ኣብ መንጐ እቶም ቀዳሞት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበረ ክቡር ግደ ደቂ ኣንስትዮ
“እግዚአብሄር ኣምላኽ ከኣ፤ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: [ከም መመላእታኡ “ትሓዓ ”] ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ: በለ።” —ዘፍጥረት 2:18
1. ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ነቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኵነታት ብኸመይ ይገልጾ?
ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ኣብ ግዜ ጥንቲ ንዝነበረ ኵነታት ደቂ ኣንስትዮ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ኣብ ዝዀነ ቦታ ናይ ጥንታዊ መዲቴራንያን ወይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ: ደቂ ኣንስትዮ ከምዚ ሎሚ ኣብ ዘመናዊ ምዕራባዊ ማሕበረሰብ ዘስተማቕራኦ ዘለዋ ናጽነት ኣይወሃበንን ኢዩ ነይሩ። እቲ ሓፈሻዊ ኣገባብ: ልክዕ ከምቲ ባሮት ንጐይቶት ከምኡውን ናኣሽቱ ንዓበይቲ ዝግዝእዎም ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ንሰብኡት ይግዝእኦም። . . . ደቂ ተባዕትዮ ውሉዳት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ግምት ኢዩ ዝወሃቦም ነይሩ: ህጻናት ኣዋልድ ከኣ ሓድሓደ ግዜ ንሞት ይቃልዓ ነበራ።”
2, 3. (ሀ) ብመሰረት ሓደ ጸብጻብ: ሎሚ ዘሎ ኵነታት ናይ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኢዩ? (ለ) እንታይ ሕቶታትከ ኢዮም ዝለዓሉ?
2 ሎሚውን: ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ዓለም እቲ ኵነታት ካብኡ ዝሓሸ ኣይኰነን። ንመጀመርያ ግዜ: ብ1994 እቲ ናይ ሕ.መ. ናይ መንግስቲ ክፍልታት ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰል: ኣድህቦኡ ኣብ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣንስትዮ ገበረ። ነቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ሓደ ናይ ኒው ዮርክ ታይምስ ኣርእስቲ “እቲ ካብ 193 ሃገራት እተረኽበ ጭብጥታት: መዓልቲ መዓልቲ ኣድልዎ ከም ዘሎ ኢዩ ዘርኢ” ብምባል ገለጸ።
3 እተፈላለየ ባህላዊ መበቆል ዘለወን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ምስተን ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝርከባ ጉባኤታት ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝሓብራ: ገለ ሕቶታት ይለዓሉ ኢዮም:- እቲ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ኣተሓሕዛ: ከምቲ ኣምላኽ ብመጀመርያ ንደቂ ኣንስትዮ ክኸውን ኢሉ ዝሓለኖ ድዩ? ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መንጐ እቶም ኣምለኽቲ የሆዋ: ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ኢየን ዝተሓዛ ነይረን? ሎሚኸ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ክተሓዛ ኣለወን?
“ደጋፊት” ከምኡውን “መመላእታ”
4. እቲ ናይ መጀመርያ ሰብኣይ ኣብ ገነት ኤደን ንገለ እዋን በይኑ ምስ ነበረ የሆዋ እንታይ ኢዩ እተዓዘበ: ኣምላኽከ ሽዑ እንታይ ገበረ?
4 ኣዳም ንገለ እዋን ኣብ ገነት ኤደን ንበይኑ ድሕሪ ምንባሩ: የሆዋ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን: [ከም መመላእታኡ ትሓዓ ] ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 2:18) ሽሕ’ኳ ኣዳም ፍጹም ሰብኣይ እንተ ነበረ: ንዕላማ ናይ ፈጣሪ ምእንቲ ክፍጽም ካልእ ገለ ነገር የድልዮ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ዘድሊ ነገር ንምምላእ: የሆዋ ሰበይቲ ብምፍጣር ነቲ ናይ መጀመርያ መርዓ ኣቘመ።—ዘፍጥረት 2:21-24
5. (ሀ) ነታ “ደጋፊት” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ስም: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ ብኸመይ ኢዮም ዝጥቀሙላ? (ለ) የሆዋ ነታ ናይ መጀመርያ ሰበይቲ ከም “መመላእታ” ገይሩ ምጥቃሱ እንታይ ኢዩ ዘመልክት?
