ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • kr ምዕ. 16 ገጽ 170-181
  • ንኣምልኾ ብሓባር ምእካብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምልኾ ብሓባር ምእካብ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብሓባር እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧
  • “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ዜተባብዕ ሰሙናዊ ኣኼባታት
  • ኣብ ዓመት፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ኣኼባ
  • ኣረኣእያና እንታይ ከም ዚሕብር
  • ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዜነቓቕሕ’ ኣኼባታት
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ ይጠቕመካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምልኾ ኽንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
kr ምዕ. 16 ገጽ 170-181

ምዕራፍ 16

ንኣምልኾ ብሓባር ምእካብ

ኣትኵሮ እዛ ምዕራፍ

ምዕባለን ኣገዳስነት ኣኼባታትና

1. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሓባር ምስ ተኣከቡ፡ እንታይ ሓገዝ እዮም ዝረኸቡ፧ ስለምንታይከ እዩ እዚ ዜድልዮም ዝነበረ፧

ድሕሪ ትንሳኤ የሱስ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ተኣከቡ። ኰይኑ ግና፡ ንጸላእቶም ብምፍራሆም፡ መዓጹ ሸጐሩ። የሱስ ኣብ ማእከሎም ምስ ተራእዮም እሞ፡ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” ምስ በሎም ግና፡ እቲ ፍርሆም ጠፊኡ ኪኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 20:19-22 ኣንብብ።) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸኒሖም ብሓባር ተኣከቡ፣ የሆዋ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣፍሰሰሎም። ሽዑ ኸኣ፡ ነቲ ዚጽበዮም ዝነበረ ዕዮ ስብከት ዚኸውን ብርቱዕ ሓይሊ ረኸቡ።—ግብ. 2:1-7።

2. (ሀ) የሆዋ ዜተባብዕና ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ መተባብዒ ዜድልየና፧ (ለ) መሰናድዎ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍን ኣብ ገጽ 175 እትርከብ፡ “ኣምልኾ ስድራ ቤት” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ።)

2 ንሕና እውን ምስቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና ዚመሳሰል ብድሆታት የጋጥመና እዩ። (1 ጴጥ. 5:9) ሓድሓደ ግዜ፡ ገሌና ብፍርሂ ሰብ ንጽሎ ኢና። ኣብ ዕዮ ስብከት ጸኒዕና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ካብ የሆዋ ብርታዐ የድልየና እዩ። (ኤፌ. 6:10) የሆዋ ኸኣ መብዛሕትኡ ብርታዐ ብኣኼባታትና ኣቢሉ እዩ ዚህበና። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ክልተ ኣስተምሃሪ ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣሎና። እዚ ኣኼባታት እዚ ድማ፡ እቲ ሓደ ህዝባዊ ኣኼባን መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛን ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኰይኑ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ይብሃል።a ብዘ​ይካዚ ድማ፡ ኣርባዕተ ዓመታዊ ኣኼባታት ኣሎና። እዚ ኸኣ፡ ኣኼባ ዞባን ክልተ ኣኼባ ወረዳን በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስን እዩ። ኣብ ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ ምእካብና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ዘመናዊ ኣኼባታትና ብኸመይ ማዕቢሉ፧ ንኣኼባታትና ዘሎና ኣረኣእያ ብዛዕባና እንታይ ይገልጽ፧

ብሓባር እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧

3, 4. የሆዋ ንህዝቡ፡ እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም፧ ኣብነታት ሃብ።

3 ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንህዝቡ፡ ኬምልኽዎ ኢሉ ብሓባር ኪእከቡ ይደልዮም እዩ። ንኣብነት፡ ብ1513 ቅ.ክ.፡ የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል ሕጊ ሃቦም፣ እቲ ሕጊ እቲ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ከተምልኾን ነቲ ሕጊ ኽትምሃረሉን ተባሂሉ እተዳለወ ሕጊ ሰሙናዊ ሰንበት ዜጠቓልል ነበረ። (ዘዳ. 5:12፣ 6:4-9) እስራኤላውያን ነቲ ሕጊ እቲ ኺስዕቡ ኸለዉ፡ ስድራ ቤታት ይድልድላ፡ እቶም ህዝቢ ብሓፈሻ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹሃትን ድልዱላትን ይዀኑ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ነቲ ንኣምልኾ የሆዋ ኢልካ ብስሩዕ ምእካብ ዜጠቓልል ትእዛዝ ዕሽሽ ኢሎም ነቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒሎምዎ ግና፡ ሞገስ ኣምላኽ ይስእኑ ነበሩ።—ዘሌ. 10:11፣ 26:31-35፣ 2 ዜና 36:20, 21።

4 የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እውን ንርአ። ንሱ ሰንበት ሰንበት ናብ ምኵራብ ናይ ምኻድ ልማድ ነበሮ። (ሉቃ. 4:16) ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ደጊም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሰንበት እኳ እንተ ዘይኰኑ፡ ብስሩዕ ናይ ምእካብ ልማዶም ግና ቀጸልዎ። (ግብ. 1:6, 12-14፣ 2:1-4፣ ሮሜ 14:5፣ ቈሎ. 2:13, 14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣብቲ ኣኼባታት እቲ፡ ትምህርትን መተባብዕን ይረኽቡ ነይሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብጸሎትን ብዚውሃብ ሓሳባትን ብመዝሙርን እውን ንኣምላኽ መስዋእቲ ውዳሰ የቕርቡሉ ነይሮም እዮም።—ቈሎ. 3:16፣ እብ. 13:15።

የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ተኣኪቦም ኸለዉ ተራእዮም

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓድሕዶም ኪበራትዑን ኪተባብዑን ኢሎም ብሓባር ይእከቡ ነበሩ

5. ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን ኣብ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታትን እንእከብ ስለምንታይ ኢና፧ (ኣብ ገጽ 176 እትርከብ፡ “ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ዚፈጥር ዓመታዊ ኣኼባታት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

