ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ol ክፋል 8 ገጽ 25-28
  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ
  • መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ውጻእ
  • ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል ነገራት ኣወግድ
  • ምስ ህዝቢ የሆዋ ሕበር
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ንሰይጣን ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ ኣገልግል
    መናፍስቲ ምዉታት ኪረድኡኻ ወይ ኪጐድኡኻ ይኽእሉዶ፧ ንምዃኑ ኣለዉዶ፧
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርሓቕ!
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
ዝያዳ ርአ
መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
ol ክፋል 8 ገጽ 25-28

8

ናይ ሓሶት ሃይማኖት ነጺግካ: ናይ ሓቂ ሃይማኖት ስዓብ

1. ሎሚ ንኣምልኾ ዚምልከት ንሰባት እንታይ ምርጫ እዩ ቐሪቡሎም ዘሎ፧

የሱስ “ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 12:30) ነፍሲ ወከፍና ብወገን የሆዋ ወይ ብወገን ሰይጣን ኢና ዘሎና። መብዛሕትኦም ሰባት ንኣምላኽ በቲ ንሱ ዚሰምሮ መገዲ ገይሮም ዜገልግልዎ ዘለዉ እኳ እንተ መሰሎም: መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ” ሰይጣን ምዃኑ ይገልጽ። (ራእይ 12:9) ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንኣምላኽ ዜምልኹ ዘለዉ ዚመስሎም እኳ እንተ ዀነ: ንሰይጣን ድያብሎስ እዮም ዜገልግሉ ዘለዉ! ሎሚ ሰባት: ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ የሆዋ ወይ ድማ ነቲ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ዝዀነ ሰይጣን ኬገልግሉ ምርጫ ቐሪቡሎም ኣሎ።—መዝሙር 31:5፣ ዮሃንስ 8:44

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ውጻእ

2. ሰይጣን: ሰባት ንኣምላኽ ካብ ምምላኽ ንኺዓናቕፎም ዚጥቀመሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

2 ንየሆዋ ኸተገልግል ምውሳን: ስምረት ኣምላኽ ከም እትረክብ ዚገብር ጥበባዊ ምርጫ እዩ። ሰይጣን ግን ዝዀነ ይኹን ሰብ ንኣምላኽ ኬገልግሎ ስለ ዘይደሊ: ነቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ብዙሕ ዕንቅፋታት የምጽኣሎም። ከምዚ ዚገብረሉ ሓደ መገዲ: ካብ ካልኦትን ካብ ኣዕሩኽካን ኣባላት ስድራቤትካን ላግጺ ወይ ምጽራር ብምምጻእ እዩ። የሱስ: “ንሰብ እቶም ቤተሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ማቴዎስ 10:36

3. ስድራቤትካ ወይ ኣዕሩኽካ ንኣምላኽ ካብ ምምላኽ ምስ ዚጻረሩኻ: እንታይ ምገበርካ፧

3 ንስኻ ኸምዚ እንተ ዜጋጥመካ እንታይ ምገበርካ፧ ብዙሓት ሰባት ኣምልኾኦም ጌጋ ምዃኑ እኳ እንተ ፈለጡ: ካብኡ ንኺወጹ ግን የድሓርሕሩ። ከምዚ ምግባር ንስድራቤትካ ምኽሓድ ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ዜዕግብ ምኽንያት ድዩ፧ ናይ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትካ ሓሽሽ ከም ዚወስዱ እንተ ትፈልጥ: እቲ ሓሽሽ ከም ዚጐድኦም መጠንቀቕካዮምዶ፧ ወይስ ምስኦም ሓቢርካ ሓሽሽ ምወሰድካ፧

4. እያሱ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበረ ኣምልኾ ኣመልኪቱ እንታይ በሎም፧

4 እያሱ ንእስራኤላውያን ነቲ ጌጋ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ተግባራቶምን ልምዲ ኣቦታቶምን ኪገድፉ ኣተባብዖም። “ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ: ብፍጽምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ: ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም: ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ” በሎም። (እያሱ 24:14) እያሱ ንኣምላኽ እሙን ስለ ዝነበረ የሆዋ ባረኾ። ንሕና እውን ንየሆዋ እሙናት እንተ ደኣ ዄንና: ኪባርኸና እዩ።—2 ሳሙኤል 22:26

