ብበረኸት የሆዋ እተረኽበ ምስፍሕፋሕ
እቲ ኣብ 18 መስከረም 1995 ምሸት እተገብረ ናይ ምውፋይ ፕሮግራም: የሆዋ ነቲ መሰኻኽሩ ኣብ ብሩክሊን ኒውዮርክ ዝርከብ ዓለምለኸ ቀንዲ ቤት ጽሕፈቶም ዘርእይዎ ዘለዉ ምስፍሕፋሕ ብሓቂ ይባርኾ ከም ዘሎ የጕልሕ።
ልዕሊ 6,000 ዝዀኑ ነቲ ናይ ምውፋይ ፕሮግራም ሰሚዖምዎ ኢዮም። ኣብቲ እቲ ፕሮግራም ዝካየደሉ ዝነበረ ብሩክሊን: ኣብ ጥቓ ፓተርሰንን ዎልኪልን: ኒውዮርክ ዝርከባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓበይቲ ህንጻታት: ከምኡውን ኣብ ጥቓ ቶሮንቶ ካናዳ እትርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈቶም እውን ሓዊስካ ተኣኪቦም ኢዮም። እቶም ካብ ብሩክሊን ወጻኢ ዝርከቡ ከባቢታት ብናይ ቴሌፎን መስመር ገይሮም ነቲ መደብ ሰሚዖምዎ ኢዮም።
ልቢ ዘምውቕ ፕሮግራም
እቶም ነቲ ፕሮግራም ዝሰምዕዎ ቤትኤላውያን ተባሂሎም ዝጽውዑ ወለንተኛታት ዓየይቲ: ዝበዝሑ ክፍሊ ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝረከቡ ልዕሊ 16, 400 ዝዀኑ ኣባላት ስድራቤት ቤትኤል ኢዮም። እዞም ኣባላት እዚኣቶም: ነተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ልዕሊ 78, 600 ዝዀና ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምሕጋዝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዝሓትሙለንን ንጽሑፋት ዝሕግዝ ኣገልግሎት ዝሰርሑለንን: ኣብ ሚእቲ ዝዀና ሃገራት ኰይኖም ኢዮም ዘገልግሉ።
እቲ ናይ ምውፋይ ፕሮግራም ሰዓት 6:30 ድ.ቀ. ብመዝሙርን ብሓው ካርል ክለይን ዝቐረበ ጸሎትን ምስ ተጀመረ እቲ ንምስማዕ ዝነበረ ሃንቀውታ ዓቢ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይቲ ፕሮግራም ኣቦ መንበር ኰይኑ ዝመርሖ ዝነበረ: ሎይድ ባሪ: ናይቲ ኣጋጣሚ እቲ ኣገዳስነት ኣሕጽር ኣቢሉ ብምግላጽ ንዅሎም ብምዉቕ መንፈስ ኢዩ ተቐቢልዎም። ኣልበርት ሽሮደር ድግማ ናይታ ሰሙን እቲኣ ግምቢ ዘብዐኛ ኣቕረበ: ድሕሪኡ ድማ ዳንኤል ሲድሊክ “ኣብ ቤትኤል እንገብሮ ቅዱስ ኣገልግሎት” ዘርእስቱ ዝርርብ ሃበ። እዞም ኣብዚ ፕሮግራም ብመጀመርያ ደረጃ ዝቐረቡ ተዛረብቲ: ኵሎም ኣባላት ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም።
እቲ ቀጸሉ ዝነበረ ክልተ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ማለት “ካብ 1974-1995 እናወሰኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ናይ መሕደሪ ኣባይቲ ኣድላይነት ምግጣሙ” ከምኡውን “ብዛዕባ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ናይ ቤትኤል ምሕዳስን ምህናጽን ጕሉሕ ሓሳባት” ዘርእስቱ: ብዛዕባ እቶም እተወፈዩ ህንጻታት ምህናጽ ከምኡውን ምዕዳግን ምሕዳስን ዝገልጽ ጕሉሕ ሓሳባት ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። እቲ ሓሳባት ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተወድአ ሕጂ ገለ ሽሕ ዝዀኑ ቤትኤላውያን ዝሓዘ ናይ መንበሪ ህንጻ ዘተኵር ኢዩ ነይሩ። እዚ 115 ሜትሮ ዝቝመቱ: ኣብ ጐደና 90 ሳንድዝ ዝርከብ ናይ መንበሪ ህንጻ: ምስቲ ህንጻታት ናይ ሕትመት ፋብሪካ እተቐራረበ ኢዩ።
