“ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ናይ 1996 ኣውራጃዊ ኣኼባ
ኣብ ግዜ ጥንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓዓመት ሰለስተ ዓበይቲ በዓላት የብዕሉ ነበሩ። ብተመሳሳሊ: ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ እውን ብስም የሆዋ ዝጽውዑ ህዝቢ ናይ ሓጐስ ኣጋጣሚታት ንምግባር ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ይእከቡ ኢዮም። ነቲ ኣብቲ ሓደ መዓልቲ ዝወስድ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ: ክልተ መዓልቲ ዝወስድ ናይ ወረዳ ኣኼባ: ከምኡውን ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስድ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝግበር ምእካብ ይሕጐስሉ ኢዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ቀንዲ ኣርእስቲ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዝብል ኢዩ።
እዚ ቀንዲ ኣርእስቲ ናይዚ ዓቢ ኣኼባ ክሳዕ ክንደይ ዝሰማማዕ ኰን ኢዩ! ኣምላኽና የሆዋ “ኣምላኽ ሰላም” እወ: “እቲ ሰላም ዝህብ ኣምላኽ” ኢዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ “መስፍን ሰላም” ኢዩ: እቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘምጽእዎ መልእኽቲ ድማ ናይ ኣምላኻዊ ሰላም መልእኽቲ ኢዩ። (ፊልጲ 4:9፣ ሮሜ 15:33: ትሓዓ፣ ኢሳይያስ 9:6፣ ናሆም 1:15) ኵሎም ሰባት ንኣድላይነት ኣምላኻዊ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ንኸማስውሉ ዝሕግዞም ጽቡቕ ዝዀነ ፕሮግራም ናይ ዓቢ ኣኼባ ተዳልዩ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት እዚ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ 198 ዓበይቲ ኣኼባታት ክህሉ ኢዩ። ኣብ ጥቓኻ እውን ዓቢ ኣኼባ ክህሉ ኢዩ። ስለምንታይ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኣኼባ መዓስን ኣበይን ከም ዝግበር ብምሕታት ኣብኡ ንምክፋል መደብ ዘይትገብር፧ ንዅሎም እቶም ኣብ ናይ ሓቅን ነባርን ሰላም ዝግደሱ ምዉቕ ኣቀባብላ ክግበረሎም ኢዩ።