ክፍሊ 2—ዝዓበየን ዝነኣሰን ናይ ብርሃን ነጸብራቕ
“ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ አሎና።”—መዝሙር 36:9
1. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዘሎ ምሳሌ ንምርድኡ እንታይ ናይ መጀመርታ ጻዕርታት ኢዩ ተገይሩ ዝነበረ?
እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ ንክርስትያናት ካብ ቅድም ኣትሒዙ ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። እቲ ብርሃን ናይ ሓቂ ከመይ ኢሉ ዝያዳ ከም ዝደምቕ ጽቡቕ ኣብነት ዝህብ ኢዩ። ኣብ 1917: ህዝቢ የሆዋ ኣብታ እቲ እተወድአ ምስጢር እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: መግለጺ ናይ ራእይ ሓቲሞም ነበሩ። ከይፈርሀት ንናይ ህዝበ ክርስትያን ሃይማኖታውያንን ፖለቲካውያንን መራሕቲ ኣጋሊጻቶም ኢያ: ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ካብቲ መግለጺታታ ካብ እተፈላለየ ምንጭታት እተወስደ ኢዩ ነይሩ። ገና ግን: እዛ እተወድአ ምስጢር እተባህለት መጽሓፍ: ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሆዋ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ዝርአ መትረብ ዝነበሮም ተኣማንነት ንምፍታን ኣገልጊላ ኢያ።
2. እታ “ምውላድ ናይቲ ህዝቢ” እትብል ዓንቀጽ ንመጽሓፍ ራእይ እንታይ ብርሃን ኢያ ዘብርሃትላ?
2 ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1925 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ምውላድ ናይቲ ህዝቢ” ዝብል ዓንቀጽ ምስ ወጸ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ራእይ ዘደንቕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኣንጸባሪቑ ኢዩ። ራእይ ምዕራፍ 12 ኣብ መንጐ ናይ ሮማ ኣረማውነትን ናይ ሮማ ካቶሊክን ዝግበር ውግእ ከም እትገልጽ: እቲ ተባዕታይ ህጻን ከኣ ነቲ ጵጵስና ከም ዘመልክት: ኢዩ ዝሕሰብ ነይሩ። እንተኾነ ግን እታ ዓንቀጽ ራእይ 11:15-18 ምስ ትርጉም ናይ ምዕራፍ 12 ምትእስሳር ስለ ዘለዋ: ምስ ምውላድ መንግስቲ ኣምላኽ ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓበረት።
3. ንመጽሓፍ ራእይ ብርሃን ዝወሰኹ ኣየኖት ጽሑፋት ኢዮም?
3 እዚ ኹሉ: ብ1930 ብርሃን እተባህለት ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ: ኣብ ክልተ ጥራዛት ምስ ተሓትመት: ዝያዳ ንጹር ምርዳእ ናይ ራእይ ከም ዝርከብ ገይሩ ኢዩ። ገና ግን ዝያዳ ምጽራይ ኣብተን “ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ!” መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! (1963) ከምኡውን “እቲ ምስጢር ኣምላኽ ተወዲኡ” (1969) ዝበሃላ ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ተሓቲመን ወጺአን ኢየን። ይኹን እምበር: ብዛዕባ ትንቢታዊ መጽሓፍ ራእይ ዝያዳ ምርዳእ የድሊ ነይሩ ኢዩ። እወ: ኣብ 1988: ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምስ ተሓትመት ብዛዕባ ራእይ ድሙቕ ብርሃን ተረኺቡ ኢዩ። መፍትሕ ናይዚ ቀጻሊ ብርሃን ድማ እቲ ናይ ራእይ ትንቢት ነቲ ኣብ 1914 ዝጀመረ “መዓልቲ ጐይታ” ዘመልክት ብምዃኑ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። (ራእይ 1:10) ስለዚ እምበኣር መጽሓፍ ራእይ እታ መዓልቲ እናወሰኸት ክትከይድ ከላ ኢያ ዝያዳ ንጹር ምርዳእ እትረክብ።
እቶም “ስልጣናት” ተነጸሩ
4, 5. (ሀ) ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንሮሜ 13:1 ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝርድእዋ ነይሮም? (ለ) ጸኒሑኸ ን“ስልጣናት” ዝምልከት ቅዱስ ጽሑፋዊ ቦታ እንታይ ምዃኑ ኢዩ እተፈልጠ?
