ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/4 ገጽ 6-8
  • ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ብኽብሪ ኣብዕሎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ብኽብሪ ኣብዕሎ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብኸመይ ኢኻ ብኽብሪ እተብዕሎ፧
  • ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/4 ገጽ 6-8

ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ብኽብሪ ኣብዕሎ

የሱስ ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብ 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ምሸት ኢዩ መስሪትዎ።a ሽዑ ኸኣ ኢዩ ምስቶም 12 ሃዋርያቱ ኰይኑ ንበዓል ምስጋር ኣብዒሉ ዝወድአ: ስለዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ዕለት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ከሓዲ ምስ ወጸ ድማ የሱስ “እንጌራ ኣልዒሉ: ባሪኹ ቘረሰ: ንኣታቶም ከኣ፤ ውሰዱ: እዚ ስጋይ እዩ: ኢሉ ሀቦም። ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሀቦም: ኵሎምውን ካብኣ ሰተዩ። ንሱ ኸኣ፤ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ” በሎም።​—ማርቆስ 14:22-​24

የሱስ ሞቱ ኣገዳሲ ብምዃኑ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ከብዕልዎ ኣዚዝዎም ኢዩ። (ሉቃስ 22:19፣ 1 ቈረንቶስ 11:23-​26) ንደቅሰብ ካብቲ መርገም ናይቲ እተወርሰ ሓጢኣትን ሞትን ክብጀዎም ዝኽእል እንኮ መስዋእቲ ናቱ ጥራይ ኢዩ። (ሮሜ 5:​12፣ 6:​23) እቲ እተጠቕመሉ ቅጫን ወይንን ነቲ ፍጹም ዝዀነ ስጋኡን ደሙን ዘመልክት ኢዩ። ነታ ናይ መጀመርያ እተመስረተትላ ዕለት ብምፍላጥ ከምቲ ናይ ኣይሁዳውያን በዓል ምስጋር ዝበዓል ዝነበረ: ነታ 14 ኒሳን እትውዕለላ መዓልቲ ኣብ ዓዓመት ከነብዕላ ንኽእል ኢና። ግን ብኽብሪ ከነብዕሎ ኣሎና። ስለምንታይ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ “ክሳዕ ጐይታ ዚመጽእ: ሞቱ ትነግሩ ኢኹም” ኢልዎም ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:26: ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣትኵሮ ናይቲ በዓል ኣብቲ ናይ የሱስ ሞትን ንደቅሰብ ዘለዎ ትርጕምን ኢዩ ዝኸውን ማለት ኢዩ። እቲ ኣጋጣሚ እቲ ሕያውነት ኣምላኽ ከምኡውን ንየሆዋን ንወዱን ክህልወና ዘለዎ ሞሳ እነንጸባርቐሉ ረዚን ኣጋጣሚ ክኸውን ኣለዎ። (ሮሜ 5:8፣ ቲቶስ 2:​14፣ 1 ዮሃንስ 4:​9, 10) ስለዚ ድማ ጰውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣጠንቀቐ:- “ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዚበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዚሰቲ: ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዚዕግብ።”​—1 ቈረንቶስ 11:27

ብኸመይ ኢኻ ብኽብሪ እተብዕሎ፧

ዘተሓታትት ተግባራት ብምግባር ወይ ናይ ኣረማውያን ልምድታት ብምውሳድ ነቲ ኣጋጣሚ ምስ እነሕስሮ ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ፍሉጥ ኢዩ። (ያእቆብ 1:​27፣ 4:​3, 4) እዚ ነቲ ኣብ ግዜ በዓል ትንሳኤ ዝግበር ልሙድ ዝዀነ ተግባራት እውን ዝኽልክል ኢዩ። ነቲ የሱስ ‘ንመዘከርታኡ ኽንገብሮ’ ዝሃበና መምርሒ ብምስዓብ: ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ከምቲ ንሱ ዝመስረቶ ገይርና ከነብዕሎ ኢና እንደሊ። (ሉቃስ 22:19፣ 1 ቈረንቶስ 11:24, 25) ከምዚ ምግባር ነቲ ብናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዝግበር በዓል ተወሲኹ ዘሎ መፈንጠራታት ክከላኸለልና ኢዩ። እቲ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ (ብእንግሊዝኛ) ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ይእመን:- “እቲ ሎሚ ዝግበር በዓል ካብቲ ብክርስቶስን ሃዋርያቱን ዝግበር ዝነበረ ኣዝዩ ቀሊል በዓል ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ።” ነቲ በዓል ብተደጋጋሚ: አረ መዓልቲ መዓልቲ ብምብዓል ድማ ህዝበ-ክርስትያን ካብቲ የሱስ ዝመደቦ ወጺኣ ኢያ ከምኡውን ነቲ በዓል ተራ ዝዀነ ፍጻመ ገይራቶ ኣላ።

