ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 19 ገጽ 148-155
  • “ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ነበረ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-4)
  • “ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ . . . ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:5-8)
  • “ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:9-17)
  • “የሆዋ እንተ ፈቒዱ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:18-22)
  • ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብነታውያን ሰብኣይን ሰበይትን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ካብ ደም ኵሉ ንጹህ ምዃነይ፡ . . . መስክሩ”
    ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ካብ ግብሪ ሃዋርያት ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ከተማ ቈረንቶስ ብዓልቲ ኽልተ መርሳ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 19 ገጽ 148-155

ምዕራፍ 19

“ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል”

ጳውሎስ ባዕሉ ዜድልዮ እናማእረረ፡ ንኣገልግሎቱ የቐድም ነበረ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 18:1-22 እተመስረተ

1-3. ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ብድሆታትከ ኣጋጠሞ፧

እዋኑ ኣብ መወዳእታ ኽፋል 50 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ብዙሓት ግሪኻውያንን ሮማውያንን ኣይሁድን ዚርከብዋ ሃብታም ማእከል ንግዲ ዝነበረት ከተማ ቈረንቶስ እዩ ነይሩ።a ኪዕድግ ወይ ኪሸይጥ ወይ ዓለማዊ ስራሕ ኪረክብ ደልዩ ኣይኰነን ናብታ ኸተማ ኸይዱ። የግዳስ፡ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ምኽንያት ነበሮ፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምስካር እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ መዕረፊ የድልዮ ነበረ፣ ንኻልኦት ጾር ከይኰኖም ድማ ቈሪጹ ነበረ። ብምኽንያት ኣገልግሎቱ፡ ካልኦት ዜድልዮ ኼማልኡሉ ኸም ዚጽበ ኺሓስቡ ኣይደለየን። እንታይ ደኣ እሞ ገበረ፧

2 ጳውሎስ ምስፋይ ድንኳን ይኽእል ነበረ። እዚ ዕዮ እዚ ቐሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ዜድልዮ ንምምእራር ግና ብኣእዳዉ ኺዓዪ ፍቓደኛ ነበረ። ኣብታ ሸበድበድ ዝመልኣ ኸተማ ስራሕ ረኺቡዶ፧ መዕረፊኸ ረኺቡዶ፧ እዚ ብድሆታት እዚ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ቀንዲ ዕዮኡ ኣገልግሎቱ ምዃኑ ግና ኣይሰሓቶን።

3 ጳውሎስ ንእተወሰነ ግዜ ኣብ ቈረንቶስ ጸንሐ፡ ኣብኡ ድማ ኣገልግሎቱ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ። ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሮ ንጥፈታት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ እዚኸ ኣብ ክልና ብዛዕባ እቲ ብስራት ኣጸቢቕና ንምምስካር ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ቈረንቶስ—ብዓልቲ ኽልተ ባሕሪ

ጥንታዊት ቈረንቶስ ኣብቲ ንቐንዲ መሬት ግሪኽ ምስታ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ጰሎጶነስ ዜራኽብ ክሳድ መሬት እያ ነይራ። ግፍሒ እዚ ኽሳድ መሬት እዚ፡ ኣብቲ ዝጸበበ ኽፋሉ ሽዱሽተ ኪሎ ሜተር ዚኣክል ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ንቈረንቶስ ብዓልቲ ኽልተ ወደብ ገይርዋ ነበረ። ኣብ ወሽመጥ ቈረንቶስ ነቲ ናብ ምዕራብ ገጹ፡ ናብ ኢጣልያን ሲሲሊን ስጳኛን ዜምርሕ መስመር ባሕሪ እተገልግል ለካዮም እትብሃል ወደብ ነበረት። ኣብ ወሽመጥ ሳሮን ከኣ፡ ናብን ካብን ዞባ ኤጀያን ንእሽቶ እስያን ሶርያን ግብጽን ዚግበር መስመር ባሕሪ እተገልግል ክንክሬኣ ነበረት።

ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ጰለጶነስ ዝነበረ ጽንፍታት ንፋስ ዝበዝሖን ንመራኽብ ዜሸግርን ስለ ዝነበረ፡ ባሕረኛታት ኣብ ሓደ ኻብተን ክልተ ወደባት ቈረንቶስ ኬዕርፉን ጽዕነቶም ብምድሪ ኣቢሉ ናብቲ ኻልእ ወደብ ሰጊሩ ኺጸዓንን እዮም ዚመርጹ ነይሮም። ፍዅስ ዝበላ መራኽብ በቲ ነቲ ኽሳድ መሬት ዚበትኽ ዕምቝ ዝበለ መገዲ ኣቢለን፡ ካብቲ ሓደ ባሕሪ ናብቲ ኻልእ ባሕሪ ተጐቲተን ይሳገራ ነበራ። እታ ኸተማ ተደኲናትሉ ዝነበረት ቦታ፡ ናብ ምብራቕን ምዕራብን ብባሕሪ ዚግበር ዝነበረ ንግዲ ዀነ ናብ ሰሜንን ደቡብን ብምድሪ ዚግበር ዝነበረ ንግዲ ኽትቈጻጸር ኣኽኣላ። እቲ ዕሙር ንግዲ ኸኣ፡ ንቈረንቶስ ሃብቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ሓያሎ ወደባት ዚርአ ሕማቕ ኣመላት እውን ኣምጸኣላ።

