ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ሃብቲ ረኸብኩ
ብፍሎረንስ ዊዶውሰን ዝተተረኸ
ምድሪ ክመሲ ስለ ዝጀመረ ፣ ኣብ ገማግም ሓደ ቀላይ ቴንዳ ክንግትር ወሰንና ። ሽሕኳ ከምዚ ዝበለ ቦታ ንኽልተ ኣንስቲ ዝምሽእ ስፍራ እንተዘይነበረ ፣ ንሓንቲ ለይትስ ግዲ ደሓን ይኸውን በልና ። ኣነ ነቲ ቴንዳ ክተክል ከሎኹ ፣ ማርጆረይ ከኣ ድራርና ዝኸውን ተዳሉ ነበረት ።
ነታ ናይ መወዳእታ ሽኻል ናይታ ቴንዳ ሸኺለ ምስ ወዳእኩ ኣብ ሓንቲ ጸላም ገረብ ዝነበረት ጉንዲ ሓደ ምንቅስቓስ ረአኹ ፣ ንማርጆረይ ተዳህየ ድማ “እዛ ጉንዲ ክትንቀሳቐስ ርኢኺያዶ ?” በልክዋ ።
ንሳ ድማ ቁሩብ እናፈርሐት “ኣይረአኹን” በለትኒ ።
ኣነ ድማ ዓው ኢለ “መቸም ብዘይጥርጥር ተንቀሳቒሳ ኢያ ጥራይ በራድ ሃብኒ” በልክዋ ።
ነታ በራድ ሒዘ ምሳር ድማ ኣብ መንኩበይ ገይረ ናብቲ ቀላይ ገጸይ ኣምራሕኩ ። ኣብታ ጉንዲ ምስ በጻሕኩ ሓደ ሰብኣይ መሽኰት ኢሉ ወጸ ።
ወልደፍደፍ እናበልኩ “እዚ ኣብዚ ቀላይ ዘሎ ማይ ይስተ ድዩ ?” ኢለ ሓተትኩዎ ።
ገንጨርጨር እናበለ “ዝስተ ኣይኰነን” በለኒ ፣ “ዝስተ ማይ እንተኣድልዩኪ ግና ቁሩብ ከምጽኣልኪ ኢየ” በለኒ ።
ተቐላጢፈ ኣየድልየንን ኢዩ በልክዎ ፣ ንሱ ግና ገጹ ጠውዩ እናጐየየ ከደ ፣ ምስ ከደ ልበይ ምልስ በለት ። ብፍርሒ ተዋሒጠ እናጐየኹ ናብ ማርጆረይ ተመሊሰ እቲ ዝኾነ ኵሉ ኣዘንተኹላ ። ተቐላጢፍና ነቲ ቴንዳ ኣፍሪስና ፣ ኣቍሑትና ጠርኒፍና ነቲ ቦታ ሓዲግናዮ ከድና ። ደሓር እንተሰማዕናስ ለካ እቲ ሰብኣይ ሽዑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈትሔ ኢዩ ነይሩ ።
ዋላኳ እቶም ናይ ቀደም ማለት ብ1937 ናይ ኣውስትራልያ ዳህሰስቲ ወርቂ : ቴንዳ ገቲሮም ዝሰፍርሉ ዝነበረ ስፍራ እንተነበረ ፣ ንሕና ግና ናይ ካልእ ዓይነት ዳህሰስቲ ኢና ነይርና ። ንሕናስ ነቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዚዮም ኩቡራት ዝኾኑ ሰባት ኢና ንደሊ ዝነበርና ።
ሕሉፍ ታሪኽ ስድራቤተይ
ሚእቲ ዓመት ይገብር ፣ ኣቦይ ኣብታ ፓረፓንካህ ዝተባህለት ቁሸት ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ቪክቶርያ ከም ኣንጠረኛ ኮይኑ ይሰርሕ ነበረ ። ብ1895 ኣብቲ ቦታቲ ተወለድኩ ፣ ኣብ ገማግም ፈለግ ሶቨንስ ኣብ እግሪ ከረን ቡፋሎ ዝርከብ ምስ ኣርባዕተ ኣሕዋተይ ዓበኹ ። ወለደይ ኣዘውቲሮም ኣብ ዩንዮን ቸርች ዝተባህለ ቤተ ክርስትያን ኢዮም ዝሳተፉ ነይሮም ። ኣነ ድማ ኣብቲ ኣቦይ ዘመሓድሮ ዝነበረ ናይ ሰንበት ቤት ትምህርቲ በብግዜኡ እኸይድ ነበርኩ ።