እቲ ፕሮግራም ነቲ ብሚልተን ሄንሸል ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒውዮርክ እተዋህበ ናይ ወፈያ ዝርርብ ዘንጸባርቕ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ንኣገልግሎት የሆዋ ምእንቲ ክውዕል እተገብረ ናይ ህንጻ ወፈያታት ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። እቲ መደብ ብመዝሙርን ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ካሪ ባርበር ብዘቕረቦ ጸሎትን ተደምደመ። ገለ ካብቲ ኣብቲ ፕሮግራም ቀሪቡ ዝነበረ ጕሉሕ ሓሳብት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
እቲ ህንጻታት ተወፍዩ
ናይ ቤትኤል ናይ ቤት ተዓዛቢ: ጆርጅ ካውች: ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ብሩክሊን ብ2 ግንቦት 1969 ናይ ቤትኤል መንበሪ ቤት ወፈያ እተገብረሉ ግዜ ጀሚሩ 17 ናይ መንበሪ ህንጻታት ከም እተወሰኸ ገሊጹ።a እዚ ኸኣ ሓደስቲ እተሃንጸ ኣባይቲ ወይ ድማ ተዓዲጉ እተሓደሰ ህንጻታት ኢዩ። እዚ ወፈያ እዚ ግን ናይዘን 17 ናይ መንበሪ ህንጻታትን ናይተን ብ1940 ተዓዲገን ናይ ቤትኤል መንበሪ ክዀና እተመሓየሻ ክልተ ናእሽቱ ህንጻታትን: ከምኡውን ካብቲ እቲ ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 15 መጋቢት 1982 እተወፈየሉ መዓልቲ: ክህነጽ ወይ ከኣ ክዕደግ ዝጸንሐ ናይ ፍብሪካ ወይ ከኣ ናይ ቤት ጽሕፈት ህንጻታት ወፈያ ኢዩ ነይሩ።b
ካብቲ እተወፈየ ህንጻታት እቲ ዝዓበየ: ኣብ ብሩክሊን ጎደና 360 ፈርማን ዘሎ ህንጻ ኢዩ። ብመጀመርያ እተሃንጸሉ ብ1928 ክኸውን ከሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 15 መጋቢት 1983 ዓዲጎም ምሉእ ብምሉእ ኣሐደስዎ። ስፍሓቱ 93, 000 ትርብዒት ሜትር ወይ ከኣ ዳርጋ 9 ሀክታር ኢዩ። ኣብቲ ወፈያ እቱዋት ዝነበሩ ካልኦት ህንጻታት ከኣ እቲ ኣብ ጎደና 175 ፐርል ዝርከብ ህንጻን ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እተሃንጹ ዓበይቲ ጋራጃትን ኢዮም።
ዝያዳ መንበሪ ገዛ ዘድለየሉ ምኽንያት
ብ1969 እቲ ናይ መወዳእታ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ናይ መንበሪ ህንጻ ኣብ እተወፈየሉ እዋን: ናይቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ መሰኻኽር ዝለዓለ ቍጽሮም 1, 336, 112 ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1995 ግን ቍጽሮም 5, 199, 895 ኢዩ በጺሑ: እዚ ድማ ካብ ሰለስተን ፈረቓን ግዜ ንላዕሊ ማለት ኢዩ! ስለዚ እምበኣር: ምስቲ ጠለብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክስጕሙ: ናይ ብሩክሊን ቤትኤል ስድራቤት ቍጽሮም ካብቲ ብ1969 ምዱባት ኣባላት 1, 042 ዝነበሩሉ: ሕጂ ኣብ ልዕሊ 22 ናይ መንበሪ ህንጻታት ዝነብሩ 3, 360 በጺሑ ኣሎ!
