቴዎስ 24:36 ዘሎ ናይ የሱስ ሓሳባት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ነታ “ወይስ ወዲ” እትብል ሓረግ ኣስተብህለላ።
እዛ ጥቕሲ እዚኣ ክፍሊ ናይቲ ክርስቶስ ሃዋርያቱ “እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን [“ህላዌኻን:” ትሓዓ ] መወዳእታ ዓለምንከ [“እዚ ኣገባብ እዝንከ:” ትሓዓ ] እንታይ እዩ፧” ብምባል ንዘቕረብሉ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ኢያ። (ማቴዎስ 24:3) ኣብቲ ብዛዕባ ነቲ “ትእምርቲ” ዘቕውም መርትዖታት ዝሓዘ ውሩይ ዝዀነ ትንቢቱ: ውግእ: ዋሕዲ መግቢ: ምንቅጥቃጥ ምድሪ: ንሓቀኛ ክርስትያናት ዘጋጥሞም መስጐጕቲ: ከምኡውን ህላዌኡ ዝሕብር ኣብ ምድሪ ዝፍጸም ካልእ ነገራት ከም ዝህሉ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። በዚ ምልክታት እዚ ኣቢሎም ድማ ሰዓብቱ መወዳእታ ከም ዝቐረበ ክፈልጡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ናይቲ ግዜ ምቕራብ: ምስቲ ክረምቲ ከም ዝቐረበ ዝሕብር ኦም በለስ ቈጽሊ ከውጽኣሉ ዝጅምር ግዜ ኢዩ ኣመሳሲልዎ። ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ:- “ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም: ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ።”—ማቴዎስ 24:33
ይኹን እምበር የሱስ መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ ብልክዕ ኣይተዛረበን። ኣብ ክንድኡ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:36 ዘንበብናዮ ኢዩ ዝበለ። ኣብ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ከምኡውን ኣብ ካልእ ዘመናዊ መጽሓፍ ቅዱሳት ተመሳሳሊ ነገር ኢና እነንብብ። እንተዀነ ግን: ሓድሓደ ናይ ቅድም ትርጕማት እታ “ወይስ ወዲ” እትብል ሓረግ የብሎምን።
ንኣብነት: ናይ ካቶሊክ ዱዋይ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይንበብ:- “ብዛዕባ እታ መዓልትን እታ ሰዓትን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ: መላእኽቲ ሰማይ እንተዀኑ እውን ዝፈልጣ የልቦን።” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን እውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዝንበብ። ሽሕ’ኳ ኣብ ማርቆስ 13:32 ትርከብ እንተዀነት: እታ “ወይስ ወዲ [ወይ ወዲ’ውን እንተዀነ]” እትብል ሓረግ ዝወጸት ስለምንታይ ኢያ፧ ምኽንያቱ ኣብ ምጅማር መበል 17 ክፍለ-ዘበን እተን ክልተ ትርጕማት ክዳለዋ ኸለዋ እቲ እቶም ተርጐምቲ ዝቐድሕሉ ኢደ-ጽሑፋት ከምኡ ዝበለ መግለጺ ኣይነበሮን። እንተዀነ ግን: ብዙሕ ጥንታዊ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ተረኺቡ ኢዩ። እዚ ምስቲ ናይ ማቴዎስ በዅሪ ጽሑፍ ኣዝዩ ዝቐረበ ግዜ ዘለዎ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፍ: ኣብ ማቴዎስ 24:36 “ወይስ ወዲ” እትብል ሓረግ ዝሓዘ ኢዩ።