ብ1909 ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝወቕዓሉ ዝነበረ ጊዜ ፣ ኣደይ ወቕዒ ናይ ድኻም ልቢ ይሕዛ እሞ ኣብ ሕቑፊ ኣቦይ ከላ ትመውት ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይ 1914 ሓደ ካብቶም ኣሕዋተይ ካብ ገዛ ምስ ወጸ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ሬሳ ኮይኑ ተመልሰ ፣ ባዕሉ ነፍሰ – ቅትለት ፈጸመ ። እታ ቤተ ክርስትያን ነፍሶም ባዕሎም ዝቐተሉ ዘይመሓር ሓጥያት ስለ ዝፈጸሙ ኣብ ገሃነም እሳት ክሳቐዩ ኢዮም ኢላ ስለ እትምህር ፣ እዚ ነቲ ሓዘንና ኣዝዮ ኣግደዶ ።
ጸኒሑ ኣብታ ዓመት እቲኣ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ስለ እተወለዐ ፣ እቶም ክልተ ኣሕዋተይ ኣብ ስግር ባሕሪ ከይዶም ከገልግሉ ተኸትቡ ፣ እቲ ዘርዕድ ዝነበረ ናይ ደም ምፍሳስን ስቓይን ዝሐዘ ዜና ፣ ንሕና ሽዱሽተ መንእሰያት ኣዋልድን ኣቦና ኸኣ ምሳና ነታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዮሃንስ ንኸነጽንዓ ኣለዓዓለና ።
ናይ ሓቂ ሃብቲ ምርካብ
ኢለን ሃድሰን እታ ብቻርለስ ቴዝ ራስል ዝተጻሕፈት እቲ ግዜ ቀሪቡ ኢዩ ዘርእስታ መጽሓፍ ነበረታ ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዝነበረ ውዕውዕ ስምዒት ንኹልና ኣብታ ጉጅለ ዝነበርና ብሓቂ ጸልዩና ኢዩ ። ኢለን እታ መጽሓፍ ሓንቲ ካብተን ተኸታታሊ ሽዱሽተ ጥራዝ ዝነበራ ንቕዱሳት ጽሑፋት ምጽናዕ ዘርእስታ ምዃና ምስ ተገንዘበት ፣ ነቶም ኣብ መልቦርን ዝነበሩ ዓለምለኸ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነተን ዝተረፋ ቅዳሓት ክሰዱላ ደብዳቤ ሰደደትሎም ። እታ ጉጅለና ድማ በታ ቀዳመይቲ ጥራዝ እቲ መለኮታዊ ዕላማ ንወለዶታት ዘርእስታ ጌርና ሰሙናዊ መጽናዕቲ ክንገብር ተሰማምዐት ።
ናይ ሓዊ ሲኦል ዝበሃል ነገር ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጽናስ ኣነን ኣቦይን ዝተሰምዓና ሓጐስ እሞ ገምትዎ ። ሓወይ ኣብ ገሃነም እሳት ይሳቐ ኣሎ ዝብል ዝነበረና ፍርሒ ድማ ተቐንጢጡ ጠፍአ ። ምዉታት ስምዒት ዘይብሎም ልክዕ ኣብ ድቃስ ከም ዘለዉ ደኣ እምበር ኣብ ካልእ ቦታ ኰይኖም ከም ዘይሳቐዩ ዘረድእ ሓቂ ተማሃርና ። (መክብብ 9:5, 10። ዮሃንስ 11:11–14) ገለ ካብተን ኣባላት ናይታ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንወስደላ ጉጅለና ነቲ ዝተማሃርናዮ ሓቂ ንጐረባብትና ክሰብካሎም ወሰና ። ነቶም ጥቓና ዘለዉ ብእግርና ኸይድና ክንሰብከሎም ከሎና ነቶም ካብ ከተማ ወጻኢ ንዘለዉ ግና ብሽክለታ ወይ ክልተ መንኰርኰር ጐማ ዘለዋ ዓረብያ ፈረስ ንጥቀም ነበርና ።
ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝግበር ምስክርነት ንመጀመርያ ግዜይ ዝጠዓምኩዎ ኣብታ ቶኽሲ ደው ንምባል ስምምዕ ዝገበሩላ ሕዳር 11, 1918 መዓልቲ ኢዩ ነይሩ ። ሰለስተ ካብታ ጉጅለና ኴንና 80 ኪሎሜተር ተጓዒዝና ናብ ከተማ ዋንጋራታ በጻሕና ። ኣብኡ ድማ ነታ ናይ ህዝቢ መስበኺ መድረኽ ዝተባህለት ትራክት ዓደልና ፣ ድሕሪዚ ዓመታት ጸኒሑ ኢዩ ኣብቲ ዝተመደብኩሉ ርሑቕ ገጠር ናይ ስብከት ዕዮ ከሎኹ ፣ እቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስኩዎ ተሞክሮ ዘጋጠመኒ ።
ብ1919 ኣብቲ ኣብ መልቦርን ዝተኻየደ ዓቢ ኣኼባ ናይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተኻፈልኩ ። ኣብኡ ድማ እየ ህይወተይ ንየሆዋ ከም ዝወፈኹ ብ22 ሚያዝያ 1919 ብማይ ጥምቀት ዘርኤኹ ። እቲ ሽዑ ዝነበረ መንፈሳዊ መኣዲ ፣ ነቲ ኣብቲ መንፈሳዊ መዝገብ ወይ ሃብቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስትን ከምኡውን ኣብታ ናይ የሆዋ ምድራዊት ማሕበርን ዝነበረኒ ሞሳ ኣጸቢቑ ከም ዝዓሙቕ ገይርዎ ኢዩ ። — ማቴዎስ 13:44።
ድሕሪ እቲ ዓቢ ኣኼባ ንገዛ ኣይተመለስኩን ፣ ኣብ ክንድኡስ ነቲ በቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒ ዝነበረ ጀይን ኒኮልሰን ዝቐረበለይ ዕድመ ናይ ሓደ ወርሒ ምስክርነት ሓንጐፋይ ኢለ ተቐበልኩዎ ። እቲ ዝተመደብናሉ ዞባ ኣብ ጐኒ ፈለግ ኪንግ ዝነበራ ናይ ሕርሻን ናይ ከብትን ዓድታት ኢዩ ነይሩ ። እቲ ቦታ ገለ ቁሩብ ዓመታት ይገብር እታ ዘማን ፍሮም ስኖዊ ሪቨር ዝተባህለት ፊልም ዝተሰርሐትሉ ኢዩ ።
ብ1921 እታ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ሓጋዚት ዝኾነት በገና ኣምላኽ ዝተባህለት መጽሓፍ ተቐበልና ። ኣቦይ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብቲ ናይ ሰንበት ቤት ትምህርቲ ከም ቀንዲ መምሃሪ ክጥቀመላ ምስ ጀመረ እቶም ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ተቓወሙ ፣ ክሳናበት ድማ ሓተትዎ ። ንሱ ኸኣ ተቐላጢፉ ተሰናበተ ። ጸኒሕና ድማ ሲኦል ዝተባህለት ንእሽቶ መጽሓፍ ተቐበልና ። ዘተሓሳስቡ ሕቶታት ኣብቲ ናይ መጀመርያ ገጽ ሒዛ ነበረት ። ከምዚ ዝብሉ ፣ [ሲኦል] እንታይ ኢዩ ? መንከ ኢዮም ኣብኡ ዘለዉ ? ካብኡኸ ክወጹ ይኽእሉዶ ? ኣቦይ በቲ ኣብቲ ጉዳይ ቀሪቡ ዝነበረ ንጹር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረጋገጺታት ብዙሕ ተመሰጠ ፣ ተቐላጢፉ ድማ ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናኸደ ነዛ ጽሕፍቲ ዘርጋሓ ። ኣብ ዓድናን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ገጠራትን ብኣማእታት ቅዳሓት ዓደለ ።
