ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 11-15
  • ናይ ዓለም ሃይማኖታት ዝጠፍኣሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ዓለም ሃይማኖታት ዝጠፍኣሉ ምኽንያት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ኢያ ወደቓ፧
  • ክትመርጽ ይግብኣካ
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተኸሲሳ
  • ንመንፈስ ቃየል እተንጸባርቕ
  • “ዘስደምም ግርምቢጥ”
  • ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
    ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ!
  • ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ይሰምረን ድዩ፧
    መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘይስሙ እትህቦ ብኸመይ እያ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኵለን ሃይማኖታት ንኣምላኽ የሐጕስኦዶ ኢየን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 11-15

ናይ ዓለም ሃይማኖታት ዝጠፍኣሉ ምኽንያት

“ኣቱም ህዝበይ: ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ: ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ: ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ: ካብኣ ውጹ።”​—⁠ራእይ 18:⁠4

1. (ሀ) ዓባይ ባቢሎን በየናይ መገዲ ኢያ ወደቓ፧ (ለ) እዚ ፍጻመ እዚኸ ንናይ የሆዋ መሰኻኸር ብኸመይ ተንኪፍዎም፧

“ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ!” እወ: ብኣረኣእያ ኣምላኽ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ወዲቓ ኢያ። እዚ ካብ 1919 ኣትሒዙ: እቶም ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ ካብ ተጽዕኖ ናይታ ዓብላሊት ክፍሊ ናይ ምስጢራዊት ባቢሎን ዝዀነት ህዝበ​-⁠ክርስትያን ምስ ወጹ ሓቅነቱ ተራእዩ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ጥፍኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ከጠንቕቑ: በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ዝመጽእ ጽድቃዊ ግዝኣት ናይ ኣምላኽ ከኣ ክእውጁ: ናጻ ወጺኦም ኢዮም። ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ናይ የሆዋ እሙናት መሰኻኽር ነተን ሰይጣን “ንብዘላ ዓለም” ንምስሓት ዝጥቀመለን ዘሎ ብእኡ ዝምርሓ እኽብካብ ሃይማኖታት ከቃልዕወን ጸኒሖም ኢዮም።”​—ራእይ 12:9፣ 14:8፣ 18:2

ዓባይ ባቢሎን ብኸመይ ኢያ ወደቓ፧

2. ኣብዚ እዋን እዚ ኵነታት ናይ ዓለም ሃይማኖታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧

2 ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ‘ሃይማኖት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስፋሕፊሑ እናተራእየስ ከመይ ገይርካ ኢዩ ባቢሎን ወዲቓ ክበሃል ዝከኣል፧’ ብምባል ይሓትት ይኸውን። ካቶሊክን እስላምን ነፍሲ ወከፈን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣመንቲ ከም ዘለዉወን ይገልጻ። ናይ ፕሮቴስታንት እምነት እውን ብቐጻሊ ሓደስቲ ቤተ-ክርስትያናትን ኣብያተ ጸሎትን ብምህናጽ ተስፋሕፍሕ ብምህላዋ: ጌና ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ በልጺጋ ኢያ ዘላ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ነቲ ብናይ ቡድሂዝምን ሂንዱዝምን እምነት ዝግበር ሃይማኖታዊ ልምድታት ይስዕቡዎ ኢዮም ዘለዉ። እንተዀነ ግን እዚ ዅሉ ሃይማኖት እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣብ ጠባያት ናይዞም ቢልዮናት እዚኣቶም ኣወንታዊ ጽልዋ ዘሕድር ዘሎ፧ ንካቶሊካውያንን ፕሮቴስታንትን ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ንሓድሕዶም ከይቀታተሉ ከልኪልዎም ድዩ፧ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንኣይሁድን እስላምን ናይ ሓቂ ሰላም ኣምጺኡሎምዶ ኢዩ፧ ኣብ ህንዲ ኣብ መንጎ ሂንዱን እስላምን ምስምማዕ ከም ዝህሉ ገይሩ ድዩ፧ ኣብዚ ቐረባ እዋንከ ንናይ ሰርቢያ ኦርቶዶክስን ናይ ክሮአይሽያ ካቶሊካውያንን ናይ ቦዝንያ እስላምን “ዓሌታዊ ምጽራይ:” ምዝማት: ምግሳስ: ከምኡውን ኣብ ንሓድሕድካ ምትሕርራድ ንኸይፍጽሙ ከልኪልዎም ድዩ፧ ሃይማኖት መብዛሕትኡ ግዜ መጸውዒ ጥራይ ከምኡውን ብንእሽቶ ተጽዕኖ ክስበር ዝኽእል ናይ እንቃቕሖ ረቂቕ ቅርፍቲ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ።​—ገላትያ 5:​19-​21፣ ምስ ያእቆብ 2:​10, 11 ኣረኣእዮ።

3. ሃይማኖታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ፍርዲ ዘለዋ ስለምንታይ ኢየን፧

3 ብኣረኣእያ ኣምላኽ ናይ ህዝቢ ሃይማኖታዊ ደገፍ ምህላዉ ንሓደ ዘይተርፍ ኵነት: እዚ ኸኣ ኵለን ሃይማኖታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ፍርዲ ምህላወን ኣይልውጦን ኢዩ። ዓባይ ባቢሎን ዛንታኣ ከም ዝሕብሮ ንጥፍኣት ክትፍረድ ዝግብኣ ኢዩ: ምኽንያቱ ድማ “ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ: ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ።” (ራእይ 18:5) ብትንቢታዊ ቃላት ተጠቒሙ ሆሴእ “ንፋስ ይዘርኡ አለዉ: ህቦብላ ኺዐጽዱ እዮም” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዋ ኵለን ናይ ሰይጣን ሓሶት ሃይማኖታት ነቲ ኣብ ኣምላኽን ፍቕሩን ስሙን ወዱን ዘርኣያኦ ክሕደት ዝግብአን ዋጋ ክኸፍላ ኢየን።​—⁠ሆሴእ 8:7፣ ገላትያ 6:7፣ 1 ዮሃንስ 2:​22, 23

ክትመርጽ ይግብኣካ

4, 5. (ሀ) ሎሚ ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ኢና እንነብር ዘሎና፧ (ለ) ክንምልሸሎም ዘድልየና ሕቶታት ኣየኖት ኢዮም፧

4 ኣብቲ መወዳእታ ክፋል ናይ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘሎና: ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት መጠን ከኣ: ካብዚ “ክትዋጽኣሉ ጽንኩር ዝዀነ” እዋን ክንድሕን ንቃለስ ኢና ዘሎና። (2 ጢሞቴዎስ 3:​1-5 ትሓዓ) ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብዛ ብልክዕ ገይራ ነቲ ከም እኒ ቀታሊ: ሓሳዊ: ከምኡውን መካፍኢ ተባሂሉ ዝፍለጠሉ ብልሹው ባህርያት ሰይጣን እተንጸባርቕ ናቱ ዓለም ግዝያውያን ነበርቲ ኢዮም። (ዮሃንስ 8:​44፣ 1 ጴጥሮስ 2:​11, 12፣ ራእይ 12:10) ብዓመጽ: ምትላል: ተንኰል: ብልሽውና: ከምኡውን ሕሉፍ ዘይስነ-ምግባራውነት ተኸቢብና ኢና ዘሎና። ስርዓታት ሸለል ተባሂሎም ኢዮም። ነዚ መለለዪኡ ዝኸውን ድማ ደስታ: ምቹእነት ዝብል ቃላት ምዝውታሩ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ድማ ኣቕሽሽቲ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረ ሰዶምን ምንዝርን ዝሙትን ኣነጺሩ ዝዅንኖ ስርዓታት ብምብራዝ ናይ ስነ​-⁠ምግባር ብልሽውና ሸለል ኢሎም ኢዮም። እቲ መዛረቢ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ እምበኣር: ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ሸለል ኢልካ ብምርኣይ ደገፍካ ተርኢ ዲኻ: ወይስ ብንጥፈት ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢኻ እትሳተፍ፧ ዝብል ኢዩ።​—ዘሌዋውያን 18:22፣ 20:13፣ ሮሜ 1:​26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 6:​9-​11