5 እተን “ደጋፊት” ከምኡውን “መመላእታ” ዝብላ ቃላት: እቲ ኣምላኽ ንሰበይቲ ዝሃባ ግደ ሕሱር ምንባሩ ዝሕብራ ድየን? ብኣንጻሩ እምበር። መብዛሕትኡ ግዜ: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ደጋፊት” ተተርጒማ ዘላ (ʽዔʹዘር ) እትብል ናይ እብራይስጢ ስም ኣብ ኣምላኽ ኢዮም ዘውዕልዋ። ንኣብነት: የሆዋ “[ደጋፊናን ትሓዓ ] ዋልታናን” ምዃኑ የረጋግጽ ኢዩ። (መዝሙር 33:20፣ ዘጸኣት 18:4፣ ዘዳግም 33:7) ኣብ ሆሴእ 13:9: የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ከም “[ደጋፊ ትሓዓ ]” ናይ እስራኤል ኢዩ ዝጽውዓ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ነታ “መመላእታ” ተተርጒማ ዘላ (ነ ʹገድህ) እትብል ናይ እብራይስጢ ቃል “እቲ ዝድለ ዘሎ ደገፍ: ኣብቲ መዓልታዊ ዕዮኡ ወይ ከኣ ቈልዑ ኣብ ምውላድ ጥራይ ኣይኰነን . . . ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ብጻይነት ዝህቦ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ ኢዩ” ኢሉ ይገልጻ።
6. ድሕሪ ምፍጣር ናይታ ሰበይቲ እንታይ ኢዩ እተባህለ: ስለምንታይከ?
6 ስለዚ የሆዋ ንሰበይቲ “ደጋፊት” ከምኡውን “መመላእታ” ኢሉ ምግላጹ ሕስረት ኣይኰነን። ሰበይቲ ናታ ፍሉይ ኣእምሮኣዊ: ስምዒታዊ: ከምኡውን ኣካላዊ ኣሰራርሓ ኢዩ ዘለዋ። ንሰብኣይ እትሰማማዕ መጻምድትን እተዕግብ መመላእታን ኢያ። ነፍሲ ወከፎም እተፈላለዩ ኢዮም: እንተዀነ ግን ምስቲ ናይ ፈጣሪ ዕላማ ብምስምማዕ ‘ንምድሪ ክመልኡ’ ነፍሲ ወከፎም ተደለይቲ ኢዮም። ብርግጽ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ: እንሆ: ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” እተባህለ ድሕሪ ፍጥረት ናይ ክልቲኦም ማለት ሰብኣይን ሰበይትን ኢዩ።—ዘፍጥረት 1:28, 31
7, 8. (ሀ) ምስቲ ኣብ ኤደን እተጀመረ ሓጢኣት: ናይ ሰበይቲ ግደ ብኸመይ ኢዩ እተተንከፈ? (ለ) ብዛዕባ ፍጻሜ ናይ ዘፍጥረት 3:16 ዝምልከት ኣብ መንጐ ኣምለኽቲ የሆዋ እንታይ ሕቶታት ኢዮም ዝለዓሉ?
7 ድሕሪ ሓጢኣት እቲ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኵነታት ተለወጠ። ከም ሓጢኣተኛታት መጠን: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ፍርዲ ኣመሓላለፈ። የሆዋ ነቲ ኣብ መወዳእታኡ ከምኡ ክኸውን ዘፍቀዶ ፍጻመ ብእኡ ከም እተገብረ ገይሩ ብምዝራብ: ንሄዋን “መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በላ። ወሲኹ ድማ: “ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ: ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ: ንሱውን ኪመልከኪ እዩ” በላ። (ዘፍጥረት 3:16) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ብዙሓት ኣንስቲ ብሰብኡተን: መብዛሕትኡ ግዜ ብጭከና: ተመሊኸን ኢየን። ከም ደገፍትን መመላእታን መጠን ዋጋ ኣብ ክንዲ ዝወሃበን: ብተደጋጋሚ ከም ኣገልገልትን ባሮትን ኢየን ዝረኣያ።
8 እንተዀነ ግን: እቲ መፈጸምታ ናይ ዘፍጥረት 3:16: ንኣምለኽቲ የሆዋ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ ማለት ኢዩ ነይሩ? ናብ ናይ ተገዛእነትን ሕሱርን ቦታ ወሪደን ድየን? ፈጺሙ ከምኡ ኣይነበረን! ይኹን እምበር: ብዛዕባ እቲ ሎሚ ኣብ ገለ ማሕበረሰባት ተቐባልነት ዘይብሉ ዝመስል ንደቂ ኣንስትዮ ዝትንክፍ ልምድታትን ተግባራትን ዝነግር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባትከ?
ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ልምድታት ምርድኡ
9. ነቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ልምድታት ክንርኢ ከሎና: እንታይ ሰለስተ ነገራት ኢና ኣብ ኣእምሮና ክንሕዝ ዘሎና?
9 ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጐ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብጽቡቕ ኢየን ዝተሓዛ ነይረን። ልክዕ ኢዩ: ነቲ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ልምድታት ክንርኢ ከሎና ኣብ ኣእምሮና ብዙሕ ነገራት ክንዝክር ሓጋዚ ኢዩ። ቀዳማይ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ብምኽንያት ስሱዕ ዕብለላ ናይ እኩያት ሰብኡት ዝማዕበለ ዘጕሂ ኵነታት ክዛረብ ከሎ: ኣምላኽ ንኸምዚ ዝበለ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣተሓሕዛ ሰሚርዎ ማለት ኣይኰነን። ካልኣይ: ሽሕ’ኳ የሆዋ ነቲ ኣብ መንጐ ኣገልገልቱ ዝነበረ ገለ ገለ ልምድታት ንግዚኡ ጸይርዎ እንተ ነበረ: ንደቂ ኣንስትዮ ምእንቲ ክከላኸለለን ነዚ ተቘጻጺርዎ ኢዩ። ሳልሳይ: ንጥንታዊ ልምድታት ብዘመናዊ መዐቀኒታት ገይርና ከይንፈርድ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ባህ ዘየብል ዝመስል ገለ ገለ ልምድታት ግድን በተን ሽዑ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ከም ጨቋኒ ኢዩ ዝርአ ነይሩ ኢልካ ክሕሰብ የብሉን። እስከ ገለ ኣብነታት ንርአ።
10. የሆዋ ነቲ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ናይ ምእታው ልምዲ ብኸመይ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ: ነቲ ናይ መጀመርያ ናይ ኣሚንነት ስርዓቱ ፈጺሙ ከም ዘይሓደጎኸ እንታይ ይሕብር?
10 ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ:-a ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣምላኽ: ሰበይቲ ንሰብኣያ ምስ ካልእ ሰበይቲ ኣይትማቐሎን ኢያ። ኣምላኽ ንኣዳም ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ኢዩ ፈጢርሉ። (ዘፍጥረት 2:21, 22) ድሕሪ እቲ ኣብ ኤደን እተገብረ ዕልወት: እቲ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ናይ ምእታው ልምዲ ኣብ መስመር ውልድነት ቃየል ኢዩ ንመጀመርታ ግዜ እተራእየ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ልምዲ ዀነ: ብገለ ኣምለኽቲ የሆዋ ከኣ ተቐባልነት ረኸበ። (ዘፍጥረት 4:19፣ 16:1-3፣ 29:21-28) ሽሕ’ኳ የሆዋ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ እንተ ኣፍቀደን እዚ ድማ ንህዝቢ እስራኤል ንምብዛሕ እንተ ጠቐመን: ኣንስትን ደቀንን ዕቝባ ምእንቲ ክረኽቡ ነቲ ተግባራት ብምቍጽጻር: ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ሓልዮት ኣርእዩ ኢዩ። (ዘጸኣት 21:10, 11፣ ዘዳግም 21:15-17) ኣብ ርእሲ እዚ: የሆዋ ነቲ ናይ መጀመርታ ስርዓት ኣሚንነት ፈጺሙ ኣይሓደጎን። እቶም ‘ፍረዩን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ ዝብል ትእዛዝ እተደግመሎም ኖህን ደቁን: ኵሎም ሰብ ኣሚን ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 7:7፣ 9:1፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ኣምላኽ ነቲ ምስ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ከመልክት ከሎ ንገዛእ ርእሱ ከም በዓል ኣሚን ገይሩ ኢዩ ገሊጽዋ። (ኢሳይያስ 54:1, 5) ድሕርዚ’ውን: ናይ ኣምላኽ ናይ መጀመርታ ስርዓት ኣሚንነት ብየሱስ ክርስቶስ እንደገና ጸኒዑ ኢዩ: ከምኡውን ኣብታ ቀዳመይቲ ክርስትያን ጉባኤ ተተግቢሩ ኢዩ።—ማቴዎስ 19:4-8፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12
11. ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ገዝሚ ዝኽፈል ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ ንደቂ ኣንስትዮ ዘሕስር ድዩ ነይሩ?
