ንኣምላኽ ብሓቂ ከተፍቅሮ ትኽእልዶ ኢኻ፧
ኣምላኽ “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” ይብል። (ዘጸኣት 33:20) ብተወሳኺ: ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ካብ ዝውዳእ ንነጀው ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ብቐጥታ ሓሳብ ንሓሰብ ምልውዋጥ ከም ዝገበሩ ዝሕብር መረጋገጺ የልቦን። ንሓደ ብቐጥታ ዘይርአኻዮ ወይ ክዛረብ ዘይሰማዕካዮ ሰብ ኣዕሚቝካ ክትፈትዎሲ ኣሸጋሪ: አረ ዘይከኣል እውን ኣይመስልንዶ፧ ምስ እዚ ፈጣሪ ናይ ኣድማስ ፍቕራዊ ርክብ ክህልወካሲ ብሓቂ ዝከኣል ድዩ፧
ምስ ኣምላኽ ምዉቕ ብሕታዊ ምቅርራብ ከተማዕብል ይከኣል ምዃኑ ምንም ጥርጥር ክህሉ የብሉን። ኣብ ዘዳግም 6:5 ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ” ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብዎም ከም ዝነበረ ነንብብ። ደሓር’ውን የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ኣረጋጊጹሎም ኢዩ: ወሲኹውን “እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ” በለ። (ማቴዎስ 22:37, 38) እዚ ርክብ እዚ ክብጻሕ ዘይክኣል ነይሩ እንተዝኸውንሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ከነፍቅሮ መተባብዓናዶ፧
ይኹን እምበር የሆዋ ከነፍቅሮ ዝጽበየና ከምኡ ኢሉ ስለ ዝኣዘዘ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ከፍቅርዎ ከም ዝኽእሉ ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ፈጣሪኦም ፍቕራዊ ርክብ ንኽገብሩ ኣይተገደዱን። ኣብ ክንድኡስ ኣምላኽ ንዕኡ: ዓሚቝ ፍቕሪ ንኸማዕብሉ ክድግፎም ኣብ ዝኽእል ምሉእ ዘይጕዱል ኵነታት ኢዩ ኣንቢርዎም። ንኣምላኽ ክቐርብዎ ወይ ከኣ ካብኡ ክርሕቑ: እቲ ምርጫ ናታቶም ኢዩ ነይሩ።
ኣዳምን ሄዋንን ክዓልዉ መረጹ። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:6, 7) ይኹን እምበር: ዘርኦም ምስ ፈጣሪ ፍቕራዊ ርክብ ዘማዕብልሉ ተኽእሎ ነበሮም።
ምስቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ምምልላስ
ንኣብነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብርሃም ከም “ዓርኪ” ኣምላኽ ተጠቒሱ ኣሎ። (ያእቆብ 2:23 ትሓዓ ) ይኹን እምበር: ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮ ርክብ ዘስተማቐረ ኣብርሃም ጥራይ ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ንየሆዋ ናይ ሓቂ ምፍታው ዘርኣዩን ‘ብመገድታቱ እተመላለሱን’ ብዙሓት ካልኦት ዘይፍጹማት ሰባት ይዛረብ ኢዩ።—ዘፍጥረት 5:24፣ 6:9፣ እዮብ 29:4፣ መዝሙር 25:14፣ ምሳሌ 3:32
ጥንታውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽ: እቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ፍቕርን ምፍታውን ምስኦም እተወልደ ኣይነበረን። ከማዕብልዎ ዝነበሮም ነገር ኢዩ ነይሩ። ብኸመይ፧ በቲ የሆዋ ዝብል ናይ ብሕቲ ስሙ ገይሮም ንዕኡ ብምፍላጥ። (ዘጸኣት 3:13-15 ትሓዓ፣ 6:2, 3 ትሓዓ ) ህላወኡን ኣምላኽነቱን ብምግንዛብ። (እብራውያን 11:6) ነቲ ፍቕራዊ ተግባራቱ ደጋጊሞም ብምስትንታን። (መዝሙር 63:6) ነቲ ውሽጣዊ ሓሳባቶም ብጸሎት ገይሮም ንኣምላኽ ብምግላጽ። (መዝሙር 39:12) ብዛዕባ ሰናዩ ብምምሃር። (ዘካርያስ 9:17) ንኸየጕህይዎ ኢሎም ጥዑይ ፍርሂ ብምምዕባል።—ምሳሌ 16:6
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውንን ምስኡ ክትመላለስን ትኽእል ዲኻ፧ ንኣምላኽ ክትርእዮ ወይ ድምጹ ክትሰምዖ ከም ዘይትኽእል ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ‘ኣብ ድኳኑ ክትሓድር:’ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ ኣሎ። (መዝሙር 15:1-5) ስለዚ እምበኣር: ንኣምላኽ ከተፍቅሮ ይከኣል ኢዩ። ናይ ማሕርሮን ናይ ምፍታውን ርክብ ከተማዕብል እትኽእል ግን ብኸመይ ኢኻ፧