ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ግዜ ኣሎ
ሓንቲ ሰበይቲ “ናብራና ሓደ-ባዶ-ሓደ” ኢዩ ትብል።
መሓዛኣ ኸኣ “ናተይ እሞ ካብ ናትኪ ይገድድ: ናብራይ ባዶ-ባዶ-ሓደ ኢዩ” ኢላ ትምልስ።
ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ: ከምዚ ዝበለ ኣዘራርባታት መግለጺ ኣየድልዮን ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ እዋን (ሓደ-ሓደ-ሓደ) ኣብ ክንዲ ዝበልዕ: ናብራኡ ሓደ-ባዶ-ሓደ ዝዀነ ሰብ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ—ሓንሳእ ንግሆ ሓንሳእ ከኣ ምሸት—ጥራይ ኢዩ ክበልዕ ዝኽእል። ናብራኡ ባዶ-ባዶ-ሓደ ዝዀነ ሰብኣይ “ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ኢየ ዝበልዕ። መዝሓሊተይ ብማይ ኢየ ዝመልኣ። ምሸት ቅድሚ ምድቃሰይ ከኣ ጋሬ [ካሳቫ] እበልዕ። ከምዚ ኢለ ኢየ ዝሓልፎ ዘለኹ” ብምባል ኵነታቱ ይገልጽ።
እዚ እቲ ሎሚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሃለዋት ናይ ብዙሓት ሰባት ኢዩ። ዋጋታት ይንህር: እቲ ናይ ገንዘብ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ድማ ይጐድል ኢዩ ዘሎ።
ኣቐዲሙ እተዘርበሉ ዋሕዲ መግቢ
ኣብቲ ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህበ ተኸታታሊ ራእያት: ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ኣሸጋሪ ኵነታት ኣቐዲሙ ተዛሪብሉ ኢዩ። ገለ ካብኡ ዋሕዲ መግቢ ኢዩ። ዮሃንስ “እንሆ: መጋል ፈረስ: እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን አለዎ” ብምባል ይዛረብ። (ራእይ 6:5) እዚ ጸዋዕ ክፉእ ዝዀነ ፈረስን እቲ እተቐመጦ ጥሜትን: መግቢ ኣዝዩ ክውሕድ ብሚዛን ድማ ክዕደል ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት።
ሃዋርያ ዮሃንስ ኣስዒቡ “ከም ድምጺ ዝበለ: ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር: ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር: . . . ኪብል ከሎ ሰማዕኩ” ይብል። ኣብ ግዜ ዮሃንስ: ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ መዓልታዊ ራሽን ናይ ሓደ ወተሃደር: ሓንቲ ዲናር ከኣ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ስራሕ ደመወዝ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ እቲ ትርጕም ናይ ሪቻርድ ዌመዝ ነታ ጥቕሲ “ናይ ምሉእ መዓልቲ ደመወዝ ንሓንቲ ሕብስቲ: ናይ ምሉእ መዓልቲ ደመወዝ ንሰለስተ ሕብስቲ ስገም” ብምባል ይትርጕማ።—ራእይ 6:6
ሎሚኸ ናይ ምሉእ መዓልቲ ደመወዝ ክንደይ ኢዩ፧ እቲ ጸብጻብ ስተይት ኦቭ ዘ ዎርልድ ፖፑለሽን 1994 (ኵነታት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 1994) ከምዚ ይብል:- “1.1 ቢልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ሰባት: ብገምጋም 30 ካብ ሚእቲ ናይተን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ህዝቢ: ዳርጋ ብ1 ዶላር ንመዓልቲ ኢዩ ዝነብር ዘሎ።” ስለዚ: እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ድኻ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ደሞዝ ቃል ብቓሉ ሓንቲ ሕብስቲ ኢዩ ዝዕድገላ ዘሎ ክበሃል ይከኣል ኢዩ።
እዚ ብርግጽ: ነቶም ኣዝዮም ድኻታት ዝዀኑ ዘገርም ኣይኰነን። ሓደ ሰብኣይ “ባኒ!” ይብል: “መን ኢዩ እሞ ባኒ ክረክብ ዝኽእል፧ ሎሚ ባኒ ናይ ምቾት መግቢ ኢዩ!”