ብግዜ ጳውሎስ፡ ቈረንቶስ ርእሲ ኸተማ እታ ብሮማውያን እትመሓደር ኣካይያን ኣገዳሲት ማእከል ምምሕዳርን ነበረት። ኣብታ ኸተማ ቤተ መቕደስ ኣምልኾ ሃጸይን ንሓያሎ ኣማልኽቲ ግሪኽን ግብጽን እተወፈየ መቓድስን ምኵራብን ኪርከብ ምኽኣሉ፡ ብዙሕ ሃይማኖታት ከም ዝነበራ ይሕብር።—ግብ. 18:4።

እቲ ኣብ ከክልተ ዓመት፡ ኣብ ጥቓ እታ ኸተማ ኣብ እትርከብ ኢስምያ ዚግበር ዝነበረ ውድድራት፡ ብኣገዳስነቱ ኻብ ውድድራት ኦሎምፒክ ቀጺሉ ብኻልኣይ ደረጃ እዩ ዚስራዕ ነይሩ። እቲ ብ51 ድ.ክ. እተገብረ ውድድራት ኣብ ዚካየደሉ እዋን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ እዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብኣትለታዊ ቓላት ተጠቒሙ ምሳልያዊ ዘረባ ንፈለማ ግዜ ዝጸሓፈ፡ ናብ ቈረንቶስ ኣብ እተላእከት መልእኽቲ ምዃኑ ብኣጋጣሚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” በለ።—1 ቈረ. 9:24-27።

“ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ነበረ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:1-4)

4, 5. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ መን ተቐመጠ፧ እንታይ ዓለማዊ ዕዮኸ ይዓዪ ነበረ፧ (ለ) ጳውሎስ ሰፋይ ድንኳን ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

4 ጳውሎስ ናብ ቈረንቶስ ካብ ዚኣቱ ድሕሪ እተወሰነ እዋን፡ ምስቶም ብትውልዲ ኣይሁድ ዝነበሩ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ኣኪላስን ጵርስኪላን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር ተራኸበ። ሃጸይ ቅላውዴዎስ፡ “ኵሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኺወጹ” ኣዚዙ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ናብ ቈረንቶስ መጺኦም ተቐመጡ። (ግብ. 18:1, 2) ኣኪላስን ጵርስኪላን ንጳውሎስ ናብ ቤቶም ጥራይ ኣይኰነን ተቐቢሎምዎ፣ ስራሕ እውን ሂቦምዎ እዮም። ብዛዕባ እዚ፡ “ዕዮኦም ምስፋይ ድንኳን ነበረ እሞ፡ ዕዮኦም [ምስ ናይ ጳውሎስ] ሕደ ስለ ዝነበረ፡ ምሳታቶም ተቐመጠን ዓየየን” ዚብል ነንብብ። (ግብ. 18:3) ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት፡ ኣብ ቤት እቶም ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ተቐሚጡ ነበረ። ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ጸኒሐን ክፍሊ ቐኖና መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀና ገሊአን መልእኽትታት ጽሒፉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።b

5 ጳውሎስ “ኣብ እግሪ ገማልኤል” እተማህረ ኽነሱ፡ ዕዮኡ ምስፋይ ድንኳን ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 22:3) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ደቆም ተወሳኺ ትምህርቲ እኳ እንተ ተዋህቦም፡ ሓደ ዓይነት ብኢድ ዚዕየ ሞያ ኺምሃሩ ግና ንኽብሮም ከም ዚትንኪ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም ነይሮም ማለት እዩ። ጳውሎስ ኣብታ ሲሊሽዩም ዚብሃል ድንኳን ዚስርሓላ ዝነበረ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወልደ ስለ ዝነበረ፡ ገና ብንእስነቱ እዩ ነቲ ዕዮ ተማሂርዎ ኪኸውን ዘለዎ። ምስፋይ ድንኳን እንታይ የጠቓልል ነበረ፧ እዚ ዕዮ እዚ፡ ነቲ ድንኳን ዚኸውን ዓለባ ምእላም፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓርፋፍን ተሪርን ዓለባ ቘሪጽካን ሰፊኻን ድንኳን ከም ዚኸውን ምግባር ኬጠቓልል ይኽእል ነበረ። በዚ ዀነ በቲ፡ ቀሊል ዕዮ ኣይነበረን።

