ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/8 ገጽ 8-13
  • የሆዋ መስተውዓሊ ኢዩ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ መስተውዓሊ ኢዩ!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ : ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ በዓል ልዙብ ባህሪ
  • ምስትውዓል ምልክት መለኮታዊ ጥበብ ኢዩ
  • “ንይቕሬታ ድልዊ”
  • ሓዲሽ ኵነታት ክለዓል ከሎ ስጉምትኻ ምቕያር
  • ምስትውዓል ኣብ ስልጣን ምዝውታር
  • “ጥበበኛ ዝልቡ፡” ግናኸ ትሑት
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ምስትውዓል ኣማዕብሉ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንየሆዋ ምሰሎ—ሚዛናዊ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብዛዕባ ልግስን ልዙብነትን የሆዋ ዘሎካ ግንዛበ ኣስፍሕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/8 ገጽ 8-13

የሆዋ መስተውዓሊ ኢዩ!

“እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልእምቲ [መስተውዓሊት ትሓዓ ]  . . . እያ።” — ያእቆብ 3:​17

1. ገሊኦም ንኣምላኽ መስተውዓሊ ዝብልዎስ ብኸመይ ኢዮም? ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ክህሉስ ከመይ ይስመዓካ?

እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ኢኻ እተምልኽ ዘሎኻ? ኣምላኽሲ ዘይዕጸፍ: ፍርዱ ጽኑዕ: ጠባያቱ ድማ ደረቕን ጥብቅን ከም ዝኾነ ጌርካ ዲኻ ትኣምኖ? እቲ ናይ ፕሮቴስታንት ተሃድሶ ዝነበረ ጆን ካልቪን: ኣምላኽ ከምኡ መሲልዎ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ካልቪን: ኣምላኽሲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ዘለኣለማውን ዘይልወጥን መደብ” ኢዩ ዘለዎ። ማለት ነፍሲ ወከፍ ንዘለኣለም ተሓጒሱ ክነብር ወይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ሲኦል ሓዊ ክሳቐ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኢዩ ዝውስነሉ በለ። ሕስብ እሞ ኣብሎ: እዚ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑሲ: ዝጸዓርካ እንተ ጸዓርካ: ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ ማለት እኮ ኢዩ: ከመይሲ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባኻን ብዛዕባ መጻኢኻን ዝገበሮ ዘይዕጸፍ ነባሪ መደብ ክትልውጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ መስተውዓሊ ዘይኮነ ኣምላኽ ምቐረብካዮዶ? — ምስ ያእቆብ 4:​8 ኣነጻጽሮ።

2, 3. (ሀ) ሰብኣዊ ትካላትን ማሕበራትን ዘርእያኦ ዘይምስትውዓል ብኸመይ ዝበለ ኣብነት ከነብርሆ ንኽእል? (ለ) እቲ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ሰማያዊት ሰረገላ የሆዋ ዝረኣዮ ራእይ ከመይ ኢሉ ኢዩ ብዛዕባቲ ልዙብ ባህሪ ናይ የሆዋ ዝገልጽ?

2 እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ግን ኣዝዩ መስተውዓሊ ወይ ተመላሳይ ምዃኑ ምስ ተረዳእናስ ኣየ ክንደይ ኢና እተጸናንዓና! በቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይፍጽምና ተጠሊፎም ተረርትን ዘይዕጸፉን ኮይኖም ዘለዉስ ደቂ ሰባት ደኣ እምበር ኣምላኽ ኣይኮነን። ናይ ደቂ ሰብ ማሕበራት ከም እተጻዕና ባቡር ምድሪ ክምሰሉ ይኽእሉ ኢዮም። ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት ባቡር ምድሪ ናብ ሓደ ዝተዓግተ መገዲ ገጻ እናተጕዓዘት ከላ ክትምለስ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ኢዩ። ጠጠው ከተበላውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ገሊአን ባቡር ምድሪ ፍሬኖ ምስ ሓዝካለን ጠጠው ክሳዕ ዝብላ ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜትር ዝኣክል ንቕድሚት ይኸዳ! ብተመሳሳሊ ሓንቲ ዓባይ ነዳዲ እትጽዕን መርከብ (ታንከር) ሞተር ምስ ጠፍአ ን8 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ንቕድሚት ድሕሪ ምጕዓዛ ኢያ ናብ ገምገም እተብጽሓካ። እቲ ሞተር ንድሕሪት ከም ዝኸይድ እንተገበርካዮውን ገና 3 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ጉዕዞኣ ትቕጽል! ሕጂ ግን ካብዘን ዝረኣናየን ክልተ: ሓንቲ ኣዝያ እተደንቕ ንማሕበር ኣምላኽ እተመልክት መጐዓዝያ ንመልከት።

