እሙናት ስድራቤታት ነቲ ኣብ ስሪ ላንካ ዘሎ ወሰኽ የቀላጥፋኦ
እታ ክሳዕ 1972 ከም ሰይሎን ትፍለጥ ዝነበረት ስሪ ላንካ: በእዋም ስየ እተኸበ ገማግም ባሕሪ: ሰንሰለት ኣኽራናት: ከምኡውን ናእሽቱ ምድረ በዳታት ዝመልአት ጽብቕቲ ደሴት ኢያ። ኣብቲ ከበሳታት ዝርከብ: ኣዳም’ስ ፒክ እተባህለ: 2,243 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ስፍራ: ናይ ኣርባዕተ ቀንዲ ሃይማኖታት ቅዱስ ቦታ ኢዩ።a ኣብ ጥቓኡ: እቲ ናይ ከውሒ ጸድፊ ንታሕቲ ገጹ ንልዕሊ 1,500 ሜትሮ ዘንቈልቍለሉ ሓደ ገደል: ናይ ዓለም ጫፍ ይርከብ። እቲ ቦታ እቲ ሓደ ካብቲ ናይ ስሪ ላንካ መስተንክር ትርኢታት ዘርኢ ኢዩ።
እቶም 18 ሚልዮን ዝዀኑ ተቐማጦ ስሪ ላንካ: ሓደ ኣገዳሲ ናይ ሓባር መበቈል ኣለዎም። ካብ ሓሙሻይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ: ካብ ሰሜናዊ ህንዲ ዝመጹ: ምንጮም ኢንዶ-ዩሮፕያን ዝዀኑ ህዝቢ ነታ ደሴት ሰፈርዋ። እዚኣቶም ሲንሃለስ ኢዮም: ኣብዚ ግዜ እዚ ሰለስተ ርብዒ ናይቲ ህዝቢ የቝሙ። ድሕርዚ: ክሳዕ መበል 12 ክፍለ ዘበን: ካብ ደቡባዊ ህንዲ ዋሕዚ ናይ ታሚል መጸ፣ እዚኣቶም ሕጂ ብብዝሒ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን ናይታ ደሴት ኢዮም ዝነብሩ። ካብቲ መግዛእታዊ እዋን ጀሚሩ ከኣ ደቂ ፖርቱጋል: ዳች: ከምኡውን እንግሊዛውያን ነባሪ ለውጥታትን ጽልዋታትን ገይሮም ኢዮም። ብተወሳኺ: ካብ ሓውሲ-ደሴታት ዓረብን ማላያን ዝመጹ ናይ ባሕሪ ነጋዶ ኣብ መንጎ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ሰፊሮም ኢዮም። ከምኡውን ናይ ኤውሮጳውያን: ፓርሳውያን: ቻይናውያንን: ካልኦትን ስፍራታት ድማ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ እቲ ዓሌታዊ ምትሕውዋስ: ኣብ ስሪ ላንካ ዘሎ ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ነቲ እተፈላለየ መበቈሉ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ኣብታ ደሴት እቶም ቀንዲ ቋንቋታት ሲንሃለስ: ታሚል: ከምኡውን እንግሊዝኛ ኢዮም። መብዛሕትኦም ደቂ ስሪ ላንካ ካብ ሰለስቲአን እንተ ወሓደ ክልተ ቋንቋታት ይዛረቡ ኢዮም። ዓሌታዊ መበቈላት ኣብቲ ህዝቢ ዓቢ ተራ ኣለዎ። መብዛሕትኦም ሲንሃለስ ቡድሂስት ክዀኑ ከለዉ: መብዛሕትኦም ታሚል ከኣ ሂንዱ ኢዮም። እቶም ዓረባዊ ወይ ናይ ማላያ ምትእስሳር ዘለዎም ድማ ምስልምና ይስዕቡ: ከምኡውን እቶም ኤውሮጳዊ መበቈል ዘለዎም ብሓፈሻ ናይ ህዝበ ክርስትና: ካቶሊክን ፕሮተስታንትን: ኣብያተ ክርስትያናት ኣባላት ኢዮም።
ነቲ ብድሆ ምግጣሙ