4 ኣብ 1962 ምስቲ ኣብ ሮሜ 13:1 “ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ [“ዝለዓሉ ሰበ ስልጣናት” ትርጉም ሓዳስ ዓለም] ይገዝኣዮ” ዝብል ሓሳብ እተተሓሓዘ ድሙቕ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ተራእዩ ነበረ። እቶም ቀዳሞት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ “ስልጣናት” ንዓለማውያን ስልጣናት ዘመልክቱ ኢዮም ብምባል ኢዮም ተረዲኦምዎ ነይሮም። ነዚ ጽሑፍ እዚ ኸኣ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ግዜ ውግእ እንተደኣ ተጸዊዑ: ወተሃደራዊ ኽዳን ክኽደን: መሳርያ ክዕጠቕ: ናብቲ ቦታ ውግእ ክኸይድ: ናብቲ ዕርድታት ከኣ ክኣቱ ኣለዎ ኢሎም ኢዮም ዝርድእዎም ነይሮም። ክርስትያን ክቐትል የብሉን ዝብል ምርዳእ ስለ ዝነበሮም ግን: ዘጸግም ኩነታት እንተደኣ ኣጋጢሙ ንመሳርያኡ ናብ ኣየር ክትኩስ ኢዩ ዝግደድ።a
5 እታ ናይ 15 ሕዳር ከምኡውን 1 ታሕሳስ 1962 ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 22:21 ዘሎ ቃላት የሱስ ክትዛረበሉ ከላ ነዚ ሓሳብ እዚ ኣነጺራ ኣብሪሃቶ ነይራ ኢያ:- “ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ።” እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5:29 ዘሎ ቃላት ናይ ሃዋርያት ምስዚ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።” ክርስትያናት ንሕጊ ኣምላኽ ክጻረሩ ዝሓቶም ክሳዕ ዘይኰነ ንቄሳር—“ስልጣናት”—ይእዘዙ ኢዮም። ንቄሳር ምእዛዝ ተዛማዲ ደኣምበር ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይኰነ ከኣ ምርዳእ ተረኽበ። ክርስትያናት ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ዘይጻረር ነገር ጥራይ ኢዮም ንቄሳር ዝህብዎ። ኣብቲ ሓሳባት እቲ ንጹር ብርሃን ክህልወካስ ክሳዕ ክንደይ ዘዕግብ ኰን ኢዩ!
ንምምሕዳራዊ ነገራት ዝምልከት ናይ ብርሃን ነጸብራቕ
6. (ሀ) ካብቲ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ልሙድ ዝነበረ መዓርጋዊ መዋቕር ንምርሓቕ: ኣየናይ መምርሒ ኢዩ እተዓየየሉ? (ለ) ነቶም ኣብ ጉባኤ ክዕዘቡ ዘለዎም ንምምራጽ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ዝምልከት ኣብ መወዳእታ እንታይ ምርዳእ ኢዩ እተረኽበ?
6 ኣብ ጉባኤታት ከም ሽማግለታትን ድያቆናትን ኰይኖም ከገልግሉ ዘለዎም መን ኢዮም ዝብል ሕቶ ነይሩ ኢዩ። ካብቲ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ልሙድ ዝነበረ ናይ መዓርግ መዋቕር ንምርሓቕ: እዚኣቶም ብድምጺ ኣባላት ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብደሞክራሲያዊ መገዲ ክምረጹ ኣለዎም ኣብ ዝብል መደምደምታ ተበጽሐ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ናይ 1 መስከረም ከምኡውን 15 ጥቅምቲ 1932: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ወሰኽ ናይ ብርሃን: ቅዱሳት ጽሑፋት ንምርጫ ናይ ሽማግለታት ከም ዘይድግፎ ኣርኣየ። ስለዚ እምበኣር እዚኣቶም ብናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ ተተክኡ: ናይ ኣገልግሎት ዳይረክተር ከኣ ብማሕበር ይምረጽ ነበረ።
7. ኣብ ጉባኤታት ኣገልገልቲ ንምሻም ኣብ ዝግበር መገዲ ኣብ ኣየናይ ምምሕያሻት ኢዩ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ዝበርሀ?
