መቕድም
ብሉጽ ምኽሪ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧
ንኣዋልድ
እቲ ናብ ክፍልኹም ዝመጸ መልክዐኛ ሓድሽ ወዲ ኻብ ኣእምሮኺ ምውጻእ ኣብዩኪ ኣሎ። ‘ከም ዘለኹ እኳ ኣይፈልጥን እዩ፡ ስለዚ ብዛዕባኡ ምሕላመይ እንታይ ጕድኣት ኣለዎ፧’ ኢልኪ ትሓስቢ። ንስኺ ጥራይ እውን ኣይኰንክን ብዛዕባ እዚ ወዲ እዚ እትሓስቢ። ኵለን ኣዋልድ እየን ዚምነያኦ። ካብ ኣፈን ኣይጠፍእን እዩ።
ብሃንደበት ናባኺ ገጹ ይጥምት። ልቢ ዚሰርቕ ፍሽኽታ የርእየኪ። ንስኺ እውን ፍሽኽ ትብልዮ። ናባኺ ገጹ ይቐርብ።
ቍሩብ እናሓፈረ፡ “ሰላም” ይብለኪ።
“ሰላም ደሓንዶ፧” ኢልኪ ትምልስሉ።
“ዳንኤል እበሃል።”
“ሓድሽ ተመሃራይ ኢኻ፡ ሓቀይ፧” ትብልዮ።
“ቅድሚ ገለ ሰሙናት ኢና ምስ ስድራይ መጺእና።”
ዳንኤል ብሓቂ የዘራርበኪ ኸም ዘሎ ኽትኣምኒ ኣይከኣልክን።
ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ስምዒ እንዶባ፡ ሎሚ ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ገዛና ፓርቲ ኽገብር እየ። ክትመጺ ትደልዪዶ፧” ይብለኪ።
ድሕሪኡ ቕርብ ኢሉ ዓይኑ ይጸቅጥ።
“ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ወለደይ ኣይኪህልዉን እዮም፣ እቲ መስተ ዚቕመጠሉ ቦታ ድማ ኣይኪዓጽውዎን እዮም። እሂሞ እንታይ ትብሊ፧” ይብለኪ።
ዳንኤል መልሲ ኽትህብዮ ይጽበ ኣሎ። ኣብ ትምህርትኹም ዘላ ዝዀነት ትኹን ጓል ዓይና ኸይሓሰየት ሕራይ እያ እትብል!
ንስኺኸ እንታይ ክትብሊ ኢኺ፧
ንኣወዳት
ክልተ መማህርትኻ ናባኻ ገጾም ይመጹ ኣለዉ። ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኽልተ ሳዕ ሽጋራ ኸስትዩኻ ስለ ዝፈተኑ፡ ርእይ ምስ ኣበልካዮም፡ ከብድኻ ሓበጭበጭ ይብለካ። እዚ ኸኣ ሳልሳይ ግዜ እዩ።
እቲ ቐዳማይ ወዲ፡ “ሕጂ ኸኣ በይንኻ ኣለኻ፧ እሞ ምስ ሓንቲ መተዓልልቲ እትዀነካ ኸላልየካ” ይብለካ። ነታ “መተዓልልቲ” እትብል ቃል ዓይኑ እናጸቐጠ እዩ ተዛሪብዋ፡ ካብ ጁባኡ እውን ሓንቲ ነገር ኣውጺኡ ኣእዳዉ ይዝርግሓልካ።
ኣብ መንጎ ዓባይዓባይቶኡን መመልከቲቶኡን ሽጋራ እትመስል ነገር ትርኢ። እንታይ ምዃና ኣጸቢቕካ ፈሊጥካያ ኣለኻ፡ ከብድኻ ድማ መሊሱ ሓበጭበጭ ይብለካ።
“ኣይትሓዙለይ ደኣ እምበር ድሮ ነጊረኩም እየ። ኣነ ሽጋራ ኣየትክ . . .”