እዚ ዅሉ ነቶም ኣብ ስሪ ላንካ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓቢ ብድሆ ኢዩ ዘቕርበሎም። ነቲ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ክፍጽሙ ኣበርቲዖም ኢዮም ዝሰርሑ። (ማቴዎስ 24:14) ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ኣብ ርእሲ እቲ ክጋጠምዎ ዘለዎም እተፈላለየ ቋንቋታት: ንቡድሂስት: ሂንዱስ: ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣባላት ቤተ ክርስትያናት ከምውን ንኢዘሀራውያን—ንዅሎም ኣብ ውሽጢ ሒደት ናይ ስብከት ሰዓታት— ከዘራርብዎም ኣለዎም።
ኣብቲ ኣገልግሎቶም ኣስለጥቲ ምእንቲ ክዀኑ: እቶም ኣስፋሕቲ ምስኦም ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታትን ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን: ብቋንቋ ታሚል: ሲንሃለስ: ከምኡውን እንግሊዝኛ ክማልኡ ኣለዎም። እቶም ክጸርዎ ዝኽእሉ ድማ ነቲ በዘን ቋንቋታት እዚኣተን እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱሳት ከይተረፈ እውን ይማልኡ። እቶም ኣስፋሕቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተን ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧ ከምኡውን ግድላትና—ክንፈትሖም ዝሕግዘና መን ኢዩ፧ ዝብላ ብሮሹራትን: እዛ ዓለም እዚኣስ ክትቅጽል ድያ፧ እትብል ትራክትን ኣብ ሓደ እዋን ብሰለስቲኡ ቋንቋታት ምስ ወጻ ብዙሕ ተሓጕሶም ኢዮም። እዚ ነቲ ዕዮ ተወሳኺ መሳርሒ ማለት ኢዩ።
እቶም መሰኻኽር ካብ 1912: ቻርለስ ተይዝ ራስል: ሽዑ ናይ ኣህጉራዊ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበር ፕረዚደንት ዝነበረ: ኣብ ሰይሎን ሓጺር ምብጻሕ ካብ ዝገብር ኣትሒዞም: ኣበርቲዖም ይዓዩ ኢዮም ዘለዉ። ይኹን እምበር: ርኡይ ዕብየት: ብ1947 ንምምጻእ ምሩቓት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክጽበ ነበሮ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም: እቶም ኣብ ስሪ ላንካ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ካብቲ ናይ ስብከት ዕዮኦም ሰናይ ፍረታት ኣስተማቒሮም ኢዮም። ብ1994 እቶም 1, 866 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብገምጋም 2, 551 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መርሑ። ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝኽሪ ድማ 6, 930: ዳርጋ ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይቶም ኣብ ኵለን ጉባኤታት ዘለዉ ኣስፋሕቲ ነበረ። ከመይ ዝበለ ዓቢ በረኸት ኰን ኢዩ!
