ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብ መበል 100 ክፍሊ ዘመረቖም ንወጻኢ ይልእኽ
ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ምእዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1943 ሚስዮናውያን ምስልጣን ካብ ዝጀምር: ኣብኡ እተመረቑ ኣብ ልዕሊ 200 ሃገራት ከይዶም ኣገልጊሎም ኢዮም። ብ2 መጋቢት 1996 ድማ መበል 100 ክፍሊ ተመረቑ።
እቶም ተማሃሮ: ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዘሎ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ትምህርታዊ ማእከል ፓተርሰን ልዕሊ 2 ሜትሮ ዝኸውን በረድ እናወረደ ከሎ ኢዮም ዝማሃሩ ነይሮም። ኣብ ግዜ ምረቓኦም በረድ ምውራዱ ድማ ዘገርም ኣይነበረን። ይኹን እምበር: እቲ ኣደራሽ መሊኡ ኢዩ ነይሩ: ብዙሓት ሰማዕቲ ድማ ኣብ ፓተርሰን: ዋልኪል: ከምኡውን ብሩክሊን ኰይኖም ሰምዑ—ብጠቕላላ ኣብ ኵሉ 2,878 ሰባት ነበሩ።
ቴኦዶር ጃራካዝ: ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባል ትምህርታዊ ኮሚቴ: ከም ኣቦ መንበር ኰይኑ ኣገልገለ። ነቶም ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ኣጋይሽ ምዉቕ ኣቀባብላ ምስ ገበረሎም: ኵሎም ተንሲኦም መዝሙር ቍጽሪ 52 ክዝምሩ ዓደሞም። ካብታ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) “ስም ኣቦና” እትብል መዝሙር ክዝምሩ ከለዉ እቲ ኣደራሽ ብምስጋና የሆዋ ኣንቀጥቀጠ። እታ መዝሙር: ምስቲ ትምህርቲ ንየሆዋ ንምውዳስ ምጥቃም ዝብል እቲ ኣቦ መንበር ዝሃቦ ዝርርብ ብምሕባር ነቲ ዝቕጽል ፕሮግራም ጽቡቕ ሃዋህው ከፈተት።
በቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እተዋህበ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ
እቲ ናይ መጀመርያ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም: በቶም ንነዊሕ ዓመታት ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም ዝዓየዩ ሰባት ነቶም ተመረቕቲ እተዋህበ ሓጸርቲ ዝርርብ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ብ1940 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመረ ኣባል ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ዝዀነ ሪቻርድ ኣብራሃምሳን ነቶም ተማሃሮ “እንደገና ምትዕርራያት ምግባር ቀጽሉ” ብምባል ኣተባብዖም። ነቲ ኣብ ጊልዓድ ዝወሰድዎ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ትምህርቲ ሓዊስካ: ከም ክርስትያናት መጠን ኣብ ናብራኦም ድሮ እተፈላለየ እንደገና ምትዕርራያት ዝገበርሉ ግዜ ከም ዘሕለፉ ኣዘኻኸሮም። እሞ ስለምንታይ ድኣ ኢዩ እንደገና ምትዕርራይ ምግባር ክቕጽሉ ዘድልዮም፧
ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2 ቈረንቶስ 13:11 (ትሓዓ) ተጠቒሙሉ ዘሎ መግለጺ “ሓደ ሰብ ነቲ ዝያዳ ልክዕ ዝዀነ መለክዒታት ኣምላኽ ምእንቲ ክመልኦ እናዓበየ ዝኸይድ መስርሕ: ነቲ የሆዋ ዝገብሮ ምትዕርራያት ወይ ምጽራይ ብቐጻሊ ምእዛዝ: ምቕናይ ማለት ከም ዘመልክት” እቲ ተዛራባይ ገለጸ። እቶም ተመረቕቲ: ኣብቲ ናይ ወጻኢ ዓዲ መደቦም ንእምነቶም ሓድሽ ብድሆታት ክጋጠሞም ኢዩ። ሓድሽ ቋንቋ ክማሃሩ: ንእተፈልየ ዓይነት ባህልን ናይ መነባብሮ ኵነታትን ክሰማምዑ: እተፈልየ ዓይነት ዞባ ክለምዱ ከድልዮም ኢዩ። ኣብቲ ሚስዮናዊ ገዛውቶምን ኣብተን ሓደስቲ ጉባኤታቶምን ምስ እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ክራኸቡ ኢዮም። እንደገና ምትዕርራያት ክገብሩ ፍቓደኛታት ብምዃን: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ኣብ ኵሉ እዚ ኵነታት እዚ ተጠንቂቖም እንተድኣ ኣውዒሎምዎ: ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጸሓፎ: ንሳቶም እውን ‘ብቐጻሊ ክሕጐሱ’ ኢዮም።