ጆርጅ ካውች ነቲ ካብ 1974 ክሳዕ 1995 ዝነበረ ተወሳኺ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ኣድላይነት ብኸመይ ከም እተፈትሐ ተመያየጠ። ኣብ መጀመርታ 1970ታት: ጥቓ 124 ኮሎምቢያ ሀይትስ ዝርከብ ሓያሎ ደርብታት ዘለዎ ታወርስ ሆቴል: ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ስድራቤት ቤትኤል ንመንበሪ ምእንቲ ክኸውን ተኻርዩ ነይሩ። ኣብ ታሕሳስ 1973 እቲ ሽዑ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ: ናታን ኖር: ንቤት ጽሕፈት ቤትኤልን ነቲ ናይ ታወርስ ምምሕዳርን: ማሕበር ‘ኣብ 1 ጥቅምቲ 1974 ካብቲ ታወርስ ሆቴል ክትወጽእ’ መደብ ከም ዘለዋ ጸሓፈሎም።
ሓውና ካውች: እቶም ኣብ ታወርስ ዝነብሩ ዝነበሩ ቤትኤላውያን ክነብርሉ ዝኽእሉ ካልእ ቦታ ስለ ዘይነበረ: ከም ዝሰንበደ ይዛረብ። እቶም ናይ ታወርስ ሆቴል ምምሕዳር እውን እንተዀኑ ንዅሉ ዕዳታቶም ዝኸፍሉ ዝነበሩ በቲ ካብ ማሕበር ዝረኽብዎ ናይ ክራይ ኣታዊ ስለዝነበረ ሰንቢዶም ኢዮም። ፍሪኡ ግን እቶም ናይ ታወርስ ሆቴል ምምሕዳር: ነቲ ሆቴል ክዕድግዎ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ተማሕጸንዎም። “ኣብዚ ምሳና ካብ ዝነበርኩምሉ እዋን ኣትሒዝኩም እናወሰኽኩም ኢኹም እትኸዱ ዘሎኹም። ስለዚ እቲ ህንጻ የድልየኩም ኢዩ” በሉዎም።
እቶም ናይ ማሕበር ተወከልቲ ዝሃብዎ ምላሽ ግን: “ኣብኡ ብዙሓት ተኻረይቲ ኢዮም ዘለዉ። ክንዕድጎ እንተድኣ ኰይንና ናትና ሰባት ጥራይ ኢና ከነእቱ እንደሊ” ዝብል ነበረ።
እቶም ናይ ታወርስ ሆቴል ምምሕዳር ከኣ “ነቶም ተኻረይቲ ከነውጽኣልኩም ኢና” ኢሎም ተመባጽዑሎም። ድሕርዚ ብኡንብኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምጡን ዋጋ ነቲ ህንጻ ዓደግዎ። ሓውና ካውች “ሓውና ኖር ስለምንታይ ኢዩ ነቲ ደብዳበ እቲ ጽሒፍዎ፧” ብምባል ነቶም ተመሲጦም ዝሰምዑ ዝነበሩ ሰማዕቲ ተወከሶም። “ምናልባት ንሱ ብወገኑ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን ይኸውን: ይኹን እምበር ከምኡ ስለ ዝገበረ ኢዩ ታወርስ ሆቴል ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ክሽየጥ ዝኸኣለ።”
እቲ ተዛራባይ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ቅድም ውሩይ ቦታ ናይ ማርጋረት ሆቴል ዝነበረ: ኣብ ስግር እቲ ናይ መጀመርያ ቤትኤል ዝርከብ 97 ኮሎምቢያ ሀይትስ: ከመይ ገይሮም ከም ዝዓደግዎ ገለጸ። እቲ ቦታ ምስ ህንጻታት ናይ ቤትኤል ኣብያተ ጽሕፈት ብትሕቲ መሬት ገይርካ ክተሓሓዝ ዝኽእል ብምዃኑ ብሓቂ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ለካቲት 1980 እቲ ህንጻ ክሕደስ ከሎ: ተቓጺሉ። ድሕርዚ እቲ ዋና እንደገና ኣብቲ ቦታ እቲ ሓድሽ ህንጻ ክተክል ስለ ዝሸገሮ: ነቲ ንብረት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሸጠሎም።