ምስ ካልኦት ሃገራት ክነጻጸር ከሎ: እቲ ኣብ ስሪ ላንካ ዘሎ ዕብየት ዝሑል ይመስል። ሓደ ረቋሒ እቲ ጽኑዕ ማእሰር ስድራቤት ኢዩ። ይኹን እምበር: በቲ ሓደ ወገን ክርአ ከሎ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሰራዊት ቆርኔሌዎስ ንሓቂ ምስ ሰዓበ ስድራቤቱ እውን ምስኡ ኣብ ጐኑ ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 10:1, 2, 24, 44) መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ነቶም ናይ ልድያ: ክሪስጶስ: ከምኡውን ምስ ጳውሎስን ሲላስን ዝነበረ ሓላው እሱራት ሓዊስካ: ብዛዕባ ካልኦት ጽኑዓት ስድራቤታት እውን ይጠቅስ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:14, 15, 32-34፣ 18:8
ብርግጽ: ናይ ስድራቤት ጽኑዕ ማእሰር ኣብቲ ጽቡቕ ምምሕዳርን እሙን ዘይምሕላልን ዘለዎ ጠቓሚ ኰይኑ ክዓዪ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ናይ ኢሳይያስ 60:22 ቃላት ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ: ናይ ነዊሕ ግዜ ሚስዮናዊ: ራ ማቲውስ ከምዚ ይብል:- “የሆዋ ብውልቀ ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ: ብስድራቤታት ደረጃ ንነገራት ዘቀላጥፎ ዘሎ ይመስል።”
እተማሓደረ ስድራቤት ምስጋና የምጽእ
ብርግጽ: ከምዚኦም ዝበሉ እሙናት ስድራቤታት ኣብ ስሪ ላንካ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብታ ናይ ስሪ ላንካ ኣውራ ከተማ ኮቴሀና: ናይ ኮሎምቦ ዞባ: ብጽቡቕ እተማሓደሩ ስድራቤት ሲናፓ ኣለዉ። ሽሕ’ኳ እቲ ናይታ ስድራቤት ርእሲ: ማሪያን: ኣብዚ ቀረባ ግዜ እንተ ሞተ: በዓልቲ ቤቱ ኣኔማ: ከምኡውን ካብቶም 15 እቶም 12: ካብ 13 ክሳዕ 33 ዝዕድሚኦም ደቂ: ከም ስድራቤት ኰይኖም ንየሆዋ ምግልጋል ቀጺሎም ኢዮም። እዚ ጽሑፍ እዚ ክጽሓፍ ከሎ: ካብቶም ደቂ ሾመንተ ተጠሚቖም: ሰለስተ ካብኦም ከኣ ከም ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ነበሩ። ሰለስተ ካልኦት ድማ ኣብቲ ናይ ሓገዝቲ ፓይነራት ኣገልግሎት በብግዜኡ ይዓዩ ኣለዉ። ካብቶም ናይታ ስድራቤት ናእሽቱ ድማ ኣርባዕተ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ኢዮም። ብተወሳኺ: ኣርባዕተ ደቂ ደቂ: ሽሕ’ኳ ገና ናእሽቱ እንተዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ: ከምኡውን ኣብ ጉባኤ ሰሜን ኮሎምቦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይካፈሉ ነበሩ።
ኣኔማ መጀመርታ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰምዐት ቅዳሕ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ ተቐበለት ብ1978 ኢዩ ነይሩ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ተጀመረ: በታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ ሓቂ እተባህለት መጽሓፍ ተሓጊዛ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ወድአት: ኣኔማ ህይወታ ንየሆዋ ኣምላኽ ወፍያ ተጠምቀት። በዚ ኸኣ: ንብዙሓት ካብ ስድራቤታ ናይ መጀመርታ ኣብነት ኰነት።
