ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/12 ገጽ 2-5
  • እቲ ሰራውር ናይ ኢዘሀርነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ሰራውር ናይ ኢዘሀርነት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ሰራውር ምርድኡ
  • እቲ ኣዝርእቲ ተዘርአ
  • ተጣራጣርነት ጠጥዐ
  • ኢዘሀርነት ኣብቲ ምሉእ ቁመቱ በጽሐ
  • ናይዚ መበል 20 ክፍለ–ዘበን ክሕደት ኣምላኽ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ኣብ ፈጣሪ ምእማን ይከኣል ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/12 ገጽ 2-5

እቲ ሰራውር ናይ ኢዘሀርነት

ኣብ ሓንቲ ቅልውላው ዝመልኣ ፕላኔት ኢና እንነብር ዘሎና። እዚ ሓቅ’ዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ኣርእስተ–ዜና ናይ ጋዜጣታት ብቐጻሊ ዝርአ ኢዩ። እዚ ተስፋ ዘይብሉ ኵነታት ናይዛ ዓለምና: ንብዙሓት ብዛዕባ ህላዌ ናይ ኣምላኽ ከም ዝጠራጠሩ ገይሩዎም ኢዩ። ገሊኦም ኢዘሀራውያን ኢና ዝብሉ ህላዌኡ’ውን ክሒዶም ኢዮም። ንስኻኸ ከምኡ ዲኻ?

ኣብ ኣምላኽ ምእማንን ዘይምእማንን ንመጻኢ ግዜ ዘሎካ ኣረኣእያ ኣዕሚቑ ይትንክፎ ኢዩ። ነቲ ሰብ ዘለዎ ናይ ምዕናው ዓቕሚ ርኢኻስ: ብዘይ ኣምላኽ: ድሕነት ናይ ዘርኢ ሰብ ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰብ ክኸውን​—⁠ተስፋ ዘይብሉ ሓሳብ ኢዩ። ኣምላኽ ከም ዘሎ ትኣምን እንተድኣ ኴንካ: ህይወት ኣብዛ ምድሪ ዕላማ ከም ዘለዋ ምናልባት ትቕበሎ ትኸውን​—⁠እዚ ዕላማ እዚ ኸኣ ብሓቂ ክፍጸም ዝኽእል ኢዩ።

ሽሕኳ ኣብዚ ዝሓለፈ ታሪኽ ክሕደት ህላዌ ኣምላኽ ሓሓሊፉ ዝርኤ እንተነበረ: ህቡብነት ናይ ኢዘሀርነት ዘስፋሕፍሔ ግን ኣብዚ ቀረባ ዘመናት ጥራይ ኢዩ። ስለምንታይ ምዃኑስ ትፈልጥዶ?

ነቲ ሰራውር ምርድኡ

ሓንቲ ገረብ ክትርኢ ዝምስጥ ኢዩ። ኣዒንቲ ግን: ነቲ ኣቁጽልቲ: ጨናፍር: ከምኡውን ጉንዲ ኢየን ዝርእያ። እቲ ሰራውር​—⁠ምንጪ ህይወት ናይታ ገረብ​—⁠ኣብ ውሽጢ እቲ መሬት ኢዩ ተሓቢኡ ዘሎ።

እዚ ኣብ ኢዘሀርነትውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ። እዚ ክሕደት ህላዌ ኣምላኽ ኣብ መበል 19 ክፍለ–ዘበን ልክዕ ከም ሓንቲ ነዋሕ ኦም: ናብ ዝምስጥ ቁመት ዓብዩ ኢዩ። ህይወት ይኹን እዚ ጠቕላላ ኣድማስ ብዘይ ሓደ ልዕለ–ባህሪ ዝኾነ መናጪ ክህሉዶ ምኸኣለ? ንኸምዚ ዝበለ ፈጣሪ ምምላኽከ ግዜኻ ብዘይጠቅም ምጥፋእ ድዩ? መልስታት ናይቶም ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ ቀንዲ ፈላስፋታት: ሓያልን ንጹርን ኢዩ ነይሩ። ፍረድሪክ ኒቺ “ልክዕ ከምቲ ናይ ሞራል ስርዓታት ዘየድልየና: ሃይማኖት እውን ኣየድልየናን ኢዩ” በለ። ሉትቪክ ፈዩርባክ ከኣ “ሃይማኖት ናይ ሰብኣዊ ኣእምሮ ሕልሚ ኢዩ” ብምባል ይገልጽ። ካርል ማርክስ እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ኣብቲ ዝመጽእ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት ዓሚቍ ጽልዋ ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ኸኣ ብድፍረት “ኣነ ነቲ ናይ ኣእምሮ ሓርነት: ካብቲ ሰንሰለት ናይ ሃይማኖት: ክውስኸሉ ኢየ ዝደሊ” በለ።