7 ናይ 1 ሰነ ከምኡውን 15 ሰነ 1938: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እቶም ናይ ጉባኤ ኣገልገልቲ ክምረጹ ዘይኰነስ ብቲኦክራቲካዊ መገዲ ክሽየሙ ከም ዘለዎም ዘርኢ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ሒዛ ወጸት። ኣብ 1971 ካልእ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ብሓደ ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ጥራይ ክትምራሕ ከም ዘይብላ ገለጸ። ኣብ ክንዳኡ: ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመሓዳሪ ኣካል እተመዘዘ: ኣካል ሽማግለታት: ወይ ተዓዘብቲ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ንልዕሊ 40 ዓመታት ብዝቐጸለ ወሰኽ ናይ ብርሃን: ሽማግለታት ከምኡውን ድያቆናት በቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉ ኣቢሎም በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ክሽየሙ ከም ዘለዎም ንጹር ኰነ። (ማቴዎስ 24:45-47) እዚ ምስቲ ኣብ ግዜ ሃዋርያት እተፈጸመ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። ከም በዓል ጢሞቴዎስን ቲቶስን ዝኣመሰሉ ሰብኡት ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም እተሸሙ በቲ ናይ መጀመርታ ክፍለ ዘበን ኣመሓዳሪ ኣካል ኢዮም ነይሮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ 5:22፣ ቲቶስ 1:5-9) እዚ ኵሉ ዘደንቕ ፍጻሜ ናይ ኢሳይያስ 60:17 ኢዩ:- “ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ: ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር: ኣብ ክንዲ ዕንጨይቲ ኸኣ ነሃሲ: ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉ[ቍ]ኪ ሰላም: ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ።”
8. (ሀ) ኣብቲ ማሕበር እትካየደሉ መገዲ እቲ ዝውስኽ ዝነበረ ሓቂ እንታይ ምምሕያሻት ኢዩ ዘምጽአ? (ለ) ኮሚቴታት ናይቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣየኖት ኢዮም: ናይ ነፍሲ ወከፎም ዓውደ–ስራሕ ወይ ምዕዛብ እንታይ ኢዩ?
8 ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ምክያድ ዘርኢ ጕዳይ እውን ነይሩ ኢዩ። ንብዙሕ ዓመታት እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመሓዳሪ ኣካል ምስቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ናይ ፔንሲልቫንያ ናይ ዳይረክተራት ቦርድ ሕደ ኢዩ ነይሩ: ዝበዝሐ ነገራት ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ናይቲ ፕረዚደንት ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ናይ 1977 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር (ገጽ 258-9) እተገልጸ: ኣብ 1976 እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል: ነፍሲ ወከፍ ንእተወሰነ መዳይ ናይቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ዘካይድ: ኣብ ሹድሽተ ኮሚቴታት ኰይኑ ክዓዪ ጀመረ። እቲ ናይ ፐርሶነል ኮሚቴ ንናይ ፐርሶነል ጉዳያት ዝምልከት: ከምኡውን ንኹሎም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከቡ ስድራ ቤት ቤትኤል ዘገልግሉ ሰባት ዘድሊ ነገራት ዘጠቓልል ኢዩ ዝዓዪ። እቲ ናይ ሕትመት ኮሚቴ ንኹሉ ዓለማውን ሕጋውን ከም ንብረትን ሕትመትን ዝኣመሰለ ነገራት ዝቆጻጸር ኢዩ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ኮሚቴ: ምስቲ ናይ ምስክርነት ዕዮ እተተሓሓዘ ነገራት ዘካይድ: ከምኡውን ንንጥፈታት ናይ ዘወርቲ በጻሕቲ: ፓይነራት: ከምኡውን ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ዘርእይዎ ንጥፈታት ዝዕዘብ ኢዩ። እቲ ናይ ትምህርቲ ኮሚቴ ድማ ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ፍሉይ መዓልቲ ኣሰምብሊታት: ናይ ወረዳ ኣኼባታት: ናይ ኣውራጃ: ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ከምኡውን ንመንፈሳዊ ትምህርቲ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ዝኾኑ እተፈላለዩ ኣብያት ትምህርትታት ብሓለፍነት ዘካይድ ኢዩ። እቲ ናይ ጽሕፈት ኮሚቴ ከኣ ጽሑፋት ብኹሉ መልክዓቱ ከም እተዳለወን እተተርጐመን ይዕዘብ: ኵሉ ነገር ድማ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝሰማማዕ ምዃኑ ይቆጻጸር። እቲ ናይ ሊቀ መንበር ኮሚቴ ንሃንደበታውን ህጹጽን ጕዳያት ዝምልከት ኢዩ ዝዓዪ። ብተወሳኺውን: ኣብ 1970: ጨንፈር ቤት ጽሕፈታት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ክንዲ ብሓደ ተዓዛቢ: ብኮሚቴ ክምርሓ ጀመራ።b
ንክርስትያናዊ ጠባይ ዝምልከት ብርሃን
9. እቲ ብርሃን ሓቂ ነቲ ኣብ መንጐ ክርስትያናትን ዓለማውያን መንግስታትን ዘሎ ዝምድና ዝተንከፎ ብኸመይ ኢዩ?
9 ብዙሓት ንክርስትያናዊ ጠባያት ዝምልከቱ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ በሪሆም ኢዮም። ንኣብነት: ንጕዳይ ናይ ገለልትነት ዝምልከት እስከ ንርአ። ኣብታ ናይ 1 ሕዳር 1939 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) “ገለልትነት” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝምልከት ፍሉይ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ በሪሁ ነበረ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ድሕሪ ምጅማሩ ብኡንብኡ ስለ ዝበርሀስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ እዋናዊ ነይሩ! እታ ዓንቀጽ ንገለልትነት ብምግላጽ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ወይ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣብ ዝለዓል ግርጭትታት ክኣትዉ ከም ዘይብሎም ከኣ ኣብሪሃቶ ኢያ። (ሚክያስ 4:3, 5፣ ዮሃንስ 17:14, 16) እቲ ብኹሎም ኣህዛብ ዝጽልእሉ ምኽንያት ከኣ እዚ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:9) ከምቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 26:52 ብሩህ ገይርዎ ዘሎ: እቶም ውግኣት ናይ ጥንታውያን እስራኤል ንክርስትያናት ናይ መርኣያ ኣብነት ኣይኰኑን። ኣብ ርእሲ እዚ: ከምቲ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረቶ: ሎሚ ሓንቲ ቲኦክራሲ: ብኣምላኽ እትምራሕ: ፖለቲካዊት ሃገር የላን።
10. ክርስትያናት ንደም ከመይ ገይሮም ክርእይዎ ከም ዘለዎም ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ?
10 ንቕድስና ናይ ደም ዝምልከት ብርሃን እውን በሪሁ ኢዩ። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29 ዘሎ ምኽልካል ናይ ደም ንኣይሁድ ጥራይ ዝምልከት ኢዩ ነይሩ ኢሎም ኢዮም ዝሓስቡ ነይሮም። ይኹን እምበር: ግብሪ ሃዋርያት 21:25 ኣብ ግዜ ሃዋርያት እዚ ትእዛዝ እዚ ነቶም ካብ ኣህዛብ ዝኣመኑ እውን ይውዕል ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕብር። ስለዚ ከምቲ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1945 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) እተራእየ: ቅድስና ናይ ደም ንኹሎም ክርስትያናት ዝምልከት ኢዩ። እዚ ማለት: ከምቲ ኣብ ናይ ደም ግዕዝም ዝግበር: ናይ እንስሳታት ደም ምእባይ ጥራይ ዘይኰነስ: ብምትሕልላፍ ደም ገይርካ ናይ ሰብ ደም ካብ ምውሳድ እውን ምኽልካል ማለት ኢዩ።
11. ክርስትያናት ንኣጠቓቕማ ትምባኾ ክህልዎም ዘለዎ ኣረኣእያ ዝምልከት እንታይ ኢዩ እተፈልጠ?