5 ሎሚ ናይ ምፍልላይ እዋን ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣብ መንጎ ናይ ሓሶት ኣምልኾን ሓቀኛ ኣምልኾን ፈሊና ክንፈልጥ ዘድልየሉ እዚ ዅሉ ምኽንያታት እዚ ኣሎና። ናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታት ተወቀስቲ ዝገብረን ካልእ ዝገበራኦ ነገርከ እንታይ ኣሎ።​—ሚልክያስ 3:​18፣ ዮሃንስ 4:​23, 24

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ተኸሲሳ

6. ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢያ ክሒዳታ፧

6 ሽሕ’ኳ ሚልዮናት ኣብ ህዝበ-ክርስትያን ዘለዉ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ብምጽላይ ነቲ ናይ ጐይታ ጸሎት ኣዘውቲሮም ዝጽልይዎ እንተዀኑ: ነቲ ቲኦክራቲካዊ ግዝኣት ብምንጻግ ንዅሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣቕዋም ብትግሃት ደጊፎም ኢዮም። ዘበናት ይገብር: ከም እኒ ካርዲናላት ሪሸልዩ: ማዛራ: ከምኡውን ዉልዚ ዝኣመሰሉ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን “መሳፍንቲ:” ከም ዓለማውያን ናይ ፖለቲካ ሰበ-ስልጣናት: ናይ መንግስቲ ሚኒስተራት ኰይኖም ሰሪሖም ኢዮም።

7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ 50 ዓመታት ይገብር ንናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ብኸመይ ኢዮም ዘቃልዕዎም፧

7 ልዕሊ 50 ዓመታት ይገብር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በታ ረሊጅን ሪፕስ ዘ ዊርል ዊንድ (እንግሊዝኛ) እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ገይሮም: ህዝበ⁠-​ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ትሳተፍ ከም ዘላ ኣቃሊዖምዋ ኢዮም።a እቲ ሽዑ እተባህለ ሎሚውን: ማዕረ ኣብቲ እዋን እቲ ብዝነበሮ ሓይሊ: ይዓዪ ኢዩ:- “ብዛዕባ ጠባያት ሃይማኖታውያን ኣቕሽሽቲ ናይ ኵለን ክፋላት ቅኑዕ ምርምር ምግባር: ሃይማኖታውያን መራሕቲ ናይ ኵለን ‘ህዝበ-ክርስትያን’ ኣብ ፖለቲካ ናይዛ ‘ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም’ ብዓሚቝ ተገዳስነት ይሳተፉ ምህላዎም ከምኡውን ኣብቲ ዓለማዊ ጉዳያት ጣልቃ ይኣትዉ ምህላዎም ይገልጽ።” ኣብቲ እዋን እቲ እቶም መሰኻኽር ንጳጳስ ፒዩስ መበል 12 በቲ ምስ ናዚ ሂትለር (1933) ከምኡውን ምስ ፋሺስት ፍራንኮ (1941) ዝገበሮ ስምምዕ: ብዘይዚውን ብመጋቢት 1942 ምስታ ወራሪት ዝነበረት ሃገረ ጃፓን: ኣብ ፐርል ሃርበር ዝገበረቶ መጥቃዕቲ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ሓለፈ: ናይ ዲፕሎማስያውያን ወኪላት ልውውጥ ምግባሩ ኣምሪሮም ወቒሶሞ ኢዮም። እቲ ጳጳስ ነቲ “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን: እምብኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ዝብል ናይ ያእቆብ መጠንቀቕታ ካብ ምስዓብ ሰኒፉ ኢዩ።​—ያእቆብ 4:4