ብዙሓት ተመሲጦም ኢዮም። ዝኾነ ኮይኑ ግን: ንሳቶም ዝረኣይዎ እቲ ኣቁጽልቲ: ጨናፍር ከምኡውን ጕንዲ ናይ ኢዘሀርነት ጥራይ ኢዩ። እቲ ሰራውር 19 ክፈለ ዘበን ከይተጀመረ: ቅድሚ ነዊሕ: ኢዩ ኣብ ቦታኡ ዝነበረን ዝጠጥዐን። ዘገርም ድማ እቲ ዘመናዊ ዕብየት ናይ ኢዘሀርነት ብኣላይነት ሃይማኖታት ህዝበ–ክርስትያን ኢዩ ነይሩ! ከመይ ኢሉ? እዘን ሃይማኖታውያን ትካላት ብምኽንያት ብልሽውናአን ብዙሕ ምህውታትን ተቓውሞን ኣለዓዒለን ኢየን።

እቲ ኣዝርእቲ ተዘርአ

ኣብቲ ግዜ ማእከላይ መዋእል ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን ኣብ ልዕሊ ተገዛእታ ዘደንጹ ምቁጽጻር ነበራ። ዘ ኢንሳይክሎፐድያ ኣመሪካና “እቲ መዓርግ ነቲ መንፈሳዊ ድልየት ናይ ህዝቢ ክሓሊ ዝተዓጥቀ ኣይመስልን ነበረ። እቶም ዝለዓሉ ካህናት: ብፍላይ ኣቡናት: ካብቲ ልኡልነት ዝተኣከቡ ኢዮም: ነቲ መዓርጎም ብቀንዱ ከም ምንጪ ናይ ክብረትን ስልጣንን ኢዮም ዝርእይዎ ነይሮም” ይብል።

ገለ ከም በዓል ጆን ካልቪንን ማርቲን ሉተርን ዝኣመሰሉ ነታ ቤተ–ክርስትያን ከሐድስዋ ፈቲኖም ነይሮም። እንተኾነ ግን እቲ ንሳቶም ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ኩሉ ግዜ ከም ናይ ክርስቶስ ኣይነበረን። እቲ ተሓድሶ: ብደም ምፍሳስን ዘይምጽዋርን ዝተፈልጠ ነበረ። (ምስ ማቴዎስ 26:52 ኣነጻጽሮ።) እቲ ዘለፋታት ኣዝዩ ሰንካም ስለ ዝነበረ እኳ ሰለስተ ዘበናት ጸኒሑ: ቶማስ ጀፈርሰን: ሳልሳይ ፕረሲደንት ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ “ንኣምላኽ በቲ ዘስካሕክሕ ባህርያት ናይ ካልቪን ጌርካ ካብ ብጽዩፍ ምጽራፉ: ኣምላኽ ዝበሃል ጨሪሱ የሎን ኢልካ ምእማን: ዝያዳ ይቅሬታ ዝወሃቦ ኢዩ” ኢሉ ጸሓፈ።a

እዚ ተሓድሶ: ንጹህ ኣምልኾ ከም ዘይመለሰ ንጹር ኢዩ። ንሓይሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን ግን: ኣዳኺምዎ ኢዩ። ድሕርዚ: ቫቲካን ንሃይማኖታዊ እምነት ብሒታ ኣይሓዘቶን። ብዙሓት ምስተን ሓደስቲ ዝቖማ ናይ ፕሮቴስታንት ኣንቆራታት ሓበሩ። ካልኦት ብሃይማኖት ፈጺሞም ሃውቲቶም ንሰብኣዊ ኣእምሮ: ዕላማ ናይ ኣምልኾኦም ገበርዎ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኽ እተፈላለየ ኣተሓሳስባ ክህሉ ዘፍቅድ: ናጻ ዝኾነ ኣመላኻኽታ ኣስዓበ።