11 ብርሃን እናወሰኸ ይኸይድ ስለዝነበረ: ኣብ መጀመርታ ዘጸውጉ ጥራይ ዝነበሩ ልምድታት: ደሓር ግን ብዕቱብ ክርኣዩ ጀመሩ። ሓደ ኣብነት ናይዚ ምስ ትምባኾ ምዝውታር እተተሓሓዘ ኢዩ። ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 1895: ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ: ሓው ራስል ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:31 ከምኡውን 2 ቈረንቶስ 7:1 ቈላሕታ ብምግባር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዝኾነ ክርስትያን ብዝኾነ መልክዕ ትምባኾ ክጥቀምሲ: ከመይ ኢሉ ንኽብሪ ኣምላኽ: ወይ ንጥቕሚ እቲ ክርስትያን ከም ዝኸውን ኣይረኣየንን ኢዩ።” ካብ 1973 ኣትሒዙ ትምባኾ ዝጥቀም ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከም ዘይክእል ንጹር ምርዳእ ተረኽበ። ኣብ 1976 ከኣ ዋላ ሓደ ምስክር እውን ይኹን ኣብ ናይ ጠላዕ ማሕበራት እናሰርሐ ምስ ጉባኤ ጽቡቕ ኣቋውማ ሒዙ ክመላለስ ከም ዘይክእል ንጹር ኰይኑ ነበረ።
ካልእ ምጽራያት
12. (ሀ) ብዛዕባ እተን ንጴጥሮስ ብሕድሪ እተዋህባኦ መፋትሕ መንግስተ ሰማያት ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ? (ለ) ጴጥሮስ ንነፍሲ ወከፍ መፍትሕ ክጥቀመለን ከሎ እቲ ኩነታት እንታይ ኢዩ ነይሩ?
12 ንቑጽሪ ናይተን የሱስ ንጴጥሮስ ዝሃቦ ምሳልያውያን መፋትሕ ዝምልከት ወሰኽ ናይ ብርሃን እውን ነይሩ ኢዩ። ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ጴጥሮስ: ሰባት ወረስቲ መንግስቲ ምእንቲ ክኾኑ መገዲ ንምኽፋት ክልተ መፋትሕ—ሓንቲ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ.: ንኣይሁድ እተጠቐመላ እታ ኻልኣይቲ ከኣ ንመጀመርታ ግዜ ብ36 ከ.ኣ.ዘ. ጴጥሮስ ንቀርኔሌዎስ ክሰብከሉ ከሎ: ንኣህዛብ እተጠቐመላ—ኢዩ ተቐቢሉ ኢሎም ኢዮም ዝርድእዎ ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-41፣ 10:34-48) ድሕሪ ገለ ግዜ: ሳልሳይ ጕጅለ—ሳምራውያን—እውን ከም ዘለዉ ተራእየ። ጴጥሮስ ንሳምራውያን ናይታ መንግስቲ ኣጋጣሚ ክኸፍተሎም ከሎ ነታ ካልኣይቲ መፍትሕ ተጠቕመላ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:14-17) ስለዚ እምበኣር ጴጥሮስ ንቀርኔሌዎስ ክሰብከሉ ከሎ ኢዩ ነታ ሳልሰይቲ መፍትሕ እተጠቕመላ።—1 ጥቅምቲ 1979: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 16-22, 26
13. ብዛዕባ እተን ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 10 ተጠቒሰን ዘለዋ መጓሰ ኣባጊዕ: ናይ ብርሃን ነጸብራቕ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ?
