መዝሙር 91
መርኣያ ፍቕሪ እዩ ዕዮና
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡
ስማዕ’ባ ነዚ ጸሎትና።
ብቓላት ዘይግለጽ
ክብርን ሞገስን ሂብካና።
ባሪኽካዮ ዕዮና፡
ዝሃነጽናዮ በእዳውና፡
መርትዖና እዩ፡ መርኣያ፡
’ወ ናይ ፍቕርና።
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ ዓብዪ ኽብሪ’ዩ፡
ቤትካ ኽንሃንጽ ምኽኣልና።
ትምኒትና’ዩ ኽንውድሰካ ለይትን ቀትርን፡
ከነቕርብ ኣምልኾና።
2. ደስ ኢልዎ ልብና፣
ተራኺብና ምስ ኣሕዋትና፣
ክንደይ ባህ ዜብል’ዩ፡ ዜሐጕስ፡
ተዘክሮና!
ንመንፈስካ ርኢና፡
ኣብ ዕዮና፡ ኣብ ሕብረትና፣
ንስምካ ኣምጺእና ውዳሰ፡
በዛ ዓቕምና።
(ኣዝማች)
ኦ የሆዋ፡ ዓብዪ ኽብሪ’ዩ፡
ቤትካ ኽንሃንጽ ምኽኣልና።
ትምኒትና’ዩ ኽንውድሰካ ለይትን ቀትርን፡
ከነቕርብ ኣምልኾና።
(መዝ. 116:1፣ 147:1፣ ሮሜ 15:6 እውን ርአ።)