ትዝክሮዶ፧
ነቶም ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ጥንቁቕ ምስብሃል ገይርካሎምዶ፧ ነዞም ዝስዕቡ ምዝካሮም ኣገዳሲ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ:-
▫ ምስቲ ኣብ ማቴዎስ 11:28 ዘሎ ናይ የሱስ ዕድመ ብምስምማዕ ሓደ ሰብ ‘ናብ የሱስ ዝመጽእ’ ብኸመይ ኢዩ፧
የሱስ ከምዚ በለ:- “ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።” (ማቴዎስ 16:24) ስለዚ እምበኣር: ንየሱስ ምስዓብ ነቲ ናይ ኣምላኽን ክርስቶስን ፍቓድ ምግዛእ: እተወሰነ ናይ ሓላፍነት ጾር ምቕባል: ነዚ ኸኣ ብቐጻሊ ምግባሩ ዘመልክት ኢዩ።—8/15 ገጽ 17
▫ ነታ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 7:13, 14 ዝጠቐሳ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ቀጣን መገዲ’ ዝረኽብዋ “ሒደት” ጥራይ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዩ፧
እታ ጸባብ መገዲ ብሕግታትን መምርሒታትን ኣምላኽ እተሓጽረት ኢያ። ስለዚ: ነቲ ብቕንዕና ናብራኡ ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ክሰማማዕ ባህጊ ዘሎዎ ሰብ ጥራይ ኢያ እትኸውን። ሽሕ’ኳ ቀያዲት እንተ መሰለት: እታ ‘ቀጣን መገዲ’ ብዅሉ ኣገደስቲ መዳያት ንሓደ ሰብ ናጻ ተውጽኦ ኢያ። ዶባታ በቲ “ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት” እተሓጽረ ኢዩ። (ያእቆብ 1:25)—9/1 ገጽ 5
▫ ምስትውዓል ክዅስኰስ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ምስትውዓል ብቐሊሉ ወይ ብተፈጥሮ ዝመጽእ ኣይኰነን። ግናኸ ብትዕግስቲ: ጸሎት: ልባዊ ጻዕሪ: ጥበባዊ ሕብረት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕትን ምስትንታኑን: ከምኡውን ኣብ መንፈስ የሆዋ ብምውካል: ምስትውዓል ክዅስኰስ ይከኣል ኢዩ።—9/1 ገጽ 21
▫ ናይ ሰብ ቅንኢ ንሰናይ ነገር ሓይሊ ክኸውን ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧
ንሓደ ሰብ ንፍቑሩ ካብ ሕማቕ ጽልዋታት ንምክልኻል ከለዓዕሎ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ሰባት ንየሆዋን ኣምልኾኡን ግቡእ ቅንኢ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ነገስት 19:10)—9/15 ገጽ 8, 9
▫ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 50:23 ዝርከብ ብዛዕባ ደቂ ደቁ ንዮሴፍ ዝምልከት “ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ” ዝብል መግለጺ እንታይ ማለት ኢዩ፧
እዚ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዮሴፍ ነቶም ውሉዳት ከም ዘርኡ ገይሩ ኣፍልጦ ሂብሎም ማለት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ብርኩ እናሰራሰረ ምፍታው ብዘለዎ ኣገባብ ምስቶም ቈልዑ ይጻወት ከም ዝነበረ ከመልክት እውን ይኽእል ኢዩ። ሎሚውን ኣቦታት ንደቆም ተመሳሳሊ ምፍታው ብምርኣይ ሰናይ ይገብሩ።—9/15 ገጽ 20, 21
▫ ንዕዉት መርዓን ናብራ ስድራቤትን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ነገር እንታይ ኢዩ፧
ከምዚ ዝበለ ተበሃጊ ፍረታት ንምርካብ: ናይ መርዓ ብጾት ኵሉ ግዜ ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ክህቡ ኣለዎም። ከምዚ ብምግባር: ናይ መርዓ ብጾት ብሓባር ጠቢቖም ክነብሩን ንግድላቶም ድማ ምኽሪ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክፈትሕዎን ክፍትኑ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ነቲ ፍቓዱ ሸለል ብምባል ክስዕብ ዝኽእል ኵሉ ዓይነት ቃንዛታት የወግዱ። (መዝሙር 19:7-11)—10/1 ገጽ 11
