ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 31
  • “ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ኣይትጸመዱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ኣይትጸመዱ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 31

“ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ኣይትጸመዱ”

እዞም ኣብዚ ተሳኢሎም ዘለዉ ክልተ ኣብዑር ከቢድ ሰኸም ብቐሊሉ ክጐትዎ ዘኽእሎም ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎም። ሓደ ካብቶም ኣብዑር ግና ብኣድጊ ተተኪኡ ንበል። ኣድጊ ካብ ብዕራይ ዝነኣሰን ዝደኸመን ስለ ዝዀነ: ነቲ ኣብዚ ዘይምቹእ ኣርዑት ዝቘርኖ ዘሎ ናውቲ ማሕረስ ከይኣትዎ ብምቅዋም ምኣበየ ነይሩ። በዚ ብቑዕ ምኽንያት እዚ ኢዩ እምበኣር: ሕጊ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ” ዝበለ።​—⁠ዘዳግም 22:⁠10

ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰባት ዝምልከት ተመሳሳሊ ነገር ጽሒፉ ኣሎ። ንሱ “ምስቶም ዘይኣምኑ [ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ትሓዓ ] ኣይትጸመዱ” በለ። (2 ቈረንቶስ 6:14) እዚ ብፍላይ ናይ መርዓ ብጻይ ክምረጽ ከሎ ክዝከር ዘለዎ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” ስለ ዝበለ: መርዓ ነባሪ ሕብረት ኢዩ። (ማቴዎስ 19:⁠6) ናይ መርዓ ብጾት ሓደ ዓይነት እምነታት: መምርሒታት: ከምኡውን ሸቶታት ምስ ዘይህልዎም ብዙሕ ጓሂ ኢዩ ዝስዕብ። ስለዚ እምበኣር ነቲ “[ብጐይታ ትሓዓ ] ጥራይ ደኣ ይኹን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ: ምስዓብ ኣዝዩ ምኽንያታዊ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:39) ምስ ሓደ ከም ናትካ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሉ ሰብ ቃል ኪዳን ምእሳር: ካብቲ ንኣድጊ ምስ ብዕራይ ምቝራን ዘምጽኦ ግድል: ዝዓቢ ኢዩ ዘምጽእ።

ናይ ሃይማኖታዊ እምነት ፍልልያት: ንጽምዲ ሰባት ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ከም ዝቝረኑ ክገብር ዝኽእል ሓደ ረቛሒ ጥራይ ኢዩ። ክምርዓዉ መደብ ዘለዎም​—⁠ሓደ እምነት ዘለዎም እውን ይኹኑ​—⁠‘ሓደ ዓይነት ሸቶ ኣሎናዶ ኢዩ⁠፧ ኣበይ ኢና ክንነብር⁠፧ ነቲ ባጀት መን ኢዩ ከካይዶ⁠፧ ክልቴና ስራሕ ክንቍጸር ዲና⁠፧ ብዛዕባ ቈልዑኸ⁠፧ ነቲ ርክብ ሕያውነትን ሓልዮትን ክሰፍኖ ድዩ⁠፧’ ኢሎም ክሓቱ ሰናይ ኢዩ።

ብመጠኑ: እቲ እዞም ጕዳያት እዚኣቶም ዝዝረበሉ ኣገባብ ሓደ ኣርዑት ምቹእ ክኸውን ድዩ ወይስ ኣይከውንን ክሕብር ይኽእል ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ክልተ ሰባት ምሉእ ብምሉእ ዝጋጠሙ የለዉን። ይኹን እምበር: ብሓፈሻኡ: ክልተ ክሕጸዩ ዝደልዩ ሰባት ብሓንሳብ ኰይኖም ግድላት ክጋጠሙን ክፈትሑን እንተድኣ ክኢሎም ከምኡውን ብዘይ ገለ ጸገም ክረዳድኡ ምስ ዝኽእሉ: ምቹእ ብዘይኰነ ኣገባብ ዳርጋ ኣይክጽመዱን ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