ብኣንጻሩ ግን: ዋሕዲ መግቢ የሎን። ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ምንጭታት: ኣብ ውሽጢ እዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ዓለም ናይ መግቢ ምህርቲ ብ24 ካብ ሚእቲ ወሲኹ ኢዩ: እዚ ካብቲ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ዝዛይድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ ናይ መግቢ ወሰኽ ኵሎም ኣይኰኑን ዘስተማቐርዎ። ንኣብነት: ኣብ ኣፍሪቃ: ናይ መግቢ ምህርቲ ብ5 ካብ ሚእቲ ክንኪ ከሎ ብዝሒ ህዝቢ ድማ 34 ካብ ሚእቲ ወሰኸ። ስለዚ: ሽሕ’ኳ ብዓለምለኸ ደረጃ ሓፈሻዊ ብዝሒ መግቢ እንተሎ: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ግን ዋሕዲ መግቢ ይርአ ኣሎ።
ዋሕዲ መግቢ ማለት ምውሳኽ ዋጋታት ማለት ኢዩ። ስእነት ስራሕ: ትሑት ደሞዝ: ከምኡውን እናወሰኸ ዝኸይድ ውድቀት ገንዘብ: ነቲ ዘሎ ንምዕዳግ እኳ ገንዘብ ንኽትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ ዝገብሮ። እታ ሂዩማን ዴቨሎፕመንት ሪፖርት 1994 (ጸብጻብ ሰብኣዊ ምዕባለ 1994): “ሰባት ዝጠምዩ መግቢ ስለ ዘይረኽቡ ዘይኰነስ ክዕድግዎ ስለ ዘይኽእሉ ኢዩ” ብምባል ትገልጽ።
እናወሰኸ ዝኸይድ ተስፋ ኣልቦነት: ጭንቀት: ከምኡውን ተስፋ ምቝራጽ ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትነብር ግሎሪ “ሰባት ሎሚ ሕማቕ ኢዩ: ጽባሕ ግን ክገድድ ኢዩ: ዝብል ስምዒት ኣለዎም” በለት። ካልእ ሰበይቲ ኸኣ “ሰባት መዓት ይመጾም ከም ዘሎ ኢዩ ዝስምዖም። ኣብ ዕዳጋ ዋላ ሓንቲ ዘይርከበሉ መዓልቲ ክመጽእ ኢዩ ዝብል ስምዒት ከኣ ኣለዎም” በለት።
የሆዋ ነቶም ቅድም ዝነበሩ ኣገልገልቱ ሓልይሎም ኢዩ
ኣገልገልቲ ኣምላኽ: የሆዋ ነቶም ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ዘድልዮም ነገራት ብምቕራብን ንኣሸጋሪ ኵነታት ምእንቲ ክዋጽእሉ ድማ ሓይሊ ብምሃብን ዓስቦም ከም ዝህቦም ይፈልጡ ኢዮም። ብሓቂ: ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ምሃብ ክእለት ከምዚ ዝበለ ምትእምማን ምግባር ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ እምነቶም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ: ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን: ኪአምን ይግብኦ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 11:6
የሆዋ ኵሉ ግዜ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ሓልይሎም ኢዩ። ኣብቲ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድርቂ ዝነበረሉ እዋን: የሆዋ ንነብዪ ኤልያስ መግቢ ሂብዎ ኢዩ። ኣብ ፈለማ: ኣምላኽ ንኤልያስ እንጌራን ስጋን ኸመጽእሉ ንኳዃት ኣዘዞም። (1 ነገስት 17:2-6) ድሕርዚ: የሆዋ ሓርጭን ዘይትን ናይታ ንኤልያስ እትቕልቦ ዝነበረት መበለት ብተኣምራታዊ መገዲ ከም ዘይውዳእ ገበሮ። (1 ነገስት 17:8-16) እዚ ጥሜት እዚ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ሽሕ’ኳ በታ እክይቲ ኢዛቤል ጽዑቕ ሃይማኖታዊ ስደት ይወርዶም እንተ ነበረ: የሆዋ: ነብያቱ እንጌራን ማይን ዝረኽብሉ መገዲ ገይሩ ኢዩ።—1 ነገስት 18:13
ድሕርዚ: ንጉስ ባቢሎን ነታ ከሓዲት የሩሳሌም ምስ ከበባ: እቶም ህዝቢ “ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ኪበልዕዎ” ነበሮም። (ህዝቅኤል 4:16) ገሊአን ኣንስቲ ስጋ ደቀን ክሳዕ ዝበልዓ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ተስፋ ዘቝርጽ ኰነ። (ድጕዓ ኤርምያስ 2:20) እንተዀነ ግን: ነብዪ ኤርምያስ ብምኽንያት ስብከቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ‘ኣብ ጸጽባሕ ድማ: ክሳዕ ኣብታ ኸተማ እንጌራ ዚሰኣን: ካብ ዕዳጋ ጋገርቲ ሓንቲ እንጌራ [ንኤርምያስ] ከም ዝወሃቦ’ ብምግባር ሓልይሉ ኢዩ።—ኤርምያስ 37:21