ምስ ኣቦይ ናይ ስብከት ወፍሪ
ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ሩሑቕ ቦታ ዘለዉ መታን ከነብጽሓሎም ፣ ኣቦይ ዝገበረ ገይሩ መኪና ዓደገ ። ኣቦይ ኣንጠረኛ ብምዃኑ ዝያዳ በፍራስ ይጥቀም ስለ ዝነበረ ኣነ ዘዋሪት መኪና ኮንኩ ። ኣብቲ መጀመርያ ኣብ ሆተል ሓደርና ፣ ድሕሪኡ ግን ከቢሩ ፣ ልዕሊ ዓቕምና ኮይኑ ስለ ዝረኸብናዮ ቴንዳ ክንግትር ጀመርና ።
ኣቦይ ነቲ ናይ ቅድሚት ኮፍ መበሊ ናይታ መኪና በጥ ከም ዝብል ገይሩ ስለ ዘዐረዮ ፣ ኣነ ኣብኡ ክድቅስ ከኣልኩ ። ንኣቦይ መደቀሲ እትኸውን ድማ ሓንቲ ንእሽተይ ቴንዳ ንግትር ነበርና ። ንብዙሕ ሰሙናት ኣብኡ ምስ ጸናሕና ፣ ኣቦይ ነቲ ናይ ኣንጠረኛ ዱኳኑ መታን ክኸፍቶ ናብ ፓረፓንካህ ንምለስ ነበርና ። ነቲ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ስብከት መገሻና ዝኸውን ገንዘብ ንኽንረክብ ዘኽእሉና ብዙሓት ዓማዊል ብምንባሮም ኩሉ ግዜ ይገርመና ነበረ ።
ብዙሓት ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ነቲ ምብጻሕና ብሐጐስ ይቕበልዎ ነበሩ ። ንጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ፍቓደኛታት ይኾኑ ነበሩ ። ሕጂ እቲ ካብ ፖረፑንካህ እናመጻእና ንሰብከሉ ዝነበርና ቦታ ሸውዓተ ጉባኤ ነፍሲ ወከፈን ድማ ነናተን ኣዳራሽ መንግስቲ ዘለወን ኣለዋ ። እወ ፣ ብርግጽ “ንመዓልቲ ናእሽቱ ነገር ዚንዕቕ መን እዩ ?” —ዘካርያስ 4:10።
ብ1931 ፣ ኣነን ኣቦይን ናብቲ ፍሉይ ኣኼባ መታን ክንሳተፍ ዳርጋ 320 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ፈጺሙ ዘይምሹእ መገዲ ተጓዓዝና ፣ ኣብዚ ኣኼባዚ ድማ ኢና እቲ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝብል ሓድሽ ስምና ዝወሰድና ። ክልቴና ድማ በዚ ፍሉይ ጽሑፋዊ ዝኾነ ስም ፣ ብዙሕ ተሓጒስና ። (ኢሳያስ 43:10–12) ካብቲ ክሳዕ ሽዑ ንፍለጠሉ ዝነበርና “ዓለምለኸ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ” ዝብል ስም ፣ እዚ ሓዲሽ ስም ብዝያዳ ተፈሊና ከም ንፍለጥ ገበረና ።
ሓደ መዓልቲ ኣብ ከተማ ቤታንጋ ከንምስክር ከሎና ፣ ሓደ ናይ ኢንግላንድ ቸርች ናይቲ ቦታ ቀሺ ተጓነፈና ። አዝዩ ተቖጥዐ ፣ ናብቶም መጻሕፍቲ ዝዓደልናዮም ሰባት እናኸደ ኸኣ እቲ መጻሕፍቲ ዝተቐበልዎ ኩሉ ንኡኡ ከረክብዎ ሓተቶም ። ድሕሪኡ ኣብ ማእከል ከተማ : ህዝቢ ኣኪቡ ነቲ መጻሕፍቲ ኣንደዶ ። እንተኾነ ግና እቲ ፍንፉን ተግባራቱ መዋረዲኡ ኮነ ።