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ፕሮግራም ተኻፊሎም ዝነበሩ ሓሙሽተ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባላት ዝዀነ ጆን ባር: ነቲ ናይ ዝርርቡ ቀንዲ መልእኽቲ ካብ 1 ቈረንቶስ 4:9 ኢዩ ወሲድዎ። ክርስትያናት ንመላእኽትን ሰባትን ትርኢት መሳሓቒ ምዃኖም ንሰማዕቱ ኣዘኻኸሮም። ከምዚ በለ:- “ነዚ ብምፍላጥ: ብፍላይ ድማ ሓደ ሰብ ዝገብሮን ዝብሎን ኣብቶም ዘይረኣዩን ዝረኣዩን ተዓዘብቲ ወሳኒ ዝዀነ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ምግንዛብ: ነቲ ብክርስትያናዊ ኣነባብራ ምንባር ዘሎዎ ኣገዳስነት ዝያዳ ዝውስኸሉ ኢዩ። እዚ: ንዅሉኹም ናይ መበል 100 ክፍሊ ተመረቕቲ ጊልዓድ ዝዀንኩም ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን: ናብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ዝዀነ ናይ ምድሪ ኵርናዓት ክትከዱ ከሎኹም ክትዝክርዎ ዝጠቕመኩም ነገር ምዃኑ እኣምን ኢየ።”
ሓው ባር ነቶም 48 ተማሃሮ: ኣባጊዕ መሰል ሰባት ንሓቂ ክማሃሩ ክሕግዝዎም ከለዉ “ብሓደ ዚንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን” ምዃኑ ክዝክሩ ኣተባብዖም። (ሉቃስ 15:10) ን1 ቈረንቶስ 11:10 ብምጥቃስ: እቲ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ዘለዎ ኣረኣእያ ነቶም ዝረኣዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ዘይንርእዮም መላእኽቲ እውን ከም ዝትንክፎም ተዛረበ። ከምዚ ዝበለ ሰፊሕ ኣራኣእያ ክህልወካስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ!
ንገዛእ ርእሱ ናይ ጊልዓድ ተመራቒ ዝዀነ ካልእ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባል ገሪት ሎሽ እውን የሆዋ ‘ኣብ ዙርያ ህዝቡ ምዃኑ’ ንምግላጽ ንኸም መዝሙር 125:1, 2፣ ዘካርያስ 2:4, 5፣ ከምኡውን መዝሙር 71:21 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ተመያየጠሉ። ብዅሉ ጐኖም መዕቈቢ የዳልወሎም ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ መዕቈቢ ዘዳልወሎም ኣብ ግዜ እቲ ዓቢ ጸበባ ጥራይ ድዩ፧ እቲ ተዛራባይ “ኣይፋሉን” ብምባል ይምልስ። ቀጺሉ ድማ “ምኽንያቱ የሆዋ ድሮ ንህዝቡ ‘ናይ ሓዊ ቀጽሪ:’ መዕቈቢ ኢዩ። እቶም ናይ መንፈሳውያን እስራኤል ተረፍ ብድሕሪ እቲ ውግእ ዝነበረ ናይ 1919 ዓመት: ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ መላእ ዓለም ኽሰብኩ ዓሚቝ ድሌት ነይርዎም ኢዩ። ናይታ ምሳልያዊት ሰማያዊት የሩሳሌም ወኪላት ኢዮም ነይሮም። የሆዋ ነዞም ወኪላት እዚኣቶም ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ብጕጅለ ደረጃ መለኮታዊ ዕቝባ ክገብረሎም ምዃኑ ውሕስነት ገይሩሎም ኢዩ። እሞ መን ድኣ ኢዩ ኣሳልጦ ብዘለዎ መገዲ ክኽልክሎም ዝኽእል፧ ማንም ሰብ የለን” በለ። ንዕኦምን ንዅሎም እቶም ነቲ መለኮታዊ ፍቓድ ኣብ ምፍጻም ኣጸቢቖም ምስኦም ዝሓብሩን ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኰን ኢዩ!
