ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 8 ገጽ 60-67
  • እታ ጉባኤ “ሰላም ረኺባ ተሃንጸት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እታ ጉባኤ “ሰላም ረኺባ ተሃንጸት”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-5)
  • “ሳውል ሓወይ፡ . . . ጐይታና . . . ናባኻ ልኢኹኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:6-17)
  • “ብዛዕባ የሱስ . . . ሰበኸ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:18-30)
  • “ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:31-43)
  • የሱስ ንሳውል ሓረዮ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • እቲ ሰጓጒ ዓቢ ብርሃን ይርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንኣእምሮኡ ሓደሰ
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ኣብ መገዲ ደማስቆ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 8 ገጽ 60-67

ምዕራፍ 8

እታ ጉባኤ “ሰላም ረኺባ ተሃንጸት”

እቲ ሕሱም ሰጓጒ ዝነበረ ሳውል፡ ቀናእ ኣገልጋሊ ዀነ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 9:1-43 እተመስረተ

1, 2. ሳውል ኣብ ደማስቆ እንታይ ኪገብር እዩ ሓሊኑ ዝነበረ፧

እቶም ጸዋጋት ተጓዓዝቲ ናብታ እኩይ ውጥኖም ኪፍጽሙላ ዚኸዱ ዝነበሩ ደማስቆ ቐሪቦም ነበሩ። ነቶም ጽሉኣት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ኣባይቶም መንዚዖም ኪኣስርዎምን ኬዋርድዎምን ናብ የሩሳሌም ወሲዶም በቲ ዋዕላ ኸም ዚቕጽዑ ኺገብርዎምን እዮም ሓሊኖም ነይሮም።

2 መራሒ እቶም ጕጅለ ሳውል ዚብሃል ኰይኑ፡ ኣቐዲሙ ደም ኣፍሲሱ ነበረ።a ጥሩፋት ሃይማኖተኛታት ንእስጢፋኖስ ዚብሃል ውፉይ ወደ መዝሙር የሱስ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸለዉ፡ ነቲ ተግባሮም ሰሚርዎ ነበረ። (ግብ. 7:57–8:1) በቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ ዚወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ብዘይ ምዕጋቡ፡ ነቲ መስጐጕቲ ናብ ካልእ ቦታታት ኬላብዕ ተላዕለ። ነቶም “በታ መገዲ እቲኣ” ዘለዉ ሓደገኛታት ኣንቈራ ኼጥፍኦም ደለየ።—ግብ. 9:1, 2፣ “ሳውል ኣብ ልዕሊ ደማስቆ እተዋህቦ ስልጣን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

3, 4. (ሀ) ንሳውል እንታይ ኣጋጠሞ፧ (ለ) እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

3 ብሃንደበት ብርቱዕ ብርሃን ንሳውል ከበቦ። እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን እኳ እንተ ረኣይዎ፡ ሰምቢዶም ስለ ዝነበሩ ግና ተዓኒዶም ተረፉ። ሳውል ብዑረት ተወቒዑ ወደቐ። ኪርኢ ዘይክእል ብምንባሩ፡ ካብ ሰማይ፡ “ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ዚብሎ ድምጺ ሰምዐ። ሳውል ድማ በዚ ተገሪሙ፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተተ። እቲ እተዋህቦ መልሲ፡ “እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ” ዚብል ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ሰምቢዱ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 9:3-5፣ 22:9።

4 ካብቲ የሱስ ኣብ ፈለማ ንሳውል እተዛረቦ ቓላት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ካብቲ ሳውል ንእምነቱ ናብ ክርስትና ኣብ ዝቐየረሉ እዋን ዘጋጠመ ፍጻመታት እንታይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ካብቲ ሳውል ክርስትያን ምስ ኰነ፡ እታ ጉባኤ ነቲ እዋን ሰላም እተጠቕመትሉ መገዲኸ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

ሳውል ኣብ ልዕሊ ደማስቆ እተዋህቦ ስልጣን

ሳውል ኣብ ካልእ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ኸይዱ ንሰባት ኪኣስር ስልጣን ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ እቲ ዋዕላ ዚብሃል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድን እቲ ሊቀ ኻህናትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኵሉ ቦታታት ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ቅኑዕን ጌጋን ናይ ምውሳን ስልጣን ነበሮም፣ እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበሮ ስልጣን ከኣ ንገበነኛታት ከም ዜስተልሙ ዚገብር ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ደብዳበ እንተ ጽሒፉ፡ እቶም ኣብ ምኵራባት ደማስቆ ዝነበሩ ሽማግለታት ኪተሓባበሩ ይድረኹ ነበሩ።—ግብ. 9:1, 2።