ተጣራጣርነት ጠጥዐ

ኣብ መበል 18 ክፍለ–ዘበን: ርትዓዊ ኣተሓሳስባ: ብልምዲ መድሃኒተ–ኵሉ ግድላት ዓለም ተባሂሉ ክውደስ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ኢማኑኤል ካንት እተባህለ ጀርመናዊ ፈላስፋ: ሰብ ከም መምሪሑኡ ገይሩ ኣብ ፖለቲካን ሃይማኖትን ብምውካሉ: ምዕባሌኡ ከም ዝተደናጐየ ይገልጽ። “ንኽትፈልጥ ደፋር ኩን! ናይ ገዛእ ርእስኻ ምስትውዓል ንምጥቃም ከኣ ትብዓት ይሃልኻ!” ኢሉ ኸኣ ይምሕጸን።

እዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ ከም መዋእለ–ምኽንያት እውን ዝፍለጥ እዋን ምርዳእ መለለይኡ ኮነ። ኣብ 18 ክፍለ–ዘበን ብምሉኡ: እዚ እዋንዚ ብሓደ ጭኑቕ ምንዳይ ንፍልጠት ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ነቲ ማይልስቶን ኦፍ ሂስትሪ እተባህለ መጽሓፍ “ተጣራጣርነት ንዕዉር እምነት ተክኦ። ኵሎም እቶም ናይ ቀደም ቅቡላት ዝነበሩ እምነታት ኣብ ሕቶ ኣተዉ” ይብል።

ሓደ ክምርመር ዝነበሮ ‘ናይ ቀደም ቅቡል ልምዲ:’ ሃይማኖት ኢዩ ነይሩ። ዘ ዩኒቨርሳል ሂስትሪ ኦፍ ዘ ዎርልድ እተባህለ መጽሓፍ “ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝነበሮም ኣረኣእያ ለዊጦም ኢዮም። በቲ መብጽዓ ናይ ሰማያዊ ዓስቢ ኣይዓገቡን። ኣብ ምድሪ ዝበለጸ ህይወት ክህልዎም ኢዮም ዝደልዩ ነይሮም። ነቲ ኣብ ልዕለ–ባህሪ ዝነበሮም እምነት ከጥፍኡዎ ጀሚሮም ኢዮም” ይብል። ብርግጽ ብዙሓት ናይ እዋን ምርዳእ ፈላስፋታት ንሃይማኖት ብንዕቀት ኢዮም ርእዮምዎ። ንሳቶም ብፍላይ ነቶም ህርፋን ስልጣን ዝነበሮም መራሕቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያን: ንህዝቢ ስለ ዘደንቁሩዎ ኮኒኖምዎም ኢዮም።

ብዙሓት ካብዞም ፈላስፋታት እዚኣቶም ብሃይማኖት ስለ ዘይዓገቡ ደያውያን ኮኑ። ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ: ንሰብ ግን ተገዳስነት የብሉን ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዙ ኢዮም።b ገለ ሒደት ከም በዓል ፈላስፋ ፖል ኣንሪ ቲሪ ኦልባክ: እቲ ሃይማኖትሲ “ምንጪ ናይ ፍልልያት: ዕብዳን: ከምኡውን ዓመጽ” ምንባሩ ዝገለጸ: ዝኣመሰሉ ድማ ዝወጸሎም ኢዘሀራውያን ኮኑ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ: ብህዝበ–ክርስትያን ዝሰልከዩ ኣዝዮም ብዙሓት ድማ ነቲ ናይ ኦልባክ ስምዒት ሓበርዎ።

