ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/10 ገጽ 3-4
  • ፍርሂ—ብጻይ ድዩ ወይስ ጻላኢ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍርሂ—ብጻይ ድዩ ወይስ ጻላኢ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ዝፈርህ ልቢ ኣጥሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክትረክብ ምምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምፍራህ ዝርከብ ጥቕምታት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/10 ገጽ 3-4

ፍርሂ​—⁠ብጻይ ድዩ ወይስ ጻላኢ፧

“ብኸመይ ክመውት ከም ዝደሊ ኢየ ዝሓስብ። ብጥይት ክቕተል ኣይደልን ኢየ: እንተድኣ ኣጋጢሙ ግን: ብኡንብኡ ምእንቲ ክመውት ኣብዚ ኣብ ግምባረይ ክትኰሰለይ ኢየ ዝደሊ።”

እዚ ናይ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ ሪፖርተር ካብ ሓንቲ 14 ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ዝሰምዖ ኢዩ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ እተፈጸመ ቅትለታት​—⁠ብዛዕባ እቶም ንዓበይትን ንኻልኦት መንእሰያትን ዝቐትሉ መንእሰያት​—⁠ኢዩ ንተማሃሮ ቃለ-መጠይቕ ዝገብረሎም ነይሩ። እቲ ጸብጻብ “እታ ናይ ፍርሂ ዓለም” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ።

ብዙሓት ኣብ ናይ ፍርሂ ዓለም ይነብሩ ምህላዎም ኣይትስሕቶን ኢኻ። ናይ ምንታይ ፍርሂ፧ ፈሊኻ እዚ ፍርሂ እዚ ክትብል ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ሳንዱቕ ኣዕሩኽትኻ ወይ ኣብ ካባቢኻ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ዝፈርህዎ ነገራት ክትረክብ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ። እቲ ሳንዱቕ ካብ ናይ 22 ሕዳር 1993 ኒውስ ዊክ እተወስደ: ውጽኢት ናይቲ “758 ዝዀኑ ኣብ መንጎ 10ን 17ን ዝዕድሚኦም ቈልዑ: ምስ ወለዶም” ከም ኣብነት ተወሲዱ እተገብረ መጽናዕቲ ኢዩ።

እቶም መንእሰያት ሕጂ ቃለ-መጠይቕ እንተ ዝግበረሎም: ከም ምንቅጥቃጥ መሬት ዝኣመሰለ ተወሳኺ ምኽንያት ናይ ፍርሂ ምገለጹ ነይሮም። ነቲ ብጥሪ 1994 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝወረደ ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ስዒቡ ዝነበረ ኵነታት ታይም ከምዚ ብምባል ይገልጾ:- “ካብ መንጎ እቲ ድሕሪ ሓደጋ ዝመጽእ ናይ ጭንቀት ምልክታት:- ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ተዘክሮታት: ዘባህርር ሕልምታት: ካብ መጠን ንላዕሊ ምንቃሕ: ከምኡውን ርእስኻ ምቍጽጻር ብምስኣንካ ዝስዕብ ሕርቃን ኢዮም።” ሓደ ካብቲ ምንቅጥቃጥ ዝነበሮ ቦታ ክግዕዝ ዝወሰነ ነጋዳይ ከምዚ በለ:- “እቲ ዝወረደ ዕንወት ምንም ኣይኰነን። እቲ ስንባድ ኢዩ ዝኸፍኤ። ናብቲ ኣብ ታሕታይ ደርቢ ዘሎ ዓራት ምስ ሳእንኻ ክትድቅስ ትኸይድ። ግን ኣይትድቅስን። ነፍሲ ወከፍ ለይቲ ኮፍ ኢልካ ምንቅጥቃጥ ትጽበ። ሕማቕ ኢዩ።”

ነቲ ናይ 11 ሚያዝያ 1995 ጸብጻብ “ተኸታታሊ ዕንወት ንጃፓናውያን ኣቘጢዕዎም ኢዩ” ዝብል ኣርእስቲ ተዋሂብዎ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “ብፍላይ እቲ ናይ መትኒ ዝዓጹ ጋዝ መጥቃዕቲ . . . ክፍሊ ናይቲ ተደማሚሩ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ መሰረታዊ ሓድሽ ምጥርጣራት ዝፈጠረ እተተሓሓዘ ፍጻሜታት ብምንባሩ ንኣእምሮ ጃፓናውያን ከቢድ መጽፋዕቲ ኢዩ ነይሩ። . . . ኣብቶም ሓደ ግዜ ብመዓልቲ ኰነ ብለይቲ በቲ ዘለዎ ጸጥታ ፍሉጣት ዝነበሩ ጐደናታት: ሰባት ሕጂ ብእኡ ክኸዱ ዕቝባ ኣይስምዖምን ኢዩ።” እቶም ዝፈርሁ ድማ እቶም ዓበይቲ ጥራይ ኣይኰኑን። “[ናይ ዩኒቨርሲቲ ሳጆ] ፕሮፈሴር ኢሸካዋ: እቲ ጭንቀት . . . ብፍላይ ኣብ መንጎ እቶም መጻኢ ግዜ እንታይ ሒዙ ከም ዘሎ ምንም ፍልጠት ዘይብሎም መንእሰያት ዝኸፍአ ኢዩ በለ።”

