ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ol ክፋል 2 ገጽ 5-7
  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ብኸመይ ክትመሃር ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ብኸመይ ክትመሃር ትኽእል፧
  • መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምነሉ እትኽእል ምኽንያት
  • መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ድዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
ol ክፋል 2 ገጽ 5-7

2

ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ብኸመይ ክትመሃር ትኽእል፧

ሓደ ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

1, 2. ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ክንውስን ከለና: ሓደ መዓቀኒ ኽንጥቀም ከም ዜድሊ ዜርኢ እንታይ ምሳሌ እዩ፧

ንኣምላኽ ብኸመይ ክንፈልጦ ንኽእል፧ ንትምህርትታት ብዙሓት ሃይማኖታት ክንምርምር ኣድላዪ ድዩ፧ ከምዚ ምግባር ዘይከኣል እዩ። ክንገብሮ እንተ ንኽእል እውን ኣየናይ ትምህርቲ ቕኑዕ ምዃኑ ብኸመይ ኢና እሞ ኽንፈልጥ፧

2 ልክዕ እዩ: ብዛዕባ ኣምላኽ እተፈላለየ ሓሳባት ስለ ዘሎ: ሰባት ኪሰማምዑሉ ዚኽእሉ ናይ ሓቂ መዐቀኒ ኽንረኽበሉ እንኽእል መገዲ ኸነናዲ ኣሎና። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ: ኣብ ዕዳጋ ዓቐን ሓንቲ ዓለባ የካትዕ ኣሎ ንበል። እቲ ሸያጣይ: እታ ዓለባ ሰለስተ ሜተር እያ ይብል፣ እቲ ዓዳጋይ ግን ካብ ሰለስተ ሜተር ትንእስ ኰይና ትስምዖ። እቲ ጕዳይ ብኸመይ ኪፍታሕ ይኽእል፧ ነታ ዓለባ ብሜተር ብምዕቃን እቲ ጕዳይ ኪፍታሕ ይኽእል።

3. መጽሓፍ ቅዱስ ስለምንታይ እዩ ተጻሒፉ፧

3 ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ጕዳያት ንምውሳን ክንጥቀመሉ እንኽእል መዓቀኒ ኣሎዶ፧ እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም መዓቀኒ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጸሓፍ ዝገበረ: ኵሎም ሰባት ብዛዕባኡ እቲ ሓቂ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ እዩ። ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቲሙ እዩ። ብምሉእ ወይ ብኸፊል ናብ ልዕሊ 2,100 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ። ዳርጋ ዅሉ ሰብ ብቛንቋኡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኼንብብ ይኽእል እዩ።

4. መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ፧

4 መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ዝሃበና ኽቡር ውህበት እዩ። ፈጺምና ኽንፈልጦ ዘይንኽእል ዝነበርና ነገራት ይገልጽ። ብዛዕባ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ዓለም ዚነብሩ ይዛረብ። ሓሳባት ኣምላኽ: ባህርያቱ: ከምኡውን ዕላማኡ ይገልጽ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣሽሓት ዓመታት ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ይነግረና። ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ይዛረብ። ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ብኸመይ ክንረኽባ ኸም እንኽእል እውን ይገልጽ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምነሉ እትኽእል ምኽንያት

5. መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ-ፍልጠት ከም ዚሳነ ዜርኢ ኣብነት እንታይ እዩ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ኽንኣምነሉ እንኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት: መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ-ፍልጠት ዚሰማማዕ ምዃኑ እዩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ ዅሎም ሰባት: ምድሪ ኣብ ሓደ ነገር ከም እተቐመጠት ገይሮም እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ንኣብነት: ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሰባት: ምድሪ 3,500 ግዜ ብልዕሊኣ: 3,500 ግዜ ድማ ብትሕቲኣ ኣብ እተጠቕለለ ገበል ተቐሚጣ ኸም ዘላ ይኣምኑ ነበሩ። እንተዀነ ግን: ቅድሚ 3,500 ዓመት ዚነብር ዝነበረ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ: ምስ ስነ-ፍልጠት ብምስምማዕ: ኣምላኽ “ንምድሪ ኣብ ገለ ዜብሉ የንጠልጥላ” ኢሉ ጸሓፈ።—እዮብ 26:7

6. መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ዝዓበየ መርትዖ እንታይ እዩ፧

6 መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ዝዓበየ መርትዖ: ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ኪንበ ዚኽእል ምዃኑ እዩ። ኣምላኽ ከም ጠንቈልቲ ዘይኰነስ: ብዛዕባ መጻኢ ብሓቂ ይፈልጥ እዩ፣ ኵሉ ዚብሎ ድማ ይፍጸም እዩ።

7. ቅድሚ ሕጂ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ገለ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧

7 ኣብ ግዜ ጥንቲ: ብኣማእታት ዚቝጸር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ንኣብነት: የሱስ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ መጽሓፍ ቅዱስ 700 ዓመት ኣቐዲሙ ብልክዕ ተነበየ: ከምኡ ኸኣ ኰነ። (ሚክያስ 5:2፣ ማቴዎስ 2:3-9) ኣብ ርእሲ እቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ብዙሕ ትንቢታት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣቐዲሙ ኻብ ድንግል ከም ዚውለድ: ኣብ መወዳእታ ድማ ብ30 ብሩር ከም ዚከሓድ ተነብዩ እዩ። እዚ ትንቢታት እዚ እውን ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ነዚ ነገራት እዚ ኣቐዲሙ ኺንበዮ ኸም ዘይክእል እተረጋገጸ እዩ።—ኢሳይያስ 7:14፣ ዘካርያስ 11:12, 13፣ ማቴዎስ 1:22, 23፣ 27:3-5

8. ገለ ኻብቲ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ እንታይከ እዩ ዜረጋግጽ፧

8 ብዙሕ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜና ይፍጸም ኣሎ። ገለ ኻብኡ እንሆ:-

  • “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ [ንውግእ] ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን . . . እዩ።—ሉቃስ 21:10, 11

  • ‘ዓመጻ ኺበዝሕ እዩ።’—ማቴዎስ 24:12

  • “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ንወለዶም ዘይእዘዙ: . . . ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: . . . ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

ዝጠመየ ቘልዓ፣ ኣብ ውግእ ዘሎ ሰብኣይ

እዚ ነገራት እዚ ሎሚ ይፍጸም ከም ዘሎስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ሓቅነትን ልክዕነትን ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ: መጽሓፍ ቅዱስ ተራ መጽሓፍ ዘይኰስ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፍ ምዃኑ እዩ ዜረጋግጽ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

መጽሓፍ ቅዱስ ተቐይሩ ድዩ፧

9, 10. ኣምላኽ: ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪቕይሩ ከም ዘይፈቐደሎም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

9 ወናኒ ሓደ ፋብሪካ ዄንካ ሰራሕተኛታትካ ኺምርሑሉ ዘለዎም መምርሒ ኣብ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ለጢፍካ ንበል። ጸላኢ መጺኡ ነቲ መምርሒ እንተ ዚቕይሮ: እንታይ ምገበርካ፧ ነቲ እተገብረ ለውጢ ኣይመዐረኻዮንዶ፧ ብተመሳሳሊ መገዲ: ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ሰባት ኪቕይርዎ ኣየፍቅድን እዩ።

10 እቶም ንትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኪቕይሩ ዝፈተኑ ሰባት ኣይተዓወቱን። እዚ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ቕዳሓት ሕደ እዩ። እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓመታት ዚኣክል ለውጢ ኸም ዘይተገብረሉ እዩ ዜርኢ።

ትውፊት ዜተኣማምን ድዩ፧

ባህላዊ ሃይማኖት ኣፍሪቃ ዝዀነ ይኹን ጥንታዊ ቕዱስ መጻሕፍቲ የብሉን። ትውፊታት: ሃይማኖታዊ ጽምብላት: ከምኡውን ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓሳባት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብቓል ይመሓላለፍ እዩ። እታ ዌስት ኣፍሪካን ትራዲሽናል ረሊጅን ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ብኣፍ ዚመሓላለፍ ሓበሬታ ሓቅነቱ ዘየተኣማምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሓበሬታ ብቓል ኪመሓላለፍ ከሎ ስለ ዚውሰኾን ዚጐድሎን: ስለ ዚተዓራረን ዚዛባዕን: ስለ ዚጋነንን ዜደናግርን: መብዛሕትኡ ግዜ ሓቂ ኻብ ፈጠራ ምፍላይ የጸግም እዩ።”

ሳጹን:- ሓንቲ መጽሓፍ: ትውፊት ዜተኣማምን ከም ዘይኰነ ንምግላጽ እንታይ በለት፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