ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 51 ገጽ 126-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 9
  • ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ጽምብል መዓልቲ ልደት እተፈጸመ ቅትለት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ መጥምቕ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ድግስ ዘበለ ዅሉ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ድዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • “ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 51 ገጽ 126-ገጽ 127 ሕ.ጽ. 9
1. ሰሎሜ ኣብ መዓልቲ ልደት ሄሮድስ ትስዕስዕ፣ 2. ሰሎሜ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሒዛ ናብ ሄሮድያዳ ትመጽእ

ምዕራፍ 51

ብመዓልቲ ልደት እተገብረ ቕትለት

ማቴዎስ 14:1-12 ማርቆስ 6:14-29 ሉቃስ 9:7-9

  • ሄሮድስ ንዮሃንስ መጥመቕ ርእሱ ሰየፎ

ሃዋርያት የሱስ ኣብ ገሊላ ኣገልግሎቶም ኣብ ዚፍጽሙሉ ዝነበሩ እዋን፡ እቲ ንየሱስ ዘፋለጦ ዮሃንስ መጥምቕ ዳርጋ ኽልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምንባሩ፡ ከምዚ ዓይነት ናጽነት ኣይነበሮን።

ንጉስ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ምውሳዱ ጌጋ ኸም ዝዀነ፡ ዮሃንስ ብግህዶ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ኺምርዖ ኢሉ ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ፈቲሕዋ ነይሩ እዩ። ብመሰረት እቲ ሄሮድስ እውን ከም ዚሕልዎ ዚዛረበሉ ዝነበረ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ መውስቦ እቲ ብዝሙት እተገብረን ዘይሕጋውን እዩ ነይሩ። ከም ምላሽ እቲ ዮሃንስ ዝሃቦ መግናሕቲ፡ ሄሮድስ ምናልባት ብሄሮድያዳ ተደፋፊኡ ንዮሃንስ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።

እቶም ህዝቢ ንዮሃንስ፡ “ከም ነብዪ ይርእይዎ ስለ ዝነበሩ፡” ሄሮድስ ንዮሃንስ እንታይ ከም ዚገብሮ ጠፍኦ። (ማቴዎስ 14:5) ሄሮድያዳ ግና እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ትፈልጥ ነበረት። ንዮሃንስ “ተቐየመቶ፡” ክትቀትሎ እውን ትደሊ ነበረት። (ማርቆስ 6:19) ኣብ መወዳእታ፡ ኣጋጣሚ ረኸበት።

ቀቅድሚ ፋስጋ 32 ድ.ክ.፡ ሄሮድስ መዓልቲ ልደቱ ንምኽባር ዓብዪ ድግስ ኣዳለወ። ኣብቲ ድግስ ከኣ ኵሎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣኑን ኣሕሉቕ ሽሕን ኣውራታት ገሊላን ነበሩ። ኣብቲ ድግስ፡ ሄሮድያዳ ኻብ ፊልጶስ እቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣያ ዝወለደታ ሰሎሜ ጓላ ነቶም ኣጋይሽ ክትስዕስዓሎም መጸት። እቶም ሰብኡት ከኣ በቲ ሳዕስዒታ ኣዝዮም ተሓጐሱ።

ሄሮድስ፡ ሰሎሜ ብመዓልቲ ልደቱ ብምስዕሳዓ ይሕጐስ

ሄሮድስ በታ ጓል ሰበይቱ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ “ዝደለኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ እየ” በላ። “ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ” ኢሉ እውን መሓለላ። ሰሎሜ ከይመለሰትሉ ናብ ኣዲኣ ኸይዳ፡ “እንታይ ክልምኖ፧” በለታ።—ማርቆስ 6:22-24።

ሄሮድያዳ እትደልዮ ዝነበረ ኣጋጣሚ ረኸበት! ስለዚ፡ ብቕልጡፍ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ” ኢላ መለሰትላ። ብኡብኡ፡ ሰሎሜ ናብ ሄሮድስ ተመሊሳ፡ “ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሸሓኒ ጌርካ ኽትህበኒ እየ ዝደሊ” ኢላ ለመነት።—ማርቆስ 6:24, 25።

ሄሮድስ በዚ ኣዝዩ ሓዘነ። ግናኸ፡ እቶም ኣጋይሹ ንሰሎሜ ኺምሕለላ ብምንባሮም፡ ንጹህ ሰብ ኪቐትል እኳ እንተ ተሓትተ፡ ምእባያ ኣሕፈሮ። ስለዚ፡ ንሓደ ዘብዐኛ ዜስካሕክሕ ትእዛዝ ሂቡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ለኣኾ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እቲ ዘብዐኛ፡ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ሸሓኒ ሒዙ መጸ እሞ ንሰሎሜ ሃባ። ንሳ ኸኣ ናብ ኣዲኣ ወሰደቶ።

ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ እቲ ዝዀነ ምስ ሰምዑ፡ መጺኦም ሬሳኡ ወሲዶም ቀበርዎ። ብዛዕባኡ ድማ ንየሱስ ነገርዎ።

ሄሮድስ ጸኒሑ፡ የሱስ ንሰባት የሕውን ኣጋንንቲ የውጽእን ከም ዘሎ ምስ ሰምዐ፡ እቲ ኸምዚ ዚገብር ዘሎ የሱስ ‘ካብ ምዉታት ዝተንስአ’ ዮሃንስ መጥምቕ ከይከውን ፈርሀ። (ሉቃስ 9:7) ስለዚ፡ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንየሱስ ኪርእዮ ብርቱዕ ድሌት ኣሕደረ። እዚ ማለት ግና፡ ንየሱስ፡ ኪሰብኽ ከሎ ኺሰምዖ ኣይኰነን ዚደሊ ነይሩ። የግዳስ፡ ስግኣቱ መሰረት ዘለዎ ወይ ዘይብሉ ምዃኑ ኼረጋግጽ እዩ ደልዩ ነይሩ።

  • ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተወ ስለምንታይ እዩ፧

  • ሄሮድያዳ ኸመይ ገይራ እያ ኣብ መወዳእታኡ ንዮሃንስ ዘቕተለቶ፧

  • ድሕሪ ሞት ዮሃንስ፡ ሄሮድስ ኣንቲጳስ ንየሱስ ኪርእዮ ዝደለየ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