እቲ ዘገርም ድማ: ኣብ ናይ ካቶሊክ ጀሩሳሌም ባይብል (እንግሊዝኛ) እታ ሓረግ ትርከብ ኢያ: ኣብቲ እግረ-ጽሑፍ ድማ: ናይ ላቲን ቫልጌት “ምናልባት ብስነ-ሃይማኖታዊ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል” ነታ መግለጺ ኣውጺእዋ ኣሎ ይብል። ከምኡ ክግበር ድማ ግድን ኢዩ! ኣብ ስላሴ ዝኣምኑ ተርጐምቲ ወይ ጽሑፋት ዝቐድሑ ሰባት: የሱስ ክንድቲ ናይ ኣቦኡ ፍልጠት ከም ዘይብሉ ዝሕብር ሓረግ ንምውጻእ ክፍተኑ ይኽእሉ ኢዮም። ክልቲኦም ማለት ንሱን ኣቦኡን ናይ ሓደ ስላሴኣዊ ኣምላኽ ክፍሊ እንተድኣ ዀይኖም: የሱስ ገለ እተወሰነ ሓቂ ክፈልጥ ዘይክእል ብኸመይ ኢዩ፧
ብተመሳሳሊ: ብቢ. ኤም. ሜትስገር እተዳለወ ኤ ቴክስቹዋል ኮመንትሪ ኦን ዘ ግሪክ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) እተባህለ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “እቲ ጸኒሑ ዝመጸ ናይ ባይዛንታይን ጽሑፍ ሓዊስካ: መብዛሕትኡ እቲ ናይ ማቴዎስ መርትዖታት [ኢደ-ጽሑፋት] እተን ‘ወይስ ወዲ’ ዝብላ ቃላት የብሉን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: እቶም ንናይ ኣለክሳንድርያ: ንናይ ምዕራብ: ከምኡውን ንናይ ቂሳርያ ዓይነት ዝውክሉ ዝበለጹ ጽሑፋት: እታ ሓረግ እቲኣ ዝሓዙ ኢዮም። ናብ [ማርቆስ 13:32] ብግምት ተወሲኸን ኢየን ካብ ምባል: ብምኽንያት እቲ ዘስዕባኦ ሰረተ-እምነታዊ ጸገም: እተን ቃላት ወጺአን ኢየን ምባል ዝያዳ ዝእመን ይመስል።—ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
እቶም ናይ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፋት ‘ዝበለጹ ወከልቲ’ ነታ ሰዓትን መዓልትን ብዛዕባ ምፍላጥ ዝመጸ: ምኽንያታዊ ምዕባለ ንዘቕርብ ጽሑፍ ኢዮም ዝድግፉ። መላእኽቲ ነታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ኣይፈልጥዋን ኢዮም፣ እቲ ወዲ እውን ይኹን ኣይፈልጣን ኢዩ፣ ኣቦ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጣ። እዚ ድማ ምስቲ የሱስ: ኣቦ እንተዘይኰይኑ: ኣብታ መንግስቲ ዝበለጸ ቦታ ናይ ምሃብ ስልጣን ከም ዘይብሉ እተኣመነሉ: ኣብ ማቴዎስ 20:23 ዝርከብ ቃላቱ ዝሰማማዕ ኢዩ።
ስለዚ: ናይ የሱስ ቃላት ኣብ ምድሪ ኸሎ ‘መወዳእታ ዓለም’ ከም ዘይፈለጦ ዝገልጽ ኢዩ። ድሕሪኡኸ ፈሊጥዎዶ ኢዩ፧
ራእይ 6:2 የሱስ ኣብ ጻዕዳ ፈረስ ተቐሚጡ ‘እናሰዓረ ክስዕር’ ይቕጽል ከም ዘሎ ትገልጽ። ደድሕሪኡ ስዒቦም ከኣ: ነቲ ካብ 1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዝና እነሕልፎ ዘሎና ኵነታት ንኸም ውግእ: ጥሜት: ከምኡውን ፌራ ዝኣመሰሉ ነገራት ዝውክሉ ሰብ ኣፍራስ መጹ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: የሱስ ኣብዚ እናቐረበ ዝመጽእ ዘሎ ኣንጻር እቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር እከይ ዝካየድ ውግእ መሪሕነት ዝወስድ ብምዃን: ብ1914 ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ከም እተሾመ ይኣምኑ ኢዮም። (ራእይ 6:3-8፣ 19:11-16) የሱስ ሕጂ ብስም ኣምላኽ ዝስዕር ብምዃን ኣብ ስልጣን ስለ ዘሎ: ኣቦኡ መወዳእታ መዓስ ከም ዝመጽእ: ማለት ‘ስዕረቱ ዝፍጽመሉ’ ግዜ ክነግሮስ ምኽንያታዊ ኢዩ።
ነዞም ኣብ ምድሪ ዘሎና ሰባት እታ መዓልቲ ኣይተነግረትናን: ስለዚ: “እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑን . . . እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ: ንዅሉ እብሎ አሎኹ፤ ንቕሑ” ዝብል ቃላት የሱስ ጌና ኣባና ይውዕል ኢዩ።—ማርቆስ 13:33-37