8. ሎሚ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-ክርስትያን ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኣትያ ዘላ ብኸመይ ኢያ፧

8 ሎሚኸ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧ ሎሚውን ጵጵስና ብካህናቱን ብናይ ምእመናን ወኪላቱን ኣቢሉ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኣትዩ ኢዩ ዘሎ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ጳጳሳት ከኣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ዓለም ሰላም ንምምጻእ ብሰብ ዝቘመት ማሕበር ምዃና ብምዝራብ ስምረቶም ሂቦምዋ ኢዮም። እቲ ወግዓዊ ናይ ቫቲካን ጋዜጣ ዝዀነ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ: ኣብቲ ናይ ቀረባ ግዜ ሕታሙ: ብዛዕባ እቶም ሾውዓተ ሓደስቲ እተሾሙ ኣምባሳደራት “ኣብቲ ቅዱስ መንበረ-ጵጵስና ኣምባሳደራት ዝዀኑ” ምስክር ወረቐቶም “ነቲ ቅዱስ ኣቦ” ከም ዘቕረቡ ኣዊጁ። የሱስን ጴጥሮስን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ምተሳተፉ ነይሮም ኢልና ክንሓስብ ንኽእልዶ፧ የሱስ ብኣይሁድ ከይነግስ ኣብዩ ኢዩ: መንግስቱ ካብዛ ዓለም እዚኣ ከም ዘይኰነት ከኣ ገለጸ።​—ዮሃንስ 6:​15፣ 18:36

9. ናይ ፕሮቴስታንት ሃይማኖታውያን ካብቶም መመሳስልቶም ካቶሊካውያን ዝሕሽሉ መገዲ የብሎምን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 ናይ ፕሮተስታንት መራሕቲኸ ካብቶም መመሳስልቶም ካቶሊካውያን ዝሕሽሉ መገዲ ኣለዎም ድዩ፧ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ብዙሓት ናይ ፕሮተስታንት ሃይማኖት ዓቃባውያን: ከምኡውን ሞርሞናውያን ኣብ እተወሰነ ፖለቲካዊ መስርዕ ብምስታፎም ይፍለጡ ኢዮም። ክርስትያን ኮአሊሽን (ክርስትያናዊ ስምረት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማሕበር: ኣብ ፖለቲካ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣዕሚቝ ዝኣተወ ኢዩ። ካልኦት ናይ ፕሮተስታንት ኣቕሽሽቲ ብንጹር ዝፍለጡሉ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣቕዋም ኣለዎም። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ከም እኒ ፓት ሮበርሰን ከምኡውን ጀሲ ጃክሰን ዝኣመሰሉ ሰባት ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ናይ ብሪጣንያ ናይ ባይቶ ኣባል ዝዀነ ኢን ፓዝሊ “ብጹኣን” ምዃኖምን ወይ ከኣ ከም ዝነበሩን ሓድሓደ ግዜ ይርሳዕ ኢዩ። እዚኣቶምሲ ከመይ ገይሮም ኢዮም ነቲ ቦታኦም ምኽኑይ ዝገብርዎ፧​—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ገላትያ 2:6

10. ብ1944 እንታይ ንጹር ሓሳባት ኢዩ ዝቐረበ፧

10 ከምቲ እታ ረሊጅን ሪፕስ ዘ ዊርልዊንድ እትበሃል መጽሓፍ ብ1944 ዝሓተተቶ: ሎሚውን ንሕና ከምኡ ኢልና ኢና እንሓትት:- “ዝዀነት ትኹን ማሕበር: ካብዛ ዓለም እዚኣ ጥቕሚ ወይ ከኣ ዕቝባ ብምድላይ ምስ ዓለማውያን ሓይልታት ውዕል እትገብር ከምኡውን ኣብቲ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፖለቲካዊ ጉዳያት ንጡፍ ምንቅስቓስ እትገብር እንተድኣ ዀይና . . . ናይ ኣምላኽ ቤተ⁠-ክርስትያን ክትከውን ወይ ከኣ ኣብ ምድሪ ንክርስቶስ የሱስ ክትውክል ትኽእልዶ፧ . . . ኵለን እተን ምስ ዓለማውያን መንግስታት ሓደ ዓይነት ሸቶ ዝገብራ ሃይማኖታት ነታ ብክርስቶስ የሱስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ክውክልኣ ኣይክእላን ኢየን።”