ንድራር ጐይታ ዝምልከት ኣብታ ጉባኤ ግድል ተላዒሉ ስለ ዝነበረ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ብዛዕባ ብኽብሪ ዘይምውሳድ ጸሓፈሎም። ገሊኦም ነቲ ናይ ድራር ጐይታ ቅድስና ኣየኽብርዎን ኢዮም ነይሮም። ድራሮም ሒዞም ብምምጻእ ቅድሚ እቲ ኣኼባ ወይ ድማ ኣብ ግዜ እቲ ኣኼባ ይበልዕዎ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ መጠን ንላዕሊ ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ። እዚ ድማ ከም ዝብዕግጉን ኣተሓሳስብኦም ድማ ከም ዝድንዝዝን ይገብሮም ነበረ። ብኣተሓሳስባን መንፈሳውን ንቑሓት ስለ ዘይነበሩ: ‘ነቲ ስጋ ከለልይዎ’ ኣይከኣሉን: ስለዚ ድማ ‘ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን ዓገቡ።’ ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ድራር ዘይነበሮም ጠመዩ ከምኡውን በቲ ኵነታት ተረበሹ። ዋላ ሓደ ካብኣቶም ነቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ብሞሳ ንምክፋል እተዳለወ ኣይነበረን: እቲ በዓል ንሞት ጐይታ ንምዝካር እተገብረ ምዃኑ: ክብደት ናይቲ ኣጋጣሚ እቲ ምሉእ ብምሉእ እተገንዘበውን ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ኣኽብሮት ስለ ዘየርኣዩ: አረ ንዕቀት እውን ከይተረፈ ስለዝነበሮም ኣብ ልዕሊኦም ፍርዲ ኣምጽኣሎም።​—1 ቈረንቶስ 11:27-​34

ምስትውዓል ኣድላዪ ኢዩ

ዋላ እኳ ዳሕራይ ክውሰድ ከም ዘይነበሮ እንተ ተገንዘቡ: ገሊኣቶም ካብቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ተኻፊሎም ኢዮም። እቶም ብልክዕ ካብቲ ናይ ዝኽሪ ቅጫን ወይንን ዝካፈሉ ሰባት ብኣምላኽ እተሓርዩ ኢዮም: ከምኡውን ከም እተሓርዩ ንምርግጋጽ መንፈስ ቅዱስ ይምስክረሎም ኢዩ። (ሮሜ 8:​15-​17፣ 2 ቈረንቶስ 1:​21, 22) ንኽወስዱ ብቑዓት ዝገብሮም ብሕታዊ ምርጫኦም ወይ ውሳነኦም ኣይኰነን። ኣምላኽ ቍጽሪ ናይቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክገዝኡ ዘለዎም 144,000 ክኸውን ወሲንዎ ኢዩ: እዚ ድማ ምስቲ ቍጽሪ ናይቶም ካብ በጅነት ክርስቶስ ዝጥቀሙ ኵሎም ሰባት ኣወዳዲርካ ውሑድ ኢዩ። (ራእይ 14:​1, 3) እቲ ምርጫ ኣብ ግዜ የሱስ ኢዩ ተጀሚሩ: ስለዚ ድማ እቶም ሕጂ ካብቲ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ ሰባት ውሑዳት ኢዮም። ገሊኦም እናሞቱ ክኸዱ ከለዉ ድማ ቍጽሮም ክውሕድ ኣለዎ።

