ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 103 ገጽ 238-ገጽ 239 ሕ.ጽ. 2
  • “መንግስትኻ ትምጻእ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “መንግስትኻ ትምጻእ”
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ጻዕሪ ዘለዎ ናብራ ይጅምር
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ዚፍጸመሉ ግዜ ቐሪቡ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 103 ገጽ 238-ገጽ 239 ሕ.ጽ. 2
ዓበይትን ንኣሽቱን ኣብ ገነት ባህ ኢልዎም ይነብሩ

ትምህርቲ 103

“መንግስትኻ ትምጻእ”

የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ፦ ‘ደጊም ኣውያት ወይ ስቓይ ወይ ሕማም ወይ ሞት ኣይኪኸውንን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እየ። ኵሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝነበረ ሕማቕ ነገራት ኪርሳዕ እዩ።’

የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን፡ ብሰላምን ብሓጐስን ኪነብሩ ኢሉ እዩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንቢርዎም። ንሰማያዊ ኣቦኦም ኬምልኽዎን ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋን ከኣ ነይርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ግና ንየሆዋ ኣይተኣዘዝዎን። ይኹን እምበር፡ ዕላማ የሆዋ ፈጺሙ ኣይተቐየረን። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ኸም ዚፍጸም ርኢና ኢና። ከምቲ ንኣብርሃም ኣተስፍይዎ ዝነበረ ኸኣ፡ መንግስቱ ኣብ ምድሪ ዜደንቕ በረኸት ከተምጽእ እያ።

ዓበይትን ንኣሽቱን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ገነት ብሓባር ይነብሩ

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሎም ክፉኣት ሰባትን ኣይኪህልዉን እዮም። ኵሎም እቶም ብህይወት ዚህልዉ ዘበሉ ንየሆዋ ኼምልኽዎ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣይክንሓምምን ወይ ኣይክንመውትን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ መዓልቲ መዓልቲ ሓይልና ተሓዲሱን ባህ ኢሉናን ካብ ድቃስና ኽንበራበር ኢና። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። ኵሉ ሰብ ከኣ ጥዑም ምግብን ጽቡቕ ቤትን ኪህልዎ እዩ። ሰባት ድማ ሕያዎት ደኣ እምበር፡ ሕሱማት ወይ ዓመጸኛታት ኣይኪዀኑን እዮም። ኣራዊት ኣይኪፈርሁናን እዮም፣ ንሕና እውን ኣይክንፈርሆምን ኢና።

የሆዋ ንሰባት ኬተንስእ ምስ ጀመረ፡ ዜሐጕስ እዋን ኪኸውን እዩ። ከም እኒ ኣቤል፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ሳራ፡ ሙሴ፡ ሩት፡ ኣስቴር፡ ዳዊት ዝኣመሰሉ ቐደም ዝሞቱ ሰባት እውን ብትንሳኤ ኽንቅበሎም ኢና። ምሳና ሓቢሮም ከኣ ንምድሪ ገነት ኪገብርዋ እዮም። ወትሩ ድማ ባህ ዜብል ብዙሕ ዕዮ ኺህሉ እዩ።

የሆዋ ንዓኻ፡ ኣብኡ ኽትህሉ ይደልየካ እዩ። ሽዑ ድማ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ኢኻ። እምበኣር፡ ሕጅን ንዘለኣለምን ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቕረቦ!

“ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11

ሕቶታት፦ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዚህሉ ህይወት ብኸመይ እያ ኽትቅይሮ፧ ካብቶም ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ እተጠቕሱ ሰባት፡ ኣብ ገነት ንመን ክትረኽቦ ትደሊ፧

ራእይ 21:3, 4፣ እዮብ 33:25፣ ምሳሌ 2:21, 22፣ ኢሳይያስ 11:2-10፣ 33:24፣ 65:21፣ ማቴዎስ 6:9, 10፣ ዮሃንስ 5:28, 29፣ 17:3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