3 ልዕሊ 2, 600 ዓመታት ይገብር: የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል ነታ ብመንፈሳውያን ፍጥረታት ዝቖመት ሰማያዊት ማሕበሩ ዘመልክት ራእይ ኣቕረበሉ። እዚኣ ድማ ሓንቲ ዘደንቕ ነገር ዘለዋ ሰረገላ ኢያ: ከመይሲ እዛ ናይ የሆዋ “መጐዓዝያ” እዚኣ ኩሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ኢያ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ድማ ኣገባብ ጉዕዞኣ ኢዩ። እቶም ዓበይቲ መንኮራኹር: ኣርባዕተ ወገንን ምሉእ ኣዒንትን ስለ ዝነበሮም ናብ ኩሉ ወገን ክርእዩ ዝኽእሉ ኢዮም ነይሮም: ከምኡውን ጠጠው ከይበሉ ወይ ከይተጠውዩ ብቕጽበት መገዶም ክቕይሩ ይኽእሉ ነበሩ። እዛ ዓባይ ሰረገላ እዚኣ ከምታ ዓባይ ታንከር ወይ ከምታ ናይ ጽዕነት ባቡር ምድሪ ገፈፍ እናበለት እትኸይድ ድማ ኣይነበረትን። ከም ናይ በረቂ ዝበለ ፍጥነት ገይራ ክትውጨፍን ብኡብኡውን ተጠውያ ክትከይድ ትኽእል ኢያ። (ህዝቅኤል 1:​1, 14–28) የሆዋ ካብቲ ካልቪን ዝሰብኮ ዝነበረ ኣምላኽ እተፈልየ ክኸውን ከሎ ሰረገላኡ ድማ ካብተን ብሰብ እተስርሓ ገልጣማት ሜሽናት እተፈልየት ኢያ። ንሱ ኣዝዩ ልዙብ ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ንባህርያት የሆዋ ምስ እነማስወሉ: ልዙባት ኮይንና ንኽንቅጽልን ነቲ መፈንጠራ ናይ ዘይመስተወዓሊ ምዃን ድማ ወጊድ ክንብሎን ክሕግዘና ይግባእ።

የሆዋ : ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ በዓል ልዙብ ባህሪ

4. (ሀ) እታ ናይ የሆዋ ስም ንባዕላ ንኣምላኽ ልዙብ ምዃኑ እትገልጾ ብኸመይ ኢያ? (ለ) ገለ ካብቶም ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዝውዕሉ ማዕርጋት ከመይ ዝበሉ ኢዮም? ስለምንታይከ ኢዮም ብቑዓት ዝኾኑ?

4 እታ ናይ የሆዋ ስም ንባዕላ ልዙብ ባህሪ ከም ዘለዎ ኢያ እተመልክት። “የሆዋ” ቃል ብቓሉ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ማለት ኢዩ። እዚ ድማ የሆዋ ፈጻሚ ናይ ኵሉ መብጽዓታቱ ክኸውን ኢሉ ንባዕሉ ዘኽውን ማለት ከም ዝኾነ ርጉጽ ኢዩ። ሙሴ ንኣምለኽ ስሙ ምስ ሓተቶ: የሆዋ ብዛዕባ ትርጉማ ከምዚ ብምባል ዘርዚሩ ገለጸሉ:- “ከምቲ ክኾኖ ዘሎኒ ዝኸውን።” (ዘጸኣት 3:​14 ትሓዓ) ናይ ሮዘርሃም ትርጉም ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ይገልጾ:- “ባህ ዘብለኒ ኹሉ ክኸውን ኢየ።” የሆዋ: ነቲ ጽድቃዊ ዕላማታቱን መብጽዓታቱን ንምፍጻም ዘድሊ ዘበለ ኹሉ ንኺኸውን ከረጋግጽ ኢዩ ወይ ድማ ንኽፍጽም ክመርጽ ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኸኣ ኢዩ ፈጣሪ: ኣቦ: ልዑል ጐይታ: ጓሳ: የሆዋ ጐይታ ሰራዊት: ሰማዕ ጸሎት: ፈራዲ: ዓቢ መሃሪ: ዓዳጊ: ዝኣመሰሉ ዝምስጡ ማዕርጋት ተሰኪሙ ዘሎ። ነቲ ፍቕራዊ ዕላማታታቱ ምእንቲ ክፍጽም ንገዛእ ርእሱ ነዚ ኩሉ እተጠቕሰን ካልእ ተወሳኽን ከም ዝኸውን ገይሩ ኢዩ። — ኢሳይያስ 8:​13፣ 30:​20፣ 40:​28፣ 41:​14፣ መዝሙር 23:​1፣ 65:​2፣ 73:​28፣ 89:​26፣ መሳፍንቲ 11:​27 ከምኡውን ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ (ኣፐንዴክስ) 1 ጀይ ተመልከት።

5. እቲ ናይ የሆዋ ልዙብነት ባህሪኡ ወይ ስርዓታቱ ከም ዝልውጥ ዝሕብር ወይ ዘመልክትዩ ኢልና ክንድምድም ዘይግብኣና ስለምንታይ ኢና?

