ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lmd ትምህርቲ 10
  • ቈራጽነት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቈራጽነት
  • ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ እንታይ ገይሩ፧
  • ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧
  • ንየሱስ ምሰሎ
  • ካብ ኒቆዲሞስ ተመሃር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንኒቆዲሞስ ብለይቲ መሃሮ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ንተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ኪቘሙ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኒቆዲሞስ ምምሃር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
ሰባት ኣፍቅር—ደቀ መዛሙርቲ ግበር
lmd ትምህርቲ 10

ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

የሱስን ኒቆዲሞስን ብለይቲ ይዛራረቡ።

ዮሃ. 3:1, 2

ትምህርቲ 10

ቈራጽነት

ስርዓት፦ “ገዛእ ርእስና እውን እምበር፡ ብስራት ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን ከነካፍለኩም ቈሪጽና ዝነበርና፣ ምኽንያቱ፡ ኣፍቂርናኩም ኢና።”—1 ተሰ. 2:8።

የሱስ እንታይ ገይሩ፧

የሱስን ኒቆዲሞስን ብለይቲ ይዛራረቡ።

ቪድዮ፦ የሱስ ንኒቆዲሞስ መሃሮ

1. ቪድዮ ርአ፡ ወይ ዮሃንስ 3:1, 2 ኣንብብ። ድሕሪኡ ነዚ ሕቶታት መርምሮ፦

  1. ሀ. ኒቆዲሞስ ናብ የሱስ ብለይቲ ዝመጸሉ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧—ዮሃ. 12:42, 43 ርአ።

  2. ለ. የሱስ ምስ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ምርኻቡ፡ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ቈራጽነት ከም ዝነበሮ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

ካብ የሱስ እንታይ ንምሃር፧

2. ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብቘራጽነት ንሕግዝ እንተ ዄንና፡ ንሰባት ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና።

ንየሱስ ምሰሎ

3. ንተምሃራይካ ኣብ ዚጥዕሞ ግዜን ቦታን መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ። ኣብ እተወሰነ መዓልቲ ወይ ኣብ እተወሰነ ሰዓት ኬጽንዕ ይመርጽ ይኸውን። ኣበይ እንተ ኣጽንዐ እዩ ዚጥዕሞ፧ ኣብ ስራሑዶ፡ ኣብ ገዛኡዶ፡ ወይስ ኣብ ህዝባዊ ቦታ፧ ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ንዕኡ ኣብ ዚጥዕሞ ሰዓትን ቦታን ንምጽናዕ፡ መደባትካ ኣተዓራሪ።

4. ብስሩዕ ኣጽንዓዮ። ነቲ መጽናዕቲ ብኣካል ክትመርሖ እንተ ዘይክኢልካ፡ ጠሪስካ ኣይትሰርዞ። ኣብ ክንዳኡስ፦

  1. ሀ. ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ካልእ መዓልቲ ኸተጽንዖዶ ትኽእል፧

  2. ለ. ብተሌፎን ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ከተጽንዖዶ ትኽእል፧

  3. ሐ. ካልእ ኣስፋሒ ኸም ዜጽንዖ ኽትገብርዶ ትኽእል፧

5. ቅኑዕ ኣረኣእያ ንምሓዝ ጸሊ። እቲ ተምሃራይ ብስሩዕ ንምጽናዕ ወይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ንምትግባር ቃልሲ ይዀኖ እኳ እንተሎ፡ ብቘራጽነት ምእንቲ ኸተጽንዖ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። (ፊል. 2:13) ብዙሕ ጽቡቕ ባህርያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ፣ ኣብቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ሓገዝ ንምርካብ ጸሊ።

ኣብዚ እውን ርአ

ምሳ. 3:27፣ ግብ. 20:35፣ 2 ቈረ. 12:15

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