13 ካብ ካልእ ናይ ብርሃን ጮራ ከኣ: የሱስ ክልተ ጥራይ ዘይኰነስ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ከም ዝጠቐሰ ተፈልጠ። (ዮሃንስ: ምዕራፍ 10) እዚኣቶም (1) ዮሃንስ መጥምቕ ሓላው ኣፍ ደጊኡ ዝነበረ ናይ ኣይሁድ መጓሰ ኣባጊዕ: (2) መጓሰ ናይቶም ቅቡኣት ወረስቲ መንግስቲ ከምኡውን (3) መጓሰ ናይቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ”።—ዮሃንስ 10:2, 3, 15, 16፣ ናይ 15 ለካቲት 1984: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-20
14. እቲ ዝወሰኸ ብርሃን ንምጅማር ናይታ ምሳልያዊት መዓልቲ እልልታ ዝምልከት ነገራት: ብኸመይ ኢዩ ዘነጸረ?
14 ነቲ ምርዳእ ምሳልያዊ መዓልቲ እልልታ እውን ገለ ምንጻር ተገይርሉ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ: ኣብ መበል ነፍሲ ወከፍ 50 ዓመት ንብረት ናብቶም ናይ መጀመርታ ዋናታቱ ዝምለሰሉ ዓቢ መዓልቲ እልልታ ነይሩ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 25:10) እዚ ንነዊሕ ግዜ ቅድመ–ጽላሎት ናይቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ኢሎም ኢዮም ዝርድእዎ ነይሮም። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቐረባ ግዝያት: እዚ ምሳልያዊ መዓልቲ እልልታ እቶም መንፈስ ቅዱስ እተቐበሉ ካብቲ ናይ ሙሴ ሕጊ ኪዳን ሓራ ምስ ወጹ: ኣብ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ጀሚሩ።—1 ጥሪ 1987: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-28
ኣብ ልዕሊ ስያመታት ዝወሰኸ ብርሃን
15. ኣብታ “ውጥን” እትብል ቃል እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝበርሀ?
15 “እቲ ሰባኺ ባህ ዘብል ቃላትን ናይ ቅኑዕ ቃላት ሓቂ ጽሑፍን ደለየ።” (መክብብ 12:10 ትሓዓ ) እዚ ቃላት እዚ: ብርሃን ኣብ ልዕሊ ከም ሰረተ–ትምህርትን ጠባይን ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ጕዳያት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ክርስትያናዊ ስያሜታትን ቅኑዕ ትርጕሞምን እውን ስለ ዝበርሀ: ነዚ ሕጂ ሒዝናዮ ዘሎና ኣርእስቲውን ዝምልከት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: እታ ናይ ዘበናት መለኮታዊ ውጥን ዘርእስታ: ቀዳመይቲ ጥራዝ ናይታ መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዮም ዝፈትዉወን ዝነበሩ መጻሕፍቲ ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ገለ ግዜ: ውጥን ዝገብሩ: ሰባት ጥራይ ከም ዝኾኑ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዛረብ ተፈልጠ። (ምሳሌ 19:21) ቅዱሳት ጽሑፋት የሆዋ ከም ዝውጥን ፈጺሞም ኣይዛረቡን ኢዮም። ክውጥን ኣየድልዮን ኢዩ። ዘይውዳእ ጥበብን ሓይልን ስለ ዘለዎ ዝዓለሞ ዘበለ ከም ዝዕወት ርግጽ ኢዩ: ኣብ ኤፌሶን 1:9, 10 እውን ከምዚ ኢና እነንብብ:- “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና: ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ።” ሰለዚ ንየሆዋ ዝምልከት ምስ ዝኸውን “ዕላማ” ዝብል ስያመ ዝያዳ ዝበቅዕ ከም ዝኾነ በብቑሩብ ተፈልጠ።
16. ንቕኑዕ ምርዳእ ናይ ሉቃስ 2:14: በብቑሩብ እተፈልጠ እንታይ ኢዩ ነይሩ?
