“ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ”
“ዓሕ እንታይ ኢለ ከምኡ በልኩ” ኢልካ ጓሂኻ ዝገለጽካሉ እዋናት ክንደይ ግዜ ኢዩ፧ ይኹን እምበር: ብትብዓት ንምዝራብ ዝሰነፍካሉ እዋናት እውን ትዝክር ትኸውን። ምስ ሓለፈ ‘ዓሕ ከይዛረብ ነበርኩስ’ ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን።
መጽሓፍ ቅዱስ “ስቕ ንምባል ጊዜ አለዎ: ንምዝራብ ድማ ጊዜ አለዎ” ይብለና። (መክብብ 3:7) እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ መዓስ ክትዛረብ ከም ዘሎካን መዓስ ድማ ስቕ ክትብል ከም ዘሎካን ኣብ ምውሳን ኢዩ። እዚ ዘይፍጹም ሰብኣዊ ፍጥረትና: ንነገራት ኣብ ዘይግዜኡ ክንገብሮን ክንዛረብን ብተደጋጋሚ ኢዩ ዝድርኸና። (ሮሜ 7:19) ነዚ ልጓም ዘይብሉ ልሳንና ብኸመይ ኢና ክንቈጻጸሮ እንኽእል፧—ያእቆብ 3:2
ንልሳን እትግርሓሉ መገድታት
መዓስ ክንዛረብ ወይ ከኣ መዓስ ስቕ ክንብል ከም ዘሎና ንምውሳን: ንነፍሲ ወከፍ ኵነታት ዘጠቓልል ነዊሕ ዝርዝር ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግን: በቲ ውሽጣዊ ክፍሊ ናይ ክርስትያናዊ ጠባይና ዝዀነ ባህርያት ክንምራሕ ከድልየና ኢዩ። እዚ ባህርያት እዚ እንታይ ኢዩ፧
የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ እተለዓዕሎም ቀንዲ ባህሪ ፍቕሪ ምዃና ገሊጹ ኢዩ። “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 13:35) እዚ ከምዚ ዝበለ ሕውነታዊ ፍቕሪ እዚ እናኣርኣና ብዝኸድና መጠን: ንልሳንና ድማ ብዝሓሸ መገዲ ክንቈጻጸር ክንክእል ኢና።
ክልተ እተተሓሓዛ ባህርያት እውን ብዝበለጸ ክሕግዛና ይኽእላ ኢየን። ሓንቲ ካብዚኣተን ትሕትና ኢያ። ‘ንኻልኦት ካብ ርእስና ኣብሊጽና ንምርኣይ’ ከኣ ትሕግዘና። (ፊልጲ 2:3) ካልእ ድማ ልእመት ኢያ: እዚኣ ኸኣ ‘[“እከይ ክለዓል ከሎ ከም:” ትሓዓ ] እንዕገስ’ ትገብረና። (2 ጢሞቴዎስ 2:24, 25) እዘን ባህርያት እዚኣተን ብኸመይ ከነንጸባርቐን ከም ዘሎና ፍጹም ዝዀኑ ኣብነት ኣብ የሱስ ክርስቶስ ኣሎና።
ጸቕጢ ክወርደና ከሎ ልሳንና ንምቁጽጻር ኣዝዩ ዘጸግም ስለ ዝዀነ: ነቲ ቀቅድሚ ሞት የሱስ ዝነበረ ምሸት ንመርምሮ—ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ኣዝዩ ጕህዩ’ ነበረ። (ማቴዎስ 26:37, 38) የሱስ ከምዚ ስለ እተሰምዖ ዘገርም ኣይኰነን: ምኽንያቱ ናይ ኵሎም ደቅሰብ ዘለኣለማዊ መጻኢ ኣብቲ ንኣምላኽ እሙን ምዃኑ እተጸግዐ ኢዩ ነይሩ።—ሮሜ 5:19-21
እዚ ግዜ እዚ ብርግጽ የሱስ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዝዛረበሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ንሰለስተ ደቀ መዛሙርቱ ክነቕሑ ከም ዘለዎም ብምንጋር: ክጽሊ ኸደ። ድሕሪ ገለ ግዜ ምስ ተመልሰ ከኣ ደቂሶም ረኸቦም። ኣብቲ ግዜ እቲ ንጴጥሮስ “ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧” በሎ። እዚ ፍቕራዊ ተግሳጽ እዚ ንድኽመታቶም ከም እተረድኦ ብዝገልጹ ቃላት እተሰነየ ኢዩ ነይሩ። “መንፈስ ተዳልዩ አሎ: ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎም። ጸኒሑውን የሱስ እንደገና መጸ: ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ደቂሶም ረኸቦም። ብሕያውነት ከኣ ተዛረቦም እሞ “ሐዲግዎም ከደ: ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ . . . ጸለየ።”—ማቴዎስ 26:36-44
