‘ኣየ እወ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምኣቶም ነይሩ እንተ ዝኸውን!’
እዚአን ሓደ ጸሓፍ ዓምዲ ኣብ ናይ ሉክሰንበርግ ጋዜጣ: ሉትስበርገር ዡርናል: ዘስፈረን ቃላት ኢየን። ብዛዕባ መን ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ፧
ንሱ ነቲ መበል 50 ዓመት ሓርነት ኦሽውቲዝ ክካፈል ናብ ፖላንድ ከይዱ ነበረ: ኣብኡ ድማ: እቶም ኣብቲ ቦታ ልዕሊ ኹሉ እተሳቐዩ ሓደ ጕጅለ: ፈጺሞም ከም ዘይተጠቕሱ ተዓዘበ። ኣብቲ ናይ 2 ለካቲት 1995 ዓምዱ እቶም ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ኣመልከተ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ኣዝዩ ከቢድ ማእሰርቲ ወይ መዳጐኒ ደምበ: ወይ ኣብ ናይ ጥሜት ሸላታት ብኽፉእ ምጥፋእ ወይ ኣብ ትሕቲ ፋስ ወይ ድማ ጊሎታይን ሙማት ዝብል ምፍርራህ እምነቶም ከም ዝኽሕዱ ክገብሮም ኣይከኣለን።” ቀጺሉ ድማ “እቶም ጨካናት ወተሃደራት ኤስ ኤስ እውን ከይተረፉ በቲ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክሞቱ ከለዉ ዘርኣይዎ ትብዓት ተደኒቖም ኢዮም” በለ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሞት ኣይደልይዋን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኣሽሓት ካብኣቶም ኣብ ክርስትያናዊ ስርዓታት ካብ ምልምማጥ ሞት መሪጾም ኢዮም። ከምዚ ዝበለ እምነት ኣብቲ ሕማቕ እዋናት ናይ ሳልሳይ ራይክ ኣዝዮም ከም ዝፍለጡ ገይርዎም ኢዩ።
እቲ ጸሓፍ ዓምዲ ከምዚ ኢሉ ይድምድም:- “ኣየ እወ: ኵሉ ሰብ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነይሩ እንተ ዝኸውን!” ዅሉ ከምኣቶም ነይሩ እንተ ዝኸውን: ካልኣይ ውግእ ዓለም ፈጺሙ ኣይምተገብረን ነይሩ።