5 ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትናን ኣብ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታትናን ክንእከብ ከለና፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እንህቦ ደገፍ ነርኢ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ብርታዐ ንረክብ፡ እምነትና ብምግላጽ ከኣ ንኻልኦት ነተባብዕ ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብጸሎትን ብዚውሃብ ሓሳባትን ብመዝሙርን ጌርና ንየሆዋ ናይ ምምላኽ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። ኣኼባታትና እተወደበሉ መገዲ፡ ካብቲ እስራኤላውያንን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናትን ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ቍሩብ ይፍለ ይኸውን፣ ኰይኑ ግና፡ ኣኼባታትና ምስቲ ናይ ጥንቲ ኣኼባታት፡ ብማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ። እሞኸ ዘመናዊ ኣኼባታትና ብኸመይ ማዕቢሉ፧

“ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን” ዜተባብዕ ሰሙናዊ ኣኼባታት

6, 7. (ሀ) ዕላማ ኣኼባታትና እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣኼባታት ካብ ጕጅለ ናብ ጕጅለ ዚፈላለ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

6 ሓውና ቻርለስ ቴዝ ራስል ንሓቂ ኻብ ቃል ኣምላኽ ኪደልያ ምስ ጀመረ፡ ከም ናቱ ዓይነት ሸቶ ምስ ዘለዎም ካልኦት ናይ ምእካብ ኣድላዪነት ተገንዘበ። ብ1879፡ ራስል፡ “ኣነ ኣብ ፒትስበርግ ምስ ዚርከቡ ኻልኦት ሓቢረ፡ ሰንበት ሰንበት እናተኣከብና ንቕዱሳት ጽሑፋት እንምርምረሉ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ወዲበን ኣካይደን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣንበብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብሓባር ኪእከቡ ይተባብዑ ነበሩ፣ ብ1881 ድማ፡ ኣብ ፒትስበርግ፡ ፐንሲልቨንያ፡ ሰንበት ሰንበትን ረቡዕ ረቡዕን ኣኼባታት ይግበር ነበረ። ናይ ሕዳር 1895 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ዕላማ እዚ ኣኼባታት እዚ፡ “ክርስትያናዊ ምሕዝነትን ፍቕርን ሕብረትን” ንምምዕባል፡ ነቶም ኣብኡ ዚእከቡ ድማ ንሓድሕዶም ኪተባብዑ ኣጋጣሚ ንምሃብ ምዃኑ ገለጸት።—እብራውያን 10:24, 25 ኣንብብ።

7 ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣኼባታትና ዚግበረሉ ኣገባብን ክንደይ ሳዕ ከም ዚግበርን፡ ካብ ሓደ ጕጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ካልእ ጕጅለ ይፈላለ ነበረ። ንኣብነት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኻብ ዝነበሩ ጕጅለ እተላእከት እሞ ብ1911 እተሓትመት ሓንቲ ደብደበ፡ “ኣብ ሰሰሙን እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ኣኼባ ንገብር ኢና” በለት። ነዚ ኣኼባታት እዚ ኸኣ፡ ሰኑይን ረቡዕን ዓርብን ክልተ ሳዕ ኣብ ሰንበትን ይገብርዎ ነበሩ። ኣብ ኣፍሪቃ ኻብ ዝነበሩ ጕጅለ እተላእከት እሞ ብ1914 እተሓትመት ካልእ ደብዳበ ድማ፡ “ዓርቢ ጀሚሩ ሰንበት ዜብቅዕ ኣኼባ ኣብ ወርሒ ኽልተ ሳዕ ንገብር ኢና” በለት። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ኣኼባታትና ኸምዚ ሕጂ ዘለዎ መልክዕ ሓዘ። ታሪኽ ኣኼባታትና እስከ ኣሕጽር ኣቢልና በብሓደ ንርአ።

8. ገለ ኻብቲ ቐደም ዝነበረ ኣርእስትታት መደረ እንታይ እዩ፧

8 ህዝባዊ ኣኼባ። ብ1880፡ ሓውና ራስል ካብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኼሕትም ዝጀመረሉ ኣብ ዓመቱ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ናይ ስብከት ዙረት ጀመረ። (ሉቃ. 4:43) ሓውና ራስል ከምኡ ኺገብር ከሎ፡ ነቲ ሕጂ ህዝባዊ ኣኼባና ዀይኑ ዘሎ ዚኸውን መርኣያ ሓደገ። ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ መገሻ ኸተፋልጦ ኸላ፡ ራስል “‘ንመንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚምልከት ነገራት’ ህዝባዊ ኣኼባታታት ኪገብር ሕጉስ” ከም ዝዀነ ገለጸት። ብ1911፡ ክፍልታት ወይ ጉባኤታት ኣብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ምስ ቈማ፡ ኵለን ክፍልታት ከም እኒ ፍርድን በጃን ዚብል ኣርእስትታት ዘለዎ ሽዱሽተ ተኸታታሊ መደረታት ዜቕርቡ ብቑዓት ተዛረብቲ ናብቲ ኣብ ከባቢአን ዚርከብ ቦታታት ኪልእካ ይተባብዓ ነበራ። ኣብ መወዳእታ ሓደ መደረ፡ ናይ ዚቕጽል ሰሙን ተዛራባይን ኣርእስቲ እቲ መደረን ይንገር ነበረ።

