ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/7 ገጽ 26-29
  • ገማልኤል ንሳውል በዓል ጠርሲስ ምሂርዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገማልኤል ንሳውል በዓል ጠርሲስ ምሂርዎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገማልኤል መን ኢዩ ነይሩ፧
  • ብገማልኤል ተማህረ​—ብኸመይ፧
  • ናይ ገማልኤል ትምህርትታት ሒዝዎ ዝነበረ ቍም ነገር
  • ንጳውሎስከ እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ፧
  • ‘ብዛዕባ የሱስ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ሚሽናህ ከምኡውን ኣምላኽ ንሙሴ ዝሃቦ ሕጊ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናብቲ ናይ መወዳእታ ዓወት ምስጓም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/7 ገጽ 26-29

ገማልኤል ንሳውል በዓል ጠርሲስ ምሂርዎ

እቶም ህዝቢ ጸጥ በሉ። ኣቐድም ኣቢሎም ንሃዋርያ ጳውሎስ ዳርጋ ቐቲሎምዎ ኢዮም ነይሮም። እዚ ሳውል በዓል ጠርሴስ ተባሂሉውን ዝፍለጥ ሰብ እዚ: ወትሃደራት ሮሜ ኣናገፍዎ፣ ሕጂ ነቶም ሰባት ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት መቕደስ የሩሳሌም ዘሎ መደያይቦ ደው ኢሉ ይራኸቦም።

ጳውሎስ ስቕ ክብሉ በእዳዉ ኣመልከቶሎም እሞ: ከምዚ ኢሉ ብእብራይስጢ ክዛረቦም ጀመረ:- “ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን: እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ። . . . ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሀርኩ ኸኣ: ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዐቤኹ [“እተምሃርኩ” ትሓዓ ]። ከምዚ ዅላትኩም ሎሚ ዘሎኹምዎ ኸኣ: ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ።”​—ግብሪ ሃዋርያት 22:​1-3

ጳውሎስ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከሎ: ብገማልኤል ከም እተማህረ ብምዝራብ ክመጻረ ዝጀመረ ስለምንታይ ኢዩ፧ ገማልኤል መን ኢዩ ነይሩ: ብእኡ ምምሃር ማለትከ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ልምምድ እዚ ንሳውል ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ኰነ እውን ከይተረፈ ጸልይዎዶ ኢዩ፧

ገማልኤል መን ኢዩ ነይሩ፧

ገማልኤል ውሩይ ፈሪሳዊ ኢዩ ነይሩ። ንሱ ንሂለል ወዲ ወዱ ኢዩ።a ሂለል ንሓንቲ ካብተን ኣብ ናይ ፈሪሳውያን ኣይሁድነት ዝነበራ ክልተ ቀንዲ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመስረተ ሽማግለ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሂለል ኣገባብ ኣመሃህራ: ብምጽዋር ዝመጸ ካብቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ሾማይ ዝያዳ ከም ዝበልጽ ኢዩ ዝሕሰብ። የሩሳሌም ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ምጥፋኣ: ካብ ቤት ሾማይ ቤት ሂለል ይምረጽ ነበረ። ኵለን ካልኦት ኣንቈራታት ምስቲ ቤት መቕደስ ስለ ዝጠፍኣ: ቤት ሂለል ወግዓዊ ናይ ኣይሁድ መግለጺ ኰነ። እቲ ናይ ቤት ሂለል ውሳነታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ መሰረት ታልሙድ ዝዀነ ሚሽናህ ዘሎ ናይ ኣይሁድ ሕግታት ከም ቀንዲ ነገር ኢዩ ዝርአ: ዓብላልነት ከም ዝረክብ ዝገበረ ቀንዲ ረቛሒ ድማ እቲ ናይ ገማልኤል ጽልዋ ከይኰነ ኣይተረፍን ኢዩ።

ገማልኤል ኣዝዩ ክቡር ሰብ ስለ ዝነበረ ራባን—ካብ ረቢ ዝዓበየ ማዕርግ—ተባሂሎም ካብ እተጸውዑ እቲ ቀዳመይ ኢዩ ነይሩ። ገማልኤል ኣዝዩ ብኽብሪ ዝርአ ሰብ ስለ ዝነበረ ሚሽናህ ብዛዕብኡ ከምዚ ይብል:- “ራባን ገማልኤል እቲ ሽማግለ ምስ ሞተ ክብሪ ቶራህ ኣቋረጸ: ንጽህናን ቅድስናን [ቃል ብቓሉ: “ምፍልላይ”] ኸኣ ጠፍአ።”​—ሶታህ 9:​15