11 ገዝሚ ምኽፋል :- እታ ኤንሸንት ኢዝራኤል—ኢትስ ላይፍ ኤንድ ኢንስቲቱሽንስ እትበሃል መጽሓፍ “ንስድራቤት ናይታ ጓል ገንዘብ ወይ ማዕሪኡ ዝዀነ ካልእ ነገር ናይ ምኽፋል ግዴታ: ብርግጽ ነቲ ናይ እስራኤላውያን መርዓ ናይ ምዕዳግ መልክዕ ኢዩ ዝህቦ። ይኹን እምበር እቲ ነታ ስድራቤት ከም ካሕሳ ዝወሃባ [ገዝሚ] ንዋጋ ናይታ ሰበይቲ ዝበቅዕ ኣይኰነን” ብምባል ይገልጽ። (ሰያፍ ጽሑፍ ናትና።) ስለዚ እቲ ክፍሊት ናይ ገዝሚ ነቶም ስድራቤት ናይታ ሰበይቲ ነቲ ንሳ እትህቦ ዝነበረት ኣገልግሎት ከምኡውን ንዓኣ ንምዕባይ ዝጠፍአ ጻዕርን ወጻእን ንምኽሓስ ኢዩ ዝጠቅም። እምበኣር: ኣብ ክንዲ ነታ ሰበይቲ ዘሕስር ነቲ ኣብ ስድራቤታ ዘለዋ ቁም ነገር ዘረጋግጽ ኢዩ።—ዘፍጥረት 34:11, 12፣ ዘጸኣት 22:16፣ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ጥሪ 1989 (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-4 ርአ።
12. (ሀ) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምርዑዋት ሰብኡትን ኣንስትን ሓድሓደ ግዜ ብኸመይ ይጽውዑ ነበሩ: እዚ ስያመታት እዚኸ ንደቂ ኣንስትዮ ዘዋርድ ድዩ ነይሩ? (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣብ ኤደን እተጠቕመሉ ስያመ ክስትብሃለሉ ዘለዎ እንታይ ኢዩ? (እግረ–ጽሑፍ ርአ።)
12 ሰብኡት ከም “ወነንቲ” :- ኣብ ግዜ ኣብርሃምን ሳራን ዳርጋ ብ1918 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ዝዀነ ሓደ ፍጻመ: በቲ ግዚኦም ንምርዑው ሰብኣይ ከም “ወናኒ” (እብራይስጢ ባʹʽዓል) ንምርዕውቲ ሰበይቲ ኸኣ ‘እተወነነት’ (እብራይስጢ ቤʽዑ ·ላህ) ገይርካ ምርኣይ ልሙድ ከም ዝነበረ ይሕብር። (ዘፍጥረት 20:3) ብድሕርዚ እዞም መግለጺታት እዚኣቶም ሓድሓደ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣትዮም ኢዮም: እተን ቅድሚ ክርስትና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ኸኣ ጨቈንቲ ኰይኖም ከም ዝረኸባኦም ዝሕብር የሎን።b (ዘዳግም 22:22) ይኹን እምበር: ደቂ ኣንስትዮ ከም ንብረት ክርኣያ ኣይነበረንን። ንብረት ወይ ሃብቲ ክዕደግ: ክሽየጥ: ከምኡውን ክውረስ ይከኣል ኢዩ: ንሰበይቲ ብዝምልከት ግን ከምኡ ኣይነበረን። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ: ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ” ይብል።—ምሳሌ 19:14፣ ዘዳግም 21:14
ክቡር ግደ
13. ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብኡት ናይ የሆዋ ኣብነት ክስዕቡን ሕጉ ክሕልዉን ከለዉ: ንደቂ ኣንስትዮ እንታይ የስዕበለን ነበረ?