የሱስ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሳልሳይ ግዜ ደቂሶም ምስ ረኸቦም ኣይሓረቐን: ኣብ ክንድኡ ግን “ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ: እታ ጊዜ በጽሔት: ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሓዝ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 26:45) ሓደ ብፍቕሪ እተመልአ ልቢ ዘለዎ ከምኡውን ናይ ሓቂ ልኡምን ትሑትን ኣቕዋም ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኢዩ ኣብ ከምኡ ዝበለ ኣሸጋሪ ግዜ ንልሳኑ በቲ መገዲ እቲ ክጥቀመሉ ዝኽእል።—ማቴዎስ 11:29፣ ዮሃንስ 13:1
ድሕርዚ ብኡንብኡ የሱስ ተኣስረ: ተፈተነ ድማ። ካብዚ እንማሃሮ ትምህርቲ ኣሎ: እዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ክንጽመድ ከሎናውን ከይተረፈ ስቕ ክንብል ዝበለጸ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ። እቶም ሊቃውንቲ ካህናት ንየሱስ ክኸስዎ ጥራይ ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ሓቂ ንምምሃር ድልየት ኣይነበሮምን። ስለዚ ኣብዚ ሓደገኛ ሃዋሁ እዚ የሱስ ስቕ በለ።—ምስ ማቴዎስ 7:6 ኣረኣእዮ።
ይኹን እምበር: እቲ ሊቀ ኻህናት “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና: በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ” ኢሉ ክሓቶ ከሎ የሱስ ስቕ ኣይበለን። (ማቴዎስ 26:63) ኣብ ትሕቲ ማሕላ ስለ ዝገበሮ: የሱስ ዝዛረበሉ ግዜ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኢዩ “ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ: ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ: ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም: እብለኩም አሎኹ” ኢሉ ዝመለሰ።—ማቴዎስ 26:64
ኣብዛ ኣገዳሲት መዓልቲ እዚኣ የሱስ ንልሳኑ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጸረ። ብወገኑ ፍቕርን ልእመትን ትሕትናን ናይ ባህርያቱ ክፍልታት ኢየን ነይረን። ጸቕጢ ክወርደና ከሎ ልሳንና ንምቁጽጻር ነዘን ባህርያት እዚኣተን ብኸመይ ክንጥቀመለን ምኸኣልና፧
ክትሓርቕ ከሎኻ ልሳንካ ምቍጽጻር
ክንሓርቕ ከሎና: መብዛሕትኡ ግዜ ንልሳንና ምቍጽጻር ንሰንፍ ኢና። ንኣብነት: ጳውሎስን በርናባስን ሓደ ግዜ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ነበሮም። “በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዚብሀል ማርቆስ . . . ምሳታቶም ኪማልእዎ ደለየ። ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ: ምሳታቶም ከኣ ናብቲ ዕዮ ዘይመጸ ኺማልእዎ ኣይፈተወን። ብዛዕባዚ: ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፈላለዩ: ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ።”—ግብሪ ሃዋርያት 15:37-39
ንገለ ዓመታት ኣብ ናይ ህንጻ ፕሮጀክት ዝሰርሐ ሚካኤልa ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ሓደ ኣጸቢቐ ዝፈልጦን ዘኽብሮን ኣብቲ ናይ ህንጻ ቦታ ዝሰርሕ ሰብ ነበረ። ይኹን እምበር: ኵሉ ግዜ ንዕዮይ ጕድለት ክረኽበሉ ዝጽዕር ኢዩ ዝመስል ነይሩ። ጕህየን ቅሒረን እኳ እንተዀንኩ ንስምዒታተይ ኣብ ውሽጠይ ሓዝክዎ። ሓደ መዓልቲ ንሓደ ዝፈጸምክዎ ዕዮ ክነቅፍ ምስ ሰማዕክዎ: ትዕግስተይ ተወድአ።