5 እዚ ክበሃል ከሎ ግን ኣምላኽ ባህርያቱ ወይ ኣቕዋሙ ይለዋውጥ ማለት ድዩ? ኣይፋሉን። ከምቲ ያእቆብ 1:​17 ኣስፊርዎ ዘሎ “ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ” ኢዩ። ኣብዚ ዝጋጮ ሓሳብ ዘሎዶ ይመስል? ፈጺሙ የልቦን። ንኣብነት ኣየናይ ፈቃር ወላዲ ኢዩ: ንውሉዳቱ ክጠቅም ኢሉ ተግብራቱ ዘይለዋውጥ? ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ሓደ ወላዲ: መኻሪ: ከሻኒ: ኣላዪ ቤት: መምህር: ቀጻዒ: መሓዛ: መካኒክ: ነርስ ካልእ ነገራትን ብቐጻሊ ይኸውን። እቲ ወላዲ ነዚ ተግባራት እዚ ክፍጽም ባህርያቱ ኣይለዋውጥን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ንሱ ወይ ንሳ ብቐሊሉ ምስቲ እዋናዊ ድሌት እናተሰማምዐ ይኸይድ። ኣብ የሆዋ ድማ ብዝዓበየ ደረጃ እኳ እንተኾነ ምስ እዚ ተመሳሳሊ ኢዩ። ንፍጡራቱ ንምጥቃም ንገዛእ ርእሱ እንታይ ከም ዘኽውን መወዳእታ የብሉን። ናይ ጥበቡ ዕምቆት ብሓቂ ዘገርም ኢዩ! — ሮሜ 11:​33

ምስትውዓል ምልክት መለኮታዊ ጥበብ ኢዩ

6. እታ ያእቆብ ንመለኮታዊ ጥበብ ንምግላጽ እተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል ትርጉማ ወይ ሓሳባታ ቃል ብቓሉ እንታይ–እንታይ ዝብሉ ኢዮም?

6 ወደ መዝሙር ያእቆብ: ንጥበብ ናይዚ ዝለዓለ ልዙብ ባህሪ ዘለዎ ኣምላኽ ንምግላጽ ሓንቲ ጽብቕቲ ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ልእምቲ [መስተወዓሊት ትሓዓ]  . . . እያ።” (ያእቆብ 3:​17) እታ ንሱ ኣብዚ ዝተጠቕመላ ናይ ግሪኽ ቃል (ኢፐይከስ) ንኽትትርጉማ ኣጸጋሚት ኢያ። ተርጐምቲ ዝተጠቕሙሉ ቃላት ከም እኒ “ወረጃ” “ልምልምቲ” “ዕግስቲ” ከምኡውን “ሓላዪት” ዝኣመሰሉ ኢዮም። ትርጉም ሓዳስ ዓለም “መስተውዓሊት” ኢላ ተርጒማታ ኣላ። በቲ ኣብ እግሪ ዘሎ ጽሑፍ ድማ ቃል ብቓሉ ትርጉሙ “ምስ ኵነታት ዝሰማማዕ” ማለት ከም ዝኾነ ኣመልኪታ ኣላ።a እታ ቓል ንኹሉ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ ናእሽቱ ነገራት ንኽሕሎ ዘይምግዳድ: ካብ መጠን ንላዕሊ ጥብቅን ደረቕን ዘይምዃንውን ተመልክት ኢያ። ሓደ ዊልያም ባርክለ እተባህለ ምሁር: ኣብታ ኒው ተስታመንት ዎርድስ እትበሃል መጽሓፍ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሃበ:- “ብዛዕባ ኢፐይኪያ እቲ መሰረታዊ ዋና ነገር መበቈሉ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ። ኣምላኽ ንስልጣኑ ክሕሎ እንተዘገድድ ነይሩ: ኣምላኽ ነቲ ጽኑዕ ስርዓታት ናይ ሕጊ ጥራይ ድኣ‘ምበር ካልእ እንተዘይቕርበልና ነይሩ ኣበይ ምሃሎና? ኣምላኽ ኢፐይኪያ ብምዃኑን ምስ ካልኦት ድማ ብኢፐይኪያ ምምልላሱ እቲ ዝለዓለ ኣብነት ኢዩ።”

7. የሆዋ ኣብ ገነት ኤደን ንምስትውዓል ብኸመይ ኣርኣያ?

