ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • rr ገጽ 212
  • ኣመቓቕላ እታ ምድሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣመቓቕላ እታ ምድሪ
  • ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን
  • ማዕረ ምቅሊት
  • “ነታ ምድሪ ርስቲ ጌርኩም ክትመቕልዋ ኸለኹም”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ‘ብልብኻ ኣቕልበሉ’!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “ስም እታ ኸተማ፡ የሆዋ ኣብኣ ኣሎ ኪኸውን እዩ”
    ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
  • ኣብዚ ግዜ እዚ ዘሎ “መቕደስ” ከምኡውን “መስፍን”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
ንጹህ ኣምልኾ የሆዋ—ኣማስያኡስ ተመሊሱ!
rr ገጽ 212
እቲ ኸም ነሓሲ ዝትርኢቱ ሰብኣይ ንህዝቅኤል፡ ነታ ርስቲ እትኸውን ምድሪ የርእዮ።

ሳጹን ትምህርቲ 20ሀ

ኣመቓቕላ እታ ምድሪ

እቲ ብልክዕ እተዓቀነ ዶባት ነቶም ምሩኻት፡ እታ ዚፈትውዋ ዓዶም ብርግጽ ናብ ቀደማ ኸም እትምለስ ኣረጋጊጹሎም እዩ። ሎሚ ንሕና ኻብቲ ራእይ እቲ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ ክልተ መዳያት እቲ ራእይ እስከ ንርአ፦

ህዝቅኤል ዝመዝገቦ፡ ዶባት እቲ ነቶም ካብ ምርኮ ዚምለሱ እተመደበ ምቅሊታት ዜርኢ ካርታ። ርስቲ ነገዳት ብማዕረ እተዋህበ ዀይኑ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ በዚ ዚስዕብ ተሰሪዑ ኣሎ፦ ዳን፡ ኣሴር፡ ንፍታሌም፡ ምናሴ፡ ኤፍሬም፡ ሮቤል፡ ይሁዳ፡ እታ መባእ (ምምሕዳራዊ መሬት)፡ ብንያም፡ ስምኦን፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ጋድ።

ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን

እቶም እተመልሱ ምሩኻት ነፍሲ ወከፎም ኣብታ ናብ ቀደማ እተመልሰት ምድሪ ተስፋ ርስቲ ኺረኽቡ ምዃኖም ተገሊጹ እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብታ መንፈሳዊት ገነት ቦታ ኣለዎም። ኣብ ውድብ የሆዋ ዘሎና ግደ ኣዝዩ ንእሽቶ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብታ መንፈሳዊት ምድሪ ውሑስ ቦታን ኣገዳሲ ዕዮን ኣሎና። የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ብማዕረ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም።

ማዕረ ምቅሊት

ኣብቲ ህዝቅኤል ዝረኣዮ ራእይ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ምድሪ ተስፋ እተዋህበ ብጽሒት ነቶም ነበርቲ ኻብቲ ጸጋ ብማዕረ ተኻፈልቲ ይገብሮም ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ የሆዋ ንዅሎም ኣገልገልቱ ኻብታ መንፈሳዊት ገነት ብማዕረ በረኸት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።

ናብ ምዕራፍ 20፡ ሕጡብ ጽሑፍ 5-11 ተመለስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