ብገማልኤል ተማህረ​—ብኸመይ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ ‘ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል ከም እተማሃረ’ ክነግሮም ከሎ: እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ ከም ገማልኤል ንዝኣመሰሉ መማህራን ወደ መዝሙር ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ፧

ብዛዕባ እዚ ምልምማድ እዚ ዝምልከት: ፕሮፌሰር ዶቭ ዝሎትኒክ ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ኣይሁድ ስነ-ሃይማኖት ቤት ትምህርቲ: ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ልክዕን ክትውከሎ እትኽእል ኰይኑን ንኽመሓላለፍ: ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ኣብ መንጎ መምህርን ወደ መዝሙርን ዘሎ ርክብ ማለት: እቲ መራሒ ነቲ ሕጊ ንምምሃር ዘርእዮ ሓልዮት: እቲ ወደ መዝሙር ድማ ንኽማሃር ዘለዎ ድልየት እተመርኰሰ ኢዩ። . . . ስለዚ እምበኣር ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ትሕቲ እግሪ እቶም ምሁራት ኰፍ ክብሉ ይምከሩ ነበሩ። . . . ‘ንቓላቶም ከኣ ብጽምኢ ይሰትይዎ ነበሩ።’ ”​—ኣቮት 1:4 ሚሽናህ።

ኣብታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ጂዊሽ ፒፕል ኢን ዘ ታይም ኦቭ ጂሰስ ክራይስት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፉ ኤሚል ሹረር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ኣገባብ ኣመሃህራ ናይ ራቢ መምህራን ኣብሪሁልና ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ይጽሕፍ:- “እቶም ኣዝዮም ውሩያት ረቢ ምስቲ እተፈላለየ ክፍልታት ዝነበሮ ብዙሕ ‘ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ’ ምሉእ ብምሉእ ንኸፋልጥዎም ዕላማ ብምግባር: ነቶም መምርሒ ንምርካብ ጽምኢ ዝነበሮም ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያት ይእክቡ ነበሩ። . . . እቲ መምርሒ ቀጻሊ ናይ ምዝካር ክእለት ዘለማምድ ነገር ኢዩ ነይሩ። . . . እቲ መምህር ንተማሃሮኡ ውሳነ ዝገብሩሎም ብዝሕ ዝበለ ሕጋዊ ሕቶታት የቕርበሎም እሞ: ንኽምልስዎም የፍቅደሎም ወይ ከኣ ባዕሉ ይምልሶም። ብተወሳኺ እቶም ተማሃሮ ነቲ መምህር ሕቶታት ከቕርቡሉ ይፍቀደሎም ነበረ።”

ብመሰረት ናይቶም ረቢ ኣመለኻኽታ: እቲ ዘተሓታትት ጉዳይ ናይቶም ተማሃሮ መሕለፊ ነጥቢ ካብ ምርካብ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ትሕቲ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መማህራን ዘጽንዑ ዝነበሩ ሰባት እዚ ዝስዕብ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ነይሩ ኢዩ:- “ካብቲ እተማሃሮ ሓንቲ ነገር እውን እንተድኣ ረሲዑ​—⁠ቅዱስ ጽሑፍ ንህይወቱ ባዕሉ ተሓታቲ ከም ዝዀነ ኢዩ ዘመልክት።” (ኣቮት 3:8) ሓደ ተማሃራይ ልክዕ ከም “ሓንቲ ንጣብ ማይ ዘየልሑኽ ብስሚንቶ እተሰርሐ ዕቡጥ ዒላ” ምስ ዝኸውን ዝዓበየ ውዳሴ ይዋሃቦ። (ኣቮት 2:8) እቲ ሽዑ በቲ ናይ እብራይስጢ ስሙ ሳውል በዓል ጠርሴስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ: ጳውሎስ: ካብ ገማልኤል ከምዚ ዝዓይነቱ ምልምማድ ረኺቡ ኢዩ።