እቲ ኻልኣይ ወዲ ንዘረባኻ ዀሊፉ፡ “ብሰንኪ ሃይማኖትካ ዲኻ፧ ካን ኣኺሉካ ዝዀነ ይኹን ደስ ዜብል ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፧” ይብለካ።
እቲ ቐዳማይ ወዲ፡ “ወይስ ፈሪህካ ኢኻ” ኢሉ የላግጸልካ።
ዘሎካ ትብዓት ኣኻኺብካ፡ “ፈራህ ኣይኰንኩን!” ትብሎም።
ድሕሪኡ እቲ ኻልኣይ ወዲ ሕቝፍ ኣቢሉ ብልምሉም ደሃይ፡ “እሞ ሽጋራ ዘይትሰቲ!” ይብለካ።
እቲ ቐዳማይ ወዲ ነታ ጻዕዳ ነገር ናብ ኣፍካ ገጹ የቕርባ፡ ብትሑት ድምጺ ኸኣ፡ “ንዋላ ሓደ ኣይንነግርን ኢና። ዋላ ሓደ ኣይኪፈልጥን እዩ” ይብለካ።
እንታይ ኢኻ ኽትገብር፧
ኣብ ብዘላ ዓለም፡ መዓልታዊ ተመሳሳሊ ዅነታት የጋጥም እዩ። ከም ሓቂ ግን ገሊኦም መንእሰያት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ካብ ካልኦት ብዚሓይሽ ተዳልዮምሉ እዮም። ሓደ ሽጋራ ኺሰቲ ጸቕጢ እተገብረሉ ወዲ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ‘ኢደይ ክህብ እኳ እንተ ዘይደለኹ፡ ነዚ ጸቕጢ እዚ ምጽዋሩ ግን ከቢድ እዩ። ንመማህርተይ ከም ካልኦት ሰባት ምዃነይ ስለምንታይ ዘየርእዮም፧’ ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ወይ ሓንቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ተቛጺራ ግዜ ንኸተሕልፍ ሕቶ ዝቐረበላ ጓል፡ ‘መልክዐኛ እዩ። ሓንሳእ ጥራይ ሕራይ እንተ በልኩ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧’ ትብል ትኸውን።
በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ብዙሓት መንእሰያት ካብቲ ዚኣምኑሉ መትከሎም ፈልከት ንኸይብሉ ሰልጢኖም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ጌጋ ንኺገብሩ ዚመጾም ጸቕጢ ኣይከብዶምን እዩ። ከምኣቶም ክትከውን ትደሊዶ፧ ብርግጽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ብኸመይ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ግዜ ንእስነት ዜጋጥም ብድሆታት ብምትእምማን ንኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ብሉጽ ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከመይ ዓይነት ጕዳያት እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ርአ እሞ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ብፍላይ ንዓኻ ዚስሕበካ ጕዳያት ✔ ግበር።
ኣብ ገጽ 4ን 5ን ከም እትርእዮ፡ እዘን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ጕዳያት ምስቲ ኣብዛ መጽሓፍ ዘሎ ትሽዓተ ኽፋላት ዚዛመድ እዩ። ኣየኖት መሪጽካ፧ ፈለማ ነቲ ኽፋላት እቲ ኸተንብቦ ትደሊ ትኸውን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዚ መዳያት ህይወት፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ ኽትሕብረካ እያ።a
እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓሳባትካ ንኽትገልጽ ኣጋጣሚታት ክትከፍተልካ እያ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ “መደባተይ” ዘርእስታ ሳጹን ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ ኸኣ ነቲ ዘንበብካዮ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ሓሳባትካ ኽትጽሕፍ ሕቶ ኪቐርበልካ እዩ። ከምቲ ኣብ ገጽ 132ን 133ን ዚርከብ፡ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” ዝኣመሰለ ወረቐት ዕዮ ኸኣ፡ ነቲ ዜጋጥመካ ብድሆታት ተጠንቂቕካ ንኽትሓስበሉን ግብራዊ ፍታሕ ንኸተዳሉን ኪሕግዘካ እዩ። ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ “መዝገበይ” ብዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ገጽ እዩ ዚዛዘም፣ እዚ ድማ እቲ ኣብቲ ኽፋል ተጠቒሱ ዘሎ ነጥቢ ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ከም ዚውዕል ንኽትጽሕፍ ኬኽእለካ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትሽዓተ ኽፋላት እውን ሓሓደ ገጽ ዚሽፍን፡ “ኣርኣያ” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ክትረክብ ኢኻ። ኣብኡ ኸኣ ክንመስሎም ዘሎና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ሰባት ጐሊሖም ኣለዉ።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ” ኢሉ ይላበወካ። (ምሳሌ 4:5) እተን “ጥበብ” ከምኡውን “ምስትውዓል” ዚብላ ቓላት፡ ቅኑዕን ጌጋን ፈሊኻ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኽትገብር ከም ዘሎካ ይእምታ። ኣስፊሕካ ኽትርኢ ኣሎካ። ንኣብነት፡ ግጉይ ተግባር ዜስዕቦ ሳዕቤናትን ቅኑዕ ተግባር ዜፍርዮ ዓስብታትን ምፍላጥካ፡ ንጸቕጢ መዛኑ ብምትእምማንን ብትብዓትን ንኽትጻወሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ጸገማትካ ኣዝዩ ዓብዪ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ንበይንኻ ኣይኰነን ከምኡ ዜጋጥመካ ዘሎ። ካልኦት ከም ናትካ ዓይነት ጸገማት ኣጋጢምዎምስ ብዓወት ተዋጺኦምሉ እዮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ! ነዛ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ እትበሃል መጽሓፍ ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመላ። መጽሓፍ ቅዱስ ብሉጽ ምኽሪ ኸም ዝሓዘ ኸተእምነካ እያ!
[እግረ-ጽሑፍ]
a መብዛሕትኡ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ሓበሬታ፡ ካብቲ “መንእሰያት ዚሓትዎ” ዘርእስቱ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሕተም ንቕሑ! እትበሃል መጽሔት ዚወጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት ተመሪጹ እተጠርነፈ እዩ።