ሓውና ካውች “እዚ ህንጻታት እዚ ነፍሲ ወከፉ: ንሓደ ነገር ዘመልክት ግሩም ዝዀነ ታሪኽ ዝሓዘ ኢዩ: እዚ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽ ነዛ እትርአ ማሕበር ነቲ ፍሉይ ህንጻ እቲ ንኽትረክብ ከም ዝመርሓ የመልክት” ብምባል ጠቐሰ።
90 ሳንድዝ ሒዝዎ ዘሎ ታሪኽ
እቲ ዝሓደሰን ዝዓበየን መንበሪ ጐደና 90 ሳንድዝ ኢዩ። እቲ ንብረት ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ታሕሳስ 1986 ምስ ተዓደገ: ነቲ ኣብ ጎደና 160 ጃይ ዝርከብ ዓቢ ፋብሪካ ሓዘ።c እቲ ፋብሪካ ፈሪሱ ኢዩ: ኣብ 30 ነሓሰ 1990 ድማ ኣብቲ ቦታ እቲ ነቲ 30 ደርቢ ዘለዎ መንበሪ ህንጻ ክትከል ፍቓድ ከም እተዋህበ ስድራቤት ቤትኤል ተነግሩ።
ኣባል ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ቲኦዶር ጃራካዝ: ንማክስ ላርሰን ተዓዛቢ ናይቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ፋብሪካ: ቃለ መጠይቕ ምስ ገበረሉ ነቲ ኣብ ጎደና 90 ሳንድዝ ዘሎ መንበሪ ንምህናጽ ብኸመይ ፍቓድ ከም እተረኽበ ገለጸ። ሓውና ላርሰን ከም ዝገለጾ እቲ ብ1965 ዝዀነ ነገር ወሳኒ ኢዩ ነይሩ በለ።
ኣብቲ እዋን እቲ ማሕበር ኣብ ጥቓ ፋብሪካታታ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዓሰርተ ደርቢ ዘለዎ ንፋብሪካ ዝኸውን ህንጻ ክትሃንጽ ደለየት: ይኹን እምበር ዞና ናይቲ ቦታ ኽልተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ክትሰርሕ ጥራይ ኢዩ ዘፍቅድ ነይሩ። ሓደ መሃንድስ: ናይቲ ሓድሽ ክስራሕ እተደልየ ፋብሪካ: ናይ ህንጻ ስእልታት ከዳሉ ተሰማምዐ: እንተዀነ ግን “ናብቲ ቤት ምኽሪ ከቕርቦ ከሎኹ ክሓፍር ኣይደልን ኢየ” በለ። እቶም ናይ ደረጃታትን ጥርዓንን ቤት ምኽሪ ነቲ መሬት እቲ ዘለዎም ናይ ዞና ስርዓታቶም ፈጺሞም ከም ዘይቅይርዎ ርግጸኛ ኢዩ ነይሩ። እቲ ናይ ህንጻ ስእልታት ተቐባልነት ምስ ረኸበ ድማ ተገሪሙ “ከመይ ገይርኩም ረኺብኩምዎ!” በለ።
ላርዘን ቀጺሉ ከም ዝበሎ እቲ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ: እቲ መሬት ነቲ ዓሰርተ ህንጻ ዝሓዘ ፋብሪካና ንኽስርሖ እንደገና ሓድሽ ናይ ዞን ምምዳብ ምስ ተገብረሉ: እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ካልእ መሬት: ነቲ ኣብ ጎደና 160 ጃይ ዝርከብ ሓዊስካ: እንደገና ሓድሽ ናይ ዞን ምምዳብ ተገብረሉ። ዘገርም ድማ እቲ ዳግመ ምምዳብ: ሆቴል ንኽስራሕ እውን ኣፍቀደ። ይኹን እምበር: ላርዘን ከም ዝገለጾ: ነዚ ነገር እዚ እንተዋሓደ: ክሳዕ ሓድሽ ናይ ቤትኤል ቤት ንምህናጽ ቦታ ምድላይ ዝጀመርናሉ እዋን ማለት 25 ዓመታት ክሳዕ ዝሓልፍ ዋላ ሓደ ዘስተብሃለሉ የሎን።