ንመንፈስ ቃየል እተንጸባርቕ

ናይ ሓሶት ሃይማኖት

11. ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ንኣብነት ቃየል ዝሰዓባ ብኸመይ ኢየን፧

11 ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብምሉኡ ከም እተራእየ: ናይ ሓሶት ሃይምኖታት ከምቲ ንሓዉ ኣቤል ዝቐተለ ቃየል ብምዃን ናይ ቅትለተ⁠-​ሓው መንፈስ ኣንጸባሪቐን ኢየን። “ጽድቂ ዘይገብርን ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን: ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ። ንሓድሕድና ኽንፋቐር: እዚኣ እታ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።” ቃየል ነቲ ሓዉ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ ንጹህን ቅቡልን ኣምልኾ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ: ናብቲ እቶም ክውንነታውያን ክዀኑ ዘይክኣሉ ሰባት ዝጥቀምሉ ናይ መወዳእታ ስጕምቲ ማለት ዓመጽ ተጸግዐ።​—1 ዮሃንስ 3:​10-​12

12. ሃይማኖት ኣብ ውግእን ህውከትን ከም እተሓባበረ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

12 ነዚ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ክሲ እዚ ዝድግፍ ርጉጽ ነገር ኣሎዶ፧ ኣብታ ፕሪቸርስ ፕረዘንት ኣርምስ (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፍ እቲ ደራሲ ከምዚ በለ:- “ኣብ ናይ ስልጣኔ ታሪኽ ከም እተራእየ: . . . ክልተ ሓይልታት ወትሩ ኣብ ናይ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ምስ ሓበሩ ኢዮም። ንሳቶም ከኣ ውግእን ሃይማኖትን ኢዮም። ካብ ኵለን ዓበይቲ ናይ ዓለም ሃይማኖታት ድማ . . . ከም [ህዝበ-ክርስትያን] ገይሩ ን[ውግእ] እተወፈየ ዋላ ሓደ የለን።” ገለ ዓመታት ይገብር ዘ ሳን እተባህለት ናይ ቫንኮቨር: ካናዳ ጋዜጣ ከምዚ ብምባል ገለጸት:- “ቤተ-ክርስትያን ንባንዴራ ምስዓባ ዳርጋ ናይ ኵለን ብማሕበር ደረጃ ዝቘማ ሃይማኖታት ድኽመት ኢዩ። ኣምላኽ ብኽልቲኡ ወገን ኣሎ ዘይተባህለሉ ውግእሲ ኣየናይ ውግእ ኰን ኢዩ፧” ናይዚ መረጋገጺ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዘለዋ ገሊአን ኣብያተ ክርስትያናት ርኢኻዮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ሃገራውያን ባንዴራታት ነቲ መሰውኢ ወትሩ ኢየን ዝስልማኦ። የሱስ ኣብ ትሕቲ ኣየነይቲ ባንዴራ ምተሰለፈ ኢልካ ትሓስብ፧ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ዝብል ቃላቱ ኣብ ብምሉኡ ክፍለ-ዘበናት ክቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ!​—⁠ዮሃንስ 18:36

13. (ሀ) ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈሸላ ብኸመይ ኢየን፧ (ለ) የሱስ እንታይ ናይ ክርስትና መለለዪ ዝዀነ ምልክት ኢዩ ዝሃበ፧