13 ኣብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ: ኣብ መንጐ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ግደ እንታይ ነበረ? ብኸመይ ኢየን ዝረኣያን ዝተሓዛን ነይረን? ብቐሊሉ ንምግላጽ: ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብኡት ንኣብነት የሆዋ ክስዕቡን ንሕጉ ክእዘዙን ከለዉ: ደቂ ኣንስትዮ ክብረት ይረኽባን ብዙሕ መሰላትን ሓለፋታትን ድማ የስተማቕራ ኢየን ነይረን።
14, 15. ኣብ እስራኤል ደቂ ኣንስትዮ ክብረት ይረኽባ ከም ዝነበራ ዝሕብር እንታይ ኢዩ: የሆዋ ነቶም ደቂ ተባዕትዮ ኣምለኽቱ ከኽብርወን ክጽበዮም ቅኑዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ?
14 ደቂ ኣንስትዮ ክኸበራ ኢዩ ነይርወን። ሕጊ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ክኸብሩ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝእዝዝ። (ዘጸኣት 20:12፣ 21:15, 17) ዘሌዋውያን 19:3 “ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን ይፍራህ” ይብል። ባትሴባ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ናብ ወዳ ሰሎሞን ምስ ቀረበት ክብሪ ብዘለዎ ኣቃውማ “እቲ ንጉስ . . . ኪቕበላ ተንስኤ: ኢድ ድማ ነስኣላ።” (1 ነገስት 2:19) ኤንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ “እቲ ትንቢታዊ ምንጽጻር ናይቲ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝነበሮ ፍቕሪ ምስቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብ ሓደ ደቂ ኣንስትዮ ክቡራት ዝዀናሉ ማሕበረሰብ ጥራይ ኢዩ ክግበር ዝኽእል” ይብል።
15 የሆዋ ባዕሉ ስለ ዘኽብረን: ደቂ ተባዕትዮ ኣምለኽቱ ንደቂ ኣንስትዮ ከኽብሩ ይጽበዮም ኢዩ። የሆዋ ነዚ ዝገልጹ ብምሳሌ እተጠቕመሎም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተመኵሮታት ከምኡውን ስምዒቱ ምስቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዘመሳሰለሎም ሓበሬታታት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ይርከቡ ኢዮም። (ኢሳይያስ 42:14፣ 49:15፣ 66:13) እዚ ንኣንበብቲ: የሆዋ ከመይ ከም ዝስምዖ ንኽርድኡ ዝሕግዝ ኢዩ። ዘገርም ድማ: እታ የሆዋ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘውዕላ “ምሕረት” ወይ “ድንጋጽ” እትብል ናይ እብራይስጢ ስያመ ምስታ ን“ማህጸን” እተመልክት ቃል ኣዝያ እተቐራረበት ኢያ: ከም “ናይ ኣደ ስምዒት” ከኣ ክትግለጽ ትኽእል ኢያ።—ዘጸኣት 33:19፣ ኢሳይያስ 54:7
16. ናይተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ምኽሪ ዋጋ ይወሃቦ ከም ዝነበረ ዘርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ?