እቲ ናይ እንጌራ ቀረብ ምስ ተወድአኸ የሆዋ ንኤርምያስ ረሲዕዎ ድዩ፧ ብፍጹም ኣይረስዖን: ምኽንያቱ እታ ከተማ ኣብ ኢድ ባቢሎናውያን ምስ ወደቐት: ኤርምያስ ‘ስንቅን ህያብን ስንብታን’ ረኺቡ ኢዩ።—ኤርምያስ 40:5, 6፣ ከምኡውን መዝሙር 37:25 ርአ።
ኣምላኽ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቱ ይሕግዝ ኢዩ
የሆዋ ከምቲ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዝነበሩ ኣገልገልቱ ዘናበሮም: ሎሚውን ብስጋን ብመንፈስን ብምሕላይ ከምኡ ይገብር ኢዩ ዘሎ። ንኣብነት: ንተመኵሮ ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነብር ላሚቱንደ ርአ። ንሱ ከምዚ ኢሉ የዘንቱ:- “ዕብይ ዝበለ ናይ ደርሁ ምርባሕ ሕርሻ ነበረኒ። ሓደ መዓልቲ: ዕጡቓት ሰረቕቲ ናብቲ ሕርሻ መጺኦም ንብዙሓት ካብተን ደርሁን ንህጹጽ እዋን እትኸውን ጀነሬተርን ዝነበረና ገንዘብን ሰረቕዎ። ድሕርዚ ቁሩብ ጸኒሑ: እተን ዝተረፋ ሒደት ደርሁ ብሕማም ሞታ። እዚ ነቲ ዝነበረኒ ናይ ደርሁ ምፍራይ ስራሕ ኣዕነዎ። ንኽልተ ዓመታት ስራሕ ክረክብ ፈተንኩ ግናኸ ኣይሰለጠንን። ኵነታት ብሓቂ ኣሸጋሪ ኢዩ: የሆዋ ግን ኣናቢሩና ኢዩ።
“ነቲ ኣሸጋሪ እዋናት ክዋጽኣሉ ዝሓገዘኒ: የሆዋ ክዅልዓና ኢሉ ዅነታት ከጋጥሙ ከም ዘፍቅድ ምፍላጠይ ኢዩ። ኣነን በዓልቲ ቤተይን ነቲ ናይ ስድራቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ልማድና ቀጸልናዮ: እዚ ኸኣ ብሓቂ ሓጊዙና ኢዩ። ጸሎት እውን ዓቢ ምንጪ ናይ ሓገዝ ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ናይ ምጽላይ ስምዒት ኣይመጻንን: ምስ ጸሌኹ ግን ጽቡቕ ይስምዓኒ።
“ኣብቲ ኣሸጋሪ እዋን እቲ: ብቕዱሳት ጽሑፋት ናይ ምስትንታን ጥቕሚ ተረዳእኩ። ብዛዕባ እታ ንየሆዋ ከም ጓሳና ገይራ እትዛረበሉ መዝሙር 23 አስተንትን ነበርኩ። ካልእ ዘተባብዓኒ ቅዱስ ጽሑፍ ድማ ኣብ ፊልጲ 4:6, 7 ዘሎ ‘ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ’ ዝብል ሓሳብ ኢዩ ነይሩ። ካልእ ዘበርትዓኒ ጥቕሲ ኸኣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7 ኢዩ ነይሩ: ከምዚ ዝብል:- ‘ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኼበለኩም: ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ: ንዅሉ [ጭንቀትኩም ትሓዓ ] ኣብኡ ኣውድቕዎ።’ ኵሉ እዚ ጥቕስታት እዚ ኣብቲ ኣሸጋሪ እዋናት ሓጊዙኒ ኢዩ። ከተስተንትን ከሎኻ: ነቲ ኣብ ኣእምሮኻ ዘሎ ጭንቀት ዘስዕበልካ ነገራት ክትክኦ ትኽእል ኢኻ።
“ሕጂ እንደገና ስራሕ ጀሚረ ኢየ: ብቕንዕና ንምዝራብ ግን ኵነታት ገና ኣሸጋሪ ኢዩ ዘሎ። ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣቐዲሙ እተዛረቦ ኣብተን ‘ንኽትዋጽኣሉ ጽንኩር ግዜ’ [ትሓዓ ] ምዃነን ዝፍለጣ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢና እንነብር ዘሎና። ነቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ናብራ ክቐልል ኢዩ ኢለ ኣይጽበን ኢየ። እንተዀነ ግን: መንፈስ የሆዋ ንኽዋጽኣሉ ከም ዝሕግዘኒ ይስማዓኒ ኢዩ።”