“ንዅሉ እቲ ተደጒሉ ዝነበረ ስምዒታተይ ኣውጻእኹዎ። እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ርሱን ኵነታት: ንዅሎም እቶም ኣብ ጥቓና ዝነበሩ ሰባት ከሕድሮ ዝኽእል ሕማቕ ስምዒት ኣይሓሰብኩሉን ነይረ። ድሕርዚ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ: ክዛረቦ ኰነ ገጹ ክርእዮ ኣይደለኹን። ነቲ ግድል ብግቡእ ገይረ ከም ዘይሓዝክዎ ሕጂ ተገንዘብኩ። ንሽዑ ስቕ ኢለ ምስ ዘሓልኩ እንተዘዘራርቦ ነይረ ዝሓሸ ምዀነ።”
እቲ ዘሐጕስ ግን: ክርስትያናዊ ፍቕሪ ነዞም ክልተ ሰባት እዚኣቶም ነቲ ዝነበሮም ዘይምርድዳእ ክፈትሕዎ ኣኽኢልዎም ኢዩ። ሚካኤል ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ብግልጺ ምስ ተዘራረብና: ክንረዳዳእ ክኢልና: ሕጂ ድልዱል ዕርክነት ኢዩ ዘሎና።”
ከምቲ ሚካኤል እተማሃሮ: እንተድኣ ሓሪቕና ሓድሓደ ግዜ ስቕ ክንብል ጥበባዊ ኢዩ። ምሳሌ 17:27 “ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ” ትብለና። ምስትውዓልን ሕውነታዊ ፍቕርን: ተሃንዲድና ጐዳኢ ቃላት ከይነውጽእ ናይ ውሽጢ ድራኼና ክንቈጻጸር ክሕግዙና ኢዮም። ተበዲልና እንተድኣ ኴንና: ሰላም ንምምላስ ብዝብል ኣረኣእያ: ነቲ ሰብ ብልኡምን ትሑትን መንፈስ ንበይኑ ንዛረቦ። ድሮ ቍጥዓ እንተድኣ ተላዒሉኸ፧ ሽዑ ፍቕሪ ትዕቢት ካብ ምርኣይ ክንቍጠብን ብትሕትና ድማ ነቲ ኵነታት ከነዐርዮን ክድርኸና ኢዩ። እዚ ግዜ እዚ: ጣዕሳና እንገልጸሉ: ነቲ ጓሂና ድማ ቅንዕና ብዘለዎ መገዲ ኢሂን ምሂን ኢልና እንፍውሰሉ ናይ ምዝራብ ግዜ ኢዩ።—ማቴዎስ 5:23, 24
ስቕ ምባል መፍትሒ ዘይኰነሉ ግዜ
ቍጥዓን ሓርቖትን ነቲ ዘሕረቐና ሰብ ከም ዘይንዛረቦ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። እዚ ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ማርያb ከምዚ ኢላ ትእመን:- “ኣብቲ ናይ መርዓና ናይ መጀመርታ ዓመታት: ንሰብኣየይ ንሓያሎ መዓልትታት ዘይተዛረብኩሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ብምኽንያት ዓበይቲ ግድላት ኣይኰነን: ኣብ ክንድኡ ግን ብዝተኣከበ ደቀቕቲ ሓርቖት ኢዩ። ንዅሉ እቲ ዘተሓራረቐኒ ነገራት ከረን መሰል መዓንቀፊ ክሳዕ ዝኸውን ብቐጻሊ አስተንትኖ ነበርኩ። ድሕርዚ ክጽመሞ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጻሕኩ እሞ: ብስጭተይ ክሳዕ ዝሓልፍ ድማ ምስ ሰብኣየይ ምዝራብ ኣቋረጽኩ።”
ማርያ ወሲኻ ከምዚ ትብል:- “እቲ ‘ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም’ ዝብል ፍሉይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኣተሓሳስባይ እንደገና ከተዓራሪ ደጊፉኒ ኢዩ። ኣነን ብዓልቤተይን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ባህሪ ከነማዕብል ስለ ዝጸዓርና ግድላት ክዓቢ ኣይከኣለን። እዚ ቀሊል ኣይነበረን: ግናኸ ካብ እንምርዖ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት: እዞም ናይ ምስጕዳም እዋናት እዚኣቶም ሳሕቲ እንተዘይኰይኖም ዳርጋ የለዉን ክብል ምኽኣለይ የሐጕስኒ ኢዩ። ይኹን እምበር: ጌና ሕጂውን ነዚ ዝንባለ እዚ ንኽቈጻጸሮ እጽዕር ምህላወይ እእመነሉ ኢየ።”—ኤፌሶን 4:26