7 ደቂ ሰብ ኣንጻር ልዕልነት የሆዋ ዝዓለውሉ ግዜ እሞ ተመሊስና ንመልከቶ። ኣምላኽ ነዞም ሰለስተ ዘየማስዉ ዓለወኛታት ማለት ንሰይጣንን ንኣዳምን ንሄዋንን ብኡንብኡ ከጽንቶምሲ ክንደይ ዘይምቕለሎ! ንሱ ድማ ካብ ክንደይ ጓሂ ምደሓነ! ከምዚ ዝበለ ጽኑዕ ፍርዲ ክገብር ኣይነበሮን ኢሉ ክከራኸር ዝኽእል ዝነበረኸ መን ኢዩ? ይኹን እምበር: የሆዋ ነታ ሰማያዊት ሰረገላ መሰል ማሕበሩ ኣብ ሓደ ጽኑዕን ዘይዕጸፍን ናይ ፍርዲ ስርዓት ክትቍረን ኣይገበራን። ስለዚ ንስድራቤት ደቂ ስብን ንኹሉ እቲ ንወዲ ሰብ እተዳለወ ሕጉስ መጻኢ ተስፋን ብዘይንሕስያ ኣይደምሰሶን። ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ንሰረገላኡ ከም ናይ በርቂ ዝበለ ፍጥነት ብምግባር ዘዊርዋ ኢዩ። እቲ ዕልወት ምስ ተፈጸመ ብቕጽበት የሆዋ ኣምላኽ ንኹሎም ዘርኢ ኣዳም ምሕረትን ተስፋን ዘምጽኣሎም ናይ ነዊሕ ዕላማ ገበረ። — ዘፍጥረት 3:​15

8. (ሀ) እቲ ናይ ህዝበ ክርስትያን ብዛዕባ ምስትውዓል ዘለዎም ግጉይ ኣመለኻኽታ ምስቲ ናይ ሓቂ ምስትውዓል ናይ የሆዋ ክነጻጻር ከሎ ብኸመይ ኢዩ ዝፈላለ? (ለ) ናይ የሆዋ ምስትውዓል ንመለኮታዊ ስርዓታት ሸለል ምባል ኣየመልክትን ኢዩ ክንብል እንኽእል ብኸመይ ኢና?

8 ይኹን እምበር የሆዋ መስተውዓሊ ኢዩ ክበሃል ከሎ ንመሎኮታዊ ስርዓታት ሸለል ይብል ኢዩ ማለት ኣይኮነን። ሎሚ ዘለዉ ናይ ህዝበ ክርስትያን ኣብያተ ክርስትያናት ካብቶም ፈኖ ዝኾኑ መጓሴታቶም ብውዳሴ ከንቱ ጥቕሚ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ንብዕልግና ሸለል ብምባሎም መስተውዓልቲ ኢና ኢሎም ይሓስቡ ይኾኑ። (ምስ 2 ጢሞቴዎስ 4:​3 ኣነጻጽሮ ።) የሆዋ ነቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕጊ ፈጺሙ ኣይጥሕሶን ኢዩ። ንስርዓታቱውን ሸለል ኣይብሎን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ክዕጸፍን ምስ ኩነታት ክሰማማዕን ፍቓደኛ ኢዩ። በዚ ከምዚ ድማ ስርዓታቱ ብፍትሕን ብምሕረትን ክሕለዉ ይኽእሉ። ፍርዱን ሓይሉን ምስ ፍቕሩን ምስታ መስተውዓሊት ጥበቡን የወሃህድ ኢዩ። የሆዋ ምስትውዓሉ ዝገልጸሉ ሰለስተ መገድታት እስከ ንመርምር።

“ንይቕሬታ ድልዊ”

9, 10. (ሀ) “ንይቕሬታ ድልዊ” ምዃን ኣብ ምስትውዓል እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዎ? (ለ) ዳዊት ካብቲ ናይ የሆዋ “ንይቕሬታ ድልዊ” ምዃን ብኸመይ ተጠቕመ? ስለምንታይከ?

9 ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ዎ እግዚኣብሄር: ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን ኢኻ: ናባኻ ንዜእውዩ ኹላቶም ከኣ ብዓል ዓብዪ ምሕረት ኢኻ።” (መዝሙር 86:​5) እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ናብ ግሪኽ ምስ ተተርጐመ: እታ “ንይቕሬታ ድልዊ” ተባሂላ ዘላ ቓል: ኤፐይከስ ወይ ድማ “መስተውዓሊ” ኢያ ተባሂላ ዘላ። ንይቕሬታን ንምሕረትን ድልዊ ምዃን እምበኣር ምስትውዓል ዝግለጸሉ ቀንዲ መገዲ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