ሽሕ’ኳ ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንነብር እንተሎና: እቶም ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንጉስ ዝዀነ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝእመኑ: ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። (ሮሜ 10:11) የሱስ ባዕሉ ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና:- “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ: እብለኩም አሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር: ኣይዘርኣ: ኣይዐጽዳ: ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭንቑ፧”—ማቴዎስ 6:25-28
ብርግጽ እዚኣቶም: ኣብዚ ጽንኩር እዋን እዚ ልቢ ዝትንክፉ ሕቶታት ኢዮም። ይኹን እምበር የሱስ ከምዚ ብዝብል ዘተኣማምን ቃላት ይቕጽል:- “ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ: ኣይደኽሙ: ኣይፈትሉ። ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ: እብለኩም አሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ: ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ: ኣቱም ጕዱላት እምነት: ንኣኻታኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምበኣርከ እንታይ ንበልዕ: እንታይ ንሰቲ: እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ: ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”—ማቴዎስ 6:28-33
ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ግዜ ኣሎ
ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ናይ ዓለም እቲ እናኣንቈልቈለ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ክገድድ ምዃኑ: ብዙሕ ዝሕብር ነገራት ኣሎ። ህዝቢ ኣምላኽ ግና እዚ ኵነታት እዚ ግዝያዊ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። እቲ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ግርማዊ ግዝኣት: ጽላሎት ናይቲ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ንጉስ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝገዝእ ጽድቃዊ መሪሕነት ኢዩ። (ማቴዎስ 12:42) እቲ ንጉስ እቲ: የሱስ ክርስቶስ እቲ “ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትን” ኢዩ።—ራእይ 19:6
እታ ኣብ ንጉስ ሰሎሞን ናይ መጀመርያ ፍጻሜ ዝነበራ መዝሙር 72: ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ዘደንቕ ግዝኣት እትገልጽ ኢያ። ንገለ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝህሉ ነቲ ናይ ምድሪ መጻኢ ዝምልከት ኣቐዲማ ዝበለቶ ኣደናቒ ነገራት ርአ።
ኣብ መላእ ዓለም ሰላማዊ ኵነታት:- “ብዘመኑ እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ። ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ: ካብ ርባ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ኺመልኽ እዩ።”—መዝሙር 72:7, 8
ሓልዮት ንመሳኺን:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:12-14
ኣኽል-ታርፍ መግቢ:- “ብዝሒ እኽሊ ኣብ [ምድሪ ትሓዓ ]: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” ኢዩ።—መዝሙር 72:16
ክብሪ የሆዋ ንምድሪ ይመልኣ:- “እቲ በይኑ ተኣምራት ዚገብር እግዚአብሄር ኣምላኽ: እቲ ናይ እስራኤል ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡር ስሙ ንዘለኣለም ይባረኽ: ብዘሎ ምድሪውን ብኽብሩ ይምላእ።”—መዝሙር 72:18, 19
ስለዚ ብሓቂ ኣብ ቅድሜና ዝበለጸ ግዜ ኣሎ።