ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 52 ገጽ 128-ገጽ 129 ሕ.ጽ. 7
  • ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ንኣሽሓት ሰባት ብተኣምራታዊ መገዲ ይምግብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ንኣሽሓት መገበ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • የሱስ ብዙሓት ሰባት ይምግብ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንኣሽሓት መገበ፡ ብዛዕባ ማይ ብሑቝ ድማ ኣጠንቀቐ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 52 ገጽ 128-ገጽ 129 ሕ.ጽ. 7
የሱስ፡ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ቈሪሱ፡ ነቶም ህዝቢ ምእንቲ ኺዕድልዎም ንደቀ መዛሙርቱ ይህቦም

ምዕራፍ 52

ሒደት እንጌራን ዓሳን ገይሩ ኣሽሓት መገበ

ማቴዎስ 14:13-21 ማርቆስ 6:30-44 ሉቃስ 9:10-17 ዮሃንስ 6:1-13

  • የሱስ ን5,000 ሰብኡት መገበ

እቶም 12 ሃዋርያት ኣብ ብዘሎ ገሊላ ጽቡቕ እናሰበኹ ድሕሪ ምዛሮም፡ ናብ የሱስ ተመሊሶም “ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ኵሉ . . . ነገርዎ።” ደኺሞም እዮም ነይሮም። ብዙሓት ሰባት ይመጹን ይኸዱን ብምንባሮም ግና ንምብላዕ እኳ ግዜ ሰኣኑ። ስለዚ የሱስ፡ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ከተዕርፉስ፡ ንዑናይ” በሎም።—ማርቆስ 6:30, 31።

ካብ ጥቓ ቅፍርናሆም እዩ ኪኸውን ዚኽእል ኣብ ጃልባኦም ደዪቦም ብሸነኽ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ንቤት-ሳይዳ ሓሊፉ ናብ ዚርከብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። ብዙሓት ሰባት ግና ኪኸዱ ኸለዉ ረኣይዎም፡ ገሊኦም ድማ ብዛዕባኡ ፈለጡ። ብሓባር ከኣ ገምገመ ገምገም ጐይዮም፡ እታ ጃልባ ኣብቲ ቦታ ቕድሚ ምብጻሓ ኣብኡ ጸንሕዎም።

የሱስ ካብታ ጃልባ ምስ ወረደ እሞ ነቶም ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። ስለዚ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ “ብዙሕ . . . ኪምህሮም ጀመረ።” (ማርቆስ 6:34) “ኪሓውዩ ዜድልዮም እውን ኣሕወዮም።” (ሉቃስ 9:11) ሽዑ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ጽምውቲ እያ፡ ግዜ ድማ ከይዱ እዩ እሞ፡ ነዞም ህዝቢ ናብ ኣቝሻት ከይዶም ዚብላዕ ኪዕድጉ ኣሰናብቶም” በልዎ።—ማቴዎስ 14:15።

የሱስ ግና፡ “ኪኸዱ ኣየድልዮምን እዩ፣ ንስኻትኩም ዚብላዕ ሃብዎም” ኢሉ መለሰሎም። (ማቴዎስ 14:16) የሱስ እንታይ ከም ዚገብር ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ንፊልጶስ “እዚኣቶም ምእንቲ ኺበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧” ኢሉ ብምሕታት ፈተኖ። ንፊልጶስ ዝሓተተሉ ምኽንያት ከኣ፡ ንሱ ኻብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ቤት-ሳይዳ ብምዃኑ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እንጌራ ምዕዳግ ፍታሕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ኣስታት 5,000 ሰብኡት እዮም ነይሮም። ኣንስትን ቈልዑን እንተ ተቘጺሮም ከኣ ምናልባት እቲ ቝጽሪ ዕጽፊ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ! ስለዚ፡ ፊልጶስ፡ “ናይ 200 ዲናር እንጌራ እኳ [ሓደ ዲናር ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ እዩ] ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ” ኢሉ መለሰ።—ዮሃንስ 6:5-7።

የሱስ ምስቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ንኣሽቱ ዓሳን ዝሓዘ ቘልዓ ይዛራረብ

እንድርያስ ድማ ንዅሎም ምምጋብ ከም ዘይከኣል ኪሕብር ኢሉ እዩ ዚኸውን፡ “ሓሙሽተ ጎጎ ስገምን ክልተ ንእሽቶ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዚኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧” በለ።—ዮሃንስ 6:9።

እቲ እዋን እቲ፡ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ቐቅድሚ ፋስጋ 32 ድ.ክ. እዩ ነይሩ፣ ሳዕሪ ድማ ነቲ ጎቦ ሸፊንዎ ነበረ። የሱስ ከኣ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኣብቲ ሳዕሪ በብሓምሳን በብሚእትን ኬቐምጥዎም ኣዘዞም። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ድማ ነቲ ዓሳ መቓቐሎ። እዚ ኸኣ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ንሳቶም እውን ነቶም ህዝቢ ዓደልዎም። እቲ ዜስደምም ድማ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዚጸግቡ በልዑ!

ድሕርዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሓንቲ እኳ ኸይትባኽን፡ ዝተረፈ ቝርስራስ ኣክብዎ” በሎም። (ዮሃንስ 6:12) እቲ ዝተረፈ ድማ፡ 12 መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ!

  • የሱስ ንሃዋርያቱ ናብ ጽምዊ ቦታ ኺወስዶም ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናበይ ወሲድዎም፧ ኣብኡኸ እንታይ ኣጓኒፍዎም፧

  • እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ እንታይ ኪገብር እዮም እተዛረብዎ፧ ንሱ ግና ነቶም ህዝቢ ብኸመይ እዩ ዝሓለየሎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