10 ዳዊት ንባዕሉ የሆዋ በዚ ነገራት እዚ ክሳዕ ክንደይ መሰተውዓሊ ምዃኑ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ዳዊት ምስ ባትሴባ ዝሙት ፈጺሙ ንሰብኣያ ከም ዝቕተል ምስ ገበሮ ንሱን ባትሴባን ብሞት ክቕጽዑ ኢዩ ዝግብኦም ነይሩ። (ዘዳግም 22:​22፣ 2 ሳሙኤል 11:​2–27) እቲ ጉዳይ ኣብ ጽኑዓት ሰብኣውያን ፈራዶ በጺሑ ነይሩ እንተዝኸውን ክልቲኦም ህይወቶም ምስኣኑ ነይሮም። ኣብዚ ግን የሆዋ ምስትውዓል (ኤፐይከስ) ኢዩ ኣርእዩ። ከምቲ ቪንስ ኤክዝፖዝቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ብይብሊካል ዎርድስ ኣስፊርዎ ዘሎ “ኣብ ጭብጥታት ናይቲ ጉዳይ እቲ ብርሕራሐን ብምስትውዓልን እትምልከት ሓልዮት ኢያ እትገልጽ።” ገለ ካብቲ የሆዋ ምሕረት ዝመልኦ ውሳኔ ንኽገብር ጽልዋ ዝገበረሉ ጭብጥታት: እቲ ናይቶም በደለኛታት ልባዊ ነስሓን እቲ ዳዊት ባዕሉ ኣቐድም ኣቢሉ ንኻልኦት ኣርእይዎ ዝነበረ ምሕረትን ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 24:​4–6፣ 25:​32–35፣ 26:​7–11፣ ማቴዎስ 5:​7፣ ያእቆብ 2:​13) ይኹን እምበር ብመሰረት እቲ የሆዋ ባዕሉ ንባዕሉ ክገልጻ ኸሎ ኣብ ዘጸኣት 34:​4–7 ኣመልኪትዎ ዘሎ የሆዋ ንዳዊት መአረምታ ክህቦ ርትዓዊ ኢዩ ነይሩ። ብነብዪ ናታን ገይሩ ዳዊት ንቓል የሆዋ ከም ዝነዓቐ ዘረድእ ሓያል መልእኽቲ ለኣኸሉ። ዳዊት ስለ እተናስሐ በቲ ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣይሞተን። — 2 ሳሙኤል 12:​1–14

11. ኣብቲ ናይ ምናሴ ጉዳይ የሆዋ ንይቕረታ ድልዊ ምዃኑ ብኸመይ ኣርኣየ?

11 ኣብነት ናይ ምናሴ ንጉስ ይሁዳ: ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ዝያዳ ክጥቀስ ዝግብኦ ኢዩ: ምኽንያቱ ምናሴ ከም ዳዊት ዘይኮነስ ንነዊሕ ግዜ ኢዩ ምሉእ ብምሉአ ረሲእነት ፈጺሙ። ምናሴ ኣብታ ሃገር ዘፈንፍን ሃይማኖታዊ ተግበራት ሰብኣዊ መስዋእቲ ከይተረፈ ኢዩ ኣስፋሕፊሑ። ነቲ እሙን ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ከም ‘ዝምገዝ”’ ዝገበረ እውን ንሱ ኸይኮነ ኣይተርፍን ኢዩ። (እብራውያን 11:​37) የሆዋ ንምናሴ ንምቕጻዕ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ከም ዝውሰድ ገበሮ። ይኹን እምበር ምናሴ ኣብቲ ማእሰርቲ ኮይኑ ተናስሐ: ምሕረት ድማ ለመነ። ከቢድ ጉዳይ እኳ እንተነበረ የሆዋ ነቲ ልባዊ ነስሓኡ: “ንይቕሬታ ድልው” ብምዃን መሊሹሉ ኢዩ። — 2 ዜና መዋእል 33:​9–13

ሓዲሽ ኵነታት ክለዓል ከሎ ስጉምትኻ ምቕያር

12, 13. (ሀ) ብዛዕባ ነነዌ እንታይ ዝተለወጠ ኩነት ኢዩ ንየሆዋ ስጉምቱ ክቕይር ዘተባብዖ? (ለ) ዮናስ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ክነጻጸር ከሎ ምስትውዓል ከም ዘይነበሮ ብኸመይ ኣርኣየ?

12 ናይ የሆዋ ምስትውዓል: ኣብቲ ድሮ ስጉምቲ ኽወስድ ዝመደቦ ነገር ሓዲሽ ኵነታት ምስ ዝለዓል: ስጉምቱ ንኽቕይር ፍቓደኛ ምዃኑውን ተራእዩ ኢዩ። ንኣብነት ነብዪ ዮናስ ብማእከል ኣደባባይ ናይ ጥንታዊት ነነዌ እናዞረ ብመንፈስ ተመሪሑ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ ነይሩ። እዚ ድማ እታ ሓያል ከተማ ኣብ ውሽጢ 40 መዓልቲ ክትዓኑ ኢያ ዝብል ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ብቕጽበት ተለወጠ! ሰብ ነነዌ ተናስሑ። — ዮናስ ምዕራፍ 3