ልክዕ ከምቲ ወተሃደራዊ ሰብኣይ ቆርኔሌዎስ: ኣኔማ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታ ጽቡቕ ምምሕዳር ኢዩ ዘለዋ። ኣኔማ ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ናይ ቤት ትምህርቲ ገዲፍካ: ንክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ንምድብ ነይርና። ክዳን ክትረክብ ጸገም ኢዩ: ይኹን እምበር ብበረኸት የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣሰምብሊ ዝኸውን ሓድሽ ክዳውንቲ ክንክደን ክኢልና ኢና። እታ ስድራቤት ብምልእታ ብግቡእ ተኸዲናን ጸጊባን ኢያ እትመጽእ—ምስኡ ኸኣ ዓቢ ፍሽኽታ ትለብስ።”
እቶም ቈልዑ ነቲ ናይ ስድራቤቶም ምምሕዳር ብፍቕሪ ኢዮም ዝዝክርዎ። ኵላ እታ ስድራቤት ኣብ ኣኼባታት ምእንቲ ክትካፈል: እቶም ዕብይ ዝበሉ ፍሉይ ሓላፍነታት ይወሃቦም። ንኣብነት: ማንጋላ ሕጽቦ: ዊኒፍረዳ ድማ ምስትራር ይዓያ። እታ ነቶም ናእሽቱ ክዳውንቲ ኣብ ምኽዳን እውን ትሕግዝ ዝነበረት ዊኒፍረዳ ከምዚ ትብል:- “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ገዛ ክወጽእ ከሎ ናይ ብሓቂ ምልኩዕ ኰይኑ ይርአ ነበረ።”
መንፈሳዊ ምድላዋት እውን ብማዕረ ናይዚ: ብጽቡቕ እተማሓደረ ኢዩ ነይሩ። ፑሽፓም ጓሎም: ሕጂ ስርዓታዊት ፓይነር ዘላ: ከምዚ ብምባል ትዝክር:- “ስድራቤትና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕለታዊ ጥቕሲ ከኣ ብሓባር ምምይያጥን ትሕጐሰሉ ነበረት።” ኣኔማ ድማ ከምዚ ብምባል ትውስኽ:- “ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ብሕታዊ ቅዳሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ጽሑፋትን ኣለዎ። ንዅሉ እቲ ኣብ ኣኼባታት ዝህብዎ ሓሳባት ተጠንቂቐ እሰምዖ። ኣብቲ ኣድላዪ ኰይኑ እተረኽበሉ: ኣብ ገዛ ምትብባዕን መኣረምታን ብምሃብ እከታተል። ምሸት ነታ መዓልቲ ምስ ስድራቤትና ኴንና ብጸሎት ምእንቲ ክንዛዝማ ንእከብ።”
እቶም ዕብይ ዝበሉ ንዅሉ እቲ ስድራቤት ሰናይ ክርስትያናዊ ትምህርቲ ምእንቲ ክትህብ ንኣኔማ ኣብ ምሕጋዝ ዓቢ ግደ ኣለዎም። ግናኸ: እቲ እተጻበበ መደብ: ነቲ ካብ ቤት ወጺእካ ብስራት ንምምቓል ዘለዎም ባህጊ ኣይዓግቶን ኢዩ። ብምሉኦም: እዞም እተፈላለዩ ኣባላት ናይዛ ስድራቤት ኣብ ከባቢኦም ምስ ዘለዉ ሰባት 57 ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ። ሰብኣይ ጓሎም: ራጃን: “እቶም ስድራቤት ዝምዕብል ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ’ዮም ዝመርሑ። በዓልቲ ቤተይ: ፑሽፓም: ድሮ ካብተን ጽንዓታታ ሓንቲ ህይወታ ንየሆዋ ክትውፊ ከላ ናይ ምርኣይ መሰል ረኺባ ኢያ” ብምባል ይዛረብ።
ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓባይ ስድራቤት ንናይ ሮማ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክትገድፋ ከላ ኣብ ኮቴሀና ብሓቂ ምልዕዓል ኣስዒቡ ኢዩ። ሽሕ’ኳ እቲ ቀሺ ስለምንታይ ነቲ ቤተ ክርስትያን ከም ዝሓደግዎ ክፈልጥ ነታ ስድራቤት ባዕሉ እንተ ዘይበጽሓ: ንተራ ኣባላት ናይታ ቤተ ክርስትያን ምኽንያት ክፈልጡ ነጊርዎም ኢዩ። መብዛሕትኡ ንሰረተ-እምነት ስላሴ ዝምልከት ብዙሕ ምዝርራብ ድማ ተገብረ። ኣኔማ ንእምነታ ንምጥባቕ ኵሉ ግዜ ኣብ የሆዋን መጽሓፍ ቅዱስን ኢያ እትውከል ነይራ። ኣብዚ ዝርርባት እዚ: እታ እትፈትዋ ጥቕሲ ዮሃንስ 17:3 ነበረት።
ስድራቤት ሲናፓ: ጽቡቕ ምምሕዳርን ቀጻሊ ጻዕርን: ዘዕግብ ፍረ ከምጽእ ከም ዝኽእል: ብሓቂ ኣርእዮም ኢዮም። በቲ ቀናእ ጻዕሮም: ኵሉ ንኽብሪ የሆዋ ዝዀነ: ናይ ሓድሽ ወለዶ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ጉባኤ ይዓቢ ኣሎ።
ተጻራርነት ንስድራቤት ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ የሕብራ
ስድራቤት ራትናም ካብ ስድራቤት ሲናፓ ሒደት ማይልስ ኬድካ ኣብ ናርሀንፒትየ: ካልእ ዞባ ኮሎምቦ: እትርከብ ኢያ። እዚኣቶም እውን ቅድም ናይ ሮማ ካቶሊክ ኢዮም ነይሮም። ብ1982: ኣብ ናይ ቤተ–ቤት ኣገልግሎት እተዋፈሩ መሰኻኽር ንባሌንድራን: ሰብኣይ እታ ዓባይ ጓሎም: ፋጢማ: ይረኽብዎ። ምስ ምልእቲ እታ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ሰለስተ ደቆም ንዓባዮም: ኢግናሴማል: ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ይሓትዋ ነበሩ። “የሆዋ” ዝብል መልሲ ምስ ሃብዋ ተገዳስነት ተሕድር እሞ ምስኣ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ድሕርዚ: ክልተ ካብተን ደቃ: ጄቫካላን ስቴላን ኣብቲ መጽናዕቲ ሓበራ: ብ1988 ከኣ ሰለስቲአን ተጠምቃ።
ኣብ መንጎ እዚ: ባሌንድራን ፋጢማን ነቲ ሓቂ: ንሓፍቲ ፋጢማ: ማሌካን በዓል ቤታ ዮጋናታንን ኣካፈልዎም። ብ1987 እዞም ሰብኣይን ሰበይትን እዚኦም ተጠምቁ: ነቶም ክልተ ደቆም ከኣ እናዓበየ ዝኸይድ ፍቕሪ የሆዋ ሰረጹሎም። ፑሽፓ: ካልእ ሓፍቲ ፋጢማ ድማ ቀጺላ ናብ ሓቂ መጸት። ህይወታ ወፍያ ብ1990 ተጠምቀት። በዓል ቤታ: ኣካ: ኣብ ቶክዮ ከሎ: ኣብ ሓንቲ ናይ እንግሊዝኛ ጉባኤ የገልግል ነበረ: ፑሽፓ ከኣ ነቲ ንእሽቶ ወዶም ኣልፍረድ: ብመገዲ የሆዋ ምእንቲ ክዓቢ ሓጊዛቶ ኢያ።
ክሳዕ ሕጂ: ካብ ስድራቤት ራትናም: ካብቶም ዓሰርተ ደቂ እቶም ኣርባዕተ ኣብ ጕድኒ ሓቀኛ ኣምልኾ ቈይሞም ኢዮም። ዘሐጕስ ድማ: ሰለስተ ካልኦት ኣብ ናይ ብሕቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ምዕባለ የርእዩ ኣለዉ። ካብቶም 11 ደቂ ደቆም: ሓንቲ ጓል: ፕራዴፓ: ድሮ ተጠሚቓ ኢያ። ሸውዓተ ካልኦት ናእሽቱ ድማ ብመገዲ ናይ ስድራቤቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ስርዓታውያን ኰይኖም ይማሃሩ ኣለዉ። ብተወሳኺ: ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ተገደስቲ ሰባት: ብጠቕላልኡ 24 ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ።