ብዘይካዚ፡ ሮማውያን ንኣይሁድ፡ ንፍርዲ ዚምልከት ጕዳያቶም ባዕሎም ኪሕዝዎ መሰል ሂቦምዎም ነበሩ። እዚ ድማ፡ ኣይሁድ ንሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሓሙሽተ ሳዕ “ን40 ሓደ ጐደል” ኪገርፍዎ ዝኸኣሉሉ ምኽንያት ክንርዳእ የኽእለና። (2 ቈረ. 11:24) መጽሓፍ 1 መቃባውያን እውን፡ ብ138 ቅ.ክ. ሓደ ሮማዊ ቆንስል ናብቲ ገዛኢ ግብጺ ዝነበረ ቶለሚ ሻምናይ ከምዚ ኢሉ ኸም ዝጸሓፈ ትገልጽ፦ “ሓደገኛታት ሰባት ካብ ሃገሮም [ይሁዳ] ናባኻ ሃዲሞም እንተ መጺኦም፡ ንስምኦን እቲ ሊቀ ኻህናት ኣስተልሞም፣ ንሱ ድማ ብሕጎም ኪቐጽዖም እዩ።” (1 መቃባውያን 15:22) ብ47 ቅ.ክ.፡ ጁልየስ (ዩልዩስ) ቄሳር ነቲ ኣቐዲሙ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ልምድታት ኣይሁድ ንዚለዓል ሕቶታት ኬደቅስ ተሃዊብዎ ዝነበረ ስልጣን፡ ዳግማይ ኣረጋገጸሉ።

“ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” (ግብሪ ሃዋርያት 9:1-5)

5, 6. ካብቲ የሱስ ንሳውል እተዛረቦ ቓላት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

5 የሱስ ንሳውል ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ ደው ምስ ኣበሎ፡ “ስለምንታይ ንደቀ መዛሙርተይ ትሰጕጎም ኣለኻ፧” ኢሉ ኣይኰነን ሓቲትዎ። የግዳስ፡ ኣብ ላዕሊ ኸም ዝረኣናዮ፡ “ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧” ኢሉ እዩ ሓቲትዎ። (ግብ. 9:4) እወ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ሰዓብቱ ዚወርድ መከራ፡ ኣብኡ ኸም ዚወርድ ገይሩ እዩ ዚርእዮ።—ማቴ. 25:34-40, 45።

6 ምእንቲ እታ ኣብ ክርስቶስ ዘላትካ እምነት ትግፋዕ እንተ ኣሊኻ፡ የሆዋን የሱስን ንዅነታትካ ኸም ዚፈልጥዎ ኣይትጠራጠር። (ማቴ. 10:22, 28-31) እቲ ዜጋጥመካ ሓሳረ መከራ፡ ሕጂ ኣይውገድን ይኸውን። ሳውል ኣብ ቅትለት እስጢፋኖስ ኪሳተፍ ከሎ፡ ከምኡ እውን ኣብ የሩሳሌም ንእሙናት ደቀ መዛሙርቲ ኻብ ኣባይቶም ሰስሒቡ ኺወስዶም ከሎ፡ የሱስ ከም ዝረኣዮ ኣይትረስዕ። (ግብ. 8:3) ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ የሱስ ጣልቃ ኣይኣተወን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንእስጢፋኖስን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን፡ ተኣማንነቶም ንምሕላው ዜድልዮም ሓይሊ ሂብዎም እዩ።

7. ንዜጋጥመካ መስጐጕቲ ጸኒዕካ ምእንቲ ኽትሰግር እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

7 ንስኻ እውን ከምዚ ዚስዕብ እንተ ጌርካ፡ ንዜጋጥመካ መስጐጕቲ ጸኒዕካ ኽትሰግር ትኽእል ኢኻ፦ (1) ዝመጸ እንተ መጸ፡ እሙን ክትከውን ቈራጽነት ግበር። (2) ካብ የሆዋ ሓገዝ ለምን። (ፊል. 4:6, 7) (3) ሕነ ምፍዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ግደፎ። (ሮሜ 12:17-21) (4) የሆዋ ነቲ ሓሳረ መከራ ኽሳዕ ዚኣልዮ፡ ንምጽናዕ ዜኽእል ሓይሊ ኸም ዚህበካ እምነት ኣሕድር።—ፊል. 4:12, 13።

“ሳውል ሓወይ፡ . . . ጐይታና . . . ናባኻ ልኢኹኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:6-17)

8, 9. ሃናንያ ብዛዕባ እቲ እተዋህቦ ዕዮ ኸመይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል፧

8 የሱስ ነቲ ሳውል፡ “ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ሕቶ ድሕሪ ምምላሱ፡ “ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፣ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ እውን ኪንገረካ እዩ” በሎ። (ግብ. 9:6) ሳውል ስለ ዝዓወረ፡ ብሰብ ተመሪሑ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዜዕርፈሉ ቦታ ኸደ፣ ኣብኡ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ጾመን ጸለየን። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ የሱስ ንሓደ ኣብታ ኸተማ ዚነብር ሃናንያ ዚብሃል “ኣብኣ ብዚነብሩ ዅሎም ኣይሁድ ከኣ ጽቡቕ እተመስከረሉ” ወደ መዝሙር፡ ብዛዕባ ሳውል ተዛረቦ።—ግብ. 22:12።