13 የሆዋን ዮናስን ነዚ እተለወጠ ኩነታት ነፍሲ ወከፎም ዘርኣይዎ ምላሽ ከመይ ከም ዝነበረ ምንጽጻሩ ጠቓሚ ኢዩ። የሆዋ ንመገዲ ናይታ ሰማያዊት ሰረገላኡ ቀየሮ። ኣብዚ ኹነታት እዚ: ንገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ‘ተዋጋኢ’ ንሓጢኣት ይቕረ በሃሊ ከም ዝኸውን ብምግባር ተዓጻፍነት ኣርኣየ። (ዘጸኣት 15:​3) ዮናስ ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ: ካብ ተዓጻፍነት ዝረሓቐ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክንዲ ምስታ ናይ የሆዋ ሰረገላ ዝስጉም ከምተን ኣቐዲምና ዝረኤናየን ባቡር ምድሪ ወይ ድማ ዓባይ ታንከር መሰለ። ጥፍኣት ስለ ዝኣወጀ: ጥፍኣት ክኸውን ኣለዎ! በሃሊ ነበረ: ምናልባት ከምቲ ዝበሎ ብዘይ ምዃኑ እቲ ኹነታት ምልዋጡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ነነዌ ክብረቱ ዝቕንሰሉ ኮይኑ ተሰሚዕዎ ይኸውን። ይኹን እምበር የሆዋ ብትዕግስቲ ነቲ ተሪር ነብዪኡ ብዛዕባ ምስትውዓልን ምሕረትን ሓደ ዘይርሳዕ ትምህርቲ መሃሮ። — ዮናስ ምዕራፍ 4

14. የሆዋ ብዛዕባ ነብዪ ህዝቅኤል ዝምልከት ስጉምቱ ወይ መገዱ ዝቐየረ ስለምንታይ ኢዩ?

14 የሆዋ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታትን ኣብቲ ብተዛማዲ ናእሽቱ ጉዳያትውን ከይተረፈ መገዱ ቀይሩ ኢዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንነብዪ ህዝቅኤል ትንቢታዊ ድራማ ክሰርሕ ክእዝዞ ከሎ እቲ ሂብዎ ዝነበረ መምርሒ ህዝቅኤል ኣብ ሓዊ ውጽኣት ግዳም ሰብ ገይሩ መግቡ ከብስል ዝብል ኢዩ ነይሩ: እዚ ነቲ ነብዪ ክገብሮ ኣዝዩ ዓቐብ ስለ ዝነበረ “ወዮ: ኣታ [የሆዋ ትሓዓ] ኣምላኽ” ኢሉ ጨደረ: ነዚ ንዕኡ ዘስገድግዶ ተግባር እዚ ንኸይገብር ድማ ለመነ። የሆዋ ነቲ ናይቲ ነብዪ ስምዒት ኣየስተሐፈሮን። ኣብ ክንዱስ ንህዝቅኤል ብዒባ ማል በቲ ክሳዕ እዚ እዋን እዚ ሰባት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንነዳዲ ዝጥቀምሉ ዘለዉ: ገይሩ ክጥቀም ኣፍቀደሉ። — ህዝቅኤል 4:​12–15

15. (ሀ) የሆዋ ንደቂሰብ ጽን ኢሉ ክሰምዖምን ክምልሽሎም ፍቓደኛ ምዃኑ ዘረድኡ እንታይ ኣብነታት ኣለዉ? (ለ)  እዚ ትምህርቲ እዚ ንዓና እንታይ ይምህረና?

15 ነቲ ናይ የሆዋ ኣምላኽና ትሕትና ከነስተንትኖ ከሎናስ ልብና ዘምውቕዶ ኣይኮነን? (መዝሙር 18:​35) ንሱ ካባና ኣዝዩ ዝለዓለ ኢዩ። እንተኾነ ግን ንዘይፍጹማት ደቂ ሰብ ብትዕግስቲ ይሰምዖም አረ ኣብ ገለ ግዜያትሲ ምስቲ ጠባያቶም ብምስምማዕ ስጉምቱ ይቕይር ኢዩ። ንኣብርሃም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ብዛዕባ ጥፍኣት ናይ ሰዶምን ጐመራን ዝምልከት ምስኡ ክዘራረብ ኣፍቂዱሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 18:​23–33) ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያን ኣጥፊኡ ኣብ ክንድኦም ካብ ሙሴ ሓደ ሓያል ህዝቢ ከውጽእ ምዃኑ ሓሲብዎ ዝነበረ ተቓውሞ ከቕርብ ንሙሴ ኣፍቀደሉ። (ዘጸኣት 32:​7–14፣ ዘዳግም 9:​14, 19፣ ምስ ኣሞጽ 7:​1–6 ኣነጻጽሮ) በዚ ኸምዚ ድማ ካልኦት : ምስትውዓል ዘለዎን ምግባሩ ዝከኣልን ሓሳብ ኣብ ዘቕርቡሎም ግዜ ሰብኣውያን ኣገልግልቱ ንዕኡ ብምምሳል ጽን ኢሎም ክሰምዕዎም ፍጹም ኣብነት ሰሪዑሎም ኣሎ። — ምስ ያእቆብ 1:​19 ኣነጻጽሮ።

ምስትውዓል ኣብ ስልጣን ምዝውታር

16. የሆዋ ስልጣኑ ከዘወትር ከሎ ካብ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ዝፍለ ብኸመይ ኢዩ?