13 ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ሃይማኖታት ንመጓ​­ሰ⁠ታ⁠ቶም: ሓቅነት ናይ ልባዊ ሕውነታዊ ፍቕሪ ኣይ⁠መ⁠ሃ⁠ራኦምን። ኣብ ክንድኡ ኣባላተን ብሃገራዊ: ቀቢላዊ: ከምኡውን ዓሌታዊ ፍልልያት ክከፋፈላ ኣፍቂደን ኢየን። ካቶሊካውያንን ናይ ማሕበር ኣንግሊካን ካህናትን ኣብቲ ኣብ ሩዋንዳ ዓሌታዊ ምጽናት ዘስዓበ ምክፍፋል ዓቢ ተራ ከም እተጻወታ ጸብጻባት ይገልጽ ኢዩ። ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከም ዝገለጸቶ “እቲ ኣብ ሩዋንዳ እተገብረ ጃምላዊ ቅትለት ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ብዙሓት ናይ ሮማ ካቶሊካውያን: በቲ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ላዕላዋይ ደርጃ ከም እተኻሕዱ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኢዩ። እቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ መንጎ ሁቱን ቱትሲን ኣብ ዘሎ ዓሌታዊ ምፍልላይ ወትሩ ምስ ተኸፋፈለ ኢዩ።” እታ ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ናይታ ማሪክሎነር ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ካቶሊክ ሚስዮን ኣባል ዝዀነ ካህን ዝበሎ ከምዚ ብምባል ትጠቅስ:- “እታ ቤተ⁠-ክርስትያን ኣብ ሩዋንዳ ኣብ 1994 ብዘሕስር ኵነታት ወዲቓ ኢያ። ብዙሓት ሩዋንዳውያን ነታ ቤተ⁠-ክርስትያን ጠንጢኖምዋ ኢዮም። ካብ ሕጂ ንንዮ ዝኣምና ሓደ እኳ የልቦን።” እዚ ምስቲ ናይ የሱስ ቃላት ከመይ ዝበለ ኣንጻርነት ኢዩ ዘለዎ:- “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 13:35

14. መብዛሕትአን እተን ክርስትያን ዘይኰና ዓበይቲ ሃይማኖታት ብዛዕባ ጠባያተን ዝምልከት እንታይ ጸብጻብ ኢዩ ቀሪቡለን ዘሎ፧

14 እተን ካልኦት ናይ ዓባይ ባቢሎን ዓበይቲ ሃይማኖታት እውን እንተዀና ዝሓሻ ኣብነት ኣይኰናን ኢየን። እቲ ብ1947 ህንዲ ክትምቀል ከላ እተፈጸመ ዘስካሕክሕ ጃምላዊ ቅትለት: እተን ኣብኡ ዘለዋ ዓበይቲ ሃይማኖታት ተጻዋርነት ከፍርያ ከም ዘይከኣላ የረድኣና። እቲ ኣብ ህንዲ ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ናይ ማሕበረ-ሰብ ዓመጽ ብዙሓት ሰባት ከም ዘይተለወጡ የረጋግጸልና። እታ ኢንድያ ቱደይ እትበሃል መጽሔት: ከምዚ ዝስዕብ ኢላ ክትድምድም ከላ ኣየገርመናን ኢዩ:- “ሃይማኖት እቲ ዝኸፍአ ገበን እተፈጸመሉ ኣርማ ኰይኑ ኢዩ። . . . ማእለያ ዘይብሉ ዓመጽ ፈንዩ: እቲ ኣዝዩ መዕነዊ ሓይሊ ድማ ኰይኑ ኢዩ።”

“ዘስደምም ግርምቢጥ”

15. ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ኵነታት ናይ ሃይማኖት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧

15 ዓለማውያን ወሃብቲ ርእይቶውን ከይተረፈ ሃይማኖት ከእምን: ቅኑዕ ባህርያት ከስርጽ ከምኡውን ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ሃይማኖት ዝገብሮ ወራር ክጻረር ዘይምኽኣሉ ኣስተውዒሎም ኢዮም። ኣብታ ኣውት ኦቭ ኮንትሮል እትበሃል መጽሓፉ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሃገራዊ ጸጥታ ኣማኻሪ ዝነበረ ዙቢግነፍ ብረይዢንስኪ ከምዚ ክብል ጸሓፈ:- “እቲ ‘ኣምላኽ ሞይቱ ኢዩ’ ዝብል ኣረኣእያ ኣዝዩ ክዕወት ዝኸኣለ ኣብተን ብማርክሳዊ ኣተሓሳስባ ተዓብሊለን ዘለዋ ሃገራት . . . ዘይኰነስ ኣብተን ብባህለን ናይ ስነ⁠-ምግባር ዘይተገዳስነት ዘማዕበላ ሓራ ዝዀና ናይ ምዕራብ ዲሞክራሲያውያን ሃገራት ምዃኑ ዘስደምም ግርምቢጥ ኢዩ። ኣብተን ኣብ መወዳእታ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ሃይማኖት እቲ ዝዓበየ ማሕበራዊ ሓይሊ ካብ ምዃን ስለ ዘቋረጸ ኢዩ።” ቀጺሉ ድማ “ሃይማኖት ኣብ ናይ ኣውሮጳ ባህሊ ዘለዎ ጽልዋ ኣዝዩ ቀምሲሉ ኢዩ: ሎሚ ኣውሮጳ​—⁠አረ ካብ ኣመሪካውን ብዝዛየደ​—⁠ቀንዲ ቦታ ናይ ዓለማዊ ማሕበረ⁠-ሰብ ኰይና ኣላ” በለ።

16, 17. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ካህናት እንታይ ምኽሪ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ ፍረ ዝምልከት ከመይ ዝበለ ጽቡቕ መምርሒ ኢዩ ዝገለጸ፧

16 የሱስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ኣይሁዳውያን ካህናት እንታይ ኢዩ ዝበለ፧ “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን [ቶራህ: እቲ ሕጊ ክምህሩ] ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ። ስለዚ ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ።” እወ: ሃይማኖታዊ ግብዝና ሕጂ ዝተጀመረ ኣይኰነን።​—ማቴዎስ 23:​2, 3

17 ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተፍርዮ ፍረ ይኹንና ኢዩ። እቲ ብየሱስ እተዋህበ “እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ: ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ: ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምብኣርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም” ዝብል ሕጊ ኣዝዩ ተፈጻምነት ዘለዎ ኢዩ።​—ማቴዎስ 7:​17-​20

18. ህዝበ⁠-ክርስትያን ንኣባላታ ብኸመይ ኢያ ብጽፈት ክትሕዝ ዝነበራ፧

18 ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ሃይማኖታት ብሕልንአን ተደሪኸን ነቲ ናይ ምውጋድ ወይ ናይ ምውጋዝ ክርስትያናዊ ስርዓት: ኣብቶም ስርዓት ጥሒሶም ዝመለሳለሱ ኣባላታ ኢና ዝብሉ ኵሎም ኣውዒለናኦ እንተ ዝዀና ነይረን እንታይ ኰን ምዀነ፧ ኵሎም እቶም ዘይናስሑ ሓሰውቲ: ኣመናዝር: ዘመውቲ: ግብረ ሰዶም ዝገብሩ: መዳናገርቲ: ገበነኛታት: ሓሽሽ ዝንግዱ ዀነ ወልፈኛታት: ከምኡውን ኣባላት ናይ ማፍያ ዝዀኑ ሰባት እንታይ ኰን ምዀኑ፧ ብዘይጥርጥር እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ምሽሙሽ ፍረ ብኣምላኽ ጥፍኣት ክወርዳ ከም ዝግብኣ ይገብራ።​—1 ቈረንቶስ 5:​9-​13፣ 2 ዮሃንሰ 10, 11