9 ነቲ ሃናንያ እተሰምዖ እተሓዋወሰ ስምዒት እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ንፍሉይ ዕዮ መሪጹ ብቐጥታ ኣዛረቦ። ዓብዪ ኽብሪ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ፣ እንተዀነ ግና፡ እቲ ዕዮ እውን ቀሊል ኣይነበረን! ንሳውል ኪዛረቦ ኸም ዘለዎ ምስ ተነግሮ፡ “ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ንቕዱሳትካ ኣብ የሩሳሌም ክንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብዚ ድማ ንዅሎም እቶም ስምካ ዚጽውዑ ኺኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ” ኢሉ መለሰ።—ግብ. 9:13, 14።

10. ካብቲ የሱስ ንሃናንያ ዘዘራረበሉ መገዲ እንታይ ንምሃር፧

10 ሃናንያ ዘተሓሳሰቦ ነገር ስለ ዝገለጸ፡ የሱስ ኣይገንሖን። ኰይኑ ግና፡ የሱስ ንጹር መምርሒ ሃቦ። ነቲ ፍሉይ ዕዮ ኺዓዪ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብምግላጽ እውን ኣኽበሮ። የሱስ ብዛዕባ ሳውል፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ነገስታትን ደቂ እስራኤልን ስመይ ኪጸውር፡ ንዓይ ሕሩይ ኣቕሓ ስለ ዝዀነ፡ . . . ምእንቲ ስመይ ክንደይ መከራ ኺጸግብ ከም ዚግብኦስ ብግልጺ ኸርእዮ እየ” በለ። (ግብ. 9:15, 16) ሃናንያ ብኡብኡ ተኣዘዘ። ነቲ ሰጓጒ ዝነበረ ሳውል ኣናድዩ ረኸቦ፣ “ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከለኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ምእንቲ ኽትርእን ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኽትምላእን፡ ናባኻ ልኢኹኒ” ድማ በሎ።—ግብ. 9:17።

11, 12. ካብቲ ምስ የሱስን ሃናንያን ሳውልን እተተሓሓዘ ፍጻመታት እንታይ ንምሃር፧

11 ካብቲ ምስ የሱስን ሃናንያን ሳውልን እተተሓሓዘ ፍጻመታት፡ እተወሰነ ሓቅታት ብንጹር ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ከምቲ ቓል ዝኣተዎ፡ ንዕዮ ስብከት ኣብ ምምራሕ ብንጥፈት ይሳተፍ እዩ። (ማቴ. 28:20) ሎሚ ንውልቀ ሰባት ብቐጥታ እኳ እንተ ዘየዘራረበ፡ በቲ ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ዝሸሞ እሙን ባርያ ኣቢሉ ብዛዕባ ዕዮ ስብከት መምርሒ ይህብ እዩ። (ማቴ. 24:45-47) ኣስፋሕትን ፈለምትን፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ነቶም ብዛዕባ ክርስቶስ ዝያዳ ኺፈልጡ ዚደልዩ ንምርካብ ይልኣኹ እዮም። ኣብታ ቐቅድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ከም እተገልጸ፡ ብዙሓት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት መምርሒ ኺውሃቦም ድሕሪ ምጽላዮም፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ተገይሩሎም እዩ።—ግብ. 9:11።

12 ሃናንያ ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ብተኣዛዝነት ተቐበለ፡ በዚ ድማ ተባረኸ። እቲ እተመደበልካ ዕዮ ብእተወሰነ ዜፍርህ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣጸቢቕካ ንምምስካር እተዋህበካ መምርሒ ብተኣዛዝነት ትፍጽምዶ ኣለኻ፧ ገሊኦም ናብ በቤት ምኻድን ምስ ዘይፈልጥዎም ሰባት ምርኻብን የጨንቖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ንሰባት ኣብ ቦታታት ስራሕ፡ ኣብ መገዲ፡ ብተሌፎን፡ ወይ ብደብዳበ ምስባኽ በዳሂ ይዀኖም እዩ። ሃናንያ ንፍርሁ ኣሰነፈ፡ ንሳውል ከኣ መንፈስ ቅዱስ ኪቕበል ሓገዞ።b ኣብ የሱስ ስለ እተወከለን ንሳውል ከም ሓዉ ስለ ዝረኣዮን ዕዉት ነበረ። ንሕና እውን ከም ሃናንያ፡ የሱስ ንዕዮ ስብከት ይመርሖ ኸም ዘሎ እንተ ኣሚንናን ንሰባት ድንጋጽ እንተ ሓዲርናን ነቶም ኣዝዮም ዜፍርሁ ሰባት እውን ኣሕዋትና ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ ጌርና እንተ ርኢናን፡ ንፍርህና ኸነሰንፎ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 9:36።

“ብዛዕባ የሱስ . . . ሰበኸ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:18-30)

13, 14. ገና ዘይተጠመቕካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ዘለኻ እንተ ዄንካ፡ ካብ ኣብነት ሳውል እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧

13 ሳውል ነቲ እተማህሮ ብቕልጡፍ ዓየየሉ። ካብ ዑረቱ ምስ ሓወየ፡ ተጠምቀ፣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኪሓብር ጀመረ። በዚ ግና ኣየብቅዐን። “ብኡብኡ ድማ፡ ኣብ ምኵራባት ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ።”—ግብ. 9:20።

