ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ሓቀኛታት ክርስትያናት ክስጐጉ ኢዮም
ካብ ግዜ ኣቤል ጀሚሩ: ብዙሓት ካብ ኣገልገልቲ የሆዋ ሃይማኖታዊ መስጐግቲ ተጻዊሮም ኢዮም። (ሉቃስ 11:49-51) እዚ ድማ ዘገርም ኣይኰነን: ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ “ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም” ብምባል የጠንቅቕ ኢዩ! (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ብመሰረት እዚ ድማ ሎሚ ልዕሊ 25 ኣብ ዝዀና ሃገራት ናይ የሆዋ መሳኻኽር ኣብ ትሕቲ እገዳ ኢዮም ከምኡውን መስጐግቲ ይጽመሙ ኣለዉ።
ኣብ ሓንቲ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣገዱ ጥራይ ዘይኰኑስ ብሃይማኖታውያን ባእታታት እውን መስጐግቲ ዝወረዶም ሃገር: ካብ 12, 000 ዝበዝሑ ኣስፋሕቲ ምስ 15, 000 ዝዀኑ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እናገበሩ ብቕንኢ ነቲ ብስራት ምስባኽ ይቕጽሉ ኣለዉ። ልክዕ ኢዩ: ስብከቶም ብጥበብ ኢዩ ዝግበር። ዝበዝሕ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ኢዮም ዝገብሩ: ከምኡውን ተገደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታት ክዕድሙ ከለዉ ጥንቁቓት ኢዮም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ እቲ መንግስቲ ኣብቶም መሰኻኽር ድሓን ዝዀነ ኣረኣእያ ገይሩ ኣሎ: ዝበዝሕ ካብቲ ዕዮኦም ድማ ብዘይ ከቢድ መሐንኰሊ ይፍጽምዎ ኣለዉ። ይኹን እምበር: እተፈላለዩ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ነቲ ዘለዎም ጽልዋ ናዕቢ ንኸለዓዕሉ ይጥቀምሉ ኣለዉ።
ኣብ ሓንቲ ከተማ ገለ 200 ዝዀኑ ዝነደሩ ናይ ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ጭፍራ ናብቲ ዳርጋ 50 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዝገብርሉ ዝነበሩ ቤት ገጾም ኣምርሑ። ገለ ካብቶም ኣብቲ ጭፍራ ዝነበሩ ኣእማን ዝሓዙን ሃይማኖታዊ ጭርሖታት ዝጭርሑን ነበሩ። እቲ ግሉጽ ሃቐናኦም ነቶም መሰኻኽር ንምጥቃዕ ከምኡውን ነታ ቤት ንምዕናው ኢዩ ነይሩ። እቶም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንገለ ግዜያት ዝኸውን ነቲ ናይ ኣኼባ ንጥፈታት ይከታተልዎን ንኸጥቅዑ ድማ እቲ ምቹእ ኣጋጣሚ ይጽበዩ ነበሩ። እቶም ጭፍራ ናብቲ ቤት ክኣትዉ ምስ ቀረቡ ድማ 15 ፖሊስ መጺኦም ፋሕ ክብሉ ኣዘዝዎም። እዚ ነቶም መሰኻኽር ዘገርም ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ናብ ፖሊስ ክድውል እውን ግዜ ዝነበሮ ኣይነበረን።
ይኹን እምበር: ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ እቶም ተጻረርቲ ዝያዳ ተዓዊቶም ኢዮም። ብዙሓት ኣሕዋት ናብ ፍርዲ ቐሪቦም ከምኡውን ንማእሰርቲ ተፈሪዶም ኢዮም። ሓደ ናይ ቤት ፍርዲ ጉዳይ ንብዙሕ ዓመታት ተንጠልጢሉ ተረፈ: እቶም መሳጐጉቲ ድማ ኣብኡ ዝነበሮም ተገዳስነት ኣጥፍኡ። ይኹን እምበር: ብምቕስቃስ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ኣቕሽሽቲ: እቲ ጉዳይ እንደገና ተላዕለ ነቲ ምስክር ድማ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተበየነሉ።
ኣብ ካልእ ቦታ ድማ ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድራር ጐይታ ከብዕሉ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ተኣከቡ። ድሕርዚ በታ ምሸት እቲኣ ብዙሓት ፖሊስ መጺኦም ነቲ ዋና ቤትን ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ሽማግለን ኣሰርዎም። ኣብቲ መደበር ፖሊስ ድማ ብሕማቕ ተሃርሙ። ንነዊሕ ሰዓታት ድማ ጭካኔ ዘለዎ ሕቶታት ሓተትዎም። ሓደ ካብቶም መሰኻኽር ድማ ኣብ ዝሑል ዔላ ተዓጽዩ ስቅያት ተጸሚሙ ኢዩ።
ስለምንታይ ኢዮም እቶም ፖሊስ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ፧ ሕጂውን: ጕጅለ ሃይማኖታውያን ኣኽረርቲ ብሓገዝ ናይቲ ከባቢ ኣቕሽሽቲ ብድሕሪ እቶም ፖሊስ ኰይኖም ዝገበርዎ ኢዩ። ደሓር እቲ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ማእሰርትታት ብዘይ ናቱ ፍቓድ ከም እተገብረ ገለጸ። ይቕሬታ ተሓተ: እቶም ነቲ ማህረምቲ ብሓላፍነት ዝሕተቱ ድማ ተቐጽዑ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዛለ ዓለም ዓመጽ እተሓወሶ ምጽራር እውን እናገጠሞም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኹ ይቕጽሉ ኣለዉ። ነቲ “እንሆ: ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን: ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ” ዝብል ናይ የሱስ ምኽሪ ይስዕብዎ ኢዮም።—ማቴዎስ 10:16
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]
እቲ መጀመርያ መስጐጕቲ ዝበጽሖ ኣቤል ኢዩ ነይሩ