16 ድሕርዚ ናይ ሉቃስ 2:14 ንጹር ምርዳእ ተረኺቡ ኢዩ። ። ብመሰረት ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ከምዚ ኢያ እትንበብ:- “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ: ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ: ስምረት ኣምላኽ ድማ ንሰባት።” እዚ ግን ስምረት ኣምላኽ ነቶም እኩያት ሰባት ስለ ዘይተገልጸ: እዚ ሓሳብ እዚ ቅኑዕ ከም ዘይኰነ ተፈልጠ። ስለዚ እምበኣር እቶም መሰኻኽር እዚ ሰላም እዚ ነቶም ኣብ ኣምላኽ ስምረት ዘለዎም ሰባት ከም ዘመልክት ገይሮም ተረድእዎ። ስለዚ ነቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዝነበሮም ሰባት: ስምረት ዘለዎም ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎም ነይሮም። ይኹን እምበር ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ሰባት ስምረት ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ ስምረት ከም ዘድሊ ተፈልጠ። በዚ ኸኣ ኢዩ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብቲ ናይ እግረ–ጽሑፍ ብዛዕባ ሉቃስ 2:14 ክዛረብ ከሎ ከምዚ ዝብል:- “[ኣምላኽ] ዝሰመሮም ሰባት።” ኵሎም ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ዝነብሩ ክርስትያናት ስምረት ኣምላኽ ኣለዎም።
17, 18. የሆዋ ሓቅነቱ ዘረጋግጸሉ እንታይ ኢዩ: እንታይ ኢዩኸ ዚቕድስ?
17 ብተመሳሳሊ: መሰኻኽር ብዛዕባ ምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ ንነዊሕ ግዜ ተዛሪቦም ኢዮም። ይኹን እምበር ሰይጣን ንስም የሆዋ ኣብ ሕቶ የእትይዎ ድዩ? በዚ ምኽንያት እዚኸ ዝኾነ ካብ ወኪላት ናይ ሰይጣን ነቲ የሆዋ ነዛ ስም እዚኣ ዘለዎ መሰል ኣብ ሕቶ የእትይዎ ድዩ? ፈጺሙ ኣየእተዎን። ሓቅነቱ ክረጋገጽ እተደልየን ብድሆ ዝቐረቦን ስም የሆዋ ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ናይዚ ቐረባ ግዜ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ ዘይዛረብ። ሉዓላውነት የሆዋ ሓቅነቱ ከም እተረጋገጸ: ስሙ ከኣ ከም እተቐደሰ ኢዮም ዝዛረቡ። እዚ ምስቲ የሱስ “ስምካ ይቀደስ” ኢልና ክንጽልዮ ዝነገረና ዝሰማማዕ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9) የሆዋ ነታ እስራኤላውያን ብድሆ ዘቕረቡላ ዘይኰኑስ ዘርከስዋ ስሙ ክቕድሳ ምዃኑ ኢዩ ብተደጋጋሚ ዝዛረብ ነይሩ።—ህዝቅኤል 20:9, 14, 22፣ 36:23
18 ዘገርም ድማ: ኣብ 1971: እታ “ህዝብታት ኣነ የሆዋ ምዃነይ ክፈልጡ ኢዮም”—ብኸመይ?” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ፍልልይ ትገብር:- “የሱስ ክርስቶስ . . . ጠቕላላዊ ሉዓላውነት ናይ የሆዋ ሓቅነቱ ንምርግጋጽን ስም የሆዋ ንምኽባርን ኢዩ ዝቃለስ።” (ገጽ 364-5) ኣብ 1973: እታ ናይ ሽሕ ዓመት መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪባ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከምዚ በለት:- “እቲ ዝመጽእ ዘሎ ‘ዓቢ ጸበባ’: እቲ ኵሉ ዝኽእል የሆዋ ኣምላኽ ጠቕላላዊ ሉዓላውነቱ ዘረጋግጸሉን ነቲ ኽቡር ስሙ ዝቕድሰሉን ግዜ ኢዩ።” (ገጽ 409) ድሕርዚ: ኣብ 1975: ድሕነት ሰብ ካብዚ ናይ ዓለም ጸበባ ቀሪቡ ኢዩ! እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ “እቲ ዝዓበየ ፍጻመ ናይ ጠቕላላ ፍጥረት ታሪኽ ማለት ምርግጋጽ ሓቅነት ሉዓላውነት የሆዋን ምቕዳስ ናይቲ ቅዱስ ስሙን ሽዑ ክዛዘም ኢዩ” በለት።—ገጽ 281
19, 20. ንነጸብራቕ ናይ መንፈሳዊ ብርሃን ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ኢና ከነርኢ እንኽእል?