14 ገና ዘይተጠመቕካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ዘለኻ እንተ ዄንካ፡ ከም ሳውል ክትከውንን ነቲ እተምሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎን ዲኻ፧ ልክዕ እዩ፡ ሳውል ብክርስቶስ እተፈጸመ ተኣምር ብዓይኑ ርእዩ እዩ፣ እዚ ድማ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዝደረኾ ኣየጠራጥርን እዩ። እንተዀነ ግና፡ ካልኦት ሰባት እውን ነቲ የሱስ ዝፈጸሞ ተኣምር ርእዮም ነይሮም እዮም። ንኣብነት፡ የሱስ ንሓደ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ኬሕውዮ ኸሎ ገሊኦም ፈሪሳውያን ርእዮምዎ እዮም፣ ብዙሓት ኣይሁድ እውን የሱስ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ከም ዘተንስኦ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኦም ግዲ ዘይብሎም እዮም ነይሮም፣ አረ ገሊኣቶምሲ ተጻባእቲ እውን እዮም ነይሮም። (ማር. 3:1-6፣ ዮሃ. 12:9, 10) ሳውል ግና ኣተሓሳስባኡ ቐዪሩ እዩ። ካልኦት ኣረኣእያኦም ኣብ ዘይቅይሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሳውል ኣረኣእያኡ ዝቐየረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ካብ ንሰብ፡ ንኣምላኽ ይፈርህ ነበረ፣ ነቲ ክርስቶስ ዘርኣዮ ምሕረት ከኣ ኣዝዩ የማስወሉ ነበረ። (ፊል. 3:8) ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እንተ ኣሕዲርካ፡ ስብከት ከይትጅምርን ንጥምቀት ከይትበቅዕን ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይከተፍቅድን ኢኻ።

15, 16. ሳውል ኣብ ምኵራባት እንታይ ገበረ፧ እቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድከ እንታይ ገበሩ፧

15 ሳውል ኣብ ምኵራባት ብዛዕባ የሱስ ኪምህር ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እተሰምዖም ምግራምን ስምባድን ቍጥዓን ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ “እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስም እዚ ዚጽውዑ ዘጥፍኦም እዚ ደይኰነን፧” ኢሎም ሓተቱ። (ግብ. 9:21) ሳውል ብዛዕባ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ስለምንታይ ከም ዝቐየረ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ኣረድኦም።” (ግብ. 9:22) ርትዓዊ መረዳእታ ግና፡ ኵሉ ኣይኰነን ዚቕበሎ። ብልምድታት ኰነ ብዅርዓት ንኣእምሮኦም ዝዓጸውዎ ሰባት፡ ዋላ እኳ መረዳእታ እንተ ቐረበሎም፡ ኣይስቈሮምን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ሳውል ኣይተሓለለን።

16 ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን፡ እቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ ኣይሁድ ምስ ሳውል ይማጐቱ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ፡ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። (ግብ. 9:23፣ 2 ቈረ. 11:32, 33፣ ገላ. 1:13-18) እቲ ውዲቶም ምስ ተፈልጠ፡ ሳውል ብጥበብ ካብታ ኸተማ ኺለቅቕ ወሰነ፣ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ድማ ኣውረድዎ። ሉቃስ ነቶም ንሳውል ኬምልጥ ዝሓገዝዎ ሰባት፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ “ደቀ መዛሙርቱ” ማለት ደቀ መዛሙርቲ ሳውል ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። (ግብ. 9:25) ከምኡ ምባሉ፡ ገለ ኻብቶም ንሳውል ኣብ ደማስቆ ዝሰምዕዎ ሰባት፡ ንስብከቱ ተቐቢሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ከም ዝዀኑ ዜመልክት ይመስል።

17. (ሀ) ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ እንታይ ምላሽ እዮም ዚህቡ፧ (ለ) ንሕና እንታይ ካብ ምግባር ኢና ኸነቋርጽ ዘይብልና፧ ስለምንታይከ፧

17 ንኣባላት ስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ንኻልኦትን ብዛዕባ እቲ እተምሃርካዮ ጽቡቕ ነገራት ክትነግሮም ምስ ጀመርካ፡ ኵሎም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ርትዓዊ መረዳእታ ኪቕበልዎ ተጸቢኻ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ተቐቢሎምዎ ይዀኑ፡ መብዛሕትኦም ግና ኣይተቐበልዎን። ኣባላት ስድራ ቤትካ እውን ከይተረፉ ኸም ጸላኢ ገይሮም ርእዮምኻ ይዀኑ። (ማቴ. 10:32-38) ኰይኑ ግና፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ጌርካ ናይ ምርዳእ ክእለትካ ብቐጻሊ እንተ ኣማዕቢልካን ክርስትያናዊ ኣካይዳኻ እንተ ሓሊኻን፡ እቶም ዚጻረሩኻ እውን ከይተረፉ ኣረኣእያኦም ይቕይሩ ይዀኑ።—ግብ. 17:2፣ 1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1, 2, 7።

18, 19. (ሀ) ሳውል ሓቁ ምዃኑ በርናባስ ምስ መስከረሉ፡ እንታይ ጽልዋ ኣሕደረ፧ (ለ) ንበርናባስን ንሳውልን ብኸመይ ክንመስሎም ንኽእል፧