ናይቲ ቤት ትምህርቲ ቦኽሪ ኣባል ዝዀነ ዩሊሰስ ግላስ ‘ነቲ ኣብታ ዓለምለኻዊት ማሕበር የሆዋ ዘለዎም መጣጥሖ ንምዕጋብ ክህንጠዩ’ ኣተባብዖም። መጣጥሖ ማለት ንናይ ሓደ ሰብ ክእለት ወይ ባህርይ ዝሰማማዕ ኵነታት ወይ ንጥፈት ማለት ኢዩ። “ኣቱም ሚስዮናውያን ክትኰኑ ዘለኩም: ኣብታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓለምለኻዊት ማሕበር መጣጥሖኹም ረኺብኩም ኣሎኹም” በሎም። “እዚ ሕጂ ጠቓሚ ኰይንኩም ዘሎ ግን ነቲ ከም ሚስዮናውያን ኴንኩም እተሕልፍዎ ህይወት መጀመርያ ጥራይ ኢዩ።” ንገዛእ ርእሶም ነቲ ዘለዎም ክእለት ብግቡእ ክጥቀምሉን ኣብቲ የሆዋን ማሕበሩን ዝሃብዎም ፍሉይ መደብ ክሰማምዑን ከድልዮም ኢዩ።
ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ዝርርብ: በቲ ን17 ዓመታት ኣብ ቦሊቭያ ዘገልገለ ናይ ጊልዓድ ኣባል ዋለስ ሊቨራንስ ዝቐረበት ኢያ ነይራ። ነቶም ተማሃሮ ድማ “ንኣምላኽ ክትፍትንዎ ዲኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ብኸመይ ኢዮም ክፍትንዎ ዝግባኦም፧ ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ብጌጋ መገዲ ፈተንዎ። (ዘዳግም 6:16) እቲ ተዛራባይ “ብምዕዝምዛምን ምጕርምራምን ወይ ነቲ ንነገራት ክፍጽም ዝጥቀመሉ ኣገባብ እምነት ምጕዳል ጌርና ንኣምላኽ ክንፍትኖ ጌጋ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ” በለ። “ኣብቲ ሓድሽ መደብኩም ምስ በጻሕኩም: ነዚ ዝንባሌ እዚ ተቓወምዎ” ኢሉ ድማ ተማሕጸኖም። እሞ ንኣምላኽ በቲ ልክዕ መገዲ ምፍታን ድኣ እንታይ ኢዩ፧ ሓው ሊቨራንስ “ነቲ ብቓሉ ዝበሎ ምእማን: ነቲ ንሱ ብልክዕ ዝበሎ ነገር ምግባር: ድሕሪኡ ድማ ነቲ ውጽኢት ንዕኡ ምግዳፍ” ማለት ኢዩ ብምባል ገለጸ። ከምቲ ኣብ ሚልክያስ 3:10 ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ንህዝቡ “ተዐዘቡኒ” ኢሉ ዓደሞም። ብእምነት ካብቲ ዘለዎም ዕሽር ናብቲ ቤት መቕደስ ምስ ዘምጸኡ: ክባርኾም ምዃኑ ቃል ኣተወሎም። እቲ ተዛራባይ “ነቲ ናይ ሚስዮናዊ መደብኩም ንምንታይ ብኸምዚ ዝበለ መገዲ ዘይትርእይዎ፧” ኢሉ ሓተተ። “የሆዋ በቲ ሒዝኩምዎ ዘለኹም ዕዉታት ክትኰኑ ኢዩ ዝደልየኩም: ስለዚ ፈትንዎ። ኣብ መደብኩም ልገቡ። ነቲ ክትገብርዎ ዝደልየኩም ምትዕርራያት ግበሩ። ተጸመሙ። ድሕሪኡ እንተ ዘይባሪኹኩም ርኣዩ” በለ። ኣየ እዝስ ንዅሎም ንየሆዋ ዘገልግልዎ ዘለዉ ከመይ ዝበለ ሰናይ ምኽሪ ኰን ኢዩ!