16 ውልቀ ሰባት ዝያዳ ስልጣን ክሕዙ ኸለዉ ብእኡ መጠን ድማ ምስትውዓል ዘይብሎም መሲሎም ከም ዝረኣዩሲ ኣስተብሂልካዶ ኣሎኻ? ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ኣብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ክነሱ ናይ ምስትውዓል ፍጹም ኣብነት ኢዩ። ንስልጣኑ ብዘየቋርጽ ምስትውዓል ኢዩ ዘዘውትሮ። ከምቶም ብዙሓት ሰባት ባዛዕባ ስልጣኖም ዝሰግኡ የሆዋ ከምኡ ኣይኮነንን: ስለዚ ንኻልኦት ገለ ስልጣን ምሃብ ነቲ ናቱ ስልጣን ኣብ ሐደጋ ከም ዘውድቖ ብምስጋእ ንስልጣኑ ብቕንኢ ተደሪኹ ክሕሉ ኣይድረኽን ኢዩ። ኣብ ክንድኡ እኳድኣስ ኣብ ኣድማስ ካልኣዩ በይኑ ምስኡ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ የሆዋ ንዕኡ ሰፊሕ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። ንሎጎስ ናቱ “ሰራሕተኛ” ገይርዎ ኢዩ። ካብ ሽዑ ሒዙ ድማ ንኹሉ ነገራት በዚ ፍትዊ ወዱ ገይሩ ኢዩ ኣብ ህላዌ ኣምጺእዎ። (ምሳሌ 8:​22, 29–31፣ ዮሃንስ 1:​1–3, 14፣ ቈሎሴ 1:​15–17) ጸኒሑ ድማ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኩሉ ስልጣን” ሂብዎ ኢዩ። — ማቴዎስ 28:​18፣ ዮሃንስ 5:​22

17, 18. (ሀ) የሆዋ ናብ ሶዶምን ጎሞራን መላእኽቱ ዝለኣኸ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) የሆዋ ነቶም መላእኽቲ ኣከኣብ ብኸመይ ከም ‘ዝሕበል’ ርእይቶኦም ክገልጹ ዝሓተቶም ስለምንታይ ኢዩ?

17 ብተመሳሳሊ: የሆዋ ንብዙሓት ካብ ፍጡራቱ ነቲ ባዕሉ ብዘበለጸ ክዓዮ ዝኽእል ዝነበረ ዕዮ ንኽዓዩ ሓላፍነት ሂብዎም ኢዩ። ንኣብነት ንኣብርሃም “ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፊጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተኾይኖም ክፈልጥ: ወሪደ [ናብ ሶዶምን ጎሞራን] ኽርኢ እየ” ኢሉ ክነግሮ ኸሎ: ባዕሉ ብኣካሉ ክወርድ ማለቱ ኣይነበረን። ኣብ ክንድኡስ የሆዋ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበሬታ ንኸምጽኡሉ ብምምዛዝ ንመላእኽቱ ስልጣን ክህቦም መሪጹ። ነዚ ጭብጥታት ደሊኻ ናይ ምርካብ ተልእኾ እዚ መሪሕነት ወሲዶም ክዓይዎን ነቲ ጸብጸብ ድማ ክመልሱሉን ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። — ዘፍጥረት 18:​1–3, 20–22

18 ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: የሆዋ ነቲ ረሲእ ንጉስ ኣከኣብ: ፍርዱ ከውርደሉ ምስ ወሰነ ንኹሎም መላእኽቲ ሰማያዊ ኣኼባ ብምግባር ኣከቦም እሞ: ነቲ ዓለወኛ ንጉስ ኣብ ውግእ ከይዱ ንኽመውት ብኸመይ ‘ክሕበል’ ከም ዘለዎ ርእይቶኦም ክህቡ ኣፍቀደሎም። ብርግጽ እዚ ምንጪ ናይ ኩሉ ጥበብ ዝኾነ የሆዋ: እቲ ዝበለጸ መገዲ ንኽሓስብ ሓገዝ አየድልዮን ኢዩ! ይኹን እምበር: ነቶም መላእኽቲ መፍትሒ ዝኸውን ሓሳብ ክህቡ መሰል ሃቦም: ነቲ ዝመረጾ መልኣኽ ድማ ንኽዓዪ ስልጣን ሂብዎ ኢዩ። — 1 ነገስት 22:​19–22

19. (ሀ) የሆዋ ነቲ ዘውጽኦ ሕጋጋት ቍጽሩ ደረት ዝገብረሉ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ብዛዕባ እቲ ካባና ዝጽበዮ ነገር: የሆዋ መስተውዓሊ ምዃኑ ብኸመይ ኣርእዩ ኣሎ?