ናይ ገማልኤል ትምህርትታት ሒዝዎ ዝነበረ ቍም ነገር

ገማልኤል ነቲ ናይ ፈሪሳውያን ትምህርትታት ብምሕላው: ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ሕጊ ኢዩ ዘተባብዕ ነይሩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሕፋት ነቲ ናይ ረቢ ልምድታት ኢዩ ዓቢ ኣተኵሮ ዝገብረሉ ነይሩ። (ማቴዎስ 15:⁠3-9) ሚሽናህ: ገማልኤል ከምዚ ዝስዕብ ከም ዝበለ ይጠቅስ:- “ንገዛእ ርእስኻ ናብ መምህር [ረቢ] ኣቕርባ: ካብ ጥርጠራታት ከኣ ናጻ ትኸውን: ከመይሲ ብግምታዊ ዕዮ ገይርካ ዝያዳ ዕሽር ክትህብ ኣይግብኣካን ኢዩ።” (ኣቮት 1:​16) እዚ ማለት ከኣ እቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ኣነጺሩ ዘይነግር እንተድኣ ኰይኑ: ሓደ ሰብ ውሳነ ንምግባር ናይ ገዛእ ርእሱ ምምዝዛን ክጥቀም ወይ ከኣ ብሕልንኡ ክምራሕ ኣይነበሮን። ኣብ ክንድኡ ግን ውሳነ ዝገብረሉ ሓደ ብቝዕ ረቢ ክረክብ ነበሮ። ከም ኣበሃህላ ገማልኤል ሓደ ውልቀ⁠-ሰብ በዚ መገዲ እዚ ጥራይ ኢዩ ካብ ሓጢኣት ክርሕቕ ዝኽእል ነይሩ።​—⁠ምስ ሮሜ 14:⁠1-12 ኣረኣእዮ።

ይኹን እምበር: ገማልኤል ብሓፈሻ ኣብቲ ሕጋዊ ሃይማኖታዊ ስርዓታቱ ዝጻወር: ኣስፊሑ ዝሓስብ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝጥቀስ። ንኣብነት “ሓንቲ ሰበይቲ [ሰብኣያ ከም ዝሞተ ዘረጋግጽ] ሓደ ምስክር እንተድኣ ረኺባ እንደገና ክትምርዖ የፍቅድ” ምዃኑ ስርዓት ብምውጽኡ ንኣንስቲ ዘለዎ ሓልዮት ኣርእዩ ኢዩ። (የቫሞት 16:7 ሚሽናህ) ብተወሳኺውን ገማልኤል ንእተፈትሐት ሰበይቲ ንምክልኻል ኢሉ ኣብቲ ናይ ፍትሕ ደብዳበ ብዙሕ ቀይድታት ገይሩ ኣሎ።

እዚ መንፈስ እዚ ኣብቲ ገማልኤል ምስቶም ቀዳሞት ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝነበሮ ርክብ እውን ተራእዩ ኢዩ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: ካልኦት መራሕቲ ኣይሁድ ነቶም ሰቢኽኩም ኢሎም ኣሲሮምዎም ዝነበሩ ሃዋርያት የሱስ ክቐትልዎም ምስ ደለዩ ዘጋጠመ ነገር ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዅሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ: ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ: አብቲ ዋዕላ ተንሲኡ: ንሃዋርያት ሓንሳእ ኬግልስዎም አዘዘ: በሎም ድማ፤ ኣቱም ሰብ እስራኤል: ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሐስብዎ ዘሎኹም ተጠንቀቑሉ። . . . ምስ ኣምላኽ ክትብአሱ ኸይትርከቡስ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም: ገለ ኣይትበልዎም: እነግረኩም አሎኹ።” ምኽሪ ገማልኤል ተቐባልነት ረኸበ: ሃዋርያት ድማ ተፈትሑ።​—ግብሪ ሃዋርያት 5:​34-​40

ንጳውሎስከ እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ፧

ጳውሎስ ልምምድ ዝረኸበን እተማህረን ብሓደ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበሩ ዝዓበዩ መማህራን ረቢ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ንገማልኤል ምስ ጠቐሶ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ህዝቢ: ንዘረባኡ ፍሉይ ኣቓልቦ ንኽገብሩሉ ከም ዘለዓዓሎም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ካብ ገማልኤል ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ መምህር​—⁠የሱስ እቲ መሲሕ⁠—​ኢዩ ተዛሪብዎም። ሕጂ ድማ ነቶም ህዝቢ ከም ናይ ገማልኤል ወደ መዝሙር ዘይኰነስ ወደ መዝሙር የሱስ ከም ዝዀነ ኢዩ ተዛሪብዎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 22:​4-​21

ጳውሎስ ብገማልኤል እተማህረ ምዃኑ ኣብቲ ከም ክርስትያን መጠን ዝነበሮ ትምህርትታቱ ጽልዋ ገይሩሉዶ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዝነበረ ጽኑዕ ሕጊ ዝሓዘ መምርሕን እቲ ናይ ኣይሁድ ሕግን ንጳውሎስ ከም ክርስትያን መምህር መጠን ጠቒምዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብመለኮታዊ መሪሕነት ዝጸሓፎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽትታቱ ከም ዘርእየና: ጳውሎስ ነቲ ኣብ ናይ ፈሪሳውያን እምነት እተመስረተ መሰረታዊ ትምህርትታት ገማልኤል ነጺግዎ ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ኣይሁዳውያንን ንዅሎም ካልኦትን ናብቲ ናይ ኣይሁድነት ረቢ ወይ ከኣ ናብቲ ብሰብ ዝቘመ ልምድታት ዘይኰነስ ናብ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ መሪሕዎም።​—ሮሜ 10:​1-4