እዚ ዅሉ ግን ብቐሊሉ ኣይመጸን። ኣብ ፈለማ: ናይ ስድራቤት ምጽራር ነይሩ ኢዩ። ኣቦኦም: ሙቲፒላይን ካልኦት ዓበይቲ ኣሕዋቶምን ካብ ስድራቤቶም: ንዝዀነ ሰብ ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ኣኼባታት ክካፈል ከምኡውን ኣብ ዕዮ ህዝባዊ ስብከት ክሳተፍ ኣዝዮም ይጻረርዎ ነይሮም ኢዮም። ዋላ’ኳ ገሊኡ ንውልቃዊ ድሕንነት ብምሕሳብ ዝግበር እንተ ነበረ: ሙቲፒላይን “ፈጺመ ን‘ቅዱሳን’ ተወፍየ ኢየ ነይረ: ስድራቤተይ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ምሕዳጋ ኣይሰመርክዎን” ብምባል ይውስኽ። ይኹን እምበር: ሕጂ: እቲ እምነቶም ዘምጽኣሎም ጥቐምታት ስለ ዝረኣየ ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ የምልኹ ከም ዘለዉ ኢዩ ዝኣምን።
ንኣብነት: ሓደ ግዜ እቲ ኣማኒ ቡድሃ ዝነበረ ወናን መሬቶም ብስራይ ገይሩ ካብቲ መሬቶም ከልቅቖም ፈተነ። ሓደ ለይቲ ናብቲ ገዛ መጺኡ ኣብ ጥቓኡ “እተሰረየ” ፍረታት ለሚን ኣንበረ። እቶም ኣብ ማሪት ዝኣምኑ ዝነበሩ ጐረባብቲ ፈርሁ: ኵላቶም ድማ ንስድራቤት ራትናም ገለ ሕማቕ ኵነታት ከጋጥሞም ይጽበዩ ነበሩ። ይኹን እምበር: ኢግናሴማል ነዚ ምስ ረኸበቶ: ንሳን እቶም ቈልዑን: ብዘይ ፍርሂ ወይ ስንባደ ነቲ ፍረታት ኣልገስዎ—ሕማቕ ዝበሃል ነገር ድማ ኣይረኸቦምን። እቲ ተባዕ ተግባሮም ብሓቂ ኣብቲ ከባቢ: እቲ ህዝቢ ንዕኦም ዓቢ ክብሪ ከም ዝህልዎ ብምግባር: ምስክርነት ኰነ። ስቴላ ኣብቲ ጐረባብታ ክልተ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ክኢላ ኢያ። በዚ ተተባቢዓ ድማ: ሰበይቲ ወዶም: ናዜራ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።
ኢግናሴማል: ነቲ ኣብ ስድራቤታ ዝወረደ በረኸታት ተመሊሳ ብምርኣይ ከምዚ ትብል:- “ኣብ ውሽጢ እቲ ስድራቤት መንፈሳዊ ዕብየት ክርኢ ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ። ተጻራርነት ብምህድኡ: ናይ ስድራቤት ሕብረት ከኣ ብምውሳኹ ብየሆዋ ተባሪኽና ኢና።”
እዘን ዓበይቲ ስድራቤታት ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢየን ዝዀና። እዚኣተን ኣብዛ “ኣንጸባራቒት ሃገር:” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ስሪ ላንካ: ምስቶም ነቲ ምእዋጅ ናይቲ ብስራት መንግስቲ ከቀላጥፍዎ ዝጽዕሩ ዘለዉ ናእሽቱ ስድራቤታት: ሓደ ወላዲ ዘለወን ስድራቤታት: ከምኡውን ንጽል ክርስትያናት ብምዃን: ድምጾም ይሕውሱ ኣለዉ። እቶም ደቂ ስሪ ላንካ መሰኻኽር: ምስቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ክርስትያናት ብጾቶም ብምዃን: ነቲ ሕጂ እውን ከይተረፈ ገማግም ባሕርን ኣኽራናትን ናይታ ጽብቕቲ ስሪ ላንካ ክንርኢ ከሎና ኣብ ኣእምሮና ዝመጽእ ምምላስ ናይ ገነት: ኢዮም ዝጽበዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብቲ ቦታ እቲ ዝርከብ ዓቢ ሃጓፍ: ኣብ ናይ ምስልምና: ሂንዱ: ከምኡውን ናይ ቤተ ክርስትያናት ኣፈ ታሪኻት: ከከም መስርዖም ኣዳም: ቡድሃ: ሲቫ: ከምኡውን “ቅዱስ” ቶማስ ዝረገጽዎ ኣሰር ኢዩ ይበሃል።
[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ስሪ ላንካ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ክርስትያን ስብከትን ትምህርትን ይምልሽሉ ኣለዉ