19 የሆዋ ንስልጣኑ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዘይተኣደነ ምቍጽጻር ክገብር ኢሉ ኣይጥቀመሉን ኢዩ። በዚ መገዲ እዚውን እንተኾነ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምስትውዓል ኣርእዩ ኢዩ። ነቲ ዝገብሮ ሕግታት ከይበዝሕ ተጠንቂቑ ደረት ይገብረሉ ኢዩ። ንኣገልገልቱ ድማ ናይ ገዛእ ርእሶም ከቢድ ሕግታት ብምውጻእ ‘ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይከዱ’ ይኽልክሎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:​6፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:​28፣ ምስ ማቴዎስ 23:​4 ኣነጻጽሮ።) ፍጡራቱ ተዓሚቶም ክእዘዙ ፈጺሙ ኣይሓቶምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ንኽመርሖም ኢሉ ዘዕግብ ሓበሬታ ይህቦም: ነቲ ምርጫ ኣብ ቅድሚኦም ብምንባር ከኣ ናይ ምእዛዝ ጥቕምን ናይ ዘይምእዛዝ ሳዕቤንን ንኽፈልጡ ይሓድጎም። (ዘዳግም 30:​19, 20) ንሰባት ኣብ ክንዲ ብስምዒት በደልን ብሕፍረትን ብፍርሕን ገይሩ ዝግድዶም: ኣልባቦም ክበጽሕ ኢዩ ዝደሊ። ሰባት ተገዲዶም ዘይኮነስ ካብ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ተላዒሎም ከገልግልዎ ኢዩ ዝደሊ። (2 ቈረንቶስ 9:​7) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣገልግሎት: ንልቢ ኣምላኽ የሐጉሶ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ኣምላኽ ዘየስተውዕል ‘ንኸተሐጕሶ ዘጸግም’ ኣይኮነን። — 1 ጴጥሮስ 2:18፣ ምሳሌ 27:​11 ምስ ሚክያስ 6:​8 ኣነጻጽሮ።

20. ናይ የሆዋ ምስትውዓል ንዓኻ ብኸመይ ይትንክፈካ?

20 የሆዋ ኣምላኽ እቲ ካብ ኩሎም ፍጥረታቱ ዝበርትዐ ሓይሊ ዘለዎ ነቲ ሓይሊ እቲ ብዘይምስተውዓል ፈጺሙ ዘየዘውትሮ ብምዃኑ ከምኡውን ንኻልኦት ንምግዳድ ኢሉ: ፈጺሙ ዘይጥቀመሉ ብምዃኑስ ከነስተብህለሉ ዝግብኣና ጉዳይዶ ኣይኮነን? እቶም ምስኡ ክነጻጸሩ ከለዉ ኣዝዮም ድኹማት ዝኾኑ ሰባት ግን: ኣብ ንሓድሕዶም ናይ ምዕብላል ታሪኽ ኢዩ ዘለዎም። (መክብብ 8:​9) ምስትውዓል እምበኣር: ብዝያዳ ንየሆዋ ከነፍቅሮ ዝድርኸና ክቡር ባህርይ ምዃኑ ግልጺ ኢዩ። እዚ ድማ ንሕናውን ነዛ ባህርይ እዚኣ ንኸነማዕብላ ክድርኸና ይኽእል ኢዩ። ነዚ ከመይ ጌርና ምገበርናዮ? እዛ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ባዛዕባ እዚ ዝምልከት ክትገልጸልና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ1769 ድማ: ለክሲጎግራፈር ጆን ፓርከርስት: ነታ ቓል ብኸምዚ ዝስዕብ ይገልጻ:- “ምስ ኵነታተ ዝሰማማዕ: ምስ ኵነታት ናይ ምስምማዕ ዝንባሌ ዘለዎ: ወረጃ: ልኡም: ዕጉስ።” ካልኦት ምሁራት ድማ ነታ “ምስ ኵነታት ምስምማዕ” እትብል ቃል ከም መግለጺ ተጠቒሞምላ ኣለዉ።

ብኸመይ ምመለሽካ?

◻ እታ ናይ የሆዋ ስምን እቲ ራእይ ናይታ ሰማያዊት ሰረገላኡን ንምስተወዓሉ ብኸመይ የጕልሖ?

◻ ምስትውዓል እንታይ ኢዩ? ምልክት ናይ መለኮታዊ ጥበብ ዝኾነኸ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ የሆዋ “ንይቕሬታ ድልዊ” ምዃኑ በየናይ መገዲ ኢዩ ኣርእዩ?

◻ የሆዋ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ክወስዶ መደቡ ዝነበረ ስጉምትታቱ ክቕይሮ ዝመርጽ ስለምንታይ ኢዩ?

◻ የሆዋ ስልጣኑ ከዘውትር ከሎ ምስትውዓል ዘርኢ ብኸመይ ኢዩ?

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቲ ረሲእ ንጉስ ምናሴ ይቕረ ዝበለሉ ስለምንታይ ኢዩ?

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