እቲ ዝኾነ ነገር ኩሉ ንጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበር ምስ ኣፍለጥኩዎም ፣ ሓንቲ ንኵሉ እቲ ተግባራት ናይቲ ቀሺ እትውግዝ ቅልዕቲ ደብዳቤ ተሓቲማ ወጸት ። ከምኡውን ናይ ጽዕነት መካይን ዘለዋኦም መሰኻኽር ኣብ ኩላ እታ ኣውራጃ ነታ ዳብዳቤ ከም ዝዝርግሕዋ ተገብረ ። ድሕሪኡ ኣነን ኣቦይን እንደገና ናብቲ ቦታ ክንበጽሕ ምስ ከድና ካብቲ ናይ ቅድም ዝበዝሐ መጻሕፍቲ ዓደልና ። እቶም ደቂ ዓዲ እዚ “ኩልኩል” ዝበሃል ዘሎ ጽሑፋት እንታይ ምዃኑ ንኸንብቡ ብዝያዳ ህንጡያት ኮኑ ።
በቲ ናይ ስብከት ዕዮና ፣ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይ ቪክቶርያ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝተቀበለ ፣ ሚልተን ጊቢ ዝተባህለ ነበረ ። ነቲ ዝገደፍናሉ መጻሕፍቲ እንደገና ክሳዕ እንምለስ ንኹሉ ኣንቢቡ ወዲእዎ ይጸንሓና ነበረ ። ኣብ ሓደ ካብቲ ተመላሊስካ ምብጻሕና ፣ “ኣነ ካብ ሕጂ ንንዮ ወዲ መዝሙርኩም እየ” ብምባል ዘይተጸበናዮ ነገር ኣስመዓና ።
በቲ ውሳኔኡ እኳ እንተ ተሓጐስና ፣ ኣነ ግና “ሪኢኻ ሚልተን ፣ ንስኻ ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርተይ ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ” በልክዎ ።
“ግርም ፣ ሕራይ እምበኣር ሓደ ካብ ናይ ራዘርፎርድ ደቀ መዛሙርቲ እኸውን” በለኒ ። [ራዘርፎርድ ሽዑ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረሲደንት ዝነበረ ኢዩ]
መሊሰ ድማ ፣ “ሓደ ካብ ደቀ መዛምርቲ ናይ ራዘርፎርድ እውን ክትከውን ኣይትኽእልን ኢኻ ፣ እንተኾነ ግና ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ክርስቶስ ክትከውን ተስፋ እገብር በልክዎ ።”
ሚልተን ጊቢ ብሓቂ ሓደ ካብቶም ንብዙሕ ዓመታት ዝድህስሶም ዝነበርኩ ክቡር ሃብቲ ኮይኑ እየ ረኺበዮ ። ሕጂ ንሱን ክልተ ደቁን ክርስትያን ሽማግለታት ኢዮም ፣ እቶም ካልኦት ቤተሰቡ ድማ ስርዓታውያን ኣባላት ናይታ ጉባኤ ኢዮም ።
ንዝተፈላለዩ ፈተናታት ምግጣም
ሽሕኳ ኣብ ኣውስትራልያ ብጥሪ 1941 ኣብ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እገዳ እንተ ተገብረ ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ተጠቒምና ስብከትና ንቕጽል ነበርና ። ቀጺሉ ኣቦይ ብብርቱዕ ተወጺዑ ስለ ዝነበረ ንኡኡ ከልዕል ናብ ገዛ ክምለስ ተጸዋዕኩ ፣ በዚ ድማ ነቲ ናይ ፓይነር ወይ ናይ ምሉእ ጊዜ ኣገልግሎት ከቋርጾ ተገደድኩ ። ጸኒሑ ኣነውን ከቢድ መጥባሕቲ ዘድልዮ ሕማም ሓዘኒ ። ንኽሓዊ ብሓቂ ጊዜ ወሲዱለይ እንተኾነ ግና ነቲ “ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ” ዝብል መብጽዓ ናይ ኣምላኽ ሓቅነቱ ተሞኲረዮ እየ ። (እብራውያን 13:5) ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ከተጸናንዓኒ ከላ ፣ “ፈሎ ፣ በይንኺ ከም ዘይኮንኪ ፈጺምኪ ኣይትረስዒ ፣ ንስኽን የሆዋን ኵሉ ጊዜ እቶም ዝበዛሕኩም ኢኹም” በለትኒ ።