6, 7. (ሀ) ጳውሎስ ንምስፋይ ድንኳን ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ ኣኪላስን ጵርስኪላን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ዚሕብረናኸ እንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብነት ጳውሎስን ኣኪላስን ጵርስኪላን ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧

6 ጳውሎስ ንምስፋይ ድንኳን ከም ቀንዲ ዕዮኡ ገይሩ ኣይኰነን ዚርእዮ ነይሩ። ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓይየሉ ዝነበረ ምኽንያት፡ ነቲ ብስራት “ብናጻ” እናሰበኸ፡ ንኣገልግሎቱ ዜድልዮ ንምምእራር ጥራይ እዩ ነይሩ። (2 ቈረ. 11:7) ኣኪላስን ጵርስኪላን ነዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧ ክርስትያናት ስለ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ ዓለማዊ ዕዮ ኸም ናይ ጳውሎስ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዝነበሮም ኣየጠራጥርን እዩ። ብ52 ድ.ክ. ጳውሎስ ካብ ቈረንቶስ ምስ ለቐቐ፡ ኣኪላስን ጵርስኪላን ሮዖኦም ጠቕሊሎም ናብ ኤፌሶን ሰዓብዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ቤቶም ነታ ጉባኤ ኸም መአከቢ ዀይና ተገልግል ነበረት። (1 ቈረ. 16:19) ጸኒሖም፡ ናብ ሮሜ ተመልሱ፡ ድሕሪኡ እንደገና ናብ ኤፌሶን ከዱ። እዞም ቀናኣት ሰብ ሓዳር እዚኦም ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ የቐድሙን ንኻልኦት ንምግልጋል ርእሶም ብፍታው ይውፍዩን ነበሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ኵለን ጉባኤታት” ኣህዛብ የመስግናኦም ነበራ።—ሮሜ 16:3-5፣ 2 ጢሞ. 4:19።

7 ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ ኣብነት ጳውሎስን ኣኪላስን ጵርስኪላን ይስዕቡ እዮም። ቀናኣት ኣገልገልቲ ንኻልኦት ‘ጾር ከይኰኑ ኢሎም’ ኣበርቲዖም ይዓይዩ እዮም። (1 ተሰ. 2:9) ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ቐንዲ ዕዮኦም ዝዀነ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዜድልዮም ምእንቲ ኺምእርሩ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ወይ ኣብ እተወሰነ እዋን ዚስራሕ ስራሕ ይሰርሑ እዮም። ብዙሓት ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ከም ኣኪላስን ጵርስኪላን፡ ንሓለውቲ ወረዳ ኣብ ቤቶም ተቐቢሎም እዮም። እቶም ‘ተቐበልቲ ጋሻ ዝዀኑ፡’ ከምኡ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ዜተባብዕን ሃናጽን ምዃኑ ይፈልጥዎ እዮም።—ሮሜ 12:13።

ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ዜተባብዓ መልእኽትታት

ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ 50-52 ድ.ክ. ኣቢሉ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ክፍሊ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝዀና እንተ ወሓደ ኽልተ መልእኽትታት ጽሒፉ እዩ፣ እዚኣተን ከኣ ቀዳማይን ካልኣይን ተሰሎንቄ እየን። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ወይ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ናብ ሰብ ገላትያ መልእኽቲ ጽሒፉ እዩ።

ቀዳማይ ተሰሎንቄ፡ ካብተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መንፈስ ዝነፈሰን ጽሑፋቱ፡ እታ ቐዳመይቲ እያ። ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ጕዕዞ ስብከቱ ናብ ተሰሎንቄ በጽሐ። እታ ኣብኡ እተመስረተት ጉባኤ ነቲ ንጳውሎስን ሲላስን ካብታ ኸተማ ኺወጹ ዘገደዶም ምጽራር ክትጾሮ ነበራ። (ግብ. 17:1-10, 13) ጳውሎስ በታ እግሪ ተኽሊ ጉባኤ ስለ እተሻቐለ፡ ክልተ ሳዕ ናብታ ኸተማ ኺምለስ እኳ እንተ ፈተነ፡ ‘ሰይጣን ግና ዓገቶ።’ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ኣሕዋት ንምጽንናዕን ንምብርታዕን፡ ንጢሞቴዎስ ለኣኸሎም። ኣብ ኣጋ መወዳእታ 50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ተጸምበረ፡ ብዛዕባ ጉባኤ ተሰሎንቄ ድማ ጽቡቕ ወረ ሒዙሉ መጸ። ድሕሪኡ፡ ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ጸሓፋ።—1 ተሰ. 2:17–3:7።