እቲ መረጋገጺታት “ናይ ዓብላሊ ራዕዲ ፍጻመታት ዓሰርተታት ዓመታት ጸኒሑውን ንሰባት ንዋሕዚ ኣድረናሊን ዝያዳ ተነቀፍቲ ብምግባር: ነቲ ናይ ሓንጎልና ስነ-ቀመማዊ ኣሰራርሓ ይልውጦ ምዃኑ” ኢዩ ዝገልጽ። ሊቃውንቲ ሓንጎልና ንዘፍርህ ኵነታት ብኸመይ ከም ዝትርጕሞ​—⁠ነቲ ጸብጻባት ገምጊሙ ብኸመይ ብምፍራህ ከም ዝምልሰሉ​—⁠ክፈልጡ ይፍትኑ ኢዮም ዘለዉ። ፕሮፈሴር ጆሴፍ ሌዱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቲ ንሓደ ፍጡር ብዛዕባ ፍርሂ ከም ዝመሃር ዝገብሮ ናይ መትኒ መገድታት ብምርካብ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቕላላዊ ኣሰራርሓ ናይዚ ተዝክሮ እዚ ከነብርሆ ተስፋ ንገበር።”

ይኹን እምበር: መብዛሕትና ኣብቲ ናይ ፍርሂ ስነ⁠-​ቀመማዊ ወይ ናይ መትኒ መሰረት ኣዚና ኣይንግደስን ኢና። ብሓቂ ኣብቲ መልስታት ናይቲ ከም እኒ ስለምንታይ ኢና እንፈርህ፧ ብኸመይ ኢና ክንምልሰሉ ዘሎና፧ ጽቡቕ ፍርሂኸ ኣሎዶ፧ ዝብል ሕቶታት ኢና ዝያዳ እንግደስ።

ምናልባት: ፍርሂ ሓድሓደ ግዜ ክሕግዘካ ከም ዝኽእል ትሰማምዓሉ ኢኻ። ንኣብነት: ናብ ገዛኻ ክትበጽሕ ከሎኻ ጸልማት ኢዩ ዘሎ ንበል። እቲ ማዕጾ ጽቡቕ ገይርካ ዓጺኻዮ’ኳ እንተኸድካ: ተገፍቲኑ ይጸንሓካ። ብመስኮት ድማ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ዝመስል ጽላሎት ትርኢ። ገለ ሓደጋ ከም ዘሎ ተረዲእካ ድማ ቀልጢፉ ውጥረት ይሕዘካ። ምናልባት ሰራቒ ወይ ካራ ዘወጣውጥ ሰብ ኣብ ውሽጢ ክህሉ ይኽእል።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዘጋጥም ባህርያዊ ፍርሂ: እናነጠርካ ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ከይትኣቱ ከድሕነካ ይኽእል ኢዩ። ፍርሂ ከጋጥም ዝኽእል ጕድኣት ከይበጽሓካ ከሎ ክትጥንቀቕ ወይ ሓገዝ ክትደሊ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉ:- ዝለዓለ ናይ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክት፣ ሓያል ማዕበል ናብ ቦታኻ ገጹ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝሕብር ናይ ራድዮ መጠንቀቕታ፣ ኣብ ሓደ እተጨቓጨቐ መገዲ ክትጐዓዝ ከሎኻ ካብ መኺናኻ ዝወጽእ እዝንኻ ዝወግእ ድምጺ።

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ናይ ፍርሂ ስሚዒት: ብጻይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንገዛእ ርእስና ክንከላኸል ወይ ብጥበብ ክንመላለስ ክሕግዝና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ቀጻሊ ወይ ድማ ጽዑቕ ፍርሂ ብሓቂ ብጻይ ከም ዘይኰነ ጽቡቕ ገይርካ ትፈልጥ ኢኻ። ጸላኢ ኢዩ። ናይ ምስትንፋስ ሕጽረት: ናይ ልቢ ትርግታ ምውሳኽ: ሃለዋትካ ምጥፋእ: ምንቅጥቃጥ ከስዕብ ይኽእል: ዕግርግር የብል: ከምኡውን ካብ ከባቢኻ ተፈሊኻ ከም ዘሎኻ ኰይኑ ከም ዝስምዓካ ክገብር ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግዜና ኣብ ምድሪ ብዝህሉ ዘፍርህ ምዕባሌታትን ከቢድ ፍርህን ከም ዝልለ ፈልዩ ከም ዝገልጽ ክትፈልጥ ከሎኻ ዝያዳ ዘገድስ ኰይኑ ትረኽቦ ትኸውን። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን: ኣብ ህይወትካን ኣተሓሳስባኻንከ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ክህልዎ ዘለዎ፧ ከምኡውን ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ መሰረት መዓልታዊ ክርአ ዘለዎ ብፍላይ ድማ ሓጋዝን ጽቡቕን ዝዀነ ፍርሂ ኣሎ ክበሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧ እስከ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]

ዓበይትን ቈልዑን ብዝያዳ እንታይ ከም ዘሻቕሎም ተሓቲቶም ክምልሱ ከለዉ: ዘፍርሆም:-

ቈልዑ ወለዲ

56% ኣንጻር ኣባል ስድራቤት ዝግበር ዓመጽ እተሓወሶ ገበን 73%

53% ዓቢ ሰብ ስራሕ ከይስእን 60%

43% ንመግቢ ዝኸውን ገንዘብ ምስኣን 47%

51% ንሓኪም ዝኽፈል ገንዘብ ምስኣን 61%

47% ንገዛ ዝኸውን ገንዘብ ምስኣን 50%

38% ናይ ሓሽሽ ጸገም ዘለዎ ኣባል ስድራቤት 57%

38% እታ ስድራቤት ብሓባር ኣይክትጸንሕን ኢያ 33%

ምንጪ:- ናይ 22 ሕዳር 1993 ኒውስ ዊክ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