16 ምኽሪ ናይተን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ዋጋ ይወሃቦ ነይሩ ኢዩ ። እቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ኣብርሃም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንምኽሪ ናይታ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበራ ሰበይቱ: ሳራ: ክስዕብ ምስ ተጠራጠረ: የሆዋ “ቓላ ስማዕ” በሎ። (ዘፍጥረት 21:10-12) እተን ሔታውያን ኣንስቲ ኤሳው “ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ” ኢየን ነይን። ኣብ መወዳእታ: ርብቃ ወዶም ያእቆብ ሔታዊት ክምርዖ እንተደኣ ኰይኑ ከጋጥማ ዘለዎ ጭንቀት ገለጸት። ናይ ያእቆብ ምላሽከ እንታይ ነበረ? እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ: ከምዚ ኢሉ ድማ አዘዞ፤ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ”። እወ: ሽሕ’ኳ ርብቃ ቀጥታዊ ምኽሪ እንተ ዘይሃበት: ሰብኣያ ንስምዒታ ኣብ ግምት ዘእቱ ውሳኔ ኢዩ ገይሩ። (ዘፍጥረት 26:34, 35፣ 27:46፣ 28:1) ጸኒሑ ንጉስ ዳዊት ንልመና ኣቢጋይል ስለ ዝሰምዐ ካብ ደም ምፍሳስ ረሓቐ።—1 ሳሙኤል 25:32-35
17. ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስድራቤት ሰፊሕ ስልጣን ከም ዝነበረን ዘርኢ እንታይ ኢዩ?
17 ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስድራቤት ሰፊሕ ስልጣን ነይርወን ኢዩ ። ውሉዳት “ወደየ: . . . ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ: ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ” ብምባል ተኣዚዞም ኢዮም። (ምሳሌ 1:8) እቲ ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 31 ዘሎ መግለጺ ናይታ “ደገኛ ሰበይቲ”: ሓንቲ ምርዕውቲ ጻዕረኛ ሰበይቲ ቤታ ምስትንባር ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ዘይተንቀሳቓሲ ንብረት ጸብጻብ ትሕዝ: ፈራዪ ግራት ትተክል: ንእሽቶ ንግዲ ተካይድ: ከምኡውን ብናይ ጥበብ ቃላታ ፍልጥቲ ምዃና ኢዩ ዝገልጽ። ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ክንኣድ ዘለዎ ድማ ሰበይቲ ንየሆዋ ዘለዋ ናይ ኣኽብሮት ፍርሂ ኢዩ ነይሩ። ዋጋ ናይ ከምዚኣ ዝበለት ሰበይቲ ‘ኻብ ክቡር ዕንቊ እንተ ኸበረስ’ ዘገርም ኣይኰነን! ክቡር ቀይሕ ዕንቊ ንስልማትን ጌጽን ክጠቅም ተባሂሉ ዝኸበረ ዋጋ ኢዩ ነይርዎ።—ምሳሌ 31:10-31
ፍሉይ ስምረት ኣምላኽ እተቐበላ ደቂ ኣንስትዮ
18. ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ገለ ገለ ደቂ ኣንስትዮ በየናይ መገድታት ኢየን ፍሉይ ስምረት ዝረኸባ?
18 የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ዘለዎ ግምት ኣብቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንገሊአን ዝሃበን ፍሉይ ስምረት ተንጸባሪቑ ኢዩ። ኣጋር: ሳራ: ከምኡውን ሰበይቲ ማኖኣ መለኮታዊ መምርሒ ዘመሓላለፉለን መላእኽቲ በጺሖምወን ኢዮም። (ዘፍጥረት 16:7-12፣ 18:9-15፣ መሳፍንቲ 13:2-5) ኣብቲ ማሕደር “ዜገልግላ ደቂ ኣንስትዮ” ነበራ ከምኡውን ኣብቲ ናይ ሰሎሞን መካበብያ ዘመርቲ ነይረን ኢየን።—ዘጸኣት 38:8፣ 1 ሳሙኤል 2:22፣ መክብብ 2:8
19. ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ደቂ ኣንስትዮ ክውክላኦ እተጠቕመለን በየናይ መገድታት ኢዩ?