ካልኣይ ተሰሎንቄ፡ ካብቲ እታ ቐዳመይቲ መልእኽቲ እተጻሕፈትሉ ነዊሕ ከይጸንሐት፡ ምናልባት ብ51 ድ.ክ. እያ ተጻሒፋ ኽትከውን እትኽእል። ኣብ ክልቲአን መልእኽትታት፡ ጢሞቴዎስን ስልዋኖስን (ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ሲላስ ዚብሃል) ምስ ጳውሎስ ሓቢሮም ሰላምታ ልኢኾም እዮም፣ ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ዝጸንሓሉ እዋን ንደሓር፡ እዞም ሰለስተ እዚኦም ብሓባር ከም ዝነበሩ ዚሕብር ጸብጻብ ድማ የሎን። (ግብ. 18:5, 18፣ 1 ተሰ. 1:1፣ 2 ተሰ. 1:1) ጳውሎስ ነዛ ኻልአይቲ መልእኽቲ ዝጸሓፋ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እታ ጉባኤ ዝያዳ ወረ ዝሰምዐ እዩ ዚመስል፣ ነዚ ድማ ካብቲ ነታ ቐዳመይቲ መልእኽቱ ዘብጸሓ ሰብ ሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ወረ እዚ ኸኣ፡ ነቶም ኣሕዋት ብፍቕሮምን ብትዕግስቶምን ኪንእዶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገሊኦም ሰብ ተሰሎንቄ ነቲ ጐይታ ብሓይሊ መንግስቱ ዚገዝኣሉ እዋን ኣመና ኸም ዝቐረበ ዝነበሮም ሓሳብ ኪእርሞም እውን ደሪኽዎ እዩ።—2 ተሰ. 1:3-12፣ 2:1, 2።

እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ ዝለኣኻ መልእኽቲ፡ ናባታቶም ቅድሚ ምጽሓፉ፡ እንተ ወሓደ ኽልተ ሳዕ ከም ዝበጽሖም ትእምት። ብ47-48 ድ.ክ.፡ ጳውሎስን በርናባስን ናብተን ኣብታ ብሮሜ እትመሓደር ገላትያ ዚርከባ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ፡ ኢቆንዩም፡ ልስጥራ፡ ደርቤ በጺሖም ነይሮም እዮም። ብ49 ድ.ክ. ከኣ፡ ጳውሎስ ምስ ሲላስ ናብቲ ቦታ እቲ ኸይዱ ነይሩ እዩ። (ግብ. 13:1–14:23፣ 16:1-6) ጳውሎስ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሓፈሉ ምኽንያት፡ ተሓለቕቲ ኣይሁድነት እግረ እግሩ ስዒቦም ግዝረትን ምሕላው ሕጊ ሙሴን ንክርስትያናት ኣድላዪ ምዃኑ ስለ ዝመሃሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ድሕሪ ምስማዑ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ንሰብ ገላትያ ኸም ዝጸሓፈሎም ኣየጠራጥርን እዩ። ነዛ መልእኽቲ እዚኣ፡ ኣብ ቈረንቶስ ኰይኑ ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኺምለስ ከሎ ኣብ ኤፌሶን ንሓጺር ግዜ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ወይ ከኣ ኣብ ኣንጾክያ ምስ በጽሐ እውን ጽሒፍዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 18:18-23።

“ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ . . . ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:5-8)

8, 9. ጳውሎስ ንኣይሁድ ጽዑቕ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ምጽራር ምስ ኣጋጠሞ እንታይ ገበረ፧ ኣበይ ኰይኑኸ ኺሰብኽ ጀመረ፧

8 ሲላስን ጢሞቴዎስን ብዙሕ ህያባት ሒዞም ካብ መቄዶንያ ምስ መጹ፡ ጳውሎስ ንዓለማዊ ስራሑ፡ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ከም ዚሕግዞ ጥራይ ገይሩ ኸም ዚርእዮ ንጹር ኰነ። (2 ቈረ. 11:9) ድሕርዚ፡ “ኣብ ስብከት እቲ ቓል ኣጸቢቑ ተጸምደ፡” ማለት ኵሉ ግዜኡ ንስብከት ወፈየ። (ግብ. 18:5) ንኣይሁድ ብጽዑቕ ኪምስክረሎም ምስ ጀመረ ግና፡ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ። እቶም ተጻረርቲ ኣይሁድ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዚገልጽ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ምቕባል ምስ ኣበዩ፡ ጳውሎስ ሓላፍነቱ ኸም ዘውረደ ንምግላጽ ክዳውንቱ ነጊፉ፡ “ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን። ኣነ ንጹህ እየ። ካብ ሕጂ፡ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ” በሎም።—ግብ. 18:6፣ ህዝ. 3:18, 19።

