ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 15 ገጽ 18
  • ኣብ ምርኮ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ መጻኢ ራእይ ረኣየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ምርኮ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ መጻኢ ራእይ ረኣየ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ዳንኤልን ንስኻን
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ካብ ትንቢት ዳንኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • የሆዋ ንዳንኤል ዘደንቕ ሽልማት ይመባጽዓሉ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ነቲ ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ናይ ኣምላኽ ትንቢታዊ ቃል ኣቕልበሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 15 ገጽ 18
ነቡካድነጻር ዝሓለሞ ምስሊ

ክፋል 15

ኣብ ምርኮ ዝነበረ ነብዪ ብዛዕባ መጻኢ ራእይ ረኣየ

ዳንኤል ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ምምጻእ መሲሕን ትንቢታት ተነበየ። ባቢሎን ወደቐት

ዳንኤል መንእሰይ ከሎ፡ የሩሳሌም ቅድሚ ምጥፋኣ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ተወስደ። እዚ ብንጽህና ዚመላለስ መንእሰይን ካብታ እተሳዕረት መንግስቲ ይሁዳ እተወስዱ ኻልኦት ምሩኻት ኣይሁድን፡ በቶም ማረኽቶም ስፍሕ ዝበለ ናጽነት ተዋህቦም። ዳንኤል ኣብ ባቢሎን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ካብ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸት ረኸበ። ኣብ ሓደ እዋን ካብ ጕድጓድ ኣናብስ ብህይወት ወጸ፡ ብዛዕባ መጻኢ እውን ራእያት ረኣየ። እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ትንቢት ግን፡ ኣብ መሲሕን ግዝኣቱን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ዳንኤል፡ መሲሕ መዓስ ከም ዚመጽእ ፈለጠ። ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ “መሲህ፡ መስፍን” መዓስ ኪጽበይዎ ኸም ዘለዎም፡ ንዳንኤል ተነግሮ። ካብቲ መካበብያ የሩሳሌም ኪሕደስን ኪህነጽን ዚብል ትእዛዝ፡ 69 ናይ ዓመታት ሰሙናት ኪኸውን ምዃኑ ተሓበሮ። ሓንቲ ሰሙን ሸውዓተ መዓልትታት ትሕዝ፣ ሓንቲ ናይ ዓመታት ሰሙን ከኣ ሸውዓተ ዓመታት ትሕዝ። እቲ መካበብያ የሩሳሌም ኪሕደስን ኪህነጽን እተዋህበ ትእዛዝ፡ ካብቲ ዳንኤል ዝነበረሉ እዋን ነዊሕ ጸኒሑ፡ ማለት ብ455 ቅ.ክ. እዩ ወጺኡ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዝና፡ 69 “ሰሙን፡” ማለት 483 ዓመት እንተ ቘጺርና፡ ኣብ 29 ድ.ክ. ንበጽሕ። ኣብ እትቕጽል ክፋል እዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ እንታይ ከም ዝዀነ ኽንርኢ ኢና። መሲሕ፡ ሓጢኣት ንምትዕራቕ “ኪቕተል” ምዃኑ እውን፡ ዳንኤል ብራእይ ርእዩ እዩ።—ዳንኤል 9:24-26።

መሲሕ ኣብ ሰማይ ንጉስ ከም ዚኸውን። ዳንኤል ብዛዕባ ሰማይ ኣብ ዝረኣዮ ዘይልሙድ ራእይ፡ መሲሕ ከም ሓደ ናብ ዝፋን የሆዋ ዚቐርብ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ኰይኑ ተራእየ። የሆዋ ድማ ነቲ መሲሕ፡ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ሃቦ። እታ መንግስቱ ዘለኣለማዊት እያ። ዳንኤል ብዛዕባ መሲሓዊት መንግስቲ ኻልእ መሳጢ ዝርዝር ነጥቢ ፈለጠ፣ እዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ንግዝኣቱ ምስ “ናይ ልዑል . . . ቅዱሳን” ዚበሃሉ ጕጅለ ብሓባር ከም ዚገዝእ እዩ።—ዳንኤል 7:13, 14, 27።

መንግስቲ ኣምላኽ ንመንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ ኸተጥፍአን እያ። ኣምላኽ ንዳንኤል፡ ነቲ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘስደመሞ ሕልሚ ንኺፈትሕ ኣኽኣሎ። እቲ ንጉስ ዓብዪ ምስሊ ረኣየ፣ እቲ ምስሊ ኸኣ ርእሱ ወርቂ፡ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡ ከብዱን ሕቝኡን ኣስራዚ፡ መሓውሩ ሓጺን፡ ኣእጋሩ ድማ ሕዋስ ሓጺንን መሬትን ነበረ። እምኒ ኻብ ከረን ተፈንቂሉ መጺኡ፡ ነቲ ተኣፋፊ ኣእጋር ወቕዖ፡ ነቲ ምስሊ ድማ ዳዕመኾ። እተፈላለየ ኽፋል እቲ ምስሊ፡ ነቶም ካብቲ ርእሲ ወርቂ ዝዀነ ባቢሎን ኣትሒዞም ተኸታቲሎም ዘመጹ ሓይልታት ዓለም ከም ዜመልክት፡ ዳንኤል ገለጸ። ብግዜ እቶም ኣብዛ እክይቲ ዓለም ንመወዳእታ ግዜ ዝገዝኡ ሓይልታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ስጕምቲ ኽትወስድ ምዃና፡ ዳንኤል ኣቐዲሙ ረኣየ። ንዅለን መንግስትታት ዓለም ክትጭፍልቐን እያ። ድሕሪኡ፡ ንሳ ንዘለኣለም ክትገዝእ እያ።​—ዳንኤል፡ ምዕራፍ 2።

ዳንኤል ምስ ኣረገ፡ ባቢሎን ክትወድቕ ከላ ረኣየ። ልክዕ ከምቲ ነብያት ዝበልዎ፡ ንጉስ ቂሮስ ነታ ኸተማ ሰዓራ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣይሁድ ካብ ምርኮ ሓራ ወጹ፣ እዚ እውን ዓዶም ን70 ዓመት ከም እትባድም ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ምስ ተፈጸመ እዩ ዀይኑ። ብምስለኔታትን ካህናትን ነብያትን እናተመርሑ፡ ንየሩሳሌምን ንቤተ መቕደስ የሆዋን ዳግም ሃነጽወን። ድሕሪ እቲ 483 ዓመት ግን እንታይ እዩ ዀይኑ፧

—ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል እተመስረተ።

  • ዳንኤል ብዛዕባ መሲሕን መንግስቲ ኣምላኽን እንታይ እዩ ፈሊጡ፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ንመንግስትታት እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ክትገብረን እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