9. ህዝባዊ ኣኼባ በብግዜኡ ብኸመይ እዩ ተቐያይሩ፧ ነዚ ኣኼባ እዚኸ ኸመይ ጌርካ ኽትድግፎ ትኽእል፧

9 ብ1945፡ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ “ህጹጽ ጸገማት እዚ እዋን” ዜተኵር ሸሞንተ ተኸታታሊ መደረታት መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል ዓለምለኻዊ ወፈራ ህዝባዊ ኣኼባ ኸም ዚጅመር ኣፍለጠት። መደረ ኬቕርቡ እተመደቡ ተዛረብቲ፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብቲ ኻብ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ እተዋህቦም ኣርእስትታት ተመርኲሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብርእሶም ዘማዕበልዎ መደረታት እውን የቕርቡ ነበሩ። ብ1981 ግና፡ ኵሎም ተዛረብቲ ኣብቲ ንጉባኤታት ዚውሃብ ኣስተዋጽኦታት ተመርኲሶም መደረኦም ኬቕርቡ መምርሒ ተዋህቦም።b ክሳዕ 1990፡ ገሊኡ ኣስተዋጽኦታት ህዝባዊ መደረ፡ ተሳትፎ ሰማዕቲ ወይ መርኣያ ዜጠቓልል ነበረ። በታ ዓመት እቲኣ ግና፡ እቲ መምርሒታት ተመሓየሸ እሞ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ዚቐርብ ህዝባዊ መደረታት ብመደረ ጥራይ ከም ዚቐርብ ተገብረ። ኣብ ጥሪ 2008 እተገብረ ተወሳኺ ምትዕርራይ ከኣ፡ ነቲ ህዝባዊ መደረታት ካብ 45 ደቂቕ ናብ 30 ደቒቕ ነከዮ። ኣብ መልክዕ እቲ መደረ ለውጥታት እኳ እንተ ተገብረ፡ ብግቡእ እተዳለወ ህዝባዊ መደረታት ኣብ ቃል ኣምላኽ እምነት ካብ ምህናጽን ብዛዕባ እተፈላለየ መዳያት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምምሃርን ኣየቋረጸን። (1 ጢሞ. 4:13, 16) እሞኸ ነቶም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎምን ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባትን ነቲ ኣገዳሲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መደረታት ኪሰምዑ ብውዕዉዕ መንፈስ ትዕድሞም ዲኻ፧

10-12. (ሀ) ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ምትዕርራያት እዩ ተገይሩ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ክንሓትታ ይግብኣና፧

10 መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ። ብ1922፡ ፒልግሪም ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ንጉባኤታት መደረ ኬቕርቡን ኣብ ዕዮ ስብከት ኪመርሑን ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዚልኣኹ ዝነበሩ ኣሕዋት፡ ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ስሩዕ ኣኼባ ኺግበረሉ ሓሳብ ሃቡ። እዚ ሓሳብ እዚ ድማ ተቐባልነት ረኸበ። ኣብ ፈለማ ኸኣ፡ መጽናዕትታት ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ መንጎ ሰሙን ወይ ሰንበት ሰንበት ይግበር ነበረ።

ብ1931፡ ኣብ ጋና እተገብረ ኣኼባ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ

ብ1931፡ ኣብ ጋና እተገብረ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ

11 ናይ 15 ሰነ 1932 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ብዛዕባ እቲ እዚ ኣኼባ እዚ ዚምርሓሉ መገዲ ተወሳኺ መምርሒ ሃበት። ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዚምርሓሉ መገዲ ኸም ኣብነት ብምውሳድ፡ ሓደ ሓው ነቲ ኣኼባ ኺመርሖ ኸም ዚግባእ ገለጸት። ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ቅድሚት እቲ መአከቢ ኾፍ ኢሎም፡ በብተራ ሕጡብ ጽሑፍ የንብቡ ነበሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዚወጽእ ዝነበረ ዓንቀጻት፡ ሕቶታት ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ነቶም ሰማዕቲ፡ ኣብቲ ዚጽናዕ ጽሑፍ ተመርኲሶም ሕቶ ኼበግሱ ይሓትቶም ነበረ። ድሕሪኡ፡ መልሲ እቲ ሕቶታት ንምርካብ፡ ነቶም ተኣከብቲ ዕድል ይህቦም ነበረ። ብዝያዳ ኺንጽር ዜድልዮ ነጥቢ እንተ ተላዒሉ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው፡ “ሓጺርን ንጹርን” መግለጺ ኺህብ ነበሮ።

12 ኣብ ፈለማ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ነቲ መብዛሕትኦም ኬጽንዕዎ ዚደልዩ ሕታም መጽሔት ክትሓሪ ይፍቀደላ ነበረ። ናይ 15 ሚያዝያ 1933 ግምቢ ዘብዐኛ ግና፡ ኵለን ጉባኤታት፡ እዋናዊ ሕታም ኪጥቀማ ሓሳብ ኣቕረበት። ብ1937፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ሰንበት ኪግበር ከም ዘለዎ መምርሒ ተዋህበ። ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1942 ግምቢ ዘብዐኛ ኸኣ፡ እቲ ኣኼባ ኸምዚ ሎሚ እንፈልጦ ዘለና መልክዕ ኪህልዎ ዜኽእል ምትዕርራያት ተሓትመ። ፈለማ፡ እታ መጽሔት፡ ኣብቲ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዘለዎ ገጻት፡ ኣብ ታሕቲ ሕቶታት ከም ዚሕተምን እዚ ሕቶታት እዚ ኺሕተት ከም ዚግባእን ገለጸት። ኣስዒባ፡ እቲ ኣኼባ ናይ ሓደ ሰዓት ንውሓት ኪህልዎ ኸም ዚግባእ ሓበረት። እቶም ዚምልሱ ኻብቲ ሕጡብ ጽሑፍ እተወሰነ ኽፋል ኣብ ክንዲ ዜንብቡ፡ “ብናቶም ቃላት” ሓሳቦም ኪገልጹ እውን ኣተባብዐት። መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዜኡ ዚህበሉ ቐንዲ ኣኼባ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። (ማቴ. 24:45) እምበኣር፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ‘ሰሙን ሰሙን ንመጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ እዳሎ ድየ፧ እንተ ኽኢለኸ፡ ሓሳብ ክህብ እጽዕር ድየ፧’ ኢልና ንርእስና ኽንሓትታ ይግብኣና።