19 ኣብ ታሪኽ እስራኤል ብዙሕ ግዜ: የሆዋ ክትውክሎ ወይ ኣብ ክንድኡ ኰይና ክትዛረብ ሰበይቲ ተጠቒሙ ኢዩ። ብዛዕባ ነቢዪት ዴቦራ “ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ” ዝብል ነንብብ። (መሳፍንቲ 4:5) እስራኤል ነቲ ከንኣናዊ ንጉስ ያቢን ምስ ሰዓርዎ: ዴቦራ ብሓቂ ፍሉይ መሰል ኢዩ ነይርዋ። እንተ ወሓደ ገለ ክፋል ናይቲ ደሓር ክፍሊ ናይቲ መንፈስ የሆዋ ዝነፈሶ ጽሑፍ ዝዀነ ናይ ዓወት መዝሙር: ብርግጽ ኣቀናባሪት ኢያ ነይራ።c (መሳፍንቲ: ምዕራፍ 5) ዘበናት ጸኒሑ ንጉስ ዮስያስ: ንየሆዋ ንምሕታት እቲ ሊቀ ካህን ዝርከብዎም ልኡኻት ናብ ነቢዪት ሑልዳ ሰደደ። ሑልዳ ብስልጣን “እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል አሎ” ብምባል ክትምልስ ክኢላ ኢያ። (2 ነገስት 22:11-15) ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: እቲ ንጉስ ነቶም ልኡኻት ናብ ነብዪት ክኸዱ ኣዘዞም: እዚ ግን ካብ የሆዋ መምርሒ ንኽቕበሉ ኢዩ እተገብረ።—ምስ ሚልክያስ 2:7 ኣነጻጽሮ።
20. የሆዋ ንስምዒትን ድሕንነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ተገዳስነት ዝሕብር ኣየናይ ኣብነታት ኢዩ?
20 የሆዋ ንድሕንነት ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ተገዳስነት ካብቲ ኣብነታት ናይተን ምእንተአን ክብል ስጕምታት ዝወሰደ ደቂ ኣንስትዮ ኣምለኽቱ ክርአ ይከኣል ኢዩ። ክልተ ግዜ ነታ መልከዐኛ ዝነበረት: ሳራ: ሰበይቲ ኣብርሃም ከይትዕመጽ ክከላኸል ኢዱ ኣእትዩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 12:14-20፣ 20:1-7) ነታ ብዙሕ ፍትውቲ ዘይነበረት ልያ ሰበይቲ ያእቆብ ወዲ ምእንቲ ክትወልድ ‘ማህጸና ብምኽፋት’ ስምረቱ ኣርኣየ። (ዘፍጥረት 29:31, 32) ክልተ ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበረን እስራኤላውያን መሕረስቲ ንእብራውያን ደቂ ተባዕትዮ ቈልዑ ካብቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ቅትለተ–ናጽላ ምእንቲ ከድሕና ህይወተን ኣብ ሓደጋ ምስ ኣእተዋ: የሆዋ ብምምሳው “ስድራቤታት ሃበን።” (ዘጸኣት 1:17, 20, 21 ትሓዓ ) ነቲ ናይ ሃና ልባዊ ጸሎትውን መሊስሉ ኢዩ። እታ ሰበይቲ ሓደ ነብዪ ዝነበረት መበለት: ብዓል ዕዳ መጺኡ ንኽልቲኦም ደቃ ኣብ ክንዲ ዕዳኣ ክወስዶም ምስ ደለየ የሆዋ ኣይሓደጋን። ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ: ዕዳኣ ምእንቲ ኽትከፍል ንነብዪ ኤልሳእ ነቲ ዝነበራ ዘይቲ ከም ዘብዝሖ ገበሮ። በዚ ኸምዚ ስድራቤታን ክብራን ዓቀበት።—ዘጸኣት 22:22, 23፣ 2 ነገስት 4:1-7
21. ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ንዅነታት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ከመይ ዝበለ ሚዛናዊ መግለጺ ኢዩ ዘቕርብ?