ሃይማኖታዊ ትምህርትታት—እቲ ሓቅን እቲ ሓሶትን

  • ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓንቲ ሰበይትን ንደቃን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓለን

    ስላሴ:- ብዙሓት ሃይማኖታት ኣምላኽ ስላሴ እዩ ኢለን ይምህራ። “ኣቦ ኣምላኽ እዩ: ወዲ [የሱስ] ኣምላኽ እዩ: መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኣምላኽ እዩ፣ እንተዀነ ግን: ሓደ ኣምላኽ እምበር: ሰለስተ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን” ይብላ።

    መጽሓፍ ቅዱስ “ስላሴ” እትብል ቃል እኳ ኣይጠቅስን እዩ: ንየሆዋ ብሰለስተ ኣብ ሓደ ተጠርኒፎም ዘቘምዎ ምዃኑ እውን ኣይምህርን እዩ። የሆዋ ጥራይ እዩ ሓደ ኣምላኽ። ቀዳማይ ቈረንቶስ 8:6 “ንኣናስ . . . ሓደ ኣምላኽ ጥራይ: ኣቦ: አሎና” ትብል። የሆዋ እቲ ልዑል እዩ። የሱስ: ኣምላኽ ዘይኰነስ “ወዲ ኣምላኽ” እዩ። (1 ዮሃንስ 4:15) መንፈስ ቅዱስ: ኣምላኽ ኣይኰነን። ኣካል እውን ኣይኰነን። የግዳስ: ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ኤፌሶን 5:18

  • ነፍሲ:- ብዙሓት ሃይማኖታት ነፍሲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘላ ፈጺማ ዘይትመውት ነገር እያ ኢለን ይምህራ። መጽሓፍ ቅዱስ: ነፍሲ እቲ ሰብ ባዕሉ ምዃኑ: ሰብ ድማ ኪመውት ከም ዚኽእል እዩ ዚምህር።—ዘፍጥረት 2:7፣ ህዝቅኤል 18:4

  • ሲኦል:- ናይ ሓሶት ሃይማኖታት: ነፍሳት እቶም እኩያት ኣብ ሲኦል ንዘለኣለም ከም ዚሳቐያ ይምህራ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም ዘለዉ “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ይብል። (መክብብ 9:5) መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ እውን ይምህር እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8) እቲ ፈቃር ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንሰባት ፈጺሙ ብሓዊ ኣየሳቕን እዩ።

ሳጹን:- መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስላሴ: ነፍሲ: ከምኡውን ሲኦል እንታይ እዩ ዚምህር፧

ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል ነገራት ኣወግድ

ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ዝነበራ ናውቲ ኣስማት ተንድዶ

5. ናውቲ ኣስማት ከነጥፍኦ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

5 ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ምውጻእ ኪበሃል ከሎ: ከም እኒ ኽታባትን ኣስማታዊ ቐላብትን በናጅራትን ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ዝነበረና ናውቲ ኣስማት እውን ምጥፋእ ማለት እዩ። ከምዚ ምግባር ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ስለ ዜርኢ ኣገዳሲ እዩ።

6. ቀዳሞት ክርስትያናት ነቲ ናይ ጥንቈላ መጻሕፍቶም እንታይ እዮም ዝገበርዎ፧

6 ገሊኦም ቀዳሞት ክርስትያናት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኺስዕቡ ምስ ወሰኑ እንታይ ከም ዝገበሩ ርአ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም አኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣንደድዎ” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 19:19

7. ኣጋንንቲ ምስ ዜሸግሩና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

7 ቅድሚ ሕጂ ምስ ጥንቈላ: ስራይ: ወይ ኣስማት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዝነበሮም ሰባት ንየሆዋ ኼገልግሉ ምስ ጀመሩ ኣጋንንቲ የሸግርዎም ይዀኑ። ከምዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙካ: ዓው ኢልካ ስም የሆዋ እናጠቐስካ ጸሊ። የሆዋ ኺሕግዘካ እዩ።—ምሳሌ 18:10፣ ያእቆብ 4:7

8. ክርስትያናት ነቲ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዜገልግል ጣኦታትን ስእልታትን ምስልታትን ብኸመይ ይርእይዎ፧