18 ሳውል ናብ የሩሳሌም ምስ በጽሐ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸም ወደ መዝሙር ገይሮም ምቕባል ኣጸገሞም። ኰይኑ ግና፡ ሳውል ሓቁ ምዃኑ በርናባስ ምስ መስከረሉ፡ ሃዋርያት ተቐበልዎ፡ ምሳታቶም ድማ ንእተወሰነ ግዜ ጸንሐ። (ግብ. 9:26-28) ሳውል ብጥበብ ይመላለስ እኳ እንተ ነበረ፡ በቲ ብስራት ግና ኣይሓፍርን እዩ ነይሩ። (ሮሜ 1:16) ኣብታ ባዕሉ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ብርቱዕ መስጐጕቲ ዝጀመረላ የሩሳሌም፡ ብትብዓት ሰበኸ። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ኣይሁድ፡ እቲ ንክርስትያናት ኬጥፍእ ኢሎም ዝሓሰብዎ ሰብ፡ ክርስትያን ኰይኑ ምስ መጾም ኣመና ሰምበዱ፡ ኪቐትልዎ ኸኣ ደለዩ። “እቶም ኣሕዋት እዚ ምስ ፈለጡ፡ [ንሳውል] ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ፡ ናብ ጠርሴስ እውን ሰደድዎ።” (ግብ. 9:30) ሳውል ነቲ በታ ጉባኤ ኣቢሉ እተዋህቦ ኻብ የሱስ ዝመጸ መምርሒ ተኣዘዘ። ንሱን እታ ጉባኤን ከኣ ተጠቕሙ።

19 በርናባስ ንሳውል ንምሕጋዝ ተበግሶ ኸም ዝወሰደ ኣስተብህል። እዚ ሕያውነቱ ድማ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ቐናኣት ኣገልገልቲ የሆዋ ጽቡቕ ዕርክነት ምእንቲ ኺምዕብል ኣበርክቶ ኸም ዝገበረ ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻኸ ኸም በርናባስ ምስቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሓደስቲ ሰባት ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ብምዕያይን ብመንፈስ ምእንቲ ኺዓብዩ ብምሕጋዝን፡ ብፍታው ትሕግዞም ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ብዙሕ ዓስቢ ኽትረክብ ኢኻ። ሓድሽ ኣስፋሒ እቲ ብስራት እንተ ዄንካ፡ ከም ሳውል ነቲ ዚቐርበልካ ሓገዝ ትቕበል ዲኻ፧ ዝያዳ ተመክሮ ምስ ዘለዎም ኣስፋሕቲ እንተ ዓዪኻ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎካ ኽእለት ኪመሓየሽ፡ ሓጐስካ ኺውስኽ፡ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ዚቕጽል ዕርክነት ድማ ክትምስርት ኢኻ።

“ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 9:31-43)

20, 21. ጥንቲ ዀነ ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንእዋን “ሰላም” ብኸመይ እዮም ተጠቒሞምሉ፧

20 ሳውል ክርስትያን ምስ ኰነን ካብ የሩሳሌም ብደሓን ምስ ወጸን፡ “እታ ኣብ ብዘላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ጉባኤ ሰላም ረኺባ ተሃንጸት።” (ግብ. 9:31) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ እዋን ራህዋ ብኸመይ ተጠቕሙሉ፧ (2 ጢሞ. 4:2) እታ ጉባኤ ‘ትህነጽ’ ከም ዝነበረት፡ ኣብቲ ጸብጻብ ተሓቢሩ ኣሎ። እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋትን ንእምነት እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣደልደሉ፣ እታ ጉባኤ “ብፍርሃት የሆዋን ብምጽንናዕ መንፈስ ቅዱስን ክትመላለስ ከላ” ድማ መሪሕ ግደ ነበሮም። ንኣብነት፡ ጴጥሮስ በቲ ግዜ እቲ ተጠቒሙ ነቶም ኣብታ ኣብ ጐልጐል ሳሮን እትርከብ ከተማ ልዳ ዚነብሩ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኣበራትዖም። ጻዕርታቱ ንብዙሓት ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ሰባት “ናብ ጐይታ” ኸም ዚምለሱ ገበሮም። (ግብ. 9:32-35) እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ካልእ ዋኒን ኣየላገሱን፣ የግዳስ፡ ንሓድሕዶም ይተሓላለዩን ነቲ ብስራት ይሰብኩን ነበሩ። ከም ውጽኢቱ፡ እታ ጉባኤ “እናበዝሐት ከደት።”

21 ኣብ ኣጋ መወዳእታ መበል 20 ዘመን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተመሳሳሊ “ሰላም” ረኺቦም እዮም። ንሓያሎ ዓመታት ንህዝቢ ኣምላኽ ዚጭቍኑ ዝነበሩ ስርዓታት ብሃንደበት ፈረሱ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ተገይሩ ዝነበረ እገዳ ድማ ብኸፊል ወይ ብምሉእ ተላዕለ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣጋጣሚ እቲ ተጠቒሞም ብግህዶ ሰበኹ፡ መስተንክር ፍረ ድማ ረኸቡ።

22. ነቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ናጽነት ከመይ ጌርካ ኢኻ ብዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧

22 ነቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ናጽነት ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ዘለዋ ሃገር ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ሰይጣን ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ደኣ እምበር፡ ደድሕሪ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከይድ ኣይደልየካን እዩ። (ማቴ. 13:22) ንስኻ ግና ካብ መገድኻ ኣይተላግስ። ነቲ ረኺብካዮ ዘለኻ ተዛማዲ ሰላም ብውጽኢታዊ መገዲ ተጠቐመሉ። ኣጸቢቕካ ንምምስካርን ነታ ጉባኤ ንምህናጽን እተኸፍተ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነ ጌርካ ርኣዮ። ኵነታትካ ብድንገት ኪቕየር ከም ዚኽእል ኣይትረስዕ።

23, 24. (ሀ) ካብቲ ምስ ጣቢታ እተተሓሓዘ ጸብጻብ እንታይ ንምሃር፧ (ለ) እንታይ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና፧

23 ጣቢታ ወይ ዶርቃስ ንእትብሃል ክርስትያን እንታይ ከም ዘጋጠማ እስከ ንርአ። ካብ ልዳ ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ዮጴ እትብሃል ከተማ ትነብር ነበረት። እዛ እምንቲ ሓብቲ እዚኣ “ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን” ስለ ዝነበረት፡ ንግዜኣን ንጥሪታን ብጥበብ ትጥቀመሉ ነበረት። ብሃንደበት ግና ሓሚማ ሞተት።c እቶም ኣብ ዮጴ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ብሞታ ሓዘኑ፣ ምናዳ ኸኣ እተን ጽቡቕ ዝገበረትለን መበለታት ብዙሕ ሓዘና። ጴጥሮስ ናብቲ ሬሳኣ ንቐብሪ ዚዳልወሉ ዝነበረ ቤት ምስ በጽሐ፡ ቅድሚኡ ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ ገይሮምዎ ዘይፈልጡ ተኣምር ገበረ። ድሕሪ ምጽላዩ፡ ንጣቢታ ኻብ ምዉታት ኣተንስኣ! ጴጥሮስ ነተን መበለታትን ነቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርትን ምስ ጸውዖም እሞ፡ ንጣቢታ ህያው ኰይና ምስ ረኸብዋ እተሰምዖም ሓጐስ ክትግምቶዶ ትኽእል፧ እዚ ነገር እዚ ነቲ ብድሕሪኡ ዝመጾም ፈተናታት ኪጻወሩ ኣበርቲዕዎም ኪኸውን ኣለዎ! እቲ ተኣምር፡ “ኣብ ብዘላ ዮጴ ተፈልጠ፣ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ።”—ግብ. 9:36-42።

ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ዕምባባታት ትህባ።

ንጣቢታ ብኸመይ ክትመስላ ትኽእል፧

24 ካብቲ ምስ ጣቢታ እተተሓሓዘ ባህ ዜብል ጸብጻብ፡ ክልተ ኣገዳሲ ነጥብታት ንምሃር ኢና። (1) ህይወት ቀልጢፋ እያ እትሓልፍ። ስለዚ፡ እቲ ኣጋጣሚ ኸይተዓጽወ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም ከነጥሪ ኣሎና። (መክ. 7:1) (2) ተስፋ ትንሳኤ እተረጋገጸ እዩ። የሆዋ ነቲ ጣቢታ ዝገበረቶ ብዙሕ ጽቡቕ ግብሪ ኣስተብሂሉሉን ዓስባ ሂብዋን እዩ። ንሕና እንገብሮ ጻዕሪ እውን ይዝክሮ እዩ፣ ህይወትና ቕድሚ ኣርማጌዶን እንተ ኣብቂዓ ኸኣ፡ ኬተንስኣና እዩ። (እብ. 6:10) ስለዚ፡ ኣብ “እዋን ጸበባ” ንሃሉ ኣብ “እዋን ራህዋ” ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ ክርስቶስ ኣጸቢቕና ንመስክር።—2 ጢሞ. 4:2።

ሳውል እቲ ፈሪሳዊ

እቲ እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ኪቕተል ከሎ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተጠቒሱ እንረኽቦ “ሳውል ዚብሃል ጐበዝ፡” ብዓል ጠርሴስ እዩ ነይሩ። ጠርሴስ ርእሲ ኸተማ ቂልቅያ እያ ነይራ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ቂልቅያ ብሮሜ ትመሓደር ነበረት፡ ሕጂ ድማ ኣብ ደቡብ ቱርኪ ትርከብ። (ግብ. 7:58) ኣብታ ኸተማ ብዙሓት ኣይሁድ ይቕመጡ ነበሩ። ሳውል፡ “ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ህዝቢ እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ንሕጊ ብዚምልከት ፈሪሳዊ እየ” ኢሉ ብዛዕባ ርእሱ ጽሒፉ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ ጽሩይ ኣይሁዳዊ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።—ፊል. 3:5።