19 ህዝቢ የሆዋ በዚ ኹሉ መንፈሳዊ ብርሃን ክፍስሁሲ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተባሪኾም! ምስዚ ብምንጽጻር: ነቲ መራሕቲ ህዝበ ክርስትያን ዝርከብሉ መንፈሳዊ ጸልማት ዝገልጽ ብሓደ ቀሺ እተዘርበ እዚ ዝስዕብ ሓሳባት ኣሎ:- “ሓጢኣት ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ? ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ? ድያብሎስ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ? እዚ ንሰማይ ምስ ከድኩ ንጐይታ ክሓቶ ዝደሊ ሕቶታት ኢዩ።” ይኹን እምበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ ምዃኑ ክነግርዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ድማ ብዛዕባ ቅንዕና ናይ የሆዋ ሉዓላውነት ብድሆ ስለ ዝቐረበን ከምኡውን ሰብኣውያን ፍጡራት ሽሕኳ ናይ ሰይጣን ምጽራር እንተሎ ንጽህናኦም ንኣምላኽ ይሕልዉ ድዮም ኣይሕልዉን ዝብል ክርክር ስለ እተላዕለን ኢዩ።
20 ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ዓበይትን ንኣሽቱን ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ንመገዲ ናይቶም ውፉያት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብሪሆምዎም ኢዮም። እዚ ፍጻሜ ናይቲ ከም መዝሙር 97:11 ከምኡውን ምሳሌ 4:18 ዝኣመሰሉ ቅዱሳት ጽሑፋት ኢዩ። ይኹን እምበር ብብርሃን ምምልላስ ማለት ነቲ ዝውስኽ ብርሃን ሞሳ ምርኣይን ምስኡ ተሰማሚዕካ ምኻድን ማለት ምዃኑ ኣይንረስዕ። ከምቲ ዝረኣናዮ: እዚ ወሰኽ ናይዚ ብርሃን እዚ ክልቲኡ ማለት ንጠባይናን ነቲ ናይ ስብከት ተልእኾናን ዘጠቓልል ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ ናይ 1 ከምኡውን 15 ሰነ 1929 ግምቢ ዘብዐኛ: (እንግሊዝኛ) ነዚ ሓሳብ እዚ ክትምልሸሉ ከላ እቶም “ዝለዓሉ ስልጣናት” የሆዋ አምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኢዮም ኢላ ኢያ ተርጕማቶ ነይራ። ኣብ 1962 መጀመርታ እተኣረመ ኸኣ እዚ ቦታ ሓላፍነት እዚ ኢዩ።
b ናይ 15 ሚያዝያ 1992: ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ምስቲ ኣብ ግዜ እዝራ ነቲኒም ዝዓይዎ ዝነበሩ ብምስምማዕ: ካብቶም “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝኾኑ እተመረጹ ኣሕዋት ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ክሕግዙ ከም እተመዘዙ ገለጸት።—ዮሃንስ 10:16፣ እዝራ 2:58
ትዝክርዶ?
◻ ብዛዕባ “ስልጣናት” ዝምልከት: እንታይ ብርሃን ኢዩ ዝበርሀ?
◻ ናይ ብርሃን ነጸብራቕ ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ምምሕዳር ምዕባሌታት ኢዩ ዝበርሀ?
◻ ወሰኽ ናይ ብርሃን ንጠባይ ናይ ክርስትያናት ዝተንከፎ ከመይ ገይሩ ኢዩ?
◻ መንፈሳዊ ብርሃን ኣብቲ ንገለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ዘሎና ምርዳእ እንታይ ምጽራያት ኢዩ ዘምጽአ?
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
መፍትሕ ኣብ ገጽ 24:- Drawing based on photo taken in Cooper Hewitt, National Design Museum, Smithsonian Institution