ጳውሎስ ወደ መዝሙር ገማልኤል ኰይኑ እንተ ዝቕጽል: ዓቢ ክብሪ መስተማቐረ ነይሩ። ካልኦት ምስ ገማልኤል ዝነበሩ ሰባት: ኣይሁድነት ንመጻኢ ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ ንምውሳን ኣበርክቶ ገይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ስምኦን ወዲ ገማልኤል: ምናልባት ንጳውሎስ መማህርቱ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል: ኣይሁድ ኣንጻር ሮሜ ኣብ ዝገበርዎ ዕልወት ዓቢ ግደ ነይርዎ ኢዩ። እታ ቤት መቕደስ ድሕሪ ምዕናዋ: እቲ ወዲ ወዱ ንገማልኤል ዝዀነ ገማልኤል ካልኣይ ነቲ ናይ ሳንሄድሪን ስልጣን ናብ ያቭነህ ከም ዝግዕዝ ብምግባር እንደገና መሊስዎ ኢዩ። ይሁዳ ሃ⁠-ናሴ ዝስሙ ወዲ ወዱ ንገማልኤል ካልኣይ ድማ: ናይቲ ክሳዕ እዚ ግዜና ንናይ ኣይሁድ ኣተሓሳስባ እምነ-መሰረት ኰይኑ ዘሎ ሚሽናህ ዝጠርነፈ ኢዩ።

ጳውሎስ በዓል ጠርሴስ: ከም ናይ ገማልኤል ተማሃራይ መጠን ኣብ ኣይሁድነት ኣዝዩ ምርኡይ ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ጳውሎስ ግን ብዛዕባ እዚ ሞያ እዚ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- “እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቘጸርክዎ። ኣየን እሞ: ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጽድቂ እምበር: እቲ ብሕጊ ዚመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን: ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ: ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ: ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ: ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ: ከም ጐሓፍ እቘጽሮ አሎኹ።”​—ፊልጲ 3:​7, 8

ጳውሎስ ነቲ ከም ፈሪሳዊ መጠን ዝነበሮ ግደ ንድሕሪኡ ብምግዳፍን ሰዓቢ የሱስ ክርስቶስ ብምዃንን: ነቲ “ምስ ኣምላኽ ክትበኣሱ ኸይትርከቡ” ተጠንቀቑ ዝብል ናይ ቅድም መምህሩ ዝነበረ ምኽሪ ኣብ ተግባር የውዕሎ ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ እቲ ንሃዋርያት የሱስ ዘውርደሎም ዝነበረ መስጐጕቲ ብምቍራጹ: ኣንጻር ኣምላኽ ዝገብሮ ዝነበረ ምብኣስ ገዲፍዎ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ሰዓቢ ክርስቶስ ብምዃን ሓደ ካብቶም “መዓይይቲ ኣምላኽ” ኰይኑ ኢዩ።​—1 ቈረንቶስ 3:9

እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ቀናኣት መሰኻኽር የሆዋ ነቲ ናይ ሓቀኛ ክርስትና መልእኽቲ ብቐጻሊ ኢዮም ዝእወጅዎ ዘለዉ። መብዛሕትኦም ልክዕ ከም ጳውሎስ ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ለውጥታት ገይሮም ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ ኣብቲ ብሓቂ “ካብ ኣምላኽ” ዝዀነ ዕዮ: ማለት ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ንጥፈት: ዝዓበየ ተሳታፍነት ምእንቲ ክህልዎም ነቲ ዘርብሖም ዝነበረ ሞያ ከይተረፈ ገዲፎምዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:39) እዞም ሰባት እዚኣቶም: ኣብነት ናይቲ ቅድም ናይ ጳውሎስ መምህር ዝነበረ ገማልኤል ዘይኰነስ ኣብነት ጳውሎስ ምስዓቦም ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢዮም!

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገለ ምንጭታት ገማልኤል ወዲ ሂለል ኢዩ ይብሉ። ታልሙድ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣነጺሩ ኣይገልጽን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሳውል በዓል ጠርሴስ: ሃዋርያ ጳውሎስ ተባሂሉ ነቲ ብስራት ናብ ኵሎም ህዝብታት ኣዊጅዎ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