9 ድሕርዚ ጳውሎስ ኣበይ እዩ ሰቢኹ፧ ቲትዮስ ዮስጦስ ዚብሃል ጵሮሴሊት ኪኸውን ዚኽእል ሰብኣይ ንጳውሎስ፡ ናብታ ኣብ ጥቓ ምኵራብ ዝነበረት ቤቱ ተቐበሎ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ካብታ ምኵራብ ናብ ቤት ዮስጦስ ኣተወ። (ግብ. 18:7) ኣብ ቈረንቶስ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ኣብ ቤት ኣኪላስን ጵርስኪላን ይቕመጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ቤት ዮስጦስ ግና ንጥፈታት ስብከት ዜካይደላ ማእከል ኰይናቶ ነበረት።

10. ጳውሎስ ንኣህዛብ ጥራይ ኪሰብኽ ከም ዘይቈረጸ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

10 እቲ ጳውሎስ ካብ ሽዑ ንደሓር ናብ ኣህዛብ ከም ዚኸይድ እተዛረቦ ዘረባ፡ ንዅሎም ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ እንተላይ ነቶም ነቲ መልእኽቲ ዚቕበልዎ ዘበሉ ቘላሕታ ኸም ዘይገብረሎም ዚሕብር ድዩ ነይሩ፧ ከምኡ ማለቱ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኣብነት፡ “ክሪስጶስ እቲ መራሕ ምኵራብ ድማ፡ ምስ ኵሎም ቤተ ሰቡ ብጐይታ ኣመነ” ዚብል ነንብብ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዙሓት ካብ ሰብ ቈረንቶስ እውን ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን” ስለ ዚብል፡ ብዙሓት ኣብታ ምኵራብ ዝነበሩ እውን ንክሪስጶስ ስዒቦምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ግብ. 18:8) በዚ ኸምዚ፡ ቤት ቲትዮስ ዮስጦስ፡ መአከቢ እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀነት። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ፡ ከምቲ ሉቃስ ኣዘውቲሩ ዚጥቀመሉ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ፡ መስርዕ ግዜ ሓልዩ ተጻሒፉ እንተ ዀይኑ፡ እቶም ኣይሁድ ወይ ጵሮሴሊት ክርስትያናት ዝዀኑ፡ ጳውሎስ ክዳኑ ድሕሪ ምንጋፉ እዮም። እዚ ፍጻመ እዚ ኸኣ፡ ጳውሎስ ተዓጻጻፊ ምንባሩ ዜርኢ እዩ።

11. ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህዝበ ክርስትያን ኪሰብኩሎም ከለዉ፡ ኣብነት ጳውሎስ ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧

11 ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያን ሱር ሰዲደን እየን፡ ንምእመናነን ድማ ኣጸቢቐን ይጸልዋኦም እየን። ኣብ ገሊአን ሃገራትን ደሴታትን፡ ሚስዮናውያን ህዝበ ክርስትያን ንብዙሓት ሰባት ሰዓብቲ ሃይማኖቶም ገይሮምዎም እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብልምድታት እተኣስሩ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ጳውሎስ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብቕንኣት ንሰብከሎም ኢና፣ ነቲ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘለዎም ፍልጠት ምእንቲ ኺውስኹሉ ድማ ንሕግዞም ኢና። ኪጻረሩና ኸለዉ ወይ መራሕቲ ሃይማኖቶም መስጐጕቲ ኼውርዱልና ኸለዉ፡ ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። ካብቶም “ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት [ኣለዎም]” ኪብሃሉ ዚኽእሉ ሰባት፡ ደሊና ኽንረኽቦም ዘሎና ትሑታት ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም።—ሮሜ 10:2።

“ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:9-17)

12. ጳውሎስ ብራእይ እንታይ መረጋገጺ እዩ እተዋህቦ፧

12 ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ኣገልግሎቱ ብዛዕባ ምቕጻል ጥርጣረ ሓዲርዎ እንተ ነይሩ፡ ጐይታና የሱስ ለይቲ ብራእይ ምስ ተራእዮ እሞ፡ “ኣይትፍራህ፣ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፣ ኣነስ ምሳኻ እየ፡ ኪጐድኣካ ኢሉ ዜጥቅዓካ እውን የልቦን። ከመይሲ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ህዝቢ ኣለዉኒ” ምስ በሎ፡ ጥርጣረኡ ተወጊዱሉ ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 18:9, 10) ከመይ ዝበለ ዜተባብዕ ራእይ ኰን እዩ ርእዩ! ጐይታ ባዕሉ ንጳውሎስ ካብ ክፉእ ከም ዜዕቍቦን ብዙሓት ብቑዓት ሰባት ኣብታ ኸተማ ኸም ዘለዉን ኣረጋገጸሉ። ጳውሎስ ነቲ ራእይ እቲ ምስ ረኣየ እንታይ ገበረ፧ “ኣብኣ ኸኣ ቃል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ መንጎኦም ተቐመጠ።”—ግብ. 18:11።

