ትሕዝቶ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር
መንነትና
ትምህርቲ 1-4
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 240 ሃገራት ዚርከቡ ዀይኖም፡ ካብ ኵሉ ዓሌታትን ባህልታትን እተዋጽኡ እዮም። ነዞም እተፈላለዩ ሰባት ሕብረት ከም ዚህልዎም ዝገበሮም እንታይ እዩ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧
ንጥፈታትና
ትምህርቲ 5-14
ዕዮ ስብከትና ኣጸቢቑ ይፍለጥ እዩ። ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣምልኾን እውን ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንእከብ ኢና። ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧ መንከ እዮም ኣብኡ ኺእከቡ ዚኽእሉ፧
ውድብና
ትምህርቲ 15-28
እዚ ውድብ እዚ፡ ንኣምላኽ ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ብዝዀኑ ሰባት ዝቘመ፡ ዓለምለኻውን ንመኽሰብ ዘይቈመን ሃይማኖታዊ ውድብ እዩ። እዚ ብኸመይ እዩ ተዋቒሩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚእለን ዚምወልን፧ ሎሚ ብሓቂዶ ፍቓድ የሆዋ ይገብር ኣሎ እዩ፧