ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/11 ገጽ 30
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • የሆዋ ንስሙ ልዕል የብሎ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/11 ገጽ 30

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ: ኣብ ፊልጲ 2:​9 ብዛዕባ የሱስ “ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ [ካልእ ትሓዓ ] ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ” ይብል። እዚ ሓድሽ ስም እዚ እንታይ ኢዩ⁠፧ የሱስ ካብ የሆዋ ዝትሕት እንተድአ ኰይኑ ድማ: ናይ የሱስ ስም ካብ ኵሉ ካልእ ስም ልዕል ዝብል ብኸመይ ኢዩ⁠፧

ፊልጲ 2:​7⁠-9 Text Adjustedከምዚ ትንበብ:⁠- “[የሱስ] ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኽበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ: ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተአዘዘ። ስለዚ ኸኣ . . . እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ: ካብ ኵሉ [ካልእ ትሓዓ ] ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሀቦ።”

እዚ ጽሑፍ እዚ: የሆዋ ጥራይ በይኑ ካብ ኵሉ ካልእ ፈጺሙ ዝለዓለ ስም ስለ ዘለዎ: የሱስ ምስ የሆዋ ሓደ ኣካል ክኸውን ኣለዎ: ማለት ኣይኰነን። እቲ ኣብ ፊልጲ ምዕራፍ 2 ዘሎ ትሕዝቶ ከም ዝገልጾ: የሱስ ነዚ ዝለዓለ ስሙ ድሕሪ ትንሳኤኡ ኢዩ ተቐቢልዎ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ግን ከምኡ ዝኣመሰለ ስም ኣይነበሮን። በቲ ኻልእ ወገን ድማ: የሆዋ ኵሉ ግዜ ዝለዓለ ኢዩ: ቦታኡ ኸኣ ፈጺሙ ተለዊጡ ኣይፈልጥን። የሱስ ካብቲ ቅድሚ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዝነበሮ ዝልዕል ስም ምቕባሉ: ምስ የሆዋ ሓደ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ ኢዩ። ጳውሎስ: የሱስ ካብ ኵሉ ካልእ ስም ዝልዕል ስም ተዋህቦ ክብል ከሎ: የሱስ ሕጂ ካብ ኵሎም ፍጡራት ኣምላኽ ዝለዓለ ስም ኣለዎ ማለቱ ኢዩ።

ናይ የሱስ ዝለዓለ ስም እንታይ ኢዩ⁠፧ ኢሳይያስ 9:6 ንኽንምልስ ትሕግዘና ኢያ። ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ መሲህ: የሱስ: ክትንበ ኸላ እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:⁠- “እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኵቡ እዩ: ስሙውን ግሩም: መካር: ብርቱዕ ኣምላኽ: ኣቦ ዘለኣለም: መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ኣብዚ ናይ የሱስ “ስም” ምስቲ ዝለዓለ ቦታኡን ስልጣኑን እተተሓሓዘ ኢዩ: ነቲ ኣብ ፊልጲ 2:⁠9 ተጠቒሱ ዘሎ “ካብ ኵሉ [ካልእ ትሓዓ ] ስም ልዕል ዝበለ ስምውን” ብኸምዚ ኢና እንርድኦ። ነፍሲ ወከፍ ብርኪ ነቲ የሆዋ ንየሱስ ዝሃቦ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ቦታ​—⁠ካብቲ ንዝዀነ ካልእ ፍጡር እተዋህበ ናይ ስልጣን ቦታ ዝልዕል​—⁠ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ቅድሚኡ ክምብርከኽ ተኣዚዙ ኢዩ። እታ ኣብዚ ትርጕም እዚ ዘላ “ካልእ” እትብል ቃል ከምቲ ኣብ ግሪኽ ዘሎ ዓሚቝ ሓሳባት ኣይኰነትን እተስምዕ: በቲ ናይታ ጥቕሲ መንፈስ ግን ተኣሚታ ኣላ። ናይ የሱስ “ስም” ካብ ናቱ ስም ዘይኰነስ ካብ ናይ ካልእ ፍጡር ስም ኢዩ ዝልዕል።

ኣብቲ ንስም የሱስ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝግበር ምምብርካኽ ንዅሎም እቶም እሙናት መላእኽትን ሰባትን ክንሓብሮምስ ክሳዕ ክንደይ ሕጕሳት ኰን ኢና! “ንኽብሪ [ኣምላኽ እቲ ትሓዓ ] ኣቦ”​—⁠ኢልና ኣብቲ ንየሱስ ብየሆዋ እተዋህቦ ዝለዓለ ከምኡውን ሓያል ቦታ ገዛእ ርእስና ብምግዛእ ኢና ነዚ እንገብሮ።​—⁠ፊልጲ 2:11፣ ማቴዎስ 28:⁠18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