13, 14. ታሪኽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ እንታይ እዩ፧ ካብዚ ኣኼባ እዚ እትፈትዎኸ እንታይ እዩ፧

13 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ። ኣብ መፋርቕ 1890ታት፡ ብርክት ዝበለ ጥራዛት ሚልየናል ዶውን ምስ ወጻ፡ ኣብ ከተማ ባልቲሞር፡ ሜሪላንድ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚነብር ሓውና ራን፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበረሉ “ዶውን ሰርክልስ” (ጕጅለታት ወጋሕታ) ዚብሃል ጕጅለታት ኪቐውም ሓሳብ ሃበ። ኣብ ፈለማ፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ዚግበር ኣኼባታት እዚ፡ ንፈተነ እዩ ዚግበር ነይሩ። ኣብ መስከረም 1895 ግና፡ እዚ ኣብ ሓያሎ ኸተማታት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኺግበር ጀመረ። ስለዚ፡ ናይታ ወርሒ እቲኣ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኵሎም ተመሃሮ ሓቂ ኸምዚ ዝበለ ኣኼባታት ኪገብሩ ሓሳብ ሃበት። እቲ ነዚ ኣኼባ እዚ ዚመርሕ፡ ንፉዕ ኣንባቢ ኪኸውን ከም ዘለዎ መምርሒ ሃበት። ሓደ ምሉእ ሓሳብ ምስ ኣንበበ፡ እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ሓሳብ ኪህቡ ዕድል ይህቦም። ኵሉ እቲ ኣብ ሓንቲ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ምሉእ ሓሳብት ምስ ተነብበን ምይይጥ ምስ ተገብረሉን፡ ነቲ ኣብኡ እተሓበረ ጥቕስታት ገንጺሉ የንብቦ። ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ተኣካቢ ብዛዕባ እቲ ትምህርቲ ሓጺር መግለጺ ይህብ ነበረ።

14 ስም እዚ ኣኼባ እዚ፡ ብተደጋጋሚ ተቐያይሩ እዩ። ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝመረመሩ ሰባት ስም ብምውሳድ፡ “ቤሪያን ሰርክልስ ፎር ባይብል ስታዲ” (ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤርያውያን) ተባሂሉ እውን ይፍለጥ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ናብ ዚብል ስም ተቐየረ። ሕጂ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ተባሂሉ እዩ ዚፍለጥ፣ በብጕጅለ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ዘይኰነስ፡ ምልእቲ ጉባኤ ብሓባር ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተኣኪባ እዩ ዚግበር። ኣብ ዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ከኣ፡ እተፈላለየ መጻሕፍትን ብሮሹራትን ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛን፡ ንመጽናዕቲ መሰረት ጌርና ተጠቒምና ኢና። ካብ ቀደም ኣትሒዙ፡ ኵሎም እቶም ኣብዚ ኣኼባ እዚ ዚእከቡ፡ ኣብኡ ኺሳተፉ ይተባብዑ እዮም። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ፍልጠት ኣብ ምዕማቝ ብዙሕ ኣበርኪቱ እዩ። እሞኸ ነዚ ኣኼባ እዚ ኣዘውቲርካ ትዳሎን ዓቕምኻ ኸም ዜፍቅደልካ ኣብኡ ትሳተፍን ዲኻ፧

ወለዲ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቆም ተሓጒሶም ኣምልኾ ስድራ ቤት ይገብሩ

ሰሙናዊ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣሎካዶ፧

ኣምልኾ ስድራ ቤት

ዳሕሮት መዓልትታት እናተወድኣ ብዝኸዳ መጠን፡ ውድብ የሆዋ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ናይ ገዛእ ርእሳ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪህልዋ ኣድላዪ ምዃኑ ዝያዳ ተተኵረሉ ኣላ። (2 ጢሞ. 3:1) ንኣብነት፡ እታ ብ1932 እተሓትመት ሆም ኤንድ ሃፒነስ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ ብንጹር፡ “ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣብ ቤታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀልጢፋ ትጀምር” በለት። ናይ 15 ግንቦት 1956 ግምቢ ዘብዐኛ ድማ፡ ኵለን ክርስትያን ስድራ ቤታት፡ “ንጥቕሚ ምሉእ ስድራ ቤት፡ ኣብ ቤት ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ኪገብራ መዓደት። ቀጺላ ኸኣ፡ “ስድራ ቤትኩም ብሓባር፡ ቅድሚ ኣኼባ ኣብ ዘላ ዝዀነት ምሸት ግምቢ ዘብዐኛ ተጽንዕ ድያ፧” ኢላ ሓተተት።

ብ2009 ድማ፡ ውድብና ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን እንገብሮ ኣኼባታት ብምትዕርራይ ኣገዳስነት ናይ ስድራ ቤት መጽናዕቲ ኣጕልሐት፣ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ምስ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ብሓንሳእ ኣብ ሓደ ምሸት እዩ ዚግበር። ኣብ ጥሪ 2011 ዝወጸት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ “ሓደ ኻብቲ እዚ ምትዕርራያት እዚ እተገብረሉ ምኽንያት፡ ስድራ ቤታት ኣብ ሰሰሙን ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚገብሩላ ሓንቲ ምሸት ብምምዳብ መንፈሳውነቶም ምእንቲ ኼደልድሉ እዩ” በለት። ቀጺላ እውን፡ “ነዚ ግዜ እዚ ኸኣ ንስድራ ቤቶም ዜድሊ ኣርእስቲ ተጠቒሞም ብህድኣት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥን መጽናዕትን ንምግባር ምእንቲ ኺጥቀሙሉ እዩ” በለት።c

ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪርሳዕ ዘይብሉ ኣዝዩ ኣገዳሲ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ናይ ስድራ ቤት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ጉባኤ መንፈሳዊ ድልዳለ ስለ ዚጸሉ እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ጉባኤ ኻብ ሕጡብ ምስ እተሃንጸት ቤት ከነመሳስላ ንኽእል ኢና። (እብራውያን 3:4-6 ኣንብብ።)d ድልዳለ ሓንቲ ብሕጡብ እተሃንጸት ጽብቕቲ ቤት ኣብ ክልተ ነገራት፡ ማለት ኣብ ጥንካረ እቲ መሰረትን ኣብ ነናይ ሕጡብ ጽኑዕነትን እዩ ዚምርኰስ። እቲ መሰረት ጕድለት እንተ ኣልይዎ፡ እታ ቤት ትወድቕ እያ። ይኹን እምበር፡ ጽኑዕ መሰረት ዘለዋ ቤት እውን እንተ ዀነት፡ ሕጡባታ ፈርከስከስ ዚብል እንተ ዀይኑ፡ ጽቡቕ መዋቕር ኣይህልዋን። ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ጽኑዕ መሰረት፡ ማለት ኣብ ትምህርትታት ክርስቶስ እያ ተመስሪታ። (1 ቈረንቶስ 3:10-15 ኣንብብ።)e ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ውልቀ ሰባትን ስድራ ቤታትን ከኣ ከም ሕጡብ እዮም። ኣምልኾ ስድራ ቤት ዚግበረሉ እዋናት ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ኰነ ኣባል ስድራ ቤት ድልዱልን ሓዊ ዚጻወርን እምነት ኪሃንጽን ኪህልዎን ዜኽእሎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። ድልዱላት ውልቀ ሰባትን ድልዱላት ስድራ ቤታትን ከኣ፡ ጉባኤታት የደልድላ። እሞኸ ሰሙናዊ መደብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣሎካዶ፧

c ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤት ክትጥቀመሉ እትኽእል ሓሳባት ኣብ ናይ ጥሪ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺርከብ ይከኣል እዩ።

d ቃላት ጳውሎስ ነቶም “ሰማያዊ ጽውዓ” ዘለዎም እየን ዜመልክታ። (እብ. 3:1) ግናኸ፡ እቲ ምኽሩ፡ ኣብ ኵሎም ክርስትያናት እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ።

e ብዛዕባ እዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1999 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 12-14፡ ሕጡብ ጽሑፍ 15-20 ርአ። ነቲ ጽሑፍ ኣንብቦ እሞ፡ ነቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩሉ መደባት ብኸመይ ከም ዚጠቕመካ ኣስተንትን።

15. ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንምንታይ ዕላማ እዩ ተዳልዩ ነይሩ፧

15 ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት። ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዜገልግል ዝነበረ ካሪ ባርበር፡ “ሰኑይ ምሸት 16 ለካቲት 1942፡ ኵሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት እቲ ኣብ ብሩክሊን ዚርከብ ቤት-ኤል፡ ኣብቲ ደሓር ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ እተጸውዐ ኺምዝገቡ ጻውዒት ቀረበሎም” በለ። ካብዚ ነዊሕ ጸኒሑ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀነ ሓውና ባርበር፡ ነቲ ቤት ትምህርቲ፡ “ሓደ ኻብቲ የሆዋ ምስቶም ዘመናውያን ህዝቡ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዝገበሮ ኣዝዩ ዜደንቕ ምዕባለታት” ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። እቲ ትምህርቲ ንኣሕዋት ናይ ምምሃርን ናይ ምስባኽን ክእለቶም ኣብ ምምሕያሽ ዕዉት ብምንባሩ፡ ካብ 1943 ጀሚሩ፡ ኮርስ ኢን ቲኦክራቲክ ሚኒስትሪ ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ በብቝሩብ ኣብ ብዘላ ዓለም ናብ ዚርከባ ጉባኤታት ተባጽሐት። ናይ 1 ሰነ 1943 ግምቢ ዘብዐኛ ድማ፡ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንህዝቢ ኣምላኽ፡ “ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝሓሹ መሰኻኽር ምእንቲ ኪዀኑ ገዛእ ርእሶም ኬሰልጥኑ” ተባሂሉ ኸም እተዳለወ ሓበረት።—2 ጢሞ. 2:15።

16, 17. ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተክኒካዊ ኽእለታት ጥራይ ዲና እንመሃር ኔርና፧ ግለጽ።

16 ኣብ ፈለማ፡ ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰማዕቲ ዄንካ ምዝራብ ኣዝዩ ኸቢድዎም ነበረ። ኣቦኡ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ምስ ሓውና ራዘርፎርድን ካልኦትን ብ1918 ተኣሲሩ ዝነበረ ክለይተን ዉድዎርዝ ጁንየር፡ ንሱ ብ1943 ንፈለማ ግዜ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ እተመዝገበሉ እዋን ከመይ ከም እተሰምዖ ኸምዚ ኢሉ ተዘክሮኡ ገለጸ፦ “መደረታት ምቕራብ፡ ንዓይ ኣመና ኣጸጊሙኒ ነይሩ። ልሳነይ ዝነውሐ መሲሉኒ ነይሩ፣ ኣፈይ ፈጺሙ ነቒጹ፡ ድምጸይ ከኣ ኣብ መንጎ ጭድርታን ውጨጫን ኰይኑ ነይሩ።” ክእለት ክለይተን እናተመሓየሸ ምስ ከደ ግና፡ ብዙሕ ህዝባዊ መደረታት ኬቕርብ ፍሉይ መሰል ተዋህቦ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ፡ ተክኒካዊ ኽእለታት ጥራይ ኣይኰነን ተማሂሩ። ዋጋ ትሕትናን ኣብ የሆዋ ናይ ምጽጋዕ ኣገዳስነትን እውን ተማሂሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ “እቲ ተዛራባይ ንበይኑ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይምዃኑ ተገንዚበ እየ። ብግቡእ እንተ ተዳልዩን ኵሉ እምንቶኡ ኣብ የሆዋ እንተ ገይሩን ግና፡ ሰማዕቲ ባህ ኢልዎም ይሰምዕዎ፡ ትምህርቲ እውን ይረኽቡ” በለ።