ሳውል እቲ ፈሪሳዊ።

እታ ሳውል ዝዓበየላ ኸተማ፡ ዓባይን ብልጽግትን ማእከል ንግዲ፡ ከምኡ እውን ማእከል ባህሊ ግሪኽ እያ ነይራ። ኣብ ጠርሴስ ስለ ዝዓበየ፡ ግሪኽኛ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣይሁድ ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝውቱር ዝነበረ ምስፋይ ድንኳን እውን ከኣለ። ገና ንእሽቶ ኸሎ፡ ነዚ ሞያ እዚ ኻብ ኣቦኡ ተማሂርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብ. 18:2, 3።

ሳውል ኪውለድ ከሎ ኣትሒዙ ሮማዊ ምዃኑ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተገሊጹ ኣሎ። (ግብ. 22:25-28) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ኻብ ኣቦታቱ ነዚ ዜግነት እዚ ሒዙ ነይሩ ማለት እዩ። ስድራ ቤት ሳውል ብኸመይ ሮማውያን ከም ዝዀኑ ኣይፍለጥን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ሓለፋ እቲ ምርካቦም፡ ካብቶም ኣብ ቂልቅያ ዚርከቡ ዝለዓሉ ኽፋል ማሕበረ ሰብ ከም ዚቝጸሩ እዩ ዚገብሮም። ሳውል ዝነበሮ ኣተዓባብያን ዝረኸቦ ትምህርትን፡ ንሰለስተ ባህልታት፡ ማለት ባህሊ ኣይሁድን ግሪኽን ሮሜን ኣጸቢቑ ኺርዳእ ኣኽኣሎ።

ሳውል ወዲ 13 ዓመት ቅድሚ ምዃኑ፡ 840 ኪሎ ሜተር ተጓዒዙ ናብ የሩሳሌም ብምኻድ፡ ኣብኡ ትምህርቱ ቐጺሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ፡ ኣብ እግሪ እቲ ብፈሪሳውያን ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ገማልኤል ዚብሃል መምህር ተማህረ።—ግብ. 22:3።

እቲ ተወሳኺ መጽናዕትታት እቲ፡ ምስዚ ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዚውሰድ ትምህርቲ ዚመዓራረ ዀይኑ፡ እቶም ተምሃሮ እውን ቅዱሳት ጽሑፋትን ብኣፍ ዚመሓላለፍ ሕጊ ኣይሁድን ኪሽምድዱ ትምህርቲ ይውሃቦም ነበረ። ኣብ እግሪ ገማልኤል እተማህረ ዕዉት ተምሃራይ፡ ጽቡቕ ስራሕ ኪሕዝ ይኽእል ነበረ፣ ሳውል እውን ንፉዕ ተምሃራይ ነበረ። ጸኒሑ፡ “ንስርዓት ኣቦታተይ ዝያዳ ቕንኣት ስለ ዝነበረኒ፡ ብኣይሁድነት ካብ ብዙሓት መሳቶይ ዝዀኑ ደቂ ዓደይ ዝያዳ ዕቤት እገብር ነይረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላ. 1:14) እቲ ንስርዓት ኣይሁድ ዝነበሮ ቕንኣት ድማ፡ ነታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብርቱዕ መስጐጕቲ ኸም ዜውርደላ ገበሮ።

ጣቢታ—“ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብር”

ጣቢታ ትምጽውት።

ጣቢታ ኣባል እታ ኣብ ወደባዊት ከተማ ዮጴ እትርከብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እያ ነይራ። “ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብርን ምጽዋት ትምጽውትን” ስለ ዝነበረት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾታ ይፈትውዋ ነበሩ። (ግብ. 9:36) ከምቲ እቶም ኣይሁድን ኣህዛብን ተሓዋዊሶም ኣብ ዚነብሩሉ ቦታታት ዚርከቡ ኣይሁድ ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ጣቢታ እውን ክልተ ስም፡ ማለት ሓደ ብእብራይስጢ ወይ ብኣረማይስጢ፡ ሓደ ኸኣ ብግሪኽኛ ወይ ብላቲን ነበራ። ብግሪኽኛ ስማ፡ ዶርቃስ ዚብሃል ኰይኑ፡ ብኣረማይስጢ “ጣቢታ” ተባሂሉ ይትርጐም ነበረ። ክልቲኡ ስማት “ሰስሓ” ማለት እዩ።

ጣቢታ ሓሚማ ሞተት። ከምቲ ልማድ ድማ፡ ሬሳኣ ንቐብሪ ንምድላው ተሓጽበ። ኣብ ደርቢ ኸኣ ተነብረ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ቤታ ዝነበረ ደርቢ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ መብዛሕትኡ ግዜ ምዉቕ ኵነታት ኣየር ስለ ዘሎ፡ ሰብ ምስ ሞተ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ወይ ንጽቢሒቱ ኪቕበር ነበሮ። ኣብ ዮጴ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ከተማ ልዳ ኸም ዘሎ ሰሚዖም ነበሩ። ጣቢታ ገና ኸይተቐብረት፡ ጴጥሮስ ናብ ዮጴ ኺመጽእ ይኽእል ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ኸተማታት 18 ኪሎ ሜተር ዚኣክል ርሕቀት ስለ ዝነበረ፡ ኣርባዕተ ሰዓት ዚወስድ መገዲ ጥራይ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንጴጥሮስ ከይደንጐየ ኺመጽእ ምእንቲ ኺልምንዎ፡ ክልተ ሰብኣይ ተላእኩ። (ግብ. 9:37, 38) ሓደ ምሁር፡ “ኣብ ጥንታዊ ኣይሁድነት ክልተ ልኡኻት ምልኣኽ ልሙድ ነበረ፣ ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ምስክር ምእንቲ ኪዀኖ ተባሂሉ እዩ” በለ።