ድሕሪ መዝሙር ድማ እቲ ፕሮግራም ካብ ዝርርብ ናብ ባህ ዘብል ቃለ-መጠይቓት ተቐየረ።
ካብ ግራት ኣገልግሎት እተረኽበ ተግባራዊ መግለጺታት
ማርክ ኑማዪር: ሓድሽ ናይ ጊልዓድ ኣባል: ትምህርቶም እናተኸታተሉ ከለዉ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠሞም ተመኵሮታት ክነግሩ ነቶም ተማሃሮ ዓደሞም። እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ተበግሶ ክትወስድ ዘለዎ ዋጋ ዘጕልሕ: ነቶም ሰማዕቲ ድማ ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ተግባራዊ ሓገዝ ዝሃበ ኢዩ ነይሩ።
እቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ተማሃሮ ኣብቲ እዋን ትምህርቶም ምስቶም ፍሉይ ልምምድ ክወስዱ ኣብ ትምህርታዊ ማእከል ፓተርሰን ዝነበሩ ካብ 42 ሃገራት ዘመጹ ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣባላት ክሓብሩ ብምኽኣሎም ብፍላይ ተጠቒሞም ኢዮም። ብዙሓት ካብኣቶም ዓመታት ይገብር ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ኢዮም። ኣብቲ ፕሮግራም ምስ ወከልቲ ናይ ሳልሳይ: ሓሙሻይ: መበል 51: ከምኡውን መበል 92 ክፍልታትን ካብቶም ኣብ ጀርመን ዘሎ ናይ ጊልዓድ መቐጸልታ ቤት ትምህርቲ እተመረቑን ሰባት ቃለ-መጠይቓት ተገብረ። ኣየ እቲ ዝሃብዎ ሓሳባት ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ኰን ኢዩ ነይሩ!
ሚስዮናውያን ኣብቲ እተመደብሉ ቦታ ቍጽሪ እቶም ንየሆዋ ዝውድሱ ሰባት ካብ ዕማኾ ናብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክውስኽ ከሎ ምርኣዮም ከመይ ከም ዝስምዖም ኣዘንተዉ። ነቲ ብስራት ኣብተን ፋሕ ዝበላ ኣብ ኣኽራናት ኣንደስ ዘለዋ መንበሪታትን ነተን ኣብቲ ሩባ ኣማዞን ዝብገሰሉ ዘለዋ ዓድታትን ብኸመይ ይሰብኩ ከም ዝነበሩ ኣዘንተዉ። ብዛዕባ ንዘይተማህሩ ሰባት ምምስካር ተመያየጡ። ሓድሽ ቋንቋ ንምምሃር ዝገበርዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ጻዕሪ ከምኡውን እቶም ተመረቕቲ ብኸም በዓል ቋንቋ ቻይና ዝኣመሰለ ቋንቋታት ክሳዕ ክንደይ ቀልጢፎም ክምስክሩን ዝርርብ ክህቡን ክጽበዩ ከም ዘለዎም ኣዘንተዉ። አረ ብቛንቋ ቻይናን ስጳኛን ድማ ኣብነት እውን ከይተረፈ ኣቕረቡ። ሚስዮናውያን ነቲ ቋንቋ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣመለኻኽታ እቶም ሰባት እውን ከይተረፈ ምስ ዝማሃሩ ክሳዕ ክንደይ ኣስለጥቲ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣጕልሑ። ብዛዕባ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዘሎ ሕማቕ ኵነታት መነባብሮ ኣዘንተዉ: ከምዚ ኢሎም ድማ ገለጹ:- “ሚስዮናውያን: እዚ ኵነታት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ብዝበዛ እተተሓሓዘ ምዃኑ ክዝክርዎ ኣለዎም። ሓደ ሚስዮናዊ ከምቲ የሱስ እተሰምዖ—ጓሳ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ኢለን ምስ ረኣየን ዝደንገጸሎም—እንተ ተሰምዖ ዝበለጸ ኢዩ።”
ብድሕሪ መዝሙር ድማ እቲ ፕሮግራም ብናይ ኤ. ዲ. ሽሩደር: ኣባል ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል: ዝርርብ ቀጸለ። ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ብ1943 ክኽፈት ከሎ ካብቶም ናይ መጀመርያ መምሃራን ክኸውን መሰል ዝረኸበ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ፕሮግራም ዝሰማማዕ መዕጸዊ ድማ “ንየሆዋ ከም ሉዓላዊ ጐይታ ክብ ምባሉ” ዝብል ኣርእስቲ ተመያየጠሉ። ሓው ሽሩደር ንመዝሙር 24 ኣመልኪቱ ዝገበሮ ዝስሕብ ምይይጥ: ዅሎም ተኣከብቲ ንየሆዋ ከም ሉዓላዊ ጐይታ ገይርካ ክብ ምባል ክሳዕ ክንደይ ዓቢ መሰል ምዃኑ ከም ዝርድኡ ገይርዎም ኢዩ።
ዲፕሎማ ምስ ተዓደለ: ናይ መወዳእታ መዝሙር ድማ ምስ ተዘመረ ናይ ኣማሓዳሪ ኣካል ኣባል ካርል ክለይን ልቢ ብዝትንክፍ ጸሎት ዓጸዎ። ኣየ እዝስ ክሳዕ ክንደይ ተግባራውን ብመንፈስ ዘሐድስን ፕሮግራም ኰን ኢዩ ነይሩ!