17 ብ1959፡ ኣሓት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኺምዝገባ ጻውዒት ቀረበ። ሓብትና ኤድና ባወር ነቲ ምልክታ ኣብቲ እተኣከበትሉ ዓብዪ ኣኼባ ኽትሰምዖ ኸላ ዝነበራ ተዘክሮ፡ “እዚ ኣብ መንጎ ኣሓት ዝፈጠሮ ሓጐስ ትዝ ይብለኒ። ድሕርዚ፡ ኣጋጣሚታተን ሰፊሑ እዩ” ብምባል ገለጸት። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪምዝገቡን ብየሆዋ ኪምሃሩን እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ እዮም። ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ዚግበር ኣኼባ ይውሃበና ኣሎ።—ኢሳይያስ 54:13 ኣንብብ።

18, 19. (ሀ) ሎሚ ንኣገልግሎትና ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ብኸመይ ንረክብ፧ (ለ) ኣብ ኣኼባታትና እንዝምር ስለምንታይ ኢና፧ (“ብዛዕባ ሓቂ ምዝማር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

18 ኣኼባ ኣገልግሎት። ካብ 1919 ኣትሒዙ፡ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምውዳብ፡ ኣኼባታት ይግበር ነበረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቶም ጽሑፋት ኣብ ምዕዳል ብቐጥታ ዚሳተፉ ዝነበሩ ጥራይ እምበር፡ ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ኣይኰኑን ኣብቲ ኣኼባታት እቲ ዚእከቡ ዝነበሩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል 1923፡ ኣኼባ ኣገልግሎት ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ይግበር ነበረ፣ ኵሎም ኣባላት ክፍሊ ወይ ጉባኤ ኸኣ ኣብኡ ይእከቡ ነበሩ። ብ1928፡ ንጉባኤታት ኣብ ሰሰሙን ኣኼባ ኣገልግሎት ኪገብራ መተባብዒ ተዋህበን። ብ1935 ድማ፡ ግምቢ ዘብዐኛ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤ፡ እቲ ኣኼባ ኣገልግሎት በቲ ኣብታ ዳይረክተር (ደሓር ኢንፎርማንት፡ ደሓር ከኣ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና) ዚወጽእ ሓበሬታ ተመርኲስካ ኺግበር ኣተባብዐት። እዚ ኣኼባ እዚ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ስሩዕ ክፋል መደብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዀነ።

19 ሎሚ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ንኣገልግሎት ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ንረክብ ኢና። (ማቴ. 10:5-13) እሞኸ ናይ ብሕትኻ ቕዳሕ ደብተር ኣኼባ ኺውሃበካ ዝበቓዕካ እንተ ዄንካ፡ ተንብባን ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ኣገልግሎት ተውዕሎን ዲኻ፧

ኣብ ዓመት፡ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ኣኼባ

ቀዳሞት ክርስትያናት ዓመታዊ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ የብዕሉ

ክርስትያናት ካብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዞም፡ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዓመታዊ ንምብዓል ብሓባር ይእከቡ እዮም (ሕጡብ ጽሑፍ 20 ርአ)

20-22. (ሀ) ዝኽሪ ሞት የሱስ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ዓመት ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብና፡ እንታይ ረብሓ የምጽኣልና፧

20 የሱስ ንሰዓብቱ፡ ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ ዝኽሪ ሞቱ ኼብዕሉ ኣዚዝዎም እዩ። በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከም በዓል ፋስጋ፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ዚብዓል በዓል እዩ። (1 ቈረ. 11:23-26) ኣብዚ ኣኼባ እዚ፡ ዓመት ዓመት ሚልዮናት ይእከቡ እዮም። ነቶም ቅቡኣት፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ዚወርሱ ምዃኖም የዘኻኽሮም እዩ። (ሮሜ 8:17) ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ከኣ፡ ንንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ኣኽብሮትን ተኣማንነትን ኬሕድሩ ይድርኾም እዩ።—ዮሃ. 10:16።

21 ሓውና ራስልን ብጾቱን፡ ኣገዳስነት ምብዓል ድራር ጐይታ ተገንዚቦም፡ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኪብዓል ከም ዘለዎ እውን ፈሊጦም ነይሮም እዮም። ናይ ሚያዝያ 1880 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለት፦ “ነቶም ኣብዚ ኣብ ፒትስበርግ ዘለና መብዛሕትና፡ ፋስጋ [በዓል ዝኽሪ] . . . ምዝካርን ካብቲ ምሳልያዊ ስጋን ደምን ጐይታና ምብላዕን፡ ንገለ ዓመታት ዝቐጸለ ልማድ ኰይኑና ኣሎ።” ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ምስ በዓል ዝኽሪ ተኣሳሲሩ፡ ዓበይቲ ኣኼባታት ይግበር ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኣኼባ እዚ ጸብጻብ ንፈለማ ግዜ እተመዝገበሉ ግዜ፡ ዓመተ 1889 እዩ ነይሩ፣ ኣብኡ ድማ፡ 225 ተኣኪቦም፡ 22 ከኣ ተጠሚቖም።

22 ሎሚ፡ በዓል ዝኽሪ ኸም ክፍሊ ዓብዪ ኣኼባ ጌርና ኣይኰንናን እነብዕሎ። ግናኸ፡ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢና ዚርከቡ ሰባት፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ እተኻረናዮ መአከቢ ምሳና ኺእከቡ ንዕድሞም ኢና። ብ2013፡ ልዕሊ 19 ሚልዮን ሰባት፡ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ ኣብዒሎም እዮም። ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኻልኦት ኣብታ ልዕሊ ዅሉ ቕድስቲ ዝዀነት ምሸት ኪሓብሩና ምትብባዕሲ ኸመይ ዝበልዎ ዓብዪ መሰል ኰን እዩ! እሞኸ ዓመት ዓመት ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኺሓብሩናስ ብእተኻእለካ መጠን ብዙሓት ሰባት ትዕድምዶ፧