ስለምንታይ ኢዩ ሓደ ሰብ ብጌጋ ካብቲ ቅጫን ወይንን ዝወስድ፧ ምናልባት ብምኽንያት እቲ ኵሎም እሙናት ሰባት ንሰማይ ኢዮም ዝኸዱ ዝብል: ቅድም ዝነበሮ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ ብምኽንያት ምህንጣይ ወይ ስስዐ​—⁠ሓደ ሰብ ካብቶም ካልኦት ዝበለጸ ከም ዝዀነ ምስ ዝስምዖ​—⁠ከምኡውን ምርኡይ ናይ ምዃን ድሌት ምስ ዝህልዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ነቲ ኣብ ምድሪ ናይ ምንባር ዘሎካ ድሌት ዘጥፍእ መሪር ግድላት ወይ ሕማቕ ኵነታት ዘስዓቦ ክቱር ስምዒት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብምኽንያት ምስ ሓደ ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎ ሰብ ዘሎካ ናይ ቀረባ ዕርክነት እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኵልና እቲ ውሳነ ናይ ኣምላኽ ጥራይ ድኣምበር ናትና ከም ዘይኰነ ክንዝክር የድልየና ኢዩ። (ሮሜ 9:​16) ስለዚ እምበኣር: ሓደ ሰብ ምስ ‘መርመረ’ ብሓቂ ካብቲ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ክወስድ ከም ዘይብሉ ምስ ዝፈልጥ: ካብ ምውሳድ ክቝጠብ ኣለዎ።​—1 ቈረንቶስ 11:28

እቲ ኣምላኽ ንብዙሓት ደቅሰብ ቀሪቡሎም ዘሎ ተስፋ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብ ኢዩ። እዚ ድማ ብምህንጣይ እንጽበዮ ዓቢ በረኸት ኢዩ: ብቀሊሉ ናብኡ ገጽና ከም እንሓስብ ዝገብረና ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:​28፣ መዝሙር 37:​9, 11) እቶም እሙናት ምስቶም ዝትንስኡ ፍቑራቶም እንደገና ዝራኸቡ ከምኡውን ነቶም የሱስ ናይ ሰማያዊ ህይወት መገዲ ቅድሚ ምኽፋቱ ዝሞቱ ከም በዓል ኣብርሃም: ሳራ: ሙሴ: ረሃብ: ዳዊት: ከምኡውን ዮሃንስ መጥምቕ ዝኣመሰሉ ናይ ጥንቲ ጻድቃናት ሰባት ዝረኽብዎም ኣብ ምድሪ ኢዩ።​—ማቴዎስ 11:⁠11፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 15:20-​23 ኣረኣእዮ።

እቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሽሕ’ኳ ካብቲ ቅጫን ወይንን ዘይወስዱ እንተዀኑ ኣብኡ ብምክፋልን ብኣኽብሮት ብምቕላብን ነቲ ድራር ጐይታ ብኽብሪ የብዕልዎ ኢዮም። ንሳቶም እውን በቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎ ኣቕዋም ከም ዝህልዎም ዝገብር መስዋእቲ ክርስቶስ ይጥቀሙ ኢዮም። (ራእይ 7:⁠14, 15) ነቲ ዝወሃብ ዝርርብ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ከለዉ እቲ ንቕዱስ ነገራት ዘለዎም ሞሳ ይድልድል: እቲ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ሓቢሮም ንኽጸንሑ ዘለዎም ድሌት ድማ ይዓቢ።

ኣብዚ ዓመት እዚ: ሰሉስ 2 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኣብተን ኣብ ዙርያ ምድሪ ዘለዋ ልዕሊ 78,000 ዝዀና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ክበዓል ኢዩ። ኣብኡ ክትካፈል ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ ኣይሁዳውያን መዓልቲ ምሸት ኢዩ ዝጅምር። ብመሰረት ናትና ዓውደ ኣዋርሕ 14 ኒሳን ካብ መጀመርያ ናይ ሓሙስ ምሸት ማለት 31 መጋቢት ክሳዕ ጸሓይ ዕራርቦ ናይ ዓርቢ ምሸት ማለት 1 ሚያዝያ ኢዩ። ናይ ዝኽሪ በዓል ሓሙስ ምሸት ኢዩ ተመስሪቱ: ሞት የሱስ ድማ ኣብታ ናይ ኣይሁድ መዓልቲ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ተፈጺሙ። ኣብ መበል ሳልሰይቲ መዓልቲ ሰንበት ንግሆ ድማ ተንሲኡ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓንሳእ የብዕልዎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