19. ናይ ሃይማኖት ኣመራርሓ ብዝምልከት ከመይ ዝበለ ምእማን ኢዩ እተገብረ፧

19 እቲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት እተገብረ ናይ ፕረዝቢተርያን ሓፈሻዊ ኣሰምብሊ ከምዚ ብምባል ይእመን:- “ብዓቐኑ ይኹን ብጽልዋኡ ዘሰንብድ ጽንኩር እዋን ኢና እነሕልፍ ዘሎና . . . ካብ 10 ክሳዕ 23 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣቕሽሽቲ ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ብጾታዊ ኣተሓሳስባ እተዓብለሉ ወይ ከኣ ምስቶም ኣብ ቁምስንኦም ዘለዉ ሰባት: ምእመናኖም: ሰራሕተኛታቶም: ወዘተ. ጾታዊ ርክብ ዝገብሩ ኢዮም።” ሓደ ኣመሪካዊ ነጋዳይ “ሃይማኖታውያን ትካላት ናይ ስነ⁠-​­⁠ምግባር ስርዓታቶም ካብ ምምሕልላፍ ሰኒፎም ኢዮም: ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ከአ ክፍሊ ናይቲ ሽግር ኰይኖም ኢዮም” ብምባል ነቲ ሓሳብ ጸሚቑ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

20, 21. (ሀ) የሱስን ጳውሎስን ንግብዝና ዝዀነንዎ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ምላሽ ዘድልዮም ሕቶታት ከመይ ዝበሉ ኢዮም፧

20 እቲ የሱስ ንሃይማኖታዊ ግብዝና ዝዀነኖ ምዅናን ከምቲ ናይ ሽዑ ሕጂውን ሓቂ ኢዩ:- “ኣቱም ግቡዛት: ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ: ከምዚ ኢሉ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሀሩ: ንኸንቱ የምልኹኒ።” (ማቴዎስ 15:​7-9) እቲ ጳውሎስ ንቲቶስ ዝበሎ ቃላትውን ነዚ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ኵነታት ይገልጾ ኢዩ:- “ንኣምላኽ ከም ዚፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ: ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ አለዉ።”​—ቲቶስ 1:​16

21 የሱስ ዕዉር ንዕዉር እንተመርሖ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ በለ። (ማቴዎስ 15:⁠14) ምስ ዓባይ ባቢሎን ክትጠፍእዶ ትደሊ ኢኻ፧ ወይስ ኣዒንትኻ ተኸፊቱ ብቐጥ ዝበለ መገዲ ክትመላለስ እሞ በረኸት ኣምላኽ ከተስተማቕር ኢኻ እትደሊ፧ እቲ ሕጂ ቀሪቡልና ዘሎ ሕቶ እምበኣር:- ኣምላኻዊ ባህርያት እተፍሪ ሃይማኖት እንተድኣ ኣልያስ ኣየነይቲ ኢያ፧ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምላኾኸ ከመይ ገይርና ንፈልጦ፧ ዝብል ኢዩ።​—መዝሙር 119:105

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1944 ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ፣ ሕጂ ግን ኣይሕተምን ኢዩ ዘሎ።

ትዝክሮዶ፧

◻ ዓባይ ባቢሎን ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታይ ኣቕዋም ኢዩ ዘለዋ፧

◻ ናይ ሓሶት ሃይማኖት በየናይ መሰረት ኢያ ተኸሲሳ ዘላ፧

◻ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መንፈስ ቃየል ዘርኣየት ብኸመይ ኢያ፧

◻ የሱስ ንዝዀነት ትኹን ሃይማኖት ከፍርዳ ዝኽእል እንታይ ስርዓት ኢዩ ዝሃበ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ብምሉኡ መራሕቲ ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ኣትዮም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

እዞም ኣቕሽሽቲ እዚኣቶም ሓያላት ፓለቲከኛታት እውን ነይሮም ኢዮም

ካርዲናል ማዛራ

ካርዲናል ሪሸልዩ

ካርዲናል ዉልዚ

[ምንጪ ስእሊ]

ካርዲናል ማዛራን ካርዲናል ሪሸልዩን:- Ridpath’s History of the World (Vol. VI and Vol. V respectively). ካርዲናል ዉልዚ:- The History of Protestantism (Vol. I).

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