ከምቲ ማሪያ ብተመኵሮ ዝረኸበቶ: ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዘይምቅድዳው እንተድኣ ኣልዩ: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ምቍራጹ መፍትሒ ኣይከውንን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: ምቅሕሓር እናዓበየ ክኸይድ ይኽእል: እቲ ርክብ ድማ ክበላሾ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ‘ቀልጢፍና ክንዕረቕ’ ከም ዘሎና ተዛሪቡ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:25) “ብግቡእ ጊዜ እተዘርበ ቓል” ‘ንሰላም ክንስዕብ’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 25:11፣ 1 ጴጥሮስ 3:11
ሓገዝ ዘድልየና እንተድኣ ኰይኑውን ብግልጺ ምዝራብ የድልየና። ብምኽንያት ገለ መንፈሳዊ ግድላት ንሳቐ እንተድኣ ኣሊና: ንኻልኦት ጾር ከይንኸውን ብምባል ምዝራብ ንዋላወል ንኸውን። ስቕ እንተድኣ ኢልና ግን እቲ ግድል እናገደደ ኢዩ ዝኸይድ። እተመዘዙ ሽማግለታት ይሓልዩልና ኢዮም: እንተድኣ ኣፍቂድናሎም ከኣ ክሕግዙና ከም ዝህንጠዩ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እዚ ክንዛረበሉ ዝግብኣና ግዜ ኢዩ።—ያእቆብ 5:13-16
ልዕሊ ዅሉ ድማ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንየሆዋ ልባዊ ጸሎት ከነቕርበሉ ይግብኣና። ስለዚ እምበኣር ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ናይ ‘ልብና ነፍስሰሉ።’—መዝሙር 62:8፣ ምስ እብራውያን 5:7 ኣረኣእዮ።
ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ‘እትዛረበሉ ግዜ’
ክርስትያናዊ ኣገልግሎት መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ ክፍጸም ዘለዎ መለኮታዊ መዝነት ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ኣገልገልቲ የሆዋ ብስራት ናይታ መንግስቲ ክእውጁ ከም ሎሚ ገይሩ ኣድልዩ ኣይፈልጥን። (ማርቆስ 13:10) ከምቶም ሃዋርያት: ሓቀኛታት ክርስትያናትውን ‘ነቲ ዝርኣይዎን ዝሰምዕዎን ምዝራቡ ክሓድጉ ኣይኰነሎምን ኢዩ።’—ግብሪ ሃዋርያት 4:20
ነቲ ብስራት ክሰምዕ ዝደሊ ኵሉ ሰብ ከም ዘይኰነ ርግጽ ኢዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክሰብኩ ክልእኮም ከሎ እኳ ‘እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ክደልዩ’ መኺርዎም ኢዩ። የሆዋ: ኣምልኹኒ ኢሉ ንዋላ ሓደ ሰብ ስለ ዘየገድድ: ንሕናውን ምስቲ ብድርቅና ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝነጽግ ሰብ: ብትሪ ዘረባና ኣይንቕጽልን ኢና። (ማቴዎስ 10:11-14) ግናኸ ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ [“ብቑዓት ዝዀኑ:” ትሓዓ ]” ብዛዕባ ንግስነት የሆዋ ክንዛረቦም ባህ ኢዩ ዝብለና።—ግብሪ ሃዋርያት 13:48፣ መዝሙር 145:10-13
ፍቕርን ልእመትን ትሕትናን ነቲ ተቘጢዕና ንኽንዛረብ ወይ ከኣ ክንስጕደም ዝገብረና ዘይፍጹም ዝንባለና ንኽንቈጻጸሮ ክሕግዛና ዝኽእላ ባህርያት ኢየን። በዘን ባህርያት እዚኣተን እናወሰኽና ብዝኸድና መጠን እንዛረበሉ ግዜን ዘይንዛረበሉ ግዜን ፈላሊና ክንፈልጥ ብዝሓሸ መገዲ ክንዕጠቕ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ናይ ሓቂ ስሙ ኣይኰነን።
b ናይ ሓቂ ስማ ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እንተድኣ ኣልዩ ግድላት ክፍትሑ ይኽእሉ ኢዮም