እተን ናይ 13 ሰሙናት ናይ መጨረሻ ሕማም ናይ ኣቦይ ኣብ መወዳእተአን በጽሓ ። ብ26 ሓምለ 1946 ኣዒንቱ ብሞት ሰለም ኢለን ተኸድና ብሓቂ ሕጉስ ዝኾነ ህይወት ኣሕሊፉ ኢዩ ፣ ተስፋኡ ድማ ናይ ሰማይ ኢዩ ። (ፊልጲ 3:14) እተን ቀዳሞት ዓመታት ህይወተይ ምስ ኣቦይ ስለ ዘሕለፍክወን ፣ ሕጂ ጓል 51 ዓመት ንበይነይ ተረፍኩ ። ድሕሪኡ ምስ ሓደ ሓው ተላሌና ። ብ1947 ድማ ተመርዓና ፣ ሓቢርና ኣብ ናይ ፓይነር ዕዮ ተዋፈርና ። እዚ ዘሐጕስ እዋን ግና ነዊሕ ኣይቀጸለን ፣ ከመይሲ ሰብኣየይ ብ1953 ሓደ ሃንደበታዊ ሕማም ረኸቦ እሞ ስንኩል ኮነ ።
እቲ ናይ ምዝራብ ክእለቱ ኣዝዩ ስለ ዝተሃስየ ፣ ምስኡ ምዕላል ፈጺሙ ዘይክኣል ኮነ ። እዚ ኸኣ ኢዩ ንኡኡ ምእላይ ከቢድ ዝገበሮ ። ነቲ ክብሎ ደልዩ ዘሎ ንኽትርድኦ ዝገጥመካ ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ብሓቂ ከቢድ ኢዩ ። ሽሕኳ እቲ ዝነበርናሉ ቦታ ኣዝዩ ምሕድግ ዝበለ ኣብ ጥቓናውን ጉባኤታት ዘይነበራሉ እንተነበረ ፣ የሆዋ ግና ኣብቲ ፈታኒ እዋን ብሓቂ ኣይገደፈናን ። ምስ ኩሉ እቲ ሓድሽ ሓሳባት ናይ ማሕበር ማዕረ ማዕረ እጓዓዝ ነበርኩ ፣ ከምኡውን ነቲ ብግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ !ን መጽሔታት ዝወጽእ ዝነበረ መንፈሳዊ መግቢ ኩሉ ግዜ ይበጽሓኒ ነበረ ። ብ29 ታሕሳስ 1957 እቲ ዘፍቅሮ ሰብኣየይ ሞተ ።
ኣገልግሎት ኣብ ኣደላይድ
ሕጂ ኸኣ እንደገና በይነይ ተረፍኩ ። እንታይ ደኣ እየ ዝገብሮ ? ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ምቁራጽ እንደገና ናይ ምሉእ ግዜ ኣስፋሒት ክኸውን ምተቐበሉኒ ዶኾን ? ተቐቢሎምኒ ! ተቐባልነት ምስ ረኸብኩ ንገዛይ ሸይጠ ናብታ ዋና ከተማ ናይ ደቡብ ኣውስትራልያ ፣ ኣደላይድ ዝተባህለት ከይደ ከም ብሓድሽ ነቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ጀመርክዎ ። ኣብቲ ግዜቲ ፓይነራት ብሓቂ ይድለዩ ኢዮም ነይሮም ፣ ሽዑ ኣነ ኣብታ ፕሮስፐክት ዝተባህለት ጉባኤ ተመደብኩ ።
ኣብ ዓቢ ከተማ መኪና ምዝዋር ስለ ዘፍርሃኒ ፣ ነታ መኪናይ ሸይጠ እንደገና ናብ ብሽክለታ ተመለስኩ ። ክሳዕ ጓል 86 ዓመት ዝኸውን ብሽክለታ ስለ ዝዘወርኩ ፣ ኣብቲ ከባቢ “እታ ንእሽቶ ወይዘሮ በዓልቲ ሰማያዊት ብሽክለታ” ዝብል መፍለጢ ነበረኒ ። ጸኒሑ ግና እቲ ምንቅስቃስ ናይ መጐዓዝያታት ምስ በዝሐ ክጭነቕ ጀመርኩ ፣ እቲ ናይ ቅድሚት ጐማ ናይታ ብሽክለታይ ዝዘለቐ ኮይኑ ይስምዓኒ ነበረ ። ሓደ መዓልቲ ፣ ድሕሪ ቀትሪ ኢዩ ነይሩ ኣብ ሓደ ሓጹር ምስ ወደቕኩ ዘይከኣል ጸገም ተረኽበ ። ‘ኣይበልኩንዶ’ በልክወዋ ንነብሰይ ፣ በዚ ድማ በእጋረይ ክመላለስ ጀመርኩ ።