21 ስለዚ እምበኣር: ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ንደቂ ኣንስትዮ ናይ ምስትንዓቕ ኣረኣእያ ክህሉ ኣብ ክንዲ ዘተባብዕ: ናይቲ ኣብ መንጐ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበረን ኵነታት ሚዛናዊ መግለጺ ኢዩ ዘቕርብ። ሽሕ’ኳ የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ኣምለኽቱ ካብቲ ናይ ዘፍጥረት 3:16 ፍጻሜ እንተ ዘይተኸላኸለለን: ደቂ ኣንስትዮ በቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም: ንኣብነት የሆዋ ዝስዕቡን ንሕጉ ድማ ዘቕለብሉን ሰብኡት: ብግርማን ክብርን ኢየን ዝተሓዛ ነይረን።
22. ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ግዜ: ናይ ደቂ ኣንስትዮ ግደ እተለወጠ ብኸመይ ኢዩ: ከመይ ዝበሉ ሕቶታትከ ኢዮም ዝሕተቱ?
22 ድሕሪ ምውዳእ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ዝሰዓበ ዘበናት: ኣብ መንጐ ኣይሁድ ዝነበረ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ግደ ተለወጠ። በቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ግዜ: ናይ ራቢ ልምድትታት ንደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ሃይማኖታዊ መሰላተን ከምኡውን ማሕበራዊ ህይወተን ብዙሕ ቀይዲ ገበረለን። ከምዚ ዝበለ ልምድታትዶ ነቲ የሱስ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ምምልላስ ጸልይዎ ኢዩ? ሎሚኸ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ኢየን ክተሓዛ ዘለወን? እዚ ሕቶታት እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ክዝረበሉ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ብመሰረት ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልገይት ዲክሸነሪ እታ “ፖሊጋሚ ” እትብል ቃል “ካብ ናይ መርዓ ብጾት ሓዲኦም ጾታ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ሓደ ንላዕሊ ብጻይ ዝህልወሉ ናይ መርዓ ኵነታት” ምዃኑ የመልክት። እታ ብፍላይ “ፖሊግንይ ” እትብል ቃል ድማ “ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ብጸይቲ ናይ ምህላው ልምዲ” ምዃና ተገሊጻ ኣላ።
b ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ ምርዑዋት ሰብኡትን ኣንስትን መብዛሕትኡ ግዜ ከም “ሰብኣይ” (እብራይስጢ ʼኢሽ) ከምኡውን ከም “ሰበይቲ” (እብራይስጢ ʼኢሽ·ሻህʹ) ኢዮም ዝጥቀሱ። ንኣብነት: የሆዋ ኣብ ኤደን እተጠቕመሉ ስያመታት “ወናኒ” ከምኡውን “እተወነነት” ዘይኰነስ “ሰብኣይ” ከምኡውን “ሰበይቲ” ዝብል ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:24፣ 3:16, 17) ትንቢት ሆሴእ እስራኤል ካብ ምርኮ ምስ ተመልሰት ብምንሳሕ ንየሆዋ “ሰብኣየይ” እምበር ድሕሪ ደጊም “ዋናይ” ኢላ ከም ዘይትጽውዖ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። እዚ: እቲ “ሰብኣይ” ዝብል ስያመ ካብቲ “ወናኒ” ዝብል ዝያዳ ለዋህ መጸውዒ ምዃኑ ሓሳብ ክህበና ይኽእል።—ሆሴእ 2:16
c ነቲ ኣብ መሳፍንቲ 5:7 ዘሎ ንዴቦራ ዝምልከት ኣጠቓቕማ ናይ ቀዳማይ ኣካል ክስትብሃለሉ ዝግባእ ኢዩ።
ብኸመይ ምመለስካ?
◻ እተን “ደጋፊት” ከምኡውን “መመላእታ” ዝብላ ቃላት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሃባ ናይ ሰበይቲ ግደ እንታይ ይሕብራ?
◻ ነቲ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ንደቂ ኣንስትዮ ዝትንክፍ ልምድታት ክንርኢ ከሎና: ኣብ ኣአምሮና ክንሕዞ ዝግባእ እንታይ ኢዩ?
◻ ኣብቲ ናይ ቀደም ግዜ ኣብ መንጐ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ደቂ ኣንስትዮ ክቡር ግደ ከም ዝነበረን ዘርኢ እንታይ ኢዩ?
◻ በየናይ መገድታት ገይሩ ኢዩ የሆዋ ነተን ቅድሚ ክርስትና ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ስምረት ዝሃበን?