8 እቶም ንየሆዋ ኼገልግሉ ዚደልዩ ሰባት: ዝዀነ ይኹን ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ምትእስሳር ዘለዎ ጣኦት: ስእሊ: ወይ ምስሊ ኺሕዙ የብሎምን። ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ‘ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰኑን ዚመላለሱ።’ (2 ቈረንቶስ 5:7) ነቲ ኣብ ኣምልኾ ዝዀነ ይኹን ምስሊ ምጥቃም ዚኽልክል ሕጊ ኣምላኽ የኽብርዎ እዮም።—ዘጸኣት 20:4, 5

ምስ ህዝቢ የሆዋ ሕበር

ሓንቲ ኣደን ንእሽቶ ጓላን ሓቢረን ምግቢ የዳልዋ

9. መጽሓፍ ቅዱስ ጥበበኛ ብዛዕባ ምዃን እንታይ ምኽሪ እዩ ዚህብ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 13:20) ጥበበኛታት ክንከውን እንተ ደኣ ደሊና: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንመላለስ ወይ ክንሓብር ኣሎና። ንሳቶም በታ ናብ ህይወት እትመርሕ መገዲ ዚመላለሱ ዘለዉ ህዝቢ እዮም።—ማቴዎስ 7:14

10. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምላኽ ንኸተገልግል ኪሕግዙኻ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብሓቂ ይሓልዩሎም እዮም። ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪርድኡ ይሕግዝዎም እዮም። ምሳኻ ዀይኖም ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገብር ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ሕቶታትካ ኺምልሱልካን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍልጠት ብኸመይ ኣብ ናብራኻ ኸም እተውዕሎ ኼርእዩኻን እዮም።—ዮሃንስ 17:3

11. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

11 ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታቶም ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ዝያዳ ኽትመሃር ኢኻ። ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንምስዓብ ዘሎካ ባህጊ ኺዓቢ እዩ። ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅታት ንኺመሃሩ ብኸመይ ክትሕግዞም ከም እትኽእል እውን ስልጠና ኽትረክብ ኢኻ።—እብራውያን 10:24, 25

ኣኼባ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

12. ጸሎት ንኣምላኽ ንኸተገልግሎ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ብዛዕባ ፍቓድን ዕላማን የሆዋ ዝያዳ እናተመሃርካ ምስ ከድካ: ነቲ ፍቕራዊ መገድታቱ ዘሎካ ሞሳን ምርዳእን እናዓበየ ኪኸይድ እዩ። ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ንምግባርን ዜጕህዮ ነገራት ንምውጋድን ዘሎካ ድሌት እውን ኪዓቢ ኣለዎ። ቅኑዕ ዘበለ ንምግባርን እከይ ዘበለ ንምውጋድን የሆዋ ኺሕግዘካ ብጸሎት ክትቀርቦ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ፊልጲ 4:6

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ሓቢሮም መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡ

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትስዕብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13. ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

13 ድሕሪ ግዜ ብመንፈስ እናዓበኻ ምስ ከድካ: ምስክር የሆዋ ንምዃን ርእስኻ ምውፋይን ምጥማቕን ዘለዎ ኣገዳስነት እናተረድኣካ ኸም ዚመጽእ ኣየጠራጥርን እዩ። ምስ ህዝቢ የሆዋ ብምሕባር ንልቢ የሆዋ ኸተሐጕሶ ኢኻ። (ምሳሌ 27:11) ኣብ መንጎ እቶም ኣምላኽ: “ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ: ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ: ንሳቶምውን ህዝበይ ኪዀኑ እዮም” ዝበሎም ሕጉሳት ህዝቢ ኽትከውን ኢኻ።—2 ቈረንቶስ 6:16