ሓው ላርዘን እቲ ዘጋጠመ ነገር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይገልጾ:- “ነቲ 30 ደርቢ ዘለዎ ናይ መንበሪ ህንጻና ስእሊ ኣዳሊና ናብ ምምሕዳር ክፍሊ ህንጻ ምስ ወሰድናዮ: ‘ኣብኡ ናይ መንበሪ ህንጻ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም። ኵሉ እቲ ቦታ እቲ ንናይ ፋብሪካ ትካላት ኢዩ ተመዲቡ: ንዓኹም ክብሉ ነቲ መደብ ኣይቅይርዎን ኢዮም’ ተባህለልና።
“ንሕና ድማ ‘ምቕያር ኣየድልዮምን ኢዩ: ድሮ ንሆቴል ኢዩ ተመዲቡ’ ኢልና ነቶም ሓለፍቲ ኣፍለጥናዮም። ነቲ መዝገብ ተመሊሶም ምስ ረኣይዎ ድማ ኣዝዮ ደንጸዎም! እምበኣርከስ ከምዚ ገይርና ኢና ነቲ 30 ደርቢ ዘለዎ ህንጻና ክንረኽቦ ክኢልና” ብምባል ላርዘን ይድምድም።
በረኸት የሆዋ ተራእዩ ኢዩ
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ: ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ።” (መዝሙር 127:1) የሆዋ ነቲ የሱስ ንሰዓብቱ ክገብርዎ ዝኣዘዞም ዓለምለኻዊ ናይ ምምሃርን ምስባኽን ዕዮ ንምስላጥ ዝሕግዝ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ህንጸት ዘርእይዎ ዘለዉ ንጥፈት ይባርኾ ከም ዘሎ ግሉጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20
እቶም ነቲ ኣብ 18 መስከረም 1995 እተኻየደ ፕሮግራም ንምስማዕ መሰል ዝረኸቡ: ነቲ ዓለምለኸ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምስፍሕፋሕ እተረእየ በረኸት የሆዋ ምስ ፈለጡ ኣዝዮም ተመሲጦም ኢዮም። ህዝቢ የሆዋ ነቲ ንሱ ዝኣዘዞም ክገብሩ ኸለዉ በረኸት ብቐጻሊ ከም ዘይፍለዮም ክተኣማመኑ ይኽእሉ ኢዮም።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ግምቢ ዘብዐኛ 15 ሰነ 1969 ገጽ 379-82 (እንግሊዝኛ)
b ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ 1982 ገጽ 23-31 (እንግሊዝኛ)
[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]
ጎደና 90 ሳንድዝ • 1995
[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]
ገለ ካብቶም እተወፈዩ ተወሰኽቲ ናይ መንበሪ ህንጻታት
ኮሎምብያ ሀይትስ • 1986
ቦሰርት ሆቴል: ጎደና 98 ሞንተግዩ • 1983
ጎደና 34 ኦረንጅ • 1945
ስታንዲሽ ሆቴል 169 ኮሎምብያ ሀይትስ • 1981
ጎደና 67 ሊቪንግስቶን • 1989
ጎደና 108 ገራሌሞን • 1988
ታወርስ ሆቴል ጎደና 79-99 ዊሎው • 1975
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ጎደና 175 ፐርል • 1983
ጎደና 69 ኣዳምስ • 1991
ጎደና 360 ፈርማን • 1983