ኣረኣእያና እንታይ ከም ዚሕብር

23. ንኣኼባና ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

23 እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ብሓባር ኪእከቡ እተዋህቦም መምርሒ ኸም ጾር ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። (እብ. 10:24, 25፣ 1 ዮሃ. 5:3) ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ንኣምልኾ ናብ ቤት የሆዋ ምኻድ የሐጕሶ ነይሩ እዩ። (መዝ. 27:4) ብፍላይ ንኣምላኽ ምስ ዚፈትውዎ ኻልኦት ሰባት ሓቢሩ ኸምኡ ምግባር ባህ ይብሎ ነይሩ እዩ። (መዝ. 35:18) ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት እውን ሕሰብ። ንእሽቶ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ፡ ኣብ ቤት ኣምልኾ ኣቦኡ ኪኸውን ብርቱዕ ድሌት ነበሮ።—ሉቃ. 2:41-49።

ዕምቈት እቲ ብሓባር ንምእካብ ዘሎና ባህጊ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ጌርና ኸም እንርእያ እዩ ዚሕብር

24. ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

24 ኣብ ኣኼባታት ክንእከብ ከለና፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትና ንምህናጽ ዘሎና ድሌትን ነርኢ ኢና። ከም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ብዛዕባ ኣነባብራና ኽንምሃር ሃረርታ ኸም ዘሎና እውን ንገልጽ ኢና፣ ከመይሲ፡ ብቐንዱ ኣብ ሰሙናውን ዓበይትን ኣኼባታትና ኢና ኸምዚ ዝበለ ስልጠና እንረክብ። ብተወሳኺ፡ ኣኼባታትና ኣብቲ ሓደ ኻብቲ ሎሚ ብመንግስቲ ኣምላኽ ዚፍጸም ዘሎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ንጥፈታት፡—ደቀ መዛሙርቲ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ምግባርን ምስልጣንን፡—ጸኒዕና ኽንዓዪ ዚሕግዘና ኽእለትን ብርታዐን ይህበና። (ማቴዎስ 28:19, 20 ኣንብብ።) ብዘይ ጥርጥር እምበኣር፡ ዕምቈት እቲ ብሓባር ንምእካብ ዘሎና ባህጊ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ናይ ሓቂ ጌርና ኸም እንርእያ እዩ ዚሕብር። ስለዚ፡ ወትሩ ንኣኼባታትና ኣኽቢርና ንርኣዮ!

a ኣብ ርእሲ እቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ወይ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ፡ ንብሕታዊ መጽናዕቲ ወይ ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ግዜ ኺምድብ ይተባባዕ እዩ።

b ክሳዕ 2013፡ ንህዝባዊ መደረ ዚኸውን ልዕሊ 180 ኣስተዋጽኦታት ተዳልዩ ነይሩ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ኸም ናይ ሓቂ ጌርካ እትርእያ፧

  • ስለምንታይ ኢና ብሓባር እንእከብ፧

  • ብዛዕባ ኣኼባታትና ኸመይ ይስምዓካ፧

  • ብዛዕባ ኣኼባታትና ዘሎካ ኣረኣእያ እንታይ ይሕብር፧ ግለጽ።

ብዙሓት ተኣከብቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ሒዞም

ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ሓድነት ዚፈጥር ዓመታዊ ኣኼባታት

የሆዋ ንዅሎም እስራኤላውያን ሰብኡት፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ የሩሳሌም ኪእከቡ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 23:14-17፣ ዘሌ. 23:34-36) እቲ ንየሱስ ዘዕበዮ ዮሴፍ፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋናት ንዅሎም ስድራ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ይወስዶም ነይሩ እዩ። ካልኦት እስራኤላውያን እውን ከምኡ ይገብሩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ይእከቡ እዮም። ገሊኡ ኻብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ፡ እታ ምድራዊት ክፋል ውድብ ኣምላኽ ኣብዚ መወዳእታ መዓልትታት ኣብ እትገብሮ ምዕባለታት ፍሉይ ፍጻመታት እተራእየሉ እዩ ነይሩ። ንገለ ኻብዚ ዓበይቲ ኣኼባታትን ዘይርሳዕ ዚገብሮ እንታይ ከም ዝዀነን እስከ ርአ።

  • 1919፦ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ፡ ሕ.መ.ኣ.

    እዚ፡ ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ንፈለማ እዋን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ እዩ።

    ሽዑ፡ ዕዮ ስብከት ተነቓቒሑ።

    መጽሔት ዘ ጎልደን ኤጅ (ሕጂ ንቕሑ! እትብሃል) ከም እትወጽእ ተነጊሩ።

  • 1922፦ ሰዳር ፖይንት፡ ኦሃዮ

    “መንግስቲ ኣምላኽ” ብዚብል ኣርእስቲ ንዕዮ ስብከት ዜለዓዕል መደረ ተዋሂቡ። ኣብዚ መደረ እዚ፡ “ብዛዕባ እቲ ንጉስን እታ መንግስትን ኣውጁ፡ ኣውጁ፡ ኣውጁ” ዚብል ዜነቓቕሕ ጻውዒት ተሰሚዑ።

  • 1931፦ ኮለምበስ፡ ኦሃዮ

    ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ተቐቢልና።

    1935፦ ዋሽንግተን፡ ዲ.ሲ.

