ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • hf ክፋል 1 ክፋል 1-3
  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓዳርካ ንኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1 ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ግደ ተቐበሎ
  • 2 ብዛዕባ ስምዒት መጻምድትኻ ሕለ
  • 3 ምስ መጻምድትኻ፡ ስኒት ይሃሉኻ
  • ንመጻምድትኻ ኣኽብሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንሓድሕድኩም እሙናት ኩኑ
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
hf ክፋል 1 ክፋል 1-3
ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መዓልቲ መርዓኦም

1ይ ክፋል

ብሓዳርካ ኽትሕጐስ፡ መምርሒ ኣምላኽ ድለ

“እቲ ኻብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧”—ማቴዎስ 19:4

ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዘመራዓዎም፡ የሆዋa ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ፈጢሩ ‘ናብቲ ሰብኣይ ከም ዘምጽኣ’ ይነግረና እዩ። ኣዳም በዚ ኣዝዩ ስለ እተሓጐሰ፡ “እዚኣስ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” በለ። (ዘፍጥረት 2:22, 23) የሆዋ ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰብ ሓዳር ሕጉሳት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ።

ክትምርዖ ኸለኻ፡ ኵሉ ነገር ጽቡቕ ዚኸውን ይመስለካ ነይሩ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቶም ኣዝዮም ዚፋቐሩ ሰብኣይን ሰበይትን እውን እንተ ዀነ፡ ገለ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ፡ እንተ ተግቢርካዮ ብሓዳርካን ብስድራ ቤትካን ከም እትሕጐስ ኪገብረካ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትረክብ ኢኻ።—መዝሙር 19:8-11።

1 ነቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ግደ ተቐበሎ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት እዩ።—ኤፌሶን 5:23።

ሰብኣይ እንተ ዄንካ፡ የሆዋ ንሰበይትኻ ብለውሃት ክትከናኸና ይደሊ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) መመላእታ ኽትኰነካ ኢሉ ስለ ዝፈጠራ፡ ብኣኽብሮትን ብፍቕርን ክትሕዛ እዩ ዚደልየካ። (ዘፍጥረት 2:18) ንሰበይትኻ ኣዚኻ ኸተፍቅራን ካብ ንጥቕምኻ ንላዕሊ ንጥቕማ ኸተቐድምን ኣሎካ።—ኤፌሶን 5:25-29።

ሰበይቲ እንተ ዄንኪ፡ የሆዋ ንሰብኣይኪ ብዙሕ ከተኽብርዮን ግዲኡ ምእንቲ ኺፍጽም ክትሕግዝዮን ይደሊ እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:33) ንዚገብሮ ውሳነታት ደግፍዮ፡ ብምሉእ ልብኺ ድማ ምስኡ ተሓባበሪ። (ቈሎሴ 3:18) ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ኣብ ቅድሚኡን ኣብ ቅድሚ የሆዋን ምልክዕቲ ኽትኰኒ ኢኺ።—1 ጴጥሮስ 3:1-6።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንመጻምድትኻ፡ ብኸመይ ዝሓሸ መጻምድቲ ኽትከውን ከም እትኽእል ሕተቶ። ጽን ኢልካ ስማዕ፡ ከተመሓይሽ ድማ ጽዓር

  • ብኸመይ ከም እትተሓጓጐሱ ኽትፈልጡ ግዜ ስለ ዜድልየኩም፡ ዕጉስ ኩን

2 ብዛዕባ ስምዒት መጻምድትኻ ሕለ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ንጥቕሚ መጻምድትኻ ኽትጥምት ኣሎካ። (ፊልጲ 2:3, 4) የሆዋ ንኣገልገልቱ፡ “ንዅሉ ልኡም” ኪዀኑ ስለ ዚደልዮም ፡ ንመጻምድትኻ ኣኽቢርካ ርኣዮ። (2 ጢሞቴዎስ 2:24) “ብዘይ ሓልዮት ዚዝረብ ዘረባ ኸም ሰይፊ ይወግእ፣ ልሳን ጥበበኛታት ግና የሕዊ።” ስለዚ፡ ንቓላትካ ተጠንቂቕካ ምረጾ። (ምሳሌ 12:18) መንፈስ የሆዋ፡ ብለውሃትን ብፍቕርን ምእንቲ ኽትዛረብ ኪሕግዘካ እዩ።—ገላትያ 5:22, 23፣ ቈሎሴ 4:6።

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ብዛዕባ ሓደ ረዚን ጕዳይ ምስ መጻምድትኻ ቕድሚ ምዝርራብካ፡ ህድእ ክትብልን ብኽፉት ኣእምሮ ኽትሰምዕን ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ናብ የሆዋ ጸሊ

  • እንታይ ከም እትዛረብን ብኸመይ ከም እትዛረብን ተጠንቂቕካ ሕሰብ

3 ምስ መጻምድትኻ፡ ስኒት ይሃሉኻ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ ክትምርዖ ኸለኻ፡ ምስ መጻምድትኻ “ሓደ ስጋ” ዄንኩም ኢኹም። (ማቴዎስ 19:5) ይኹን እምበር፡ እተፈላለየ ርእይቶ ዘሎኩም ክልተ ሰባት ኢኹም። ስለዚ፡ ብሓሳብን ብስምዒትን ስኒት ኪህልወኩም ኣለዎ። (ፊልጲ 2:2) ስኒት፡ ውሳነ ንምግባር ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ” ይብል። (ምሳሌ 20:18) ምስ መጻምድትኻ ሓቢርኩም ውሳነ ኽትገብሩ ኸለኹም፡ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርሑ።—ምሳሌ 8:32, 33።

ሰብ ሓዳር ብሓባር ኰይኖም ክዳንን ኣቕሑን ኪሓጽቡ ኸለዉ

እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

  • ንመጻምድትኻ ሓበሬታ ወይ ርእይቶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ስምዒትካ እውን ኣካፍሎ

  • ቃል ቅድሚ ምእታውካ፡ ንመጻምድትኻ ኣማኽሮ

a የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

ሚዛናውን ኣወንታውን ኣረኣእያ ይሃሉኻ

ካብ ገዛእ ርእስኻ ዀነ ኻብ መጻምድትኻ፡ ፍጽምና ኣይትጸበ። (መዝሙር 103:14፣ ያእቆብ 3:2) ኣብ ጽቡቕ ባህርያት መጻምድትኻ ኣተኵር። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ብምትእምማን፡ ዕጉስ ኩን። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) የሆዋ ነቲ ንምኽሩ ኽትስዕብ እትገብሮ ጻዕሪ ኺባርኾ እዩ፣ ሓዳርካ ድማ በብዓመቱ እናደልደለ ኪኸይድ እዩ።—ገላትያ 6:9።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተታ፦

  • መጻምድተይ፡ ካብ ርእሰይ ንላዕሊ ኸም ዝሓልየሉ ይፈልጥ ድዩ፧

  • ሎሚ መዓልቲ፡ ንመጻምድተይ ከም ዘፍቅሮን ከም ዘኽብሮን ዜርኢ እንታይ ዝገበርክዎ ነገር ኣሎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