ኣርኣያ—እቶም ሰለስተ እብራውያን
ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ኣብቲ ኣብ ጥቓ ባቢሎን ዚርከብ ጐልጐል ዱራ ደው ኢሎም ነበሩ። ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ሰባት ነቲ ዓብዪ ምስሊ ይሰግዱ ነበሩ። እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ግን ካብ መዛኑኦም ጸቕጢ፡ ካብቲ ንጉስ ድማ ምጕብዕባዕ እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ካብ መትከሎም ፈልከት ኣይበሉን። ንየሆዋ ንኼገልግሉ ዝገበርዎ ውሳነ ንዋጋ ዕዳጋ ዘይቀርብ ምዃኑ፡ ንነቡካድነጻር ብኣኽብሮት ግን ከኣ ብጽንዓት ነገርዎ።—ዳንኤል 1:6፣ 3:17, 18
እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ብግዜ ንእስነቶም ተማሪኾም እዮም ናብ ባቢሎን ከይዶም። ገና ብንኣሽቱኦም እሙናት ምንባሮም፡ ማለት ነቲ ብሕጊ ኣምላኽ ተኸልኪሉ ኪኸውን ዚኽእል ምግቢ ምብላዕ ብምእባዮም፡ ጸኒሑ ኣብ ህይወቶም ንዘጋጠሞም ዝዓበየ ፈተና ኣዳለዎም። (ዳንኤል 1:6-20) ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ጥበባዊ መገዲ ምዃኑ ብተመክሮ ርእዮምዎ እዮም። ንስኻኸ ዋላ እውን ካብ መዛኑኻ ጸቕጢ እናወረደካ፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ጠቢቕካ ንምስዓብ ቈሪጽካ ዲኻ፧ ብግዜ ንእስነትካ ኣብቲ ንእሽቶ ዚመስል ነገራት እውን ንየሆዋ ትእዘዞ እንተ ዄንካ፡ ጸኒሑ ኣብ ህይወትካ ዓብዪ ብድሆታት ምስ ኣጋጠመካ ተኣማንነትካ ንምሕላው ተዳሊኻ ኽትጸንሕ ኢኻ።—ምሳሌ 3:5, 6፣ ሉቃስ 16:10