ህዝበ–ክርስትያን ንዕብየት ናይ ኢዘሀርነት: ብምድፍፋኣስ ከመይ ዝበለ ግርምቢጥ ኮን ኢዩ! ሚኬል ጀይ ባክሌ ናይ ስነ–ሃይማኖት ፕሮፌሰር “እተን ኣብያተ ክርስትያናት: ናይ ኢዘሀርነት ድኹዒ ኢየን ነይረን። እቲ ምዕራባዊ ሕልና: በተን መካነ–ኑዛዜ ዝኾና ሃይማኖታት ኣዝዩ ተበላሽዩን ተጸይፉን ኢዩ ነይሩ። እተን ኣብያተ ክርስትያናትን ሃይማኖታውያን ጉጅለታትን: ጃምላዊ ቅትለት ብምእላም: ሃይማኖታዊ ተቃዋሚ ሓይሊ ወይ ሰውራ ብምጥላብን ንነገስታት ክውግዛ ወይ ድማ ከውርዳ ብምፍታንን ንኤውሮጳ ኣባዲመንኣ ኢየን” ኢሉ ጸሓፈ።

ኢዘሀርነት ኣብቲ ምሉእ ቁመቱ በጽሐ

ኣብ መበል 19 ክፍለ–ዘበን: ክሕደት ኣምላኽ: ብግሁድ ዝግለጽ ስሱን ነበረ። ፈላስፋታትን ሳይንቲስትን ኣረኣእያኦም ብድፍረት ክገልጹ ኣይወላወሉን ነበሩ። ሓደ ዝወጸሉ ኢዘሀራዊ “ጸላኢና ኣምላኽ ኢዩ። ጽልኢ እግዚኣብሄር: ንጥበብ መጀመርያኣ ኢዩ። ደቂ–ሰብ ናይ ሓቂ ምዕባለ ክገብሩ እንተድኣ ኮይኖም: ግድን ብመሰረት ኢዘሀርነት ክኸውን ኣለዎ” በለ።

ዝኾነ ኾይኑ: ኣብ መበል 20 ክፍለ–ዘበን: ሓደ ረቂቕ ለውጢ ተገብረ። ክሕደት ኣምላኽ: ድኹም ተቓላሲ ብምዃኑ: ነቶም ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና ዝብሉውን ዘጥቅዕ: ካልእ ዓይነት ኢዘሀርነት ከስፋሕፍሕ ጀመረ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እተን ካብቲ ተሓድሶ ዝፈረያ ናይ ፕሮቴስታንት ኣንቆራታት ብዙሕ ዘይጽሑፋዊ ሰረተ–እምነታት ዓቂበን ኢየን። ንቕሑ! [እንግሊዝኛ] ናይ 22 ነሓሰ 1989 ገጽ 16–20ን ናይ 8 መስከረም 1989 ገጽ 23–27 ርአ።

b ደያውያን: ኣምላኽ ልክዕ ከም ሓደ ሰራሕ ሰዓት: ነቲ ፍጥረቱ ኣዳልዩ ከም ዝዓዩ ምስ ገበሮ: ድሕሪኡ ከም ዘየእትዎ ዝባኑ ሂብዎ: ኢዮም ዝብሉ። ብመሰረት እቲ ዘ ሞደርን ሄሪተጅ  እተባህለ መጽሓፍ: ደያውያን “ኢዘሀርነት: ካብ ቅብጸተ–ተስፋ ዝተወልደ ጌጋ ኢዩ: እንተኾነ ግን እቲ መላኺ መዋቕር ናይ ካቶሊካዊት ቤተ–ክርስትያንን ድርቅናን ዘይምጽዋርን ናይቲ ሰረተ–እምነታት እውን ዝገደደ ዘጉሂ ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ።”

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ካርል ማርክስ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሉትቪክ ፈዩርባክ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ፍረድሪክ ኒቺ

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

COVER: Earth: By permission of the British Library; Nietzsche: Coypright British Museum (see also page 3); Calvin: Musee Historique de la Reformation, Geneve (Photo F. Martin); Marx: U.S. National Archives photo (see also page 3); Planets, instruments, crusaders, locomotive: The Complete Encyclopedia of Illustration/J. G. Heck; Feuerbach: The Bettmann Archive (see also page 3)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