13. ጳውሎስ ናብቲ መንበር ፍርዲ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ፡ እንታይ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል፧ ከምኡ ኸም ዘየጋጥሞ ኺጽበ ዜኽእሎ ግና እንታይ ምኽንያት ነበሮ፧

13 ጳውሎስ ኣብ ቈረንቶስ ሓደ ዓመት ዚኣክል ምስ ጸንሐ፡ ደገፍ ጐይታ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ተወሳኺ መርትዖ ረኸበ። “ኣይሁድ ብሓባር ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ ናብ መንበር ፍርዲ እውን ወሰድዎ፣” እቲ መንበር ፍርዲ፡ ቪማ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (ግብ. 18:12) እቲ ቪማ እቲ፡ ብሰማያውን ጻዕዳን እምነ በረድ እተሰርሐን ውቁብ ቅርጽታት ዝነበሮን መድረኽ ከም ዝነበረ ዚኣምኑ ሰባት ኣለዉ፣ ኣብ ጥቓ ማእከል ዕዳጋ ቈረንቶስ ድማ ይርከብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ቪማ ዚርከብ ክፉት ቦታ፡ ብዙሓት ሰባት ኪሕዝ ይኽእል ነበረ። እቲ መንበር ፍርዲ ኻብታ ምኵራብ ሒደት ስጕምታት ርሒቑ ይርከብ ከም ዝነበረ ዚእምት ስነ ጥንታዊ ርኽበታት ኣሎ፣ እምበኣር፡ ቤት ዮስጦስ እውን ጥቓ እቲ መንበር ፍርዲ ነይራ ማለት እዩ። ጳውሎስ ናብቲ ቪማ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ እቲ ቐዳማይ ክርስትያን ሰማእት ዚብሃል እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኸም እተቐትለ ዘኪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሽዑ እቲ ሳውል ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ ጳውሎስ፡ “ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ።” (ግብ. 8:1) እሞኸ ንጳውሎስ ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎዶ፧ “ኪጐድኣካ ኢሉ ዜጥቅዓካ እውን የልቦን” ዚብል ቃል ተኣትዩሉ ስለ ዝነበረ፡ ክፉእ ኣየጋጠሞን።—ግብ. 18:10።

ጋልዮስ ንጕዳይ ጳውሎስ ይነጽጎ፣ እዚ እውን ንኸሰስቲ ጳውሎስ የቘጥዖም። ወተሃደራት ሮሜ ነቶም እተቘጥዑ ህዝቢ ኺቈጻጸርዎም ይጽዕሩ።

“ካብቲ መንበር ፍርዲ ድማ ሰጐጎም።”​—ግብሪ ሃዋርያት 18:16

14, 15. (ሀ) ኣይሁድ ንጳውሎስ እንታይ ኢሎም እዮም ዝኸሰስዎ፧ ጋልዮስ ነቲ ጕዳይ ዝነጸጎኸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንሶስቴነስ እንታይ ኣጋጠሞ፧ ጸኒሑኸ እንታይ እዩ ዀይኑ ኪኸውን ዚኽእል፧

14 ጳውሎስ ናብቲ መንበር ፍርዲ ምስ በጽሐ እንታይ ኣጋጠመ፧ እቲ ዳኛ ዀይኑ ዚዓዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እቲ ኣብ ኣካይያ ምስለኔ ዀይኑ እተሸመ ጋልዮስ እዩ ነይሩ፣ እዚ ሰብ እዚ ነቲ ሰነካ ዚብሃል ሮማዊ ፈላስፋ ዓብዪ ሓዉ እዩ ነይሩ። ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ “እዚ ሰብ እዚ ንሰባት፡ ምስ ሕጊ ብዚጻረር መገዲ ንኣምላኽ ኬምልኹ ይሓብል ኣሎ” ኢሎም ከሰስዎ። (ግብ. 18:13) ብዘይ ሕጊ ሃይማኖት የቐይር ከም ዘሎ እዮም ዚእምቱ ነይሮም። ጋልዮስ ግና፡ ጳውሎስ ገለ “በደል” ወይስ ገለ “ኽፉእ ገበን” ከም ዘይገበረ ተገንዘበ። (ግብ. 18:14) ኣብ ክርክር ኣይሁድ ኪኣቱ ድሌት ኣይነበሮን። ጳውሎስ ገና ዋላ ሓንቲ ቓል ከየውስአ ኸሎ፡ ጋልዮስ ነቲ ጕዳይ ነጸጎ! እቶም ከሰስቲ በዚ ተቘጥዑ። ሕርቃኖም ከኣ ኣብቲ ንክሪስጶስ ተኪእዎ ኪኸውን ዚኽእል ሶስቴነስ ዚብሃል መራሕ ምኵራብ ኣውጽእዎ። ንሶስቴነስ “ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ወቕዕዎ።”—ግብ. 18:17።