ምስ ኣጋንንቲ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽኩ

ጆሰፊን ኢኬዙ ምስ ገሊኦም ደቃ

ሓደ ለይቲ ምስ ሰብኣየይ ደቂሰ ኸለኹ: ሓደ ድምጺ ሰለስተ ሳዕ ብስመይ ጸውዓኒ። ብድሕሪኡ: እቲ ናሕሲ ኣብ ክልተ ኺምቀል ከሎ ርኤኹ: ኵዕሶ ዚመስል ዚቃጸል ነገር ድማ ኣብ ከብደይ ወደቐ። ልክዕ እዩ ሰብኣየይ ካብዚ ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይረኣየን። ኣነ ግን ንኣዋርሕ ዚኣክል ሓያል ዋዒ ይስምዓኒ ነበረ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: እቲ ድምጺ ኻልኣይ ሳዕ ጸውዓኒ። ብኡብኡ ኸኣ ብምልእታ እታ ገዛ ናብ ማይ ትሽመም ዘላ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ካብቲ ማይ ድማ ሓደ ገዚፍ ገበል ወጺኡ ኣብ ኢደይ ተጠምጠመ። ጸግ ከብሎ እኳ እንተ ፈተንኩ: ኣይከኣልኩን። ብፍርሂ ተዋሓጥኩ። ጸኒሑ እቲ ማይን እቲ ገበልን ጠፍኡ: ኣነ ድማ ናብ ምድሪ ጻሕ ኢለ ወደቕኩ። ንሰዓታት ዚኣክል ሃለዋተይ ኣጥፋእኩ። ብድሕሪኡ እቲ ድምጺ ናብቲ ኣብታ ቝሸት ዝነበረ መናፍስታዊ ፍወሳ ዚግበረሉ ቤተ-መቕደስ ክኸይድ ነገረኒ። ነቲ መንፈስ ስሙ ምስ ሓተትክዎ: “ወናኒ ሃብቲ: ውላድ ግን ዘይብሉ” ዝትርጕሙ ስም ነገረኒ። በቲ ናይ ምፍዋስ ሓይሊ ገይሩ ኸም ዜሀብትመኒ ድማ ተመባጽዓለይ።

ሕሙማት ካብ ርሑቕን ቀረባን ናባይ ኪመጹ ጀመሩ። ኣብ ቤተይ ቅድሚ ምብጻሖም: ኣብታ ፍልይቲ መስትያተይ ይረኣዩኒ ነበሩ። ሽዑ እቲ ሰብ ምስ መጸ: ኢደይ ምስ ኢዱ ብምጥቓዕ ዓይነት ሕማሙ ወይ ጸገሙን ፈውሱን ብኡብኡ ይግለጸለይ ነበረ። እቶም ሰባት ክንደይ ኪኸፍሉ ኸም ዘለዎም እውን እቲ መንፈስ ባዕሉ ይነግረኒ ነበረ።

እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ፍወሳ ውጽኢታዊ ብምንባሩ ብዙሕ ገንዘብን ውህበትን ረኸብኩ። “ወናኒ ሃብቲ” ዀንኩ: እቲ “ውላድ ግን ዘይብሉ” ዝበለኒ እንታይ ማለት ምዃኑ ድማ ኪርድኣኒ ጀመረ። ቈልዓ ኣብ ዝወልደሉ እዋን እቲ ምዕባዩ ይመውት ነበረ። እዚ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ። ነዚ መንፈስ እዚ ኣብ ዘገልገልኩሉ 12 ዓመት: ሽዱሽተ ደቀይ ሞቱ።

ሓገዝ ደልየ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመርኩ። ኣምሪረ ጸለኹ። ሓደ መዓልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማዕጾይ ኳሕኵሑ። መብዛሕትኡ እዋን እሰጎም እኳ እንተ ነበርኩ: ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ግን ክሰምዖም ወሰንኩ። ኣብቲ ዝገበርናዮ ምምይያጥ: ንጋኔን አገልገል ምንባረይ ፈለጥኩ! ሓተታ መናፍስቲ ኸቋርጽ ድማ ወሰንኩ።

ነቲ ጋኔን እዚ ምስ ነገርክዎ: ከምኡ ኸይገብር ኣጠንቀቐኒ። ይኹን እምበር: “ምሳኻ ዘሎኒ ርክብ ኣቋሪጸ እየ” በልክዎ።

ንጥንቈላ ዝጥቀመሉ ዝነበርኩ ዅሉ ነገራት ኣንደድክዎ። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ: ኣገልጋሊት የሆዋ ብምዃን ድማ ብ1973 ተጠመቕኩ። ሎሚ ሓሙሽተ ጥዑያት ውሉዳት ኣለዉኒ። ሰብኣየይ እውን እተጠምቀ ናይ የሆዋ ምስክር እዩ።—ጆሰፊን ኢኬዙ ዘዘንተወቶ

ሳጹን:- ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ኣጋንንቲ ዝነበራ ርክብ ዘቋረጸት ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