ጴጥሮስ ናብ ዮጴ ምስ በጽሐ እንታይ ኰነ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ኢሉ ይነግረና፦ “ናብቲ ደርቢ ኣደየብዎ፣ ኵለን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያን ዶርቃስ ምሳታተን ከላ ዝሰፈየቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦን ኣብ ቅድሚኡ ቐረባ።” (ግብ. 9:39) ሓደ ኻብቲ ንጣቢታ ኣብ ኣባላት ጉባኤኣ ተፈታዊት ዝገበራ ነገር፡ ክዳውንቲ ትሰፍየሎም ስለ ዝነበረት እዩ። ቀምሽን ብልዕሊኡ ዚድረብ ክዳንን ትገብረሎም ነበረት። ጣቢታ ንዅሉ እቲ ወጻኢታት ባዕላ ትሽፍኖ እንተ ነይራ፡ ወይ ጕልበታ ጥራይ ብናጻ እንተ ኣበርኪታ ኣይተገልጸን። ዝዀነ ዀይኑ፡ በቲ ሕያውነታን ‘ምጽዋታን’ ትፍቶ ነበረት።

ጴጥሮስ በቲ ኣብቲ ደርቢ ዝረኣዮ ነገር፡ ልቡ ተተንክዩ ኪኸውን ኣለዎ። ሪቻርድ ለንስኪ ዚብሃል ምሁር፡ “እዚ ሓዘን እዚ፡ ካብቲ ኣብ ቤት ያኢሮስ ዝነበረ መልቀስትን ነፋሕቲ ሻምብቆን እተቘጽሩሉ ዋይዋይታ ዝመልኦ ሓዘን ኣጸቢቑ እተፈልየ ነበረ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ናይ ኣምሰሉ ሓዘን ኣይነበረን” በለ። (ማቴ. 9:23) ናይ ሓቅን ልባውን ሓዘን እዩ ነይሩ። ሰብኣይ ከም ዝነበራ ፈጺሙ ስለ ዘይተጠቕሰ፡ ብዙሓት ንጣቢታ ኸም ንጽል ገይሮም እዮም ዚወስድዋ።

የሱስ ንሃዋርያቱ ኺምዝዞም ከሎ፡ “ምዉታት ኣተንስኡ” ኢሉ ሓይሊ ሂብዎም ነበረ። (ማቴ. 10:8) የሱስ ከምዚ ዓይነት ተኣምራት ኪፍጽም ከሎ፡ ንጓል ያኢሮስ እውን ኬተንስኣ ኸሎ፡ ጴጥሮስ ርእይዎ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ቅድሚ እዚ ጸብጻብ እዚ፡ ዋላ ሓደ ሃዋርያ ንምዉት ከም ዘተንስአ ዚገልጽ ጸብጻብ የሎን። (ማር. 5:21-24, 35-43) ኣብቲ ግዜ እቲ ግና፡ ጴጥሮስ ነቶም ተዓዘብቲ ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ዕቱብ ጸሎት ኣቕረበ፣ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ጣቢታ ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ተንሲኣ እውን ኮፍ በለት። ጴጥሮስ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ምስ ጸውዖም እሞ፡ ንጣቢታ ህያው ኰይና ምስ ረኸብዋ፡ ኣብታ ኣብ ዮጴ እትርከብ ጉባኤ ዓብዪ ሓጐስ ኰይኑ ኪኸውን ኣለዎ!—ግብ. 9:40-42።

a “ሳውል እቲ ፈሪሳዊ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ብሓፈሻኡ፡ ውህበት መንፈስ ቅዱስ ብሃዋርያት ኣቢሉ እዩ ዚመሓላለፍ ነይሩ። ኣብዚ ዘይተለምደ ዅነታት ግና፡ ሃናንያ ንሳውል ውህበት መንፈስ ኬመሓላልፈሉ፡ ብየሱስ እተመዘዘ እዩ ዚመስል። ሳውል ድሕሪ እቲ ምስ የሱስ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምስቶም 12 ሃዋርያት ኣይተራኸበን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ግዜ እቲ፡ ብንጥፈት የገልግል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ ድማ፡ ሳውል ንዕዮ ስብከቱ ዜድልዮ ሓይሊ ኺውሃቦ ኸም ዘለዎ፡ የሱስ ወሲኑ ኪኸውን ኣለዎ።

c “ጣቢታ—‘ብብዝሒ ሰናይ ግብሪ ትገብር’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