    ንፈለማ እዋን፡ እቶም ኣብ ራእይ 7:9 ተጠቒሶም ዘለዉ “ብዙሓት ህዝቢ፡” ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ፈሊጥና።

  • 1942፦ ቲኦክራስያዊ ኣኼባ ሓዳስ ዓለም፡ ኣብ 85 ከተማታት ዓለም እተገብረ

    ኣብቲ፡ “ሰላም ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ መደረ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ራእይ ምዕራፍ 17 እተመዝገበ ትንቢት ዘሎና ግንዛበ ነጺሩ፣ ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ፡ ብዙሓት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእክብ ኣጋጣሚ ኸም እንረክብ ከኣ ተገሊጹ።

  • 1950፦ ኣኼባ ቲኦክራስያዊ ወሰኽ

    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጕም ሓዳስ ዓለም (ማቴዎስ-ራእይ) ብእንግሊዝኛ ወጺኡ።

  • 1958፦ ኣህጉራዊ ኣኼባ መለኮታዊ ፍቓድ

    እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኻብ እተገብረ እቲ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ዓብዪ ኣኼባ እዩ ነይሩ፣ ካብ 123 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 250,000 ኣኼበኛታት ኣብ ኒው ዮርክ ተኣኪቦም።

  • 1961፦ ኣኼባ ሓድነት ዘለዎም ኣምለኽቲ

    ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብሓደ ጥራዝ ብእንግሊዝኛ ወጺኡ።

  • 1992፦ “ጸወርቲ ብርሃን” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ

    እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ፡ ሩስያ፡ እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣህጉራዊ ኣኼባ እዩ።

  • 1993፦ “መለኮታዊ ትምህርቲ” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ፡ ክየቭ፡ ዩክረይን

    እዚ ኣኼባ እዚ፡ ብብዝሒ እቶም ኣብ ሓደ ኣኼባ እተጠምቁ ክርስትያናት ክብረ ወሰን ሒዙ ኣሎ፣ ኣብኡ፡ 7,402 ሓደስቲ ኣገልገልቲ ተጠሚቖም።

  • 2011፦ “መንግስቲ ኣምላኽ ትምጻእ!” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ

    ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳንኤል ምዕራፍ 2 ዘሎ ምስሊ ዘሎና ግንዛበ ተመሓይሹ። ሕጂ፡ እቲ ኣእጋር ሓጺንን መሬትን ንሓይሊ ዓለም ኣንግሎ-ኣመሪካ ኸም ዜመልክት፡ ንሱ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ምስሊ ኣብ እትወቕዓሉ እዋን፡ ዓብላሊ ዀይኑ ኸም ዚጸንሕ ተረዲእና።

  • 2014፦ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ!” ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ

    መንግስቲ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ካብ እትቐውም 100 ዓመት ገይራ።

የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ሓቢሮም ንኣምላኽ ብመዝሙር ይውድስዎ

“ብዛዕባ ሓቂ ምዝማር”

ህዝቢ የሆዋ፡ እቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተወፋይነት፡ በቲ ብዛዕባኡ ዚዝምርዎ መዝሙርን በቲ ንዕኡ ዚዝምሩሉ መዝሙርን ኣቢሎም ይገልጹ እዮም። ንኣብነት፡ የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጻውያን ምስ ኣድሓኖም፡ እቶም ህዝቢ ምስጋናኦምን ኣድንቖቶምን ብውዕዉዕ መዝሙር ገሊጾም እዮም። (ዘጸ. 15:1-21) ጸኒሑ ድማ፡ መዝሙር ዘይንጸል ክፋል እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ኣምልኾ የሆዋ ዀይኑ እዩ። (1 ዜና 23:4, 5፣ 25:7) ኣብ ቀዳማይ ዘመን እውን፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብዛዕባ የሆዋ ዘለዎም ስምዒት ብመዝሙር ውዳሰ ገሊጾም እዮም።—ማቴ. 26:30፣ ኤፌ. 5:19።

ብተመሳሳሊ፡ ካብቲ ሓውና ራስልን ብጾቱን ንሓቂ መርሚሮም ዝረኸቡሉ እዋን ኣትሒዝና፡ ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እተፈላለየ መዝሙራት ተጠቒምና ኢና። ናይ 15 ለካቲት 1896 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ መዝሙር ዘለዎ ኣገዳሲ ግደ ኽትገልጽ ከላ፡ “ብዛዕባ ሓቂ ምዝማር፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ኣእምሮን ኣልባብን ህዝቢ ኣምላኽ ንምስራጽ ዜኽእል ጽቡቕ መገዲ እዩ” በለት።

ገበር እታ ሶንግ ኦቭ ዘ ብራይድ እትብሃል መጽሓፍ፡ 1879

1879

ገበር እታ ሚለንያል ዳውን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1890

1890

ካብታ ዛየንስ ግላድ ሶንግስ ኦቭ ዘ ሞርኒንግ እትብሃል መጽሓፍ እተቘንጸለ ወረቐት ግጥምታት ሙዚቃ እታ ዘ ሻይኒንግ ላይት ዘርእስታ መዝሙር ፡ 1896

1896

ገበር እታ ዛየንስ ግላድ ሶንግስ እትብሃል መጽሓፍ፡ 1900

1900

ገበር እታ ሃይምንስ ኦቭ ዘ ሚለንያል ዳውን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1905

1905

ገበር እታ ኪንግደም ሃይምንስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1925

1925

ገበር እታ ሶንግስ ኦቭ ፕረይዝ ቱ ጀሆቫ፡ 1928

1928

ገበር እታ ኪንግደም ሰርቪስ ሶንግ ቡክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1944

1944

ገበር እታ ሶንግስ ቱ ጀሆቫስ ፕረይዝ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1950

1950

ገበር እታ “ሲንጊንግ ኤንድ ኣከምፓኒንግ ዩርሰልቭስ ዊዝ ሙዚክ ኢን ዩር ሃርት ዘርእስታ መጽሓፍ”፡ 1966

1966

ገበር እታ ሲንግ ፕረይዝስ ቱ ጀሆቫ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1984

1984

ገበር እታ ሲንግ ፕረይዝስ ቱ ጀሆቫ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 1984

ሕጂ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