ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • yp2 ገጽ 193
  • ኣርኣያ​—ህዝቅያስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣርኣያ​—ህዝቅያስ
  • መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽበረና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ‘ኣብ የሆዋ ጠበቐ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • “ናብ የሆዋ . . . ጠበቐ”
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ኣምላኽ ንንጉስ ህዝቅያስ ይሕግዞ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
yp2 ገጽ 193

ኣርኣያ​—ህዝቅያስ

ህዝቅያስ ኣብ መቐይሮ ህይወቱ እዩ ነይሩ። ገና ወዲ 25 ዓመት ከሎ ንጉስ ይሁዳ ዀነ። ከመይ ዓይነት ንጉስ እዩ ነይሩ፧ በቲ ኣቦኡ ንጉስ ኣሃዝ ዝሓደጎ ሕማቕ ኣብነት ተጸልዩ ደዀን ይኸውን፧ ኣሃዝ ክሳዕ ዚመውት ዘይንሳሕ ከሓዲ እዩ ነይሩ። ኣረማዊ ኣምልኾ ኸም ዜስፋሕፍሕ ይገብር ነበረ፡ አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ እንተ ወሓደ ንሓደ ኻብ ኣሕዋት ህዝቅያስ ኣብ ኣረማዊ መሰውኢ ሰዊኡ እዩ። (2 ዜና መዋእል 28:1-4) ይኹን እምበር፡ ህዝቅያስ በቲ ግብዝና ዝመልኦ ጠባይ ኣቦኡ ተደሪኹ ንኣምልኾ የሆዋ ኣይጸልአን፡ ጌጋታት ኣቦኡ ኻብ ምድጋም ሓሊፉ ኻልእ መገዲ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ እውን ኣይተሰምዖን። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብ የሆዋ ጠበቐ።”—2 ነገስት 18:6 NW

ወላዲኻ ብኣምልኾ የሆዋ ዜላግጽ ድዩ፧ ሃሳዪ ወይ ሕማቕ ልማድ ዘለዎ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ጌጋታት ወላዲኻ ኽትደግም ኣይትግደድን ኢኻ! ህዝቅያስ ነቲ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝነበረ ሕማቕ ኵነታት ንህይወቱ ኼበላሽዎ ኣይፈቐደን። አረ ንፉዕ ንጉስ ካብ ምዃኑ እተላዕለስ፡ “ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ . . . ኣብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን” ተባሂሉሉ እዩ። (2 ነገስት 18:5) ንስኻ እውን ከም ህዝቅያስ ኣብ ሕማቕ ስድራ ቤት እኳ እንተ ዓበኻ፡ ኣብ ህይወትካ ዕዉት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ‘ኣብ የሆዋ ጥበቕ።’

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