ድሕሪ እቲ ምረቓ ኣብ ዝነበረ መዓልትታት: እቶም 48 ኣባላት ናይ መበል 100 ክፍሊ ኣብ 17 ሃገራት ናብቲ ሚስዮናዊ መደቦም ከዱ። እንተዀነ ግን: ሽዑ ኣይኰኑን ኣገልግሎቶም ዝጅምሩ ነይሮም። ድሮ እኹል ዝዀነ ተመኵሮ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነይርዎም ኢዩ። ኣብ ጊልዓድ ክኣትዉ ከለዉ: ገምጋም ዕድሜኦም 33 ዓመት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ድማ ብገምጋም ልዕሊ 12 ዓመታት ዘሕለፉ ኢዮም ነይሮም። ገለ ካብኣቶም ናይቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ስድራ ቤትኤል ኣባላት ዝነበሩ ኢዮም። ካልኦት ድማ ገየሽቲ ተዓዘብቲ ኰይኖም ዘገልገሉ ኢዮም። ብዙሓት ካብቶም ተማሃሮ ድማ ድሮ ኣብ ኣፍሪቃ: ኣውሮጳ: ደቡብ ኣመሪካ: ደሴታት ባሕሪ: ከምኡውን ኣብ ዓዓዶም ኣብ መንጎ ናይ ወጻኢ ቋንቋ ዝዛረቡ ጕጅለታት ኰይኖም ብምግልጋል ኣብ ገለ ዓይነት ናይ ወጻኢ ኣገልግሎት እተኻፈሉ ኢዮም። ሕጂ ግን ነቶም ‘ኣብ እንድለየሉ ቦታ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ናይ ዓለም ከነገልግል ኢና’ ክብሉ ባህ ዝብሎም ብዙሓት ሚስዮናውያን ኢዮም ዝሕወስዎም ዘለዉ። ልባዊ ድልየቶም: ህይወቶም ንየሆዋ ልዕል ከብሉ ክጥቀምሉ ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ናይቲ ክፍሊ ስታቲስቲክስ:-
ቍጽሪ ናይ ዝመጹለን ሃገራት:-8
ቍጽሪ እተመደብሉ ሃገራት:-17
ቍጽሪ ተማሃሮ:-48
ገምጋም ዕድመ:-33.75
ኣብ ሓቂ ዝጸንሕሉ ገምጋም ዓመታት:-17.31
ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሕሉ ግዜ:-12.06
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 100 ክፍሊ ተመረቕቲ
ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: እቲ መስርዕ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ ተዘርዚሩ ዘሎ።
(1) ማርበል ሸርሊ፣ ማሪ ግሩንድስትሮም፣ ዴብራ ጌናርዲ፣ ጁልየ ጂያሞ፣ ወንዲ ሹድ፣ ፔኒ ፋየር፣ ካርል ቡቻናን፣ ደርቢ ሮቢንሰን፣ (2) ክሪስ ፓይን፣ ቢርጊት ክራውስ፣ ተሪ ራሲኮት፣ ኣውረልያ ሃንሰን፣ ታኒስ ቢትስ፣ ጀሲካ በርግ፣ ኒድያ ጋርሲያ፣ ካርን ፍለሚን (3) ለዊስ ዊንሪ፣ ሊሳ ዊንሪ፣ ኮኒ ሃርፕስ፣ ካርማሎ ጂሞ፣ ቶማስ በርግ፣ ካርል ማን፣ ቫለሪ ቤሪስ፣ ካሮሊን ፕፊፈር፣ (4) ሎሬንስ ራንዳል፣ ስቴፈን ጀኖርዲን፣ ሃይንትስ ክራውስ፣ ሮበርት ፍለሚን፣ ሱዞን ድ’ኣባዲ፣ ቲሞቲ ሸርሊ፣ ግሎርያ ስቴቨንሰን፣ ቦብ ቡቻናን፣ (5) ቶማስ ሮቢንሰን፣ ካቭየር ጋርሲያ፣ ፊሊፕ ሃርፕስ፣ ዴል ራሲኮት፣ ፍረድ ድ’ኣባዲ፣ ማርቪን ፋር፣ ግሪጎሪ ስቲቨንሰን፣ ዳንኤል ሾድ፣ (6) ላሪ ቢትስ፣ ኣንድሪያስ ፕፊፈር፣ ሚልተን ቤርዮስ፣ ጃቨን ፓይን፣ ለዊስ ማን፣ ፓትሪክ ራንዳል፣ ያሪ ግሩንድስትሮም፣ ጎርዶን ሃንሰን