ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 11 ገጽ 14
  • ዜጸናንዕን ዚምህርን መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙራት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜጸናንዕን ዚምህርን መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙራት
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ካብ ቀዳማይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ካብ ሓምሻይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ካብ ካልኣይ መጽሓፍ መዝሙር ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 11 ገጽ 14
ዳዊት በገና እናሃረመ ይዝምር

ክፋል 11

ዜጸናንዕን ዚምህርን መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙራት

ዳዊትን ካልኦት ሰባትን ንኣምልኾ ዚኸውን መዝሙራት ኣዳለዉ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ናይ 150 መዝሙራት ግጥሚ ተዓቂቡ ኣሎ

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዓበየት መጽሓፍ፡ ቅዱስ መዝሙራት እተጠርነፋላ መጽሓፍ እያ። ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ፡ 1,000 ዓመት ኣብ ዚኣክል ንውሓት እዩ ተጻሒፉ። መጽሓፍ መዝሙር ገለ ኻብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ዓሚቝን ልቢ ዝትንክፍን መግለጺታት ሒዛ ኣላ። ካብ ሓጐስን ውዳሰን ምስጋናን ኣትሒዙ ኽሳዕ ሓዘንን ጓህን ንስሓን ዜጠቓልል እተፈላለየ ስምዒታት ሰብ ተንጸባሪቑላ ኣሎ። እቶም ጸሓፍቲ መዝሙር ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ከም ዝነበሮምን ይኣምንዎ ምንባሮምን ንጹር እዩ። ኣብቲ ግጥምታቶም ዝገለጽዎ እተወሰነ ፍረ ነገር እስከ ንርአ።

የሆዋ ኺምለኽን ኪውደስን ዚግብኦ ልዑላዊ እዩ። ኣብ መዝሙር 83:18፡ “ንስኻ፡ [“የሆዋ፡” NW] ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ፡ ይፍለጡ” ዚብል ነንብብ። የሆዋ ነቲ ኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማያት፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ድንቂ ነገራት፡ መስተንክር ኣካላት ሰብ፡ ከምኡውን ካልእ ነገራት ብምፍጣሩ፡ ኣብ ገሊኡ መዝሙራት ተወዲሱ ኣሎ። (መዝሙር 8, 19, 139, 148) ኣብ ገሊኡ መዝሙራት ከኣ፡ ንእሙናቱ ዜድሕንን ዜዕቍብን ኣምላኽ ብምዃኑ ተወዲሱ ኣሎ። (መዝሙር 18, 97, 138) የሆዋ ንግፉዓት ራህዋ፡ ንእኩያት ከኣ መቕጻዕቲ ዜምጽእ ናይ ፍትሒ ኣምላኽ ብምዃኑ እውን፡ ገሊኡ መዝሙራት ልዕል ኣቢልዎ እዩ።—መዝሙር 11, 68, 146።

የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ይሕግዞምን የጸናንዖምን። ምናልባት እታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ፍልጥቲ መዝሙር፡ እታ መበል 23 ክትከውን ትኽእል እያ። ኣብኣ፡ ዳዊት ንየሆዋ፡ ከም ሓደ ንኣባጊዑ ዚመርሕን ዜዕቍብን ዚከናኸንን ፈቃር ጓሳ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። መዝሙር 65:2፡ የሆዋ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ምዃኑ፡ ንኣምለኽቱ ተዘኻኽሮም። ከቢድ ኣበሳ ዝፈጸሙ ብዙሓት ሰባት፡ በቲ ኣብ መዝሙር 39ን 51ን ዘሎ ሓሳባት ብዙሕ ተጸናኒዖም እዮም። ኣብዘን መዝሙራት እዚኣተን፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ኸቢድ ጌጋታቱ ተነሲሑን የሆዋ ይቕረ ኸም ዚብሎ እምነቱ ገሊጹን ኣሎ። መዝሙር 55:22፡ ኣብ የሆዋ ኽንውከልን ኵሉ ብሕታዊ ጾርና ኣብኡ ኽንድርብዮን ትላበወና።

የሆዋ በታ እቲ መሲሕ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኣቢሉ ንዓለም ኪቕይራ እዩ። ኣብ መጽሓፍ መዝሙር፡ ንመሲሕ፡ ማለት ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ ንጉስ ዚምልከት ሓያሎ ሓሳባት ኣሎ። መዝሙር 2፡ እዚ ገዛኢ እዚ፡ ነቶም ዚጻረርዎ እኩያት ኣህዛብ ከም ዜጥፍኦም ትንበ። መዝሙር 72፡ እዚ ንጉስ እዚ፡ ንጥሜትን ዘይፍትሓውነትን ጭቈናን መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ትገልጽ። ብመሰረት መዝሙር 46:9፡ ኣምላኽ በታ እቲ መሲሕ ዝገዛኢኣ መንግስቲ ኣቢሉ፡ ንውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ፡ ንኣጽዋር ውግእ ድማ ኬጥፍኦ እዩ። ኣብ መዝሙር 37 ከኣ፡ እኩያት ከም ዚጠፍኡ፡ ጻድቃን ግን ዓለምለኻዊ ሰላምን ስኒትን ረኺቦም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ነንብብ።

—ኣብ መጽሓፍ መዝሙር እተመስረተ።

  • መጽሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ ንኺገዝእ መሰል ከም ዘለዎ እትድግፍ ብኸመይ እያ፧

  • ኣምላኽ ንዜፍቅርዎ ኸም ዚሕግዞምን ዜጸናንዖምን ዚገልጻ ኣየኖት መዝሙራት እየን፧

  • ብመሰረት መጽሓፍ መዝሙር፡ የሆዋ ንዓለም ዚቕይራ ብኸመይ እዩ፧

መሃልየ መሃልይ

ኣብታ መሃልየ መሃልይ ተባሂላ እትፍለጥ ንጉስ ሰሎሞን ዝጸሓፋ መዝሙር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ እውን እንተ ዀነ ፍቕሪ ኺዕድግ ከም ዘይክእል ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ንጉስ፡ ልቢ ሓንቲ ንጓሳ እተፍቅር ምልክዕቲ ድንግል ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ዘርዚሩ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኽልተ ሰባት ሓያል ስሕበት ኪፍጠር ከሎ፡ ነውራም ተግባራት ኪገብሩ ኸም ዘይብሎም፡ ኣብዛ መንፈስ ዝነፈሳ መዝሙር ተገሊጹ ኣሎ። እቶም መንእሰያት ዝነበሩ መጻምድቲ፡ ርእሶም ብምግታእን ንጽህናኦም ብምሕላውን እሙናት ብምዃንን ዚነኣድ ባህርያት ኣርእዮም እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