ገለ ቍሩብ ዓመታት ይገብር ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ከሎኹ ኣእጋረይ ወለል በላኒ ፣ ካብኡ ቀጺለ ክልተ ሳዕ ኣብ መላገቢ ምሕኩልተይ መጥባሕቲ ተገብረለይ ። ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ክሳዕ ሓደ ዓቢ ከልቢ ፣ ነው ኣቢሉ ፣ ዘውድቐኒ ፣ ደሓን ኮይነ ነይረ ። እዚ ድማ ተወሳኺ ሕክምና ክገብር ኣድልዩኒ ፣ ካብቲ ግዜቲ ጀሚረ ኣብቲ ከባብየይ መታን ክንቀሳቀስ ደገፍ ዘድልየኒ ኮንኩ ። ኣእምሮይ ክሳዕ ሕጂ ንቑሕ ኢዩ ዘሎ ፣ ከምቲ ሓደ ዓርክና “እቲ ኣረጊት ነብስኺ ነቲ መንእሰይ ኣእምሮኺ ክጻወሮ ዘይከኣለ ኢዩ ዝመስል” ዝበለኒ ኢዩ ኮይኑ ።
ኣብዚ ኵሉ ዝሓለፈ ዓመታት ፣ ጉባኤ ኣደላይድ ክትዓብን ክትሰፍሕን ከምኡውን ክትምቀልን ከላ ርእየያ እየ ። ጓል 88 ዓመት ምስ ኰንኩ ብ1983 ንኣደላይድ ሓዲገ ምስ ሓንቲ ስድራቤት መታን ክነብር ናብ ኪያብራም ኣብ ርእሰ – ምምሕዳር ቪክቶርያ እትርከብ ተጓዓዝኩ ፣ ኣብኡ ድማ ሓጐስ ዝመልአን ዓሰርተ ዓመት ኣሕለፍኩ ። ሕጂውን ዝገበርኩ ገይረ ናብ ኣገልግሎት እኸይድ እየ ፣ ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መሓዙተይ ብመኪና ገይሮም ናብቶም መጽሔት ዝዓደልኩዎም ይወስዱኒ ፣ እቶም ሰባት ድማ ብሕያውነት ናብታ መኪና ይመጹኒ ፣ ሽዑ ኣነ እዛረቦም ።
ነዚ ልዕሊ 98 ዓመት ዝኾነ ዕድመይ ተመሊሰ ክርእዮ ከሎኹ ንኹሎም እቶም ንየሆዋ ብጽንዓትን ብተኣማንነትን ምሳይ ኮይኖም ዝውድስዎ ዝነበሩ ብፍላይ እኳ እቲ ዓላ ኣቦይ ፣ ብዓቢ ናፍቖት እየ ዝዝክሮም ። ንኹሎም ኣብቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ብጾተይ ዝነበሩ ፣ እሙናት መሰኻኽር ብዕድመ ዝበለጽኩዎም ይመስለኒ ። ኣየ ምስቶም ዓስቢ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ናይ ኣምላኽ ክካፈሉ ተስፋ ዘለዎም እንደገና ክሓብር ከሎኹስ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኮን ኢዩ ዝጽበየኒ ዘሎ ! እወ ፣ ብሓቂ ሓለፍ ዝበለ ዋጋ ዘለዎ ሃብቲ !
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ስእሊ]
ብ22 ሚያዝያ ፣ 1919 ተጠሚቐ
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]
ዕድመይ ናብ 100 ዓመት ዝቐረበ ክነሱ ፣ ሕጂውን ንየሆዋ ብምግልጋለይ ሕጕስቲ እየ