▫ ኣምላኻዊ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሎሚ ወሳኒ ዝኸውን፧
ኣምላኻዊ ናይ ህጹጽነት ስምዒት: ዘይንጸል ክፍሊ ናይቲ ንየሆዋ ብምሉእ ነፍሲ ዝቐርብ ኣገልግሎት ኢዩ። ነቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ‘ንምድካምን ነፍሳቶም ንምሕላልን’ ዝቐርብ ናይ ድያብሎስ ፈተናታት የርሕቖ: ንምክልኻሉ ድማ ይሕግዝ። (እብራውያን 12:3) ንኣእምሮኦም ኣብቲ ናይ ላዕሊ ነገር—“ናይ ሓቂ ህይወት”—ከም ዘተኵር ብምግባር: ኣብ ዓለምን ኣብ ፍቕረ-ንዋያን ንኸይጥሕሉ ይከላኸለሎም። (1 ጢሞቴዎስ 6:19)—10/1 ገጽ 28
▫ ኣብቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ መዓስ ኢዩ: ስለምንታይከ፧ (ማቴዎስ 25:31-33)
እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ዝፋን ከም እተቐመጠ ዝሕብር ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: ከም ፈራዲ ኰይኑ ኢዩ ዝቕመጥ። እቲ ምፍራድ እቲ ንብዙሕ ዓመታት ኣይክቕጽልን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ፍርዲ ዝእውጀሉን ዝፍጽመሉን ውሱን ግዜ ዘመልክት ኢዩ።—10/15 ገጽ 22, 23
▫ እቲ ብየሱስ ተደጋጊሙ እተጠቕሰ “ወለዶ” እንታይ ኢዩ፧
የሱስ ነቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል ስያመ ኣብቶም ምስ ‘ዕዉራት መራሕቶም’ ብምዃን ንህዝቢ ኣይሁድ ኣቚሞም ዝነበሩ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሓፋሽ ኢዩ ዘውዓሎ። (ማቴዎስ 11:16፣ 15:14፣ 24:34)—11/1 ገጽ 14
▫ ኣብቲ ኣብ ማቴዎስ 24:34-39 ዘሎ ናይ የሱስ ትንቢት ናይ መወዳእታ ፍጻሜ: እቲ “እዚ ወለዶ እዚ” ዝብል መግለጺ ንምንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
የሱስ ብግሁድ ነቶም ትእምርቲ ህላዌ ክርስቶስ ዝረኣዩ ግናኸ መገዶም ዘየዐረዩ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ኢዩ ዘመልክት ዘሎ።—11/1 ገጽ 19, 31
▫ እቲ ምድላው ናይ ከተማታት ዕቝባን ቀይድታቱን ነቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ዝጠቐሞም ብኸመይ ኢዩ፧
ብዛዕባ ህይወት ሰብ ዘይጥንቁቓት ወይ ዘይግዱሳት ክዀኑ ከም ዘይብሎም ከም ዝግንዘቡ ገይርዎም ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ነገር ምስ ዘጋጥም ምሕረት ናይ ምርኣይ ኣድላይነት እውን ኣጕሊሑ ኢዩ። (ያእቆብ 2:13)—11/15 ገጽ 14
▫ እታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ እንታይ ኢያ፧
ንቕድስና ደም ዝምልከት ትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓስ ምእንቲ ከይንመውት ዝከላኸለልና ናይ ኣምላኽ ምድላው ኢዩ። (ዘፍጥረት 9:6)—11/15 ገጽ 17
▫ ክርስትያናዊ ሕውነት ‘ሓይልና ንኽሕደስ” ክሕግዘና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ኢሳይያስ 40:31)
ካብ መንጎ ክርስትያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን: ተመሳሳሊ ጸቕጥታትን ፈተናታትን ዝጋጠሙን ምስቲ ናትና ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ስምዒታት ዘሕልፉን ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 5:9) እቲ እነሕልፎ ዘሎና ሓድሽ ከም ዘይኰነን ስምዒታትና ድማ ልሙድ ምዃኑን ምፍላጥ ዘጸናንዕን እምነትና ዘበርትዕን ኢዩ።—12/1 ገጽ 15, 16