ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 6 ገጽ 20-ገጽ 21 ሕ.ጽ. 5
  • ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ማይ ኣይሂ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኖህ መርከብ ይሰርሕ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣምላኽ ንዕኡ “ሻምናይ ርእሱ ሓለዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 6 ገጽ 20-ገጽ 21 ሕ.ጽ. 5
ዝናም እናዘነመ፡ እታ መርከብ ጸምበለል ትብል

ትምህርቲ 6

ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ኖህን ስድራ ቤቱን እንስሳታትን ካብታ መርከብ ይወጹ

ኖህን ስድራ ቤቱን እንስሳታትን ናብታ መርከብ ኣተዉ። የሆዋ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዓጸዎ። ድሕሪኡ፡ ኪዘንም ጀመረ። ብዙሕ ስለ ዝዘነመ፡ እታ መርከብ ጸምበለል ክትብል ጀመረት። ኣብ መወዳእታ፡ ብዘላ ምድሪ ብማይ ተሸፈነት። ኵሎም እቶም ካብታ መርከብ ወጻኢ ዝነበሩ ኽፉኣት ሰባት ድማ ሞቱ። ኖህን ስድራ ቤቱን ግና ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ስለ ዝነበሩ፡ ደሓኑ። ንየሆዋ ስለ እተኣዘዝዎ፡ ክሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ምንባሮምሲ ኽትግምቶዶ ትኽእል፧

እቲ ዝናም 40 መዓልትን 40 ለይትን ዘነመ፣ ድሕሪኡ፡ ኣቋረጸ። በብቝሩብ እቲ ማይ ጐደለ። ኣብ መወዳእታ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ዓረፈት። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ብዙሕ ማይ ነበረ፣ ስለዚ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ሽዑሽዑ ኻብታ መርከብ ኪወጹ ኣይከኣሉን።

በብቝሩብ እቲ ማይ ነጸፈ። ኖህን ስድራ ቤቱን ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብድምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ጸንሑ። የሆዋ ኸኣ ኻብታ መርከብ ወጺኦም፡ ኣብታ ኻብ ክፉኣት ሰባት ዝጸረየት ምድሪ ኺነብሩ ነገሮም። ንሳቶም ድማ የሆዋ ስለ ዘድሓኖም ኬመስግንዎ ደለዩ፣ ምስጋናኦም ንምግላጽ ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ኣቕረቡሉ።

ቀስተ ደበና

የሆዋ በቲ መስዋእቶም ተሓጐሰ። ካብኡ ንደሓር ንምድሪ ብማይ ኣይሂ ፈጺሙ ኸም ዘየጥፍኣ ኸኣ ቃል ኣተወ። ከም ምልክት እቲ ዝኣተዎ ቓል ድማ፡ ኣብ ሰማይ ንመጀመርታ ግዜ ቐስተ ደበና ኸም ዚርአ ገበረ። ቀስተ ደበና ርኢኻዶ ትፈልጥ፧

ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንኖህን ንስድራ ቤቱን፡ ‘ውሉዳት ውለዱ፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ’ በሎም።

“ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ፡ . . . ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን።”—ማቴዎስ 24:38, 39

ሕቶታት፦ የሆዋ ንማዕጾ እታ መርከብ ምስ ዓጸዎ፡ ኣብ ምድሪ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ቀስተ ደበና ብዛዕባ እንታይ ኬዘኻኽረና ኣለዎ፧

ዘፍጥረት 7:1–9:17

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