15 እቶም ጭፍራ ንሶስቴነስ ኪወቕዕዎ ኸለዉ፡ ጋልዮስ ስቕ ኢሉ ዝረኣዮም ስለምንታይ እዩ፧ ምናልባት ንሶስቴነስ መራሕ እቶም ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ዝተንስኡ መናዓብቲ ኸም ዝዀነን ኢዱ ኸም ዝረኸበን ገይሩ ርእይዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ነገር ጽቡቕ ፍረ ኣፍርዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ጳውሎስ ናብ ጉባኤ ቈረንቶስ ኣብ ዝለኣኻ ቐዳመይቲ መልእኽቱ፡ ንሓደ ሶስቴነስ ዚብሃል ሓው ጠቒሱ ኣሎ። (1 ቈረ. 1:1, 2) እዚ ሶስቴነስ እዚ፡ እቲ ኣብ ቈረንቶስ እተወቕዐ ድዩ ነይሩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዘሕለፎ መሪር ተመክሮ ንክርስትና ኪቕበል ሓጊዝዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

16. እተን “ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነስ ምሳኻ እየ” ዚብላ ቓላት ጐይታ፡ ኣብ ኣገልግሎትና እንታይ ጽልዋ ኣለወን፧

16 ጐይታና የሱስ ንጳውሎስ፡ “ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነስ ምሳኻ እየ” ኢሉ ዘተባብዖ፡ ኣይሁድ ንስብከት ጳውሎስ ምቕባል ድሕሪ ምእባዮም ምንባሩ ትዝክር ትኸውን። (ግብ. 18:9, 10) ብፍላይ መልእኽትና ተቐባልነት ኪስእን ከሎ፡ ነዘን ቃላት እዚአን ክንዝክር ኣሎና። የሆዋ ልቢ እቶም ቅኑዓት ሰባት ከም ዜንብብን ናብኡ ኸም ዚስሕቦምን ክንርስዕ የብልናን። (1 ሳሙ. 16:7፣ ዮሃ. 6:44) ኣብ ኣገልግሎት ትሑዛት ምዃንና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜተባብዓና! ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ይጥመቑ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ኣብ መመዓልቲ ኣማእታት ይጥመቑ ኣለዉ ማለት እዩ። የሱስ ነቶም፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ” ዚብል ትእዛዝ ዚሕልዉ ሰባት፡ “ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ እቲ ስርዓት ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብል መተባብዒ ሂብዎም ኣሎ።—ማቴ. 28:19, 20።

“የሆዋ እንተ ፈቒዱ” (ግብሪ ሃዋርያት 18:18-22)

17, 18. ጳውሎስ ናብ ኤፌሶን ኪኸይድ ከሎ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚሓስብ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧

17 ጋልዮስ ነቶም ንጳውሎስ ዝኸሰስዎ ሰባት ግዲ ዘይምግባሩ፡ ኣብታ ኣብ ቈረንቶስ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤ እዋን ሰላም ኣምጺኡ እንተ ዀይኑ፡ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ ግና፡ “ዚኣክል መዓልትታት ምስ ጸንሐ” እዩ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ተሰናቢትዎም። ኣብ ጽድያ 52 ድ.ክ.፡ ካብታ ኻብ ቈረንቶስ ናብ ምብራቕ 11 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወደብ ክንክሬኣ፡ ብመርከብ ናብ ሶርያ ነቐለ። ቅድሚ ምንቃሉ ግና፡ “መብጽዓ ስለ ዝነበሮ . . . ኣብ ክንክሬኣ ጸጕሪ ርእሱ ኣሕጺሩ [ተቐምቀመ።]”c (ግብ. 18:18) ምስ ኣኪላስን ጵርስኪላን ብሓባር ኰይኑ ኸኣ፡ ናብታ ስግር ባሕሪ ኤጀያ ኣብ ንእሽቶ እስያ እትርከብ ኤፌሶን ከደ።

18 ጳውሎስ ካብ ክንክሬኣ ብመርከብ ኪኸይድ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ቈረንቶስ ዘሕለፎ ግዜ ሓሲቡሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዙሕ ጽቡቕ ተዘክሮታትን ዕግበት ዜምጽእ ምኽንያታትን ነበሮ። ኣብኡ ዓመትን መንፈቕን ብምጽናሑ፡ ፍረ ኣፍርዩ እዩ። ኣብ ቈረንቶስ ቀዳመይቲ ጉባኤ ተመስረተት፡ ኣብ ቤት ዮስጦስ ድማ ትእከብ ነበረት። ገለ ኻብቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ሰባት፡ ዮስጦስ፡ ክሪስጶስን ስድራ ቤቱን፡ ካልኦት ብዙሓት እውን ኪጥቀሱ ይከኣሉ እዮም። ጳውሎስ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ፡ ክርስትያናት ኪዀኑ ስለ ዝሓገዞም ይፈትዎም ነበረ። ጸኒሑ ኣብ ዝጸሓፈሎም መልእኽቲ፡ ኣብ ልቡ ኸም እተጻሕፈት እተማዕቍብ ደብዳበ፡ ወይ ብቕዓቱ እተረጋግጽ ደብዳበ ገይሩ ገለጾም። ንሕና እውን ምስቶም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኪቕበሉ ዝሓገዝናዮም ሰባት ንቀራረብ ኢና። ነቶም “ዚንእዳና ደብዳበታት” እተባህሉ ሰባት ክንርኢ ኸለናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዕግበት ዚስምዓና!—2 ቈረ. 3:1-3።

19, 20. ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሐ እንታይ ገበረ፧ ካብኡኸ መንፈሳዊ ሸቶታት ብዛዕባ ምውጻእ እንታይ ንምሃር፧

19 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሐ፡ ብኡብኡ ኣብ ዕዮኡ ተጸምደ። “ናብ ምኵራብ ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ተዛራረበ።” (ግብ. 18:19) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ኤፌሶን ሓጺር እዋን እዩ ጸኒሑ። ኪቕኒ እኳ እንተ ለመንዎ፡ “ኣበዮም።” ነቶም ሰብ ኤፌሶን ኪሰናበቶም ከሎ፡ “የሆዋ እንተ ፈቒዱ፡ ክምለሰኩም እየ” በሎም። (ግብ. 18:20, 21) ኣብ ኤፌሶን ብዙሕ ኪስበኽ ከም ዜድሊ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኪምለስ እኳ እንተ መደበ፡ ነቲ ነገር ግና ኣብ ኢድ የሆዋ እዩ ሓዲግዎ። እዝስ ንዓና ጽቡቕ ኣብነት ደይኰነን ዚዀነና፧ መንፈሳዊ ሸቶታት ንምውጻእ ተበግሶ ኽንወስድ ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ወትሩ ኻብ የሆዋ መምርሒ ኸነናድን ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና ንምንባር ክንጽዕርን ኣሎና።—ያእ. 4:15።

20 ጳውሎስ ንኣኪላስን ጵርስኪላን ኣብ ኤፌሶን ሓዲጉ፡ ብባሕሪ ገይሩ ናብ ቂሳርያ ኸደ። ካብኣ ኸኣ “ደዪቡ”—ናብ የሩሳሌም እዩ ኪኸውን ዘለዎ—ነታ ኣብኡ ዘላ ጉባኤ ሰላም በለ። (ግብ. 18:22) ድሕሪኡ፡ ናብታ መዕረፊቱ ዝነበረት ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኸደ። ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ብዕዉት መገዲ ተዛዘመ። እሞኸ ኣብ ናይ መወዳእታ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧

መብጽዓ ጳውሎስ

ግብሪ ሃዋርያት 18:18፡ “ጳውሎስ . . . መብጽዓ ስለ ዝነበሮ ኸኣ፡ ኣብ ክንክሬኣ ጸጕሪ ርእሱ ኣሕጺሩ ተቐምቂሙ” ትብል። እንታይ ዓይነት መብጽዓ እዩ ነይርዎ፧

ብሓፈሻኡ፡ መብጽዓ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ነገር ንምግባር፡ መስዋእቲ ንምቕራብ፡ ወይ ኣብ ሓደ ዅነት ንምእታው ንኣምላኽ ብፍታው ዚእቶ ቓል እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ጳውሎስ ርእሱ እተላጸየ፡ መብጽዓ ናዝራውነቱ ንምፍጻም ከም ዝዀነ ይኣምኑ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ግና፡ ሓደ ናዝራዊ ንየሆዋ ፍሉይ ኣገልግሎት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ “ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ” እዩ ርእሱ ኺላጸ ነይርዎ። እዚ ተግባር እዚ፡ ኣብ ክንክሬኣ ዘይኰነስ፡ ኣብ የሩሳሌም ጥራይ ኪፍጸም ዝነበሮ እዩ ዚመስል።—ዘሁ. 6:5, 18።

ግብሪ ሃዋርያት ብዛዕባ መብጽዓ ጳውሎስ ዋላ ሓንቲ ኣይትገልጽን እያ። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ካብ የሆዋ ሓደ ነገር እንተ ለሚኑ እውን ኣይተሓበረን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝሓበሮ፡ ጳውሎስ ጸጕሪ ርእሱ ኣሕጺሩ ምቕምቃሙ፡ “ካብ ኣምላኽ ብዝረኸቦ ዕቝባ፡ ኣብ ቈረንቶስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ብምኽኣሉ፡ ምስጋናኡ ንምግላጽ” እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል።

a “ቈረንቶስ—ብዓልቲ ኽልተ ባሕሪ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b “ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፋ ዜተባብዓ መልእኽትታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

c “መብጽዓ